Friday, March 13, 2015

ሓይሊ ፍቕሪ


                                      ምዕራፍ. 1


እዚ ጽሑፍ ካብታ ‘’ Father make us one’’ እትብል ብ ብፍሎይድ ማክላንድ  ዝተጽሓፈት መጽሓፍ ዝተተርጎመ ኮይኑ ሃናጺ ሓሳባት እዩ ብምባል ብተኸታታሊ ክቐርቦ ሓሲበ በዚ ጽሑፍ ክትባረኹ ተስፋ እገብር።                                                                                    
             ሓይሊ ፍቕሪ
    1980 ዓ.ም ናይ ቅድም መንበሪ ገዛና ብምሕዳግ ሬድ- ላይት ናብ ዝተባህለ ናይ ኣምስተርዳም ምእከላይ ከተማ ዝገዓዝናሉ እዋን ‘ዩ ዝነበረ ። ዋላ’ካ እዚ ቦታ ሎሚ ከም ተወሊድና ዝዓበናሉ ከባቢ እንተፈተናዮ ኣብቲ መጀመሪያ እዋን ግና ኣይተሓጎስናሉን ዝነበርና።ካብቲ መንበሪ ቤትና ርሕቕ ኢልካ ቤት- ኣምልኾ ሰይጣን ይርከብ።ካብኡ ስግር ብምባል ድማ ግብረሶዶማውያን ናይ ምንዝርና ተግባሮም ዘካይድሉ ህንጻ  ኣሎ።ኣብ ሆላንድ ኣመንዝራነት ብሕጊ ዝተፈቐደ ብምኻኑ ልዕሊ ብርከን ዝተኸደና ደቀ-ኣንስትዮ ዓማዊለን ክጽበያ ምርኣይ ኣዝዮ ዝተለምደ ነገር እዩ።
    መዓልታዊ ቤት ትምህርቲ ክመላለሱ እንከለዉ  ነዘን ፈይቶት  ዝረኽብወን ደቅና ማቲውን ምሻን ብዙሕ ካብ ምርእኣይ ዝተላዕለ ተለማመዱ  እሞ መሓዙተን  ገበርኦም ።ድሒሮም ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝሰርሕዎ ስእልታት ብመልክዕ ህያብ ክህብወን  ጀመሩ።በዚ ኩነታት እተን ፈይቶት ነዞም ህጻናት ዝያዳ እንዳፈተውኦምን እናቐረብኦምን መጻ። ፍቕሪ ኣዝዩ ሓያል ዝኾነ ልቢ ናይ ምምራኽ ሓይሊ ኣለዎ።
       ብምኽንያት እዞም ህጻናት ዘርኣይወን ፍቕሪ ገለ ካብዘን ደቀንስትዮ ክርስትያናት ንምኻን በቒዔን ።ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ከባቢና ዝመጹ ሰባት ነዘን ደቀንስትዮ ከም ሰባት ንኽቕበልወን ከምዝኸብዶም ክንርዳእ ክኢልና ኣሎና።ብዙሕ ግዜ ሓጢኣተኛታት እዮም ኢልና እንግምቶም ሰባት ምፍቃር የሸግረና። ይኹን እንበር መልእኽቲ ወንጌል ንጎረቤትና ክነብጽሕ ዝኸኣለና ስለ ዘፍቀርናዮም እዩ።ዋላ’ውን ነቲ ክፉእ ተግባሮም ተሓባበርቲ ወይ ደገፍቲ ኣይንኹን ኣብ ውድቀት ንዘለው ንምቕባል ፍቓደኛታት ክንከውን ይግብኣና።ናይዘን ደቀንስትዮ ኣስማተን ብምፍላጥ ሓሓሊፍና ናብ ገዝአን ብምኻድ በጻሕናየን ።ድሕርዚ ናብ ቤትና ክመጻ ዓደምናየን  ።ንሕና ብዝተቐበልናየን መጠን ንሳተን ናባና ክቐርባ ጀመራ።ንሰባት ብፍቕሪ ምቕባል ዘምጽኦ ለውጢ ብዝግባእ ክርዳእ ዝኸኣልኩ ናብቲ ኣከባቢ ምስ ከድና ድሕሪ ሽድሽተ ወርሒ እዩ።ሓደ ሓደ ናይ ምስዮናውያን ሰበ ስልጣን ንኸባቢና ክበጽሑ ከምዝደልዩ ሓበሩና።