Sunday, January 15, 2023

ምንባር ምስትንፋስ እንተኾይኑ! ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል

 


‘’ ብዝኾነ ጥንቅቕ በሊ …’’ገና ዘረባይ ከይወዳእኩ መራሒ መኪና ክሳብ ቆጸራይ ዝዉድእ ስድርኡ ኣብ ኣስመራ ስለ ዝቕመጡ ንዕኦም ርእይ ኣቢለዮም ክምለስ ኢሉኒ ከይዱ ነበረሞ፡፡ከም ዝመጸ ምስ ሓበረኒ’የ ነዊሕ ግዜ ከም ዘዕለልና ዝተረድኣኒ፡፡ሰላም ነኣስመራ እንተመጺአ ክድዉለላ እንተዘይተራኺብና ግና ኣብቲ እዋን ግኑን ዝነበረ ያሆ-መይል ክንጸሓሓፍ ስልካን ኢመይላን ሃበትኒ ቻዉ ተበሃሂልና ክንፋኖ እንከለና፡፡

 ‘ተምርዒኻ’ዶ’ ሓተተትኒ፡፡

‘ኣይተመርዓኹን ክምርዖዉን መደብ የብለይን ክምርዖ እንተዝደሊ ነይረ ብረድዮ ወይ ጋዜጣ መናደኹኺ ነይረ’’በልክዋ፡፡

‘ክሳብ ሎሚ…..።’

    ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብ ሳዋ ብዛዕባ መርዓ ዕላል ተላዕለ’ሞ ብዙሕ ተባህለ ካብተን ኣብ ከባቢና ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ንሰላም ዝያዳ እፈትዋ ነበርኩ ብዛዕባ መርዓ ርእይቶይ ምስ ተሓተትኩ ‘መጻምድቲ ክትህልወኒ እንተዝደሊ ንሰላም ምመረጽኩ በልክዎም’፡ብድሕርዚ 

ሰለሙን ‘እንሆ ሜዳ እንሆ ፈረስ ሕጂ ዝምድና ንግበር በላ’ በለኒ እሞ ኩሎም ሰሓቑ፡፡

 ካልእ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ልምዲ ዝነበሮ ‘’እቲ ስሉብ ከኣ ,ንፊሊጶስ እንሆ ማይ ፡ከይጥመቕ’ከ እንታይ ይኽልክለኒ በሎ ሽዑ እቲ ስሉብ ብልቡ ኣሚኑ ነብረ እሞ ተጠምቀ’፡ሕጂ ድማ ንስኻ ‘እዛ ጎርዞ ኣብ ቅድሜኻ እንሀለት ተፈትዋ እንተኾንካ ከይትምርዖ ኣንታይ ይሕዘካ ’ ብምባል ምስ ቃንኡ ድምጹ ክብ ኣቢሉ ተዛረበ፡፡

‘ርኢኹም ንሰላም እፈተዋ’የ ግን ድማ ፖለቲካ ከም ሞያ ክሕዞ’የ ዝደሊ፡ ኣብ ሳልሳይ ዓለም ፖለቲከኛ ሙኻን ማለት ድማ እቲ ዝሓየለ ንድኹም ዘዳኽመሉ ጥራይ ዘይኮነ ምንባርዉን ዘየፍቅደሉ ብምኻኑ ንዝምርዓዋ ሰበይቲ መበለት ንዝወልዶም ቆልዑ ዘኻትም ክገብሮም ሕልናይ ኣይፈቅድን እዩ ’ በልክዎም ፡፡ ብድሕርዚ ዕላል ብዛዕባ መርዓ ተረሲዑ፡ ሓያል ክትዕ ተላዕለ፡ ብኡ ኣቢላ ድማ ተረስዐት ክሳብዛ መዓልቲ፡፡

