‘’ ብዝኾነ ጥንቅቕ በሊ …’’ገና ዘረባይ ከይወዳእኩ መራሒ መኪና ክሳብ ቆጸራይ ዝዉድእ ስድርኡ ኣብ ኣስመራ ስለ ዝቕመጡ ንዕኦም ርእይ ኣቢለዮም ክምለስ ኢሉኒ ከይዱ ነበረሞ፡፡ከም ዝመጸ ምስ ሓበረኒ’የ ነዊሕ ግዜ ከም ዘዕለልና ዝተረድኣኒ፡፡ሰላም ነኣስመራ እንተመጺአ ክድዉለላ እንተዘይተራኺብና ግና ኣብቲ እዋን ግኑን ዝነበረ ያሆ-መይል ክንጸሓሓፍ ስልካን ኢመይላን ሃበትኒ ቻዉ ተበሃሂልና ክንፋኖ እንከለና፡፡
‘ተምርዒኻ’ዶ’ ሓተተትኒ፡፡
‘ኣይተመርዓኹን ክምርዖዉን መደብ የብለይን ክምርዖ እንተዝደሊ ነይረ ብረድዮ ወይ ጋዜጣ መናደኹኺ ነይረ’’በልክዋ፡፡
‘ክሳብ ሎሚ…..።’
ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብ ሳዋ ብዛዕባ መርዓ ዕላል ተላዕለ’ሞ ብዙሕ ተባህለ ካብተን ኣብ ከባቢና ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ንሰላም ዝያዳ እፈትዋ ነበርኩ ብዛዕባ መርዓ ርእይቶይ ምስ ተሓተትኩ ‘መጻምድቲ ክትህልወኒ እንተዝደሊ ንሰላም ምመረጽኩ በልክዎም’፡ብድሕርዚ
ሰለሙን ‘እንሆ ሜዳ እንሆ ፈረስ ሕጂ ዝምድና ንግበር በላ’ በለኒ እሞ ኩሎም ሰሓቑ፡፡
ካልእ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ልምዲ ዝነበሮ ‘’እቲ ስሉብ ከኣ ,ንፊሊጶስ እንሆ ማይ ፡ከይጥመቕ’ከ እንታይ ይኽልክለኒ በሎ ሽዑ እቲ ስሉብ ብልቡ ኣሚኑ ነብረ እሞ ተጠምቀ’፡ሕጂ ድማ ንስኻ ‘እዛ ጎርዞ ኣብ ቅድሜኻ እንሀለት ተፈትዋ እንተኾንካ ከይትምርዖ ኣንታይ ይሕዘካ ’ ብምባል ምስ ቃንኡ ድምጹ ክብ ኣቢሉ ተዛረበ፡፡
‘ርኢኹም ንሰላም እፈተዋ’የ ግን ድማ ፖለቲካ ከም ሞያ ክሕዞ’የ ዝደሊ፡ ኣብ ሳልሳይ ዓለም ፖለቲከኛ ሙኻን ማለት ድማ እቲ ዝሓየለ ንድኹም ዘዳኽመሉ ጥራይ ዘይኮነ ምንባርዉን ዘየፍቅደሉ ብምኻኑ ንዝምርዓዋ ሰበይቲ መበለት ንዝወልዶም ቆልዑ ዘኻትም ክገብሮም ሕልናይ ኣይፈቅድን እዩ ’ በልክዎም ፡፡ ብድሕርዚ ዕላል ብዛዕባ መርዓ ተረሲዑ፡ ሓያል ክትዕ ተላዕለ፡ ብኡ ኣቢላ ድማ ተረስዐት ክሳብዛ መዓልቲ፡፡