ናይቲ ከባቢ ሓደ ሓደ ቦታ ድሕሪ ምዝውዋርና ናብቲ ናትና ትካል እናመጻና እንከለና ካብተን ብጣዕሚ ዝቐረብናየን ደቀንስትዮ ዝበዝሐ ክፍሊ ኣካላተን ዕርቃነን ብምኻን ጸሓይ ክሞቓ ረኸብናየን ።ምስዘን ደቀንስትዮ ካብ ምሒር ምቅርራብ ዝተላዕለ ሰላም ኣበሃህላና  ልክዕ ከምቲ ካብ ቅድም ኣትሒዝና እንፋለጥ ኣዕሩኽ ነበረ ።ከምዚኤን ዓይነት ሰባት ኣብ ቅድሚ መሳርሕተይ ስመይ ጸዊዔን ሰላም ስለዝበላኒ ሕፍረት ተሰምዓኒ ።እቶም መሳርሕተይ በዚ ኩነታት ከም ዝተዓዘቡኒ ዝፈለጥኩ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ እዩ።ኣብ ሓደ ኮንፈረንስ ስብከተይ ድሕሪ ምውድአይ ኣብ ሆላንድ ንዝርከብ ትካልና ንምብጻሕ ካብ ዝመጹ ሰባት ሓደ እተን ደቀንስትዮ ብኽመይ ዝበለ ኩነታት ሰላም ከም ዝበላኒ ይዝከረኒ እንተኾይኑ ሓተተኒ ።ኣነውን ጽቡቕ ጌረ ከም ዝዝክሮ ገለጽክሉ።ንሱ ብሬድ ላይት ኣከባቢ ኣብ ዝወሰድካኒ ግዜ ናይተን ኣመንዝራታት ሂወትን ንግዲ መራኸቢ ናይ ኣደንዛዚ ዕጽ ወልፈኛታት ዝኾኑ ብብዝሒ ተዓዚበ ይኹን እንበር ንኹሎም ሰላም ክትብሎም እንከልኻ ብፍላይ ድማ ነተን ክልተ ኣስማተን እናጸዋዕካ ሰላም ዝበልካየን ክሳብ ሎሚ ኣስማተን ኣይረሳዕክዎን ።  ሰላም ክትብሎም ብምርኣይ ልበይ ተተንከፈ።እዞም ሰባት ብመንነቶም ወይ እንታይነቶም ዘይኮነ ከም ሰብኣውያን ፍጡራት ክርእዮም ዝኻኣልኩ ድሕሪ እዛ ግዜ እዚኣ እያ በለኒ።ኣነውን ብልበይ ብጣዕሚ ተተንከፍኩ።ሓጢኣተኛታት ምስ ሓጢኣቶም ናይ ምቕባል ኣድላይነት እግዚኣብሄር ኣብ ልበይ ዘቐመጠ ኣብዛ እዋን ነይሩ።
                ፍቕሪ ምቕባል
       እግዚኣብሄር ብቐዳምነት ዝፈትዎ ናይ ስራሕ መደብናን ወይ ዘለና ጽቡቕ ዕላማ ዘይኮነስ ንሰባት እዩ። የሱስ ክርስቶስ ዝሞተው’ ን ንሰባት እንበር ንኻልእ ኣይኮነን። ነዚ ኣመልኪቱ ሃዋሪያ ጳውሎስ ‘’ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከለና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ ኣምላክ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ‘’ ሮሜ5፡8 እንበኣር ቅዱስን ጻድቕን ኣምላኽ ንሕና ሓጢኣተኛታት እንከለና ካብፈተወና ንሕናውን ንኻልኦት ሓጢኣተኛታት እንፈትወሉ ፍቕሪ ክህበና ክንልምኖ ይግባእ።ምናልባት ንሳቶም ናብ እግዚኣብሄር ክመጹ እንከለዉ  ብጣዕሚ የሕጉሰና ይኸውን ።ይኹን እንበር ናብ ድሕነት ክነምጽኦም እንክእል ኣቐዲምና ምስንፈትዎምን እንቐርቦምን ጥራይ እዩ።ምስ ሓጢኣትናን ዓመጽናን እንከለና’ኳ እግዚኣብሄር ንዓና ፍቕሩ ኣርእዩና ።ብፍቕሪ ስለዝተቐበለና ኢና ሓጢኣትና ተናዚዝና ግላዊ መንገድና ሓዲግና ናብኡ ዝተመለስና ምስ እንወድቕ እንትንስእ ስለ ዝፈትወና፡ ስለዝቕበለና ፡ሽግርና ስለ ዝርድኣልንና እዩ።
