Friday, August 21, 2020

ነገረ ለዉጢ

      ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ቻይናዊ ጀነራል ንዓለም ልምልዋጥ ጥሙሕነት ሓደሮ፡፡ እንተኾነ ቅድሚ ንዓለም ምልዋጡ ንሃገሩ ክልዉጥ ከም ዘለዎ ተረድአ፡፡ ብርግጽ ንሃገሩ እንተለዊጡ ለዉጢ ሃገሩ ኣብ ዓለም ጽልዋ ከምጽእ ከም ዝኽእል ኣይተጠራጠረን፡፡እንደገና ሓደ ነገር ተሰወጦ ቅድሚ ንሃገሩ ምልዋጡ ንዞብኡ ክልዉጥሞ እዚ ለዉጢ ዞባኡ ድማ ንሃገሩን ንዓለምን ጽልዋ ከም ዘምጽእ ተረድአ፡፡እንተኾነ ሓደ ነገር ሓሰበ ዞብኡ ክልዉጥ እንተኾይኑ ብዓዱ ክጅምር ከም ዘለዎ ፡፡እንተድኣ ንዓዱ ለዊጡ እዚ ለዉጢ ኣብ ዞብኡ ተራ ከም ዝህልዎ ፈለጠ፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ ንሃገሩ ለዉጢ ከም ዝኾነ ኣብ ንዓለም ምልዋጥ ድማ ተዘዋዋሪ ተራ ከም ዘለዎ ተረድአ፡ እንደገና ጸኒሑ ቤተሰቡ ክልዉጥሞ ቤተሰቡ እንተለዊጡ ዓዱዉን ከምትልወጥ ኣስተዉዓለ፡፡ ኣብ መዛዘሚ ለዉጢ ገዛእ ርእሱ ብምልዋጥ ቤተሰቡ ካብኡ ዓዱ ብድሕሪኡ ዘብኡ፡ሃገሩ በዚ ድማ ኣብ ንዓለም ምቐያር ተራ ከም ዝጻወት ኣመነ፡፡ሞራል ናይዚ ታሪኽ ቅድሚ ኣብ ዙሩያኻ ዘሎ ክትቅይር ምሕሳብካ ንገዛእ ርስኻ ጠምት ብድሕርዚ ገዛእ ርስኻ ለዉጥ ወይ ኣማሓይሽ፡፡[ቻይናዊ ዕላላት]


ካብ ዕላላት ኣቶ ክይነር

  

ኣቶ ክይነር ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ኣቕረቡ?

‘’ ጎረቤቱ መዓልታዊ ብገመድ ይዘልል ነበረ፡፡ስለምንታ’ዩ ዝዘልል?፡ ሓተተ ከምዝተነገረኒ ጅምናስቲክ ንምስራሕ፡፡ስለምንታይ’ዩ ጅምናስቲክ ዝሰርሕ? ፡ከምዝተነገረኒ ኣካላቱ ንምድልዳል፡፡ንምንታይ’ዩ ኣካላቱ  ምድልዳል ዘድልዮ? ፡ንሱ ከምዝብሎ እንተኾይኑ ኣብዛ ከተማ ንዘለዉ ጸላእቱ ከስዕሮም ስለዘለዎ፡፡ስለምንታይ’ዩ ጸላእቱ ክስዕሮም ዘለዎ?፡ ከምዝተነገረኒ ክበልዕ ስለ ዝደሊ ‘’

  ጎረቤቱ ዝዘልል ፡ጅምናስቲክ ንምስራሕ ፡ጅምናስቲክ ዝሰርሕ ፡ኣካላቱ ንምድልዳል ፡ድልዱል ኣካላት ዘድልዮ ፡ጸላእቱ ንምቕጥቃጥ ፡ጸላእቱ ዝቕጥቅጥ ንምብላዕ እዩ ዝብል ምስ ሰምዐ፡ኣቶ ኮይነር ሕትኡ ኣቕረበ ‘’ንምንታይ’ዩ ዝበልዕ?’’፡፡

ካብ ዘንበብክዎ 


ምንባር ምስትንፋስ እንተኾይኑ! ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል

  ‘’ ብዝኾነ ጥንቅቕ በሊ …’’ገና ዘረባይ ከይወዳእኩ መራሒ መኪና ክሳብ ቆጸራይ ዝዉድእ ስድርኡ ኣብ ኣስመራ ስለ ዝቕመጡ ንዕኦም ርእይ ኣቢለዮም ክምለስ ኢሉኒ ከይዱ ነበረሞ፡፡ከም ዝመጸ ምስ ሓበረኒ’የ ነዊሕ ግዜ ከም...