  ካብ ሰላም ድሕሪ ምፍልላየይ ቅንዕና ሰላም ኣድነቕኩ ፡ክፍኣተይ ሕልናይ ወቐሰኒ ደሓን ካልኣይ ግዜ ክረኽባ’የ በልኩ፡ ተዘይረኸብክዋኸ እንድዒ፡፡ሞጎተ!ደሓር ጴንጠ ከም ዝኾንኩ ፖለቲካ ከም ዝገደፍክዎ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክምህር ከም ዝጀመርኩ ኣየዕለልክዋን፡፡ገና ሓሳበይ ከይወዳእኩ፡፡

‘ከመይ ኣምሲኻ ጽብቕቲ ቆልዓያ ‘ በለኒ መራሕ መኪና ቢንያም፡፡

‘ጽቡቕ ኣሎኻ ወረ እንተተዕልላ’ሲ ዝያዳ ምፈተኻያ ‘በልክዎ፡ ብዛዕባ ዉዕሎና እናዕለልና ጉዕዞና ናብ መንደፈራ ገጽና ኣቕናዕና፡፡

    2012

    ካብ ሃገረይ ካብ ዝወጽእ ድሮ ሸዉዓተ ዓመት ኮይኑ፡ስደት ብኹሉ መለክዒ ጥዑም ኣይኮነን እቲ እንኮ ኣማራጺ ግና ንዕኡ ተቕቢልካ ክትብድሆ ጥራይ’ዩ ዘሎካ፡ ሂወት ትቕጽል ናብራ ይቕጽል፡ ሓደ እዋን ኣብ ገጽ መጽሓፍ ኣዕሩኽ ንምኻን ሳሌም ብዝብል ስም ተሓተትኩ፡ጓለንስተይቲ እያ’ሞ ተቐበልክዋ፡ ኣብ ሰዓታት ዘይመልእ ግዜ ስልክኻ ጽሓፈለይ ዝብል ጽሑፉ ተሰደደልይ፡ ጓል ሂዋንያ’ሞ ጸሓፍኩላ፡ ኣብ ሰዓት ዘይመልእ ግዜ ተደወለለይ፡

‘ሃሎ መን ክብል? ‘ በልኩ ፡

‘መን ትደሊ ?’ ንሕቶይ ብሕቶ መለሰትለይ፡፡

‘ሓቂ ንምዝራብ ኣብዚ እዋን ዝደልዮ የብለይን ምናልባት ዝደልዩኒ እንተሃልዮም ኣይፈልጥን’ መለስኩ፡

‘ርግጸኛ ኢኻ’

‘ርግጸኛ’ኳ ኣይብልን ኣብ ሂወት ካብ ርግጸኛታት ዝኾንኩሎም  እቶም ዘይርግጸኛታት ዝኾኑኩሎም ነገራት ዝያዳ ሚዛን ስለ ዝደፍኡ’፡ ፍላስፋ ክኸዉን እናፈትንኩ፡

‘ብዝኾነ ገለ ሰላም ትበሃል መሓዛ ኣይትዝክርን’

  ልበይ ህርመታ ወሰኸት ዘረባይ ቁርጽ ቁርጽ በለኒ ‘ሰላም..ሰላም..ከመይ ኣሎኺ ኣበይ ኣሎኺ ?’፡፡

‘ኣምላኽ እመስገን ሰላም ኣለኹ ኣብ ሽወደን ይነብር ኣለኹ’ በለትኒ፡፡

‘ብጣዕሚ ጽቡቕ እንበር ሂወት ናብራ ስድራቤት ከመይ ኣለዉ’

‘ኩሎም ሰላም እዮም ብድሕረይ ኢትዮጵያ ከም ዝኸድካ ሰሚዓ ኣብዚ ዓዲ ሓደ ወዲ ዓድኻ ረኺበ ናይ ስድራኻ ቴሌፎን ኣምጺኡለይ ነዴኻ ረኺበየን ነይረ፡ ኣብ ሽመልባ እንከለኻ ክረኸብካ ፈቲነ ኣይሰለጠንን’ በለትኒ 

 

ቀዲመያ ከም ዝወጻኹ ኣይፈለጠትን በልኩ ብልበይ፡

‘ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ  ከም ዝኣተኻ ሰሚዓ ደስ ኢሉኒ’