           ብኻልኦት ዝእመን ፍቕሪ
     ብመንገዲ እየሱስ ክርስቶስ  ሕድገት ሓጥያት  ዝረኸቡ ኩሎም ናይታ ሕውነት ዝሰፈና ዓለም -ለኻዊት  ሕብረተሰብ ኣባላት እዮም ።ተልእኾኦም ካልኦት ናብ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ምምጻእ  እዩ።እግዚኣብሄር ደግነት፡ ፍቕሪ፡ ምሕረት፡ ተስፋን ሕድገት ሓጢኣትን ንኻልኦት ዘመሓላልፎ ብኣና ኣቢሉ እዩ።ንዝጠፍኡን ተስፋ ንዝቖረጹን ሰባት እግዚኣብሄር ‘’እፈትወኩም’ዩ’’ ዝብሎም ኣብ ውሽጥና ኮይኑ እዩ።
    ገዛኢ ኩሉ ፍጥረት ዝኾነ ኣምላኽ ድሕነት ንኻልኦት ንምብሳር ንዓና ምምራጹ ከመይ ዓይነት ዓቢ ሓላፍነት ከምዝሃበና ክንርዳእ ንኽእል።ኣብ ወንጌል ማቴዎስ መወዳእታ የሱስ ዝተዛረቦ ዘለና ሓላፍነት ዝመልክት እዩ።ስለዚ ‘’ኪዱ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናጥመቕኩም ዝኣዘዝኹኩም ኩሉ ክሕልው እናመሃርኩም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም’’ማቴ’’28፡19-20
      ምንም’ኳ ድኹማትን ንኣሽቱ ፍጡራት ንኹን ኣብ ዓለም ዓቢ ሓላፍነት ማለት ናይ ድሕነት ብስራት ንዓለም ናይ ምብሳር ሓላፍነት ተዋሂቡና ።እሞ ኩሉ ግዜ ንዝተዋሃበና ሓላፍነት ወትሩ እሙናት ዲና ? ክንደይ ግዜ ኢና ዘሕዘንናዮ?ይኹን እንበር እግዚኣብሄር ብኣና ምእማኑ ኣየቛረጸን ።ስለዚ ንሕናውን ካልኦት ካብ ውድቀቶም ተንሲኦም ዝሓሸ ሂወት ክህልዎም መታን ክንኣምኖም ይግባእ።
    እዚ ሓቂ ዝተረዳእኩ ዳዊት ንዝብሃል መንእሰይ ኣብ ዘዘራረብኩሉ  እዋን እዩ።መጀመርያ ዳዊት ዝረኸብኩዎ ኣዝዩ ተስፋ ቆሪጹ ትርጉም ሂወት ወይ ዕላማ ተሓዋዊስዎ  ኣብዝነበረሉ  ግዜ ነይሩ።ሓደ ሓደ ሰባት ኣብ ዳዊት ንዘሎ ጽቡቕ ነገር ሰኣን ምርኣዮም ንእኡ ሰብ ንምግባር ዝግበር ፈተናታት ኩሉ ዋጋ ከምዘይብሉ ገይሮም ይምልከትዎ ነበሩ። ሓቂ ንምዝራብ  ኣነውን ኣብቲ  መጀመሪያ  ዳዊት ካብ ውድቀቱ ተንሲኡ  ሰብ ይኸውን እዩ ዝብል እምነት ኣይነበረንን ።ደሓር ግና ኣነ ተስፋ ቆሪጸሉ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ እምነት ዘንበሩለይ ሰባት ይደሊ ከምዝነበርኩ ትዝ ስለዝበለኒ ንዳዊት ብዝበለጸ ቀሪበ ንምፍላጥ ወሲነ።