ካብ ሰላም ድሕሪ ምፍልላየይ ቅንዕና ሰላም ኣድነቕኩ ፡ክፍኣተይ ሕልናይ ወቐሰኒ ደሓን ካልኣይ ግዜ ክረኽባ’የ በልኩ፡ ተዘይረኸብክዋኸ እንድዒ፡፡ሞጎተ!ደሓር ጴንጠ ከም ዝኾንኩ ፖለቲካ ከም ዝገደፍክዎ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክምህር ከም ዝጀመርኩ ኣየዕለልክዋን፡፡ገና ሓሳበይ ከይወዳእኩ፡፡
‘ከመይ ኣምሲኻ ጽብቕቲ ቆልዓያ ‘ በለኒ መራሕ መኪና ቢንያም፡፡
‘ጽቡቕ ኣሎኻ ወረ እንተተዕልላ’ሲ ዝያዳ ምፈተኻያ ‘በልክዎ፡ ብዛዕባ ዉዕሎና እናዕለልና ጉዕዞና ናብ መንደፈራ ገጽና ኣቕናዕና፡፡
2012
ካብ ሃገረይ ካብ ዝወጽእ ድሮ ሸዉዓተ ዓመት ኮይኑ፡ስደት ብኹሉ መለክዒ ጥዑም ኣይኮነን እቲ እንኮ ኣማራጺ ግና ንዕኡ ተቕቢልካ ክትብድሆ ጥራይ’ዩ ዘሎካ፡ ሂወት ትቕጽል ናብራ ይቕጽል፡ ሓደ እዋን ኣብ ገጽ መጽሓፍ ኣዕሩኽ ንምኻን ሳሌም ብዝብል ስም ተሓተትኩ፡ጓለንስተይቲ እያ’ሞ ተቐበልክዋ፡ ኣብ ሰዓታት ዘይመልእ ግዜ ስልክኻ ጽሓፈለይ ዝብል ጽሑፉ ተሰደደልይ፡ ጓል ሂዋንያ’ሞ ጸሓፍኩላ፡ ኣብ ሰዓት ዘይመልእ ግዜ ተደወለለይ፡
‘ሃሎ መን ክብል? ‘ በልኩ ፡
‘መን ትደሊ ?’ ንሕቶይ ብሕቶ መለሰትለይ፡፡
‘ሓቂ ንምዝራብ ኣብዚ እዋን ዝደልዮ የብለይን ምናልባት ዝደልዩኒ እንተሃልዮም ኣይፈልጥን’ መለስኩ፡
‘ርግጸኛ ኢኻ’
‘ርግጸኛ’ኳ ኣይብልን ኣብ ሂወት ካብ ርግጸኛታት ዝኾንኩሎም እቶም ዘይርግጸኛታት ዝኾኑኩሎም ነገራት ዝያዳ ሚዛን ስለ ዝደፍኡ’፡ ፍላስፋ ክኸዉን እናፈትንኩ፡
‘ብዝኾነ ገለ ሰላም ትበሃል መሓዛ ኣይትዝክርን’
ልበይ ህርመታ ወሰኸት ዘረባይ ቁርጽ ቁርጽ በለኒ ‘ሰላም..ሰላም..ከመይ ኣሎኺ ኣበይ ኣሎኺ ?’፡፡
‘ኣምላኽ እመስገን ሰላም ኣለኹ ኣብ ሽወደን ይነብር ኣለኹ’ በለትኒ፡፡
‘ብጣዕሚ ጽቡቕ እንበር ሂወት ናብራ ስድራቤት ከመይ ኣለዉ’
‘ኩሎም ሰላም እዮም ብድሕረይ ኢትዮጵያ ከም ዝኸድካ ሰሚዓ ኣብዚ ዓዲ ሓደ ወዲ ዓድኻ ረኺበ ናይ ስድራኻ ቴሌፎን ኣምጺኡለይ ነዴኻ ረኺበየን ነይረ፡ ኣብ ሽመልባ እንከለኻ ክረኸብካ ፈቲነ ኣይሰለጠንን’ በለትኒ
ቀዲመያ ከም ዝወጻኹ ኣይፈለጠትን በልኩ ብልበይ፡
