ኣብ ሓቀኛ ፍጻመ ዝተመርኮሰ ዛንታ
ቀዳማይ ክፋል
ድሕሪ ነዊሕ እዋን በጋጣሚ ኣብቲ ኣብ ህንጻ ንያላ ሆቴል ተዶኪኑ ዝርከብ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ጎፍ ንጎፍ ተራኸብና፡፡ ንመጀመርያ እዋን ዝተላለናሉን ዝተፈላለናሉን ወታደራዊ ክዳን ተኸዲንና ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለ ዝነበረ ምስ ረኣኽዋ ቅሩብ ተደናገርኩ፡ ዝለበሰቶ ሓጺር ቀምሽ ፍሉይ ቅዲ ኣመሻሽጣ ጸጉራን ካብቲ ቀደም ዝፈልጣ ስለ ዝቐየራ ፡ሰጋእ በልኩ እንተኾነ ሰላም ኣብ ከባቢ ኣፍንጭኣ ዝነበረት ብሮት ፍሉይ መለለዪኣ ስለ ዝነበረታ ርግጸኛ ክኸዉን ከኣልኩ፡፡
ሰላም ትኩርቲ ብምንባራ ቀልጢፋ ‘’ተኽሊኖ’’ በለትኒ፡፡ ጋንታና ተኽሊኖ ወይ ወዲ ቐሺ ብምባል ይጽዉዑኒ ነበሩ፡፡
‘’ሰላም’’ ኣድሃይኩ፡፡
ብድሕርዚ ምዉቕ ፍቕራዊ ሕዉነታዊ ሰላምታ ተለዋወጥና፡፡ድሕሪ ቁሩብ ዕላል ክልቴና ብስራሕ ኣብቲ ቦታ ስለ ዝተራኸብና ግዜ እንተልዩኒ ሓቢርና ሻሂ ክንሰቲ ሓተተትኒ፡፡
ሰላም ኣብ ክልተሽሕን ሓደን ካብ ሳዋ ናብ በለዛ ተምዲባ ካባና ተፈልየት፡ ብድሕርዚ ደሃይ ኣይነበረንን ኣብዚ እዋን ድማ ምስ ስድርኣ እናነበረት ካብ ገዛ ወለዳ እናተመላለሰት ትሰርሕ ፡ስለዝኾነ ተዛማዲ ነጻነት ምንቅስቓስ ነይርዋ ክበሃል ይከኣል፡፡ኣነዉን ኣብ ክልተሽሕን ክልተን ካብ ሳዋ ንዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ተመዲበ፡ ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ድማ ጸብጻብ ክቕርብን ሕሳብ ክዓጹን ንኣስመራ ይመጽእ ሎሚ ድማ በዚ ምኽንያት ስለ ዝመጻኹ ክንራኽብ ክኢልና፡፡
‘’ኣበይ’ዩ ዝጥዕመካ ሻሂ ክንሰቲ’’በለትኒ ሰላም፡፡
‘’ንወዲ ገጠር ኣብዛ ዓባይ ከተማ ከምርጽ ከምዘሸግሮ ምቸም ዝጠፍኣኪ ኣይመስለንን’’በልክዋ ፍሽኽ እናበልኩ፡፡
‘’ክሳብ ሎሚ ወዲ ገጠር’የ ምባል ኣይገደፍካያን ‘’ በለትኒ፡ ኣብ ኣፍ ሂሞል እንከለና ዘጋጠመትኒ ኣጋጣሚ ከይረስዐት፡፡
ዝነበረናያ ኣሃዱ መብዛሕትና ናይ ሞያ ተባሂልና ዝተኣከብና ነበርናሞ፡፡ መብዛሕትኦም ኣባላት ናይቲ ኣሃዱ ዝተፈላለየ ሞያ ዝነበሮም ካብ ኣስመራ ዝመጹ ነበሩ፡፡በዚ ምኽንያት ዝበዝሑ ጥቡቕ ዝምድና ዝንበረኒ ደቂ ኣስመራ ስለዝኾነ ንዓይዉን ካብ ኣስመራ ከም ዝመጻኹ ብምግማት ንነብር ነበርና፡፡ሓደ መዓልቲ ግና እቶም ብሞያ መንደቕ ምሳና ሓቢሮም ዝነበሩ ንወላድየይ ኣብ ዓዲ ዝፈልጥዎ ብዛዕባ ዓደይ ክዛረቡ ኣብርሃም ዝበሃል ወዲ ኣሃዱና ሰምዖም፡፡
ኣብርሃም ኣጋ ምሸት ምስኮነ ኩላትና ሓቢርና ክነዕልል እንከለና ኣብ መንጎ ‘’ተኸለ ወዲ ኣስመራ ትመስልኒ ነይራ’’ ብምባል ዕላል ጀምረ፡፡
እቲ ሓደ ትቕብል ኣቢሉ’’ ሕጅኸ ኣበይ ድዩ ‘’