    በብግዚኡ ዳዊት ስለ ዝጠፍኡን ብሕታውነት ስለዝስምዖም ናይ ኣምስተርዳም ከተማ መንእሰያት ዝስምዖ ስምዒትን ፡  ሓሳብን ጭንቀትን የዛርበኒ ነበረ።ስለዚ ብመጠኑ  ዳዊት ንኻልኦት ዝሓስብ ናይ መሪሕነት ክእለት ዘለዎ፡ በዚ ክእለቱ ድማ  እምነት ክገብረሉ ከም ዝግባእ ክርዳእ ክኢለ ።ብኽእለቱ ስለ ዝኣመንሉን ሓላፍነት ስለዝተውሃበን ብሽግሩ ዘጸናንዕዎ ሰባት  ብምርካቡ ዓቢ መራሕን ኣመሓዳርን ክኸውን ብቕዓ። እግዝኣብሄር ንናይ ከተማ ኣምስተርዳም መንእሰያት ዘለዎ ኣገልግሎት ብዘደንቕ ኩነታት ባረኸሉ።በብሰሙኑ ብኣማኢት ዝቁጸሩ መንእሰያት ንሱ ኣብ ዝመርሖ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ካብ ምክፋሎም ንላዕሊ ብዙሓት ድማ ክርስቶስ ከም ግሊ መድሓኒኦምን ጎይትኦምን ይቕበሉ ነበሩ።
     ዳዊት ገና ክስተኻኸሉ ዝግብኦም ነገራት ዝረኣይዎ’ኳ እንተኾኑ። ሎሚ ኣብ ኣምስተርዳም ከተማ መንእሰያት ዘገልግል ዓቢ ወንጌላዊ ኮይኑ ኣሎ ።ረድኤትን  ደገፍን  ኣብ ዝደለናሉ ግዜ ክርስቲያናት  ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ጎንና ኮይኖም እንተዘይ የጸናኑዑና  ነይሮም ሎሚ ናይ መብዛሕትና ቦታ ኣበይ ምኾነ ነይሩ።ዳዊት ዘድልዮ እምነት ክገብረሉ እዩ።ሓደ ሓደ እዋን ዝኾነ ዝተወሃበና ሓላፍነት ብዝግባእ ዘይክንፍጽም  ክንኸውን ንክእል ኢና።ስለ ዝኾነ እዚ ተስፋ ከቑርጸና ኣይግባእን።
   ንሕና ክርስትያናት ካብ ካልኦት ጽቡቕ ነገር ክርከብ ከምዝከኣል ክንኣምን ተጸዊዕና  ኢና። 1ቆረ 13-7 ኣብ ልዕሊኦም እምነት ከም ዘሎና ምስ እንገልጸሎም ሰባት ብገዛእ ርእሶም ይተኣማመኑ ፡ ኣተሓሳስብኦም ይሰፍሕን ናይ ፈጠራ ክእለቶም ይዓቢን።ዝግብረልና እምነት ኣብ ዝኾነ ፕሮግራምን ናይ ስራሕ መምርሕን ብዝበለጸ ትጉሃት ሰራሕተኛታት ክንከውን የበራትዓና ።ኣቐዲምና ምስ እንቕበሎም እምነት ምስ እነንብረሎም  ናጽነት ይስምዖም ፡ከምዝተቐበልናዮም ስለዝርድኡ ዝሰርሕዎ ተቐባልነት ንምርካብ ኣይኮነን።እምነቶም ዘንብሩልና ሰባት ብጣዕሚ ካብ ምፍታውና ንላዕሊ በንጻሩ እሙናት ንኹነሎም።
     ሰባት ንዘንበርናሎም እምነት ብቑዓት ኮይኖም ምስ ዘይርከቡ እንደገና እምነት ሓደራን  ክንገብረሎም ይኸብደና ።ይኹን እንበር እግዚኣብሄር መልእኽቲ ወንጌል ብመልክዕ  ሓደራ ከምዝሃበና ክንዝንግዖ የብልናን። ብዙሕ ግዜ እግዚኣብሄር ንዝሃቦ ሓላፍነት እሙን ከምዘይኮንኩ እፈልጦ ንሱ ግና ዝኾነ ግዜ እንተኾነ ካብ ውድቀትና ብምትንሳእ እንደገና ኣብ ኣገልግሎት  ከም እንሳተፍ ይገብረና።ንሕናውን ንኻልኦት እዚ ንምግባር ፍቃደኛታት ክንከውን ይግብኣና ።ኣብ ልዕሊ ካልኦት እምነት ምንባር ኣብ ውሽጦም ዘሎ ጽቡቕ ነገር ፈልፊሉ ዘውጽእ ዓይነታዊ መሳርሒ እዩ።
                  ፍቕሪ ፈዋሲ ሓይሊ
      ኣብ ኢሳያስ 53፡4-5 ነቢ ብዛዕባ ሞት ክርስቶስ ‘’ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ ንስቓይና ኣብ ነፍሱ ጽዓኖ ንሕና ግና ……ንሕናውን ብስምብራቱ ሓወና ‘’ብምባል ተዛሪቡ ።ብሞት ክርስቶስ ናይ በደልና ሕድገት ጥራይ ዘይኮነ ረኺብናስ ኣካላዉ’ን ኣእሙራዉን ፍወሳ ረኺብና ኢና።
