‘ዋላ’ኳ ብቕንዱ ምንባር ምስትንፋስ እንተዘይኮነ ብዘይ ምስትንፋስ ግና ኣይንበርን’ዩ’ በልክዋ፡፡ ናይ ሓሳብ ጌጋ ከየምጽእ እናተጠንቀቕኩ፡፡
ዕላልና ኣብተን ዝተፈላለናለን እዋናት እንፈልጦም ሰባትን ኩነታቶምን እናዘከርና ብሕሉፍ ሰሓቕናን ተከዝናን፡፡ብወገነይ ብዛዕባ ዝተኣሰሩ፡ስገረ ዶብ ዝኸዱ ኤዎሮጳን ኣመሪካን ዝኣተዉ ኣዕለልክዋ፡፡ ንሳዉን ብወገና እትፈልጦ ነገረትኒ ልዕሊ ኩሉ ግና እስማዒል ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝሞተ ምስነገረትኒ ኣዝየ ሰንበድኩ፡፡ብድሕርዚ ንሒደት ካልኢት ክልቴና ዝን በልና፡፡
‘ርኢኻ ተኽለ ካብዘን ካልእን ንኽትሃድም እንታይ ኣማራጺ ኣሎ ካብዚ ዓዉ ዝበለ ሙዚቃ ንላዕሊ’ በለትኒ ፍሽኽ ክትብል እናፈተነት፡፡
ሕርሻ ኣፍ-ሂምቦል ክጅመር እንከሎ ዝነበርናን ቀዳማይ ፍርያት ዘፍረናን ዝሓፈስናን መንእሰያት ብዙሓት ክበሃል ብዝከኣል ምንገዲ ገሊኦም ካብ ሃገር ወጺኦም ገሌና ድማ ስጋና እንበር መንፈስና ካብ ሃገርና ሸፊቱ፡፡
ንቑጠባ ብምንጽር ባኒ ከብርህ ደስ ዝብሎ ተስፋ ደቡብ ኣፍሪቃ ንትምህርቲ ምስከደ ኣይተመልሰን፡ ኣድናቒ ጽሑፋት ስዲኒ ሽልደን ኤርምያስ ኢትዮጵያ ከምዘሎ ሰሚዕና፡ እቲ ቅኑዕ ጴንጠ በረኸት ቤትማእሰርቲ፡ ፖለቲካ ምዝራብ ዝብርሆ ሃይለ ብምንግስቲ ንቻይና ክመሃር ከምዝኸደ እፈልጥ ነበርኩ፡፡
‘’እንታይ ትሓስብ ኣሎኻ’ በለትኒ ሃንደበት ሰላም፡
‘ዝሓስቦ ኣነዉን ኣይፈልጥን’የ’
‘እንተትፈልጦ ምገረመኒ ‘’
‘ማለትኪ ‘ሓተትክዋ
‘ኣብዛ ሃገር ከምሎሚ ሓበረጀዋይ ሓሳብ ዝበዝሓሉ እዋን እንተልዩ ርግጸኛ ኣይኮንኩን’ድሕሪ ምባላ፡ ዘረብኣ ኣቋሪጸ እታ ቀዳመይቲ ማይ ቤት ግጥሚ ሃይለ ቢዘን ኣንበብኩላ
ኣሎ እዋን ኣሎ ግዜ
ቢልካ ቢልካ ሓሸዉየ
ወትሩ ቁዛም ወትሩ ወየ
እዋን ኣሎ ወርሓት ኣሎ
ዝወድቀካ ሓሳብ ኣሎ
ኣልቦ መዓት ዘይተልዕሎ
መሊእካ ፈቲግካ
ኩሉ ይዝረገካ
ሓሲብካ ዘቑቕካ
ከቶ ነይሰልጠካ
ንስኻ ትነድቕ
ደድሕሬኻ ይወድቕ፡፡