‘ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም ዝኣተኻ ሰሚዓ ደስ ኢሉኒ’
‘ኣነዉን ብሂወት ዳግማይ ምርኻብና ደስ ኢሉኒ በልክዋ’
‘ጲንጠ ኮንካ ዲኻ ሓደ ሓደ እትጽሕፎም ጽሑፋት ይርእዮም እየ ብጣዕሚዮም ደስ ዝብሉኒ ቀጽሎ’ በለትኒ፡፡
እንታይለ ክምልሰላ እናሓሰብኩ ዝን በልኩ፡
‘ኣሎኻ’ዶ ‘ በለትኒ፡
‘ሰላም ኣለኹ’
‘በል ምስ ሓደ ሰብ ከላልየካ’ ብምባል ከይመለስኩላ፡፡
‘ፖስተር ናሆም ይበሃል በዓል ቤታ ንሰላም’የ በለኒ’፡፡ሓደ ገርናዉ ዝድምጹ
‘በዓል ቤታ’ ደገምኩሉ፡፡
‘እወ በዓል ቤታ’ ኣረጋገጸለይ፡
‘ብጣዕሚ ጽቡቕ ሰናይ ሌላ’ በልክዎ፡
‘ጎይታ ሰናይ እዩ ኣብዚ ምድረ ስደት ባሪኹና …።’እናበለ ዕዮ ፓስተርነቱ ከይተርፎ ይሰብኽ ፡ሓቂ ንምዝራብ ብዙሕ ንዕኡ ዝሰምዕ ዓቕሊ ኣይነበረንን ኣብታ እዋን፡ ሓያል ዝኾነ ናይ ተዘክሮ ንፋስ ዓመታት ንድሕሪት መሊሱ ናይ ንእስነት ፍቕሪ ፡ዕላል፡ ዋዛ፡ ኣብ ሓሳበይ ቅጅል በለኒ፡፡ ኩሉ ይሓልፍ ከምዘይነበረ ይኸዉን ተዘክሮ ግና ወትሩ ምሳና ስለዝኾነ፡፡ ብድሕርዚ ሰላም መዓስ ከምዝተቐበለቶ ኣይፈለጥኩን፡፡
‘’ሃሎ ኣሎኻ’ዶ’’ እወ ኣለኹ ሰላም፡፡
‘ተምርዒኻ’ዶ ሓተተትኒ፡
‘ክሳብ ሕጂ ኣይተመርዓኹን’ በልክዋ፡፡
‘ክትምርዖ’ኸ ትሓስብ’ዶ?’
‘ከም ፍቓድ ኣምላኽ’
ጴንጠ ካብ ዝኸዉን ንመህደሚ ዝጥቀመላ ቃል ጌረ ንሰላም ተፋነኽዋ፡፡
ብድሕርዚ ምስ ሰላም ብዙሕ ግዜ ብመራኸቢ ብዙሃን ተራኸብና ስደት ዘስዕቦ ክሳራ ብዙሕ ነዕልል፡፡ ንሰላም ክሳብ ዕለተ ሎሚ ትርጉም ምንባር ፍጹም መልሲ ኣይረኸበትላን፡፡ሓደ መዓልቲ ‘ብምምርዓወይ እንታይ ተሰሚዕካ’ ብምባል ሓተተትኒ፡፡
ምነገርኩኺ ግን እንታይ ይዓብስ በልክዋ ፡ ክሳብ ሎሚ መልሰይ እዩ፡፡ ኣብ ዕላልና ‘ክምርዖ ሓሲበ ኣለኹ ! በልክዋ’፡፡
‘ሃሌሉያ ሃሌሉያ እልልልል’ በለት ኣብ እዝነይ ዓዉ ብዝበለ ድምጺ፡፡
ብሓሳበይ ብሓቂ ጲንጠነት ለዊጥዋ በልኩ እንደገና ርእሰይ ምኻን ሰይቲ ፖስተር እንድያ በለኒ ፡፡’’
እዚ ጽሑፍ 02/03/2018 ተጻሕፈ፡፡
ተፈጸመ ኣይተፈጸመን ድማ፡እዚ ዛንታ ኣብዚ ተዛዘመ ምባል ይሓይሽ፡፡
No comments:
Post a Comment