     ቦብ  ብመንፈሳዊ ምኽሪ ደልዩ ናባና ክመጽእ እንከሎ ኩሉ ነገር ጸልሚቱዎን ተስፋ ቆሪጹን ነበረ።ንዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ጸኒዑ ዝነበረ ሓዳሩ ተሓላሊኹ  ናይ ቤተሰቡ  ንግዲ ስራሕ እናንቆልቆለ እኸይድ ነበረ። ካብ ቃሉ ከምዝተረዳእናዮ ምስ ገለ ደቀንስትዮ ናይ ምምንዛር ልምዲ ነበሮ። እዚ ኣብ ልዕሊ ብዓልቲ ቤቱ ምትላል ስለዝኾነ ኣእምርኡ ብጣዕሳን ብናይ በደል ስምዒትን ሂወቱ  ተመረረት ። ዝነበሮ ኩነታት  ብምርዳእ ሓጥያኣቱ ንእግዚኣብሄር ተናዘዘ።ቅኑዕ ክርስትያናዊ ህይወት ንምምራሕን ንበዓልቲ ቤቱ እሙን ንምኻንን ደጋጊሙ ቃል ኣተወ።እዚ ኩሉ‘ኳ  እንተገበረ ሕሉፍ  ዝፈጸሞ በደል   ካብ ኣእምሮኡ ብዘይ ምውጽኡ ብሕማቕ ናይ በደለኝነት   ስምዒት ይርበሽ ነበረ። ሓጥያት ኣብ ኣእሙርኡ ሰሪጹ  ናይ በደል ስምዒት ክህልዎን ብዝገብሮ ወይ ብዝሓስቦ ኩሉ ርግጸኛነት ከም ዝስእን ገበሮ። ንዘይምሕሳው ፈተነ ይኹን እንበር ንነዊሕ እዋን ካብ ሓቂ ሓሶት ናይ

ምዝራብ ልምዲ ስለዘጥረየ ቀሊል ኮይኑ ኣይረኸቦን።ገዛእ ርእሱ ክልውጥ ብዘይምኽኣሉ ብዝበለጸ ተስፋ ኣቑረጾ ።ቦብ ዘድልዮ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዝተዛረቦ ናይ ኣእሙሮ ለውጢ ነይሩ።’’ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ ‘’ሮሜ12፡2
     ናይ ካልኦት ኮነ ናትና ሓጢኣት ኣብ ስምዒትና በሰላ ናይ ምግዳፍ ባህሪ ኣለዎ።ይኹን እንበር እግዚኣብሄር ድማ  ኣብ ኣእምሮና ዝተቐርጸን ኣብ ስምዒትና ዝገደፎ በሰላን ናይ ምፍዋስ ክእለት ኣለዎ።እግዚኣብሄር በደልና ይቕረ ክብለልናን  ንዝተዛብዓ ስምዒትና ክፍዉስን   ይኽእል።እስከ ገና ብህጻንነታ ብገዛእ ወላዲኣ  ብዘሰቅቕ ኩነታት በደል ዝበጽሓ  ህጻን ስምዒት ንሕሰብ ።ምሉእ ዕድሜኣ በዚ ዝወረዳ  ስነ ልቦናዊ ሽግር ክትሳቐ ኣለዋ?ብፍጹም  ፍቕሪ እግዚኣብሄር  ኣብ ግዜ ህጻንነታ ኣብ ኣእምሮኣ ወይ ስምዒታ ውሽጢ ዝተፈጥረ ስነ ልቦናዊ ሽግር ክፍውስ ይኽእል።
      ንነፍሲ ወከፍና  እዚ ናይ እግዚኣብሄር ፈዋሲ ፍቕሪ የድልየና እዩ። ብህይወት ክሳብ ዘሎና እንፈትዎም ሰባት ከይተረድኦም ዝድርብይዎ ክፉእ ቃል ብብዙሕ ድኻም ዝሰራሕናዮ ስራሕ ብምንሻው ብኻልእ ብዙሕ ኩነታት ስምዒትና ክጎድኡ ይኽእሉ። ይኹን እንበር እግዚኣብሄር ካብ ነፍሲ ወከፍና ከምዚ ዓይነት ስምዒትን ቁስልን መስበርትን ስለዝፍውስ ብኸምዚ  ኩነታት ተስፋ ኣይንቕርጽን።