‘በጃኻ’ባ ድገመለይ’ በለትኒ ሰላም ዓይኒ ዓይነይ እናረኣየት፡ ምድጋም ጥራይ ዘይኮነ ደገምኩላን ደጋገምኩላን እትምንታይሲ ነዛ ግጥሚ ብልቢ’የ ዝፈትዋ ደራሲ በየነ ሃብተማርያም ኣብ ዓለም በቃኝ ኮይኑ ዝደረሳ እኳ እንተኾነት ፡ ጥልቀት ትሕዝቶኣ ነቶም ኣብታ ነጻ ዓለም እንነብር እሱራት ክንስና ፍቱሓት እንመስል ደቅሰባት ሕርሕራይ ጌራ ዕለታዊ ህላዌና እትገልጽ ግጥሚ እያ፡፡
ሓቢርና ድማ
‘ ኣሎ እዋን ኣሎ ግዜ’
‘ቢልካ ቢልካ ሓሸዉየ’
‘ወትሩ ቁዛም ወትሩ ወየ’
ድሕሪ ምባልና ሃንደበት ኣብ መንጎና ጸጥታ ሰፈነ፡
እእእ…’ሕራይ ብጸይቲ ሰላም ገለ ናብራ ኣይገብርክን’
ሕቶይ ሃንደበት ኩይንዋ መስለኒ ‘ናይ ምንታይ ናብራ’
‘በባህላ ደቂ ሳሕል ዝምድና ኣይገበርክን ማለተይ’የ’
‘ኣይገበርኩን ሕጂ ግና ይሓስብ ኣለኹ’ በለትኒ ቅጭ ዝመጻ’ያ ትመስል፡
‘እሞ ኣብ ጽቡቕ ግዜ ተራኺብና ዘይትብልኒ ክተብልዕና ኢኺ’
‘ምብላዕሲ ይተረፍካ መርዓይ ነዛ ሃገር ሕቖይ ሂብካ ምኻድ’ዩ’ በለትኒ ከባቢኣ እናጠመተት፡፡
ከይመለስኩላ ቅድሚ ሳልስቲ ወላድየይ ዝበለኒ ተዘከረኒ፡ ዘይኣመለይ ብእዋኑ ገዛ ክኣቱን ብዙሕ ሰዓታት ኣብ ዓራት ግዜ ከሕልፍን ምስተዓዘበ ‘ኣታ ቖልዓ እንታይ ኢኻ ኮንካ ለንቅነ ከመርዕወካ’ዶ’ ብምባል ሓተተኒ፡፡ ወላድየይ ዝተቐየረ ጣባየይ ኣይሰሓቶን፡ ከምኡ ዝገብረኒ ዝነበረ ምኽንያት ግና ስገረ-ዶብ ክወጽእ እሓስብ ብምንባረይ ቁሩብ ጸቕጢ ጌሩለይ ብምንባሩ እዩ፡ እንሆ ድማ ሰላም ተመሳሳሊ ሓሳብ ተካፍለኒ፡፡
‘እንታይ ደኣ ትም ኢልካ ስግረ-ዶብ ክኸይድ’የ እኮ’የ ዝብለካ ዘለኹ’
‘ሰላሚኖ ትም ዘይበልኩ በቃ ኩሉ መንእሰይ ስግረ-ዶብ ይሓስብ ኣሎ መዓልብኡ ከይፈለጠ ደሓር ስደት ኣማራጺ ምግባር ንሃገርን ንባዕሉ ነቲ ተሰደዳያን ጽቡቕ ኣይኮነን ’ በልክዋ ኣነዉን ከም ሓሳባ ይሓስብ ከምዘለኹ ክነግራ’ዶ ብምባል ሰጋእ እናበልኩ፡፡
‘ስምዓኒ ዝሃድም ሰብ ምህዳም እንበር ብዛዕባ ጽባሕ ዝሓስበሉ ግዜ የብሉን’
‘ጽቡቕ ኣሎኺ ግና….’
‘ተረዲኤካ ኣለኹ ሓደ ቤተሰብይ ዝኾነኒ እሙን’ዩ ዝበሎ ኣስጋሪ ረኺቡለይ ኣሎ ኣብዚ ወርሒ ክወጽእ እኸዉን’የ’ በለትኒ ኣሕጽር ኣቢላ፡፡
No comments:
Post a Comment