‘’ኣብ ከባቢ መንደፈራ እትርከብ ዓዲ ባሪ ትበሃል ዓዱ’’ኣብርሃ’ዩ፡፡
‘’ኣብኡ ተወሊድካ ዓቢኻ ማለትድዩ’’ሓተት ሰላም፡
‘’እወ ካብ ዓድና ወጻኢ ንዝነዉሐ ዘውጻኹልን ግዜያት ንማእቶት እየን’’ኣረጋገፅክሎም፡፡
ብድሕርዚ ኩሎም እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ብጾት ነናቶም ተዛረቡ ገጠርነተይ ተቐቢሎም ምሳይ ክነብሩ ዝተሸገሩ ክመስሉ፡፡
እንበኣርከስ ሰላም ነዚ ብምዝካር’ያ ከምኡ ዝበለትኒ፡፡
‘’ብዝኾነ ሕጂ ሪጋይ ኣኺሉ ስለ ዘሎ ክኸይድ መቸም ዳሜራ ትፈልጣ ትኸዉን’’ በለትኒ፡፡
‘’እፈልጣ’የ መስለኒ ተዘይኮይኑ ኣዉቲስታና ውዲ ኣስመራ ስለ ዝኾነ ዉሰደኒ ክብሎ’የ ‘’ በልክዋ፡፡
ብርግጽዉን ባር ዳሜራ ክበሃል እሰምዕ እንበር ንጹር ኣበይ ትርከብ ንዝብለኒ ምላሽ ኣይነብረንን፡፡ ብዝኾነ ምስ ሰላም ናይ ምሸት ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ተቓጺርና ተፈላለና፡፡
ኣስመራ ኣብዝመጻኽሉ ሰዓት ንርሑቕ ዝጠመተ ኣተሃናንጽኣ እንክዕዘብ ጣልያናዊ ንዕቀት ኣብቲ ሕብረተሰብ እገርመኒ፡፡ሓደ መዓልቲ ደቀባት ክለዓልዎም ከምዝኽእሉ ዝሓስቡ ዝነበሩ ኣይመስሉን፡፡ብዝኾነ ነዚ እናሓሰብኩ ጥዑም ንፋስ’ታ ከተማ እናስተማቐርኩ ባር ዳሜራ በጻሕኩ፡፡
ብተፈጥሮይ ህድእ ዝበለ ቦታ ደስ እብለኒ፡ ኣብዚ ቦታ ተወሊዑ ዝንበረ ሙዚቃ ሓያል ድምጺ ነበሮ፡፡ ቅድሚ ቆጸራይ ዓሰርተ ደቒቕ ቀዲመ ብምንባረይ ክሳብ ቆጸራይ ዝኣክል ኮፍ ክብል ፈተንኩ እንተኾነ ኣይከኣኩልኩን ኣብቲ ከባቢ ዘወር ክብል ክጸንሕ ብምዉሳን ንደገ ወጻኹ እንተኾነ ሰላምዉን ቀልጢፋ ብምምጽኣ ተተሓሒዝና ሓቢርና ንዉሽጢ ብምታዉ ኮፍ በልና፡፡
‘’ብኸመይ እዚ ቦታ መሪጽክዮ’’
‘’ተረዲኤካ ኣለኹ ኣብዚ ክመጽእ እንከለኹ ዋላ ንሒደት እዋናት ይኹን ካብ ክዉንነት እሃድም ዉሽጠይ ዘይርድኣኒ ፍስሃ እስመዓኒ’’በለትኒ ዕትብ ብምባል፡፡
ዝፈልጣ ሰላም ቅሩብ ድንግር በለትኒ፡’’ግን’ኮ ሰላም ንገዛእ ርእስኺ ተታልሊ ኣሎኽኢ ማለት’ዩ’’
‘’ክኸዉን ይኽእል እዩ ግና ንሒደት ሰዓታት ጥራሕ’’ በለትኒ ናብታ ኣሳሳዩት ብኢዳ ምልክት እናገበረት፡፡
‘’ትዝክሮ’ዶ ኣብ ኣፍ-ሂምቦል ናይ ኣብራር ድምጺ ዓዉ ኣብልዋ ክንብሎም ዝበልካዮ’’ብምባል ሓተተትኒ፡ ከምዘይዝክሮ ብርእሰይ ብምንቕናቕ መለስኩላ፡፡
‘’ሙዚቃ ንሱ ክመጸካ የብሉን ንስኻ ክትከዶ ኣሎካ’’
ሓቃ’ያ ዓዉ ኣቢልካ ዝስማዕ ሙዚቃ ናይ ምስትምቓር ዓቕምኻ የዳኽም’ዩ ዝብል እምነት ነይሩኒ፡፡ስለዝኾነ ንምስትምቓር ቀስ ኣቢልካ ምስማዕ ንምስዕሳዕ እንተኾይኑ ዝያዳ ክትከፍቶ ኣሎካ ክሳብ ሎሚ ዝኣምነሉ’ዩ፡፡
‘እሞ ከመይ ኣሎ ናብራ’’
‘ናብራ ነስተንፍስ ምንባር ምስትንፋስ እንተኾይኑ’’...ይቕጽል
ጸሓፊ ቀለማዊ
No comments:
Post a Comment