       ንሱ ናይዛ ዓለም ፈጣሪ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ምፍጣር ስርሑ ገና ኣየቃረጸን ።ሕጂውን እንተኾነ ዝተመሳቐለን  ስርዓት ዝሰኣነ ኩነታት እንደገና ብሓድሽ መልክዕ ክፈጥር ይኽእል ።ስለዚ ዝሓለፈ ውድቀትና ንኽንርስዖ በደልና ኩሉ ይቕረ ይብለልና። ኣብ ጉዕዞ ሂወት በብግዚኡ ንዝበጽሓና በሰላን ቁስልን እናፈወሰ ብሓድሽ ጎዳና ይመርሓና።ሎሚ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ካብ ዝኾነ ሓይሊ ንላዕሊ ሓይሊ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ተወዳዳሪ ኣይርከቦን ።ተስፋ ንዝቐረጸ ህዝቢ ተስፋ ዝህብ ፍቕሪ እግዚኣብሄር እዩ።ኣብ ማእከል ጸላእቱ ፍቕሪ ዝምስርሕ፡ ዝተረሓሓቑ የዕሩኽ ዘቀራርብ፡ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ክርስቲያናት ዘወሃህድ ፡ንድሕሪት ናይ ዝተመልሱ ክርስቲያናት ሂወት ዘስተኻክል፡ ንሂወትና ትርጉም ወይ ዕላማ ዝህብ ፍቕሪ እግዚኣብሄር እዩ።
      ፍቕሪ እግዚኣብሄር  ንዝተረረ ልቢ ገበነኛታት ይማርኽ።ንናይ ገዛእ ርእሶም ሓጎስ  ጥራይ ዝነበሩን ኩሉ ንዓይ ንዝብሉ ስሱዓት ለውሃትን ለጋሳትን ይገብሮም።ካብ ግዜ ህጻንነትና ኣብ ውሽጢ ስሚዒትና ዝተቐበረ በሰላ ይፍውስ።ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኩሉ ኩነታት ዝልውጠሉ ተኽእሎ ኣለዎ።ንሕና ክንቅጻዕ ዝግብኣና እግዚኣብሄር ኣብ ክንዳና ስለ ሓጢኣትና ክመውት ወዱ እየሱስ ክርስቶስ ለኣኾ።እዚ ኣብ ዓለም ካብ ዝተኸስቱ ናይ ፍቕሪ ተግባራት ፍጹም  ተወዳዳሪ ኣይርከቦን።’’ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ብሂወት ክንነብር ኢሉ።ነቲ እንኮ ወዱ

ናብ ዓለም ብምልኣኹ እታ ፍቕሪ ኣምላክ ንኣና በዚ ተገልጸትልና።ኣምላኽ ባዕሉ ስለዘፍቀረና ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ክኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለዝሰደደልና እዩ እምበር ንሕና ንኣምላክ ስለዘፍቀርናዮ ኣይኮነን እታ ፍቕሪ እዚኣ እያ’’1ይ ዮው4፡9-10

       ፍቕሪ እግዚኣብሄር እንተተረዲኡና፡ከም ውልዱ ገይሩ ከመዝተቐበለና እንተተገንዚብናን ሓጢኣት ዘምጽኣልና በሰላ ኩሉ ከምዝፍውሰና እንተፈሊጥናን ሂወትና ይልወጥ። ዝሰምዑናን ዝቕበሉናን ኩሎም ናብ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ንኽመጹ ንኻልኦት ናይ ምዝራብ ድሌት ይህልወና።

ምንባር ምስትንፋስ እንተኾይኑ! ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል

  ‘’ ብዝኾነ ጥንቅቕ በሊ …’’ገና ዘረባይ ከይወዳእኩ መራሒ መኪና ክሳብ ቆጸራይ ዝዉድእ ስድርኡ ኣብ ኣስመራ ስለ ዝቕመጡ ንዕኦም ርእይ ኣቢለዮም ክምለስ ኢሉኒ ከይዱ ነበረሞ፡፡ከም ዝመጸ ምስ ሓበረኒ’የ ነዊሕ ግዜ ከም...