‘ኣነዉን ብሂወት ዳግማይ ምርኻብና ደስ ኢሉኒ በልክዋ’

‘ጲንጠ ኮንካ ዲኻ ሓደ ሓደ እትጽሕፎም ጽሑፋት ይርእዮም እየ ብጣዕሚዮም ደስ ዝብሉኒ ቀጽሎ’ በለትኒ፡፡

  እንታይለ ክምልሰላ እናሓሰብኩ ዝን በልኩ፡ 

‘ኣሎኻ’ዶ ‘ በለትኒ፡

‘ሰላም ኣለኹ’

‘በል ምስ ሓደ ሰብ ከላልየካ’ ብምባል ከይመለስኩላ፡፡

‘ፖስተር ናሆም ይበሃል በዓል ቤታ ንሰላም’የ በለኒ’፡፡ሓደ ገርናዉ ዝድምጹ

‘በዓል ቤታ’ ደገምኩሉ፡፡ 

‘እወ በዓል ቤታ’ ኣረጋገጸለይ፡

‘ብጣዕሚ ጽቡቕ ሰናይ ሌላ’ በልክዎ፡

‘ጎይታ ሰናይ እዩ ኣብዚ ምድረ ስደት ባሪኹና …።’እናበለ ዕዮ ፓስተርነቱ ከይተርፎ ይሰብኽ ፡ሓቂ ንምዝራብ ብዙሕ ንዕኡ ዝሰምዕ ዓቕሊ ኣይነበረንን ኣብታ እዋን፡ ሓያል ዝኾነ ናይ ተዘክሮ ንፋስ ዓመታት ንድሕሪት መሊሱ ናይ ንእስነት ፍቕሪ ፡ዕላል፡ ዋዛ፡ ኣብ ሓሳበይ ቅጅል በለኒ፡፡ ኩሉ ይሓልፍ ከምዘይነበረ ይኸዉን ተዘክሮ ግና ወትሩ ምሳና ስለዝኾነ፡፡ ብድሕርዚ ሰላም መዓስ ከምዝተቐበለቶ ኣይፈለጥኩን፡፡

‘’ሃሎ ኣሎኻ’ዶ’’ እወ ኣለኹ ሰላም፡፡

‘ተምርዒኻ’ዶ ሓተተትኒ፡

‘ክሳብ ሕጂ ኣይተመርዓኹን’ በልክዋ፡፡

‘ክትምርዖ’ኸ ትሓስብ’ዶ?’ 

‘ከም ፍቓድ ኣምላኽ’

ጴንጠ ካብ ዝኸዉን ንመህደሚ ዝጥቀመላ ቃል ጌረ ንሰላም ተፋነኽዋ፡፡ 

ብድሕርዚ ምስ ሰላም ብዙሕ ግዜ ብመራኸቢ ብዙሃን ተራኸብና ስደት ዘስዕቦ ክሳራ ብዙሕ ነዕልል፡፡ ንሰላም ክሳብ ዕለተ ሎሚ ትርጉም ምንባር ፍጹም መልሲ ኣይረኸበትላን፡፡ሓደ መዓልቲ ‘ብምምርዓወይ እንታይ ተሰሚዕካ’ ብምባል ሓተተትኒ፡፡ 

ምነገርኩኺ ግን እንታይ ይዓብስ በልክዋ ፡ ክሳብ ሎሚ መልሰይ እዩ፡፡ ኣብ ዕላልና ‘ክምርዖ ሓሲበ ኣለኹ ! በልክዋ’፡፡

‘ሃሌሉያ ሃሌሉያ እልልልል’ በለት ኣብ እዝነይ ዓዉ ብዝበለ ድምጺ፡፡

ብሓሳበይ ብሓቂ ጲንጠነት ለዊጥዋ በልኩ እንደገና ርእሰይ ምኻን ሰይቲ ፖስተር እንድያ በለኒ ፡፡’’

 እዚ ጽሑፍ  02/03/2018 ተጻሕፈ፡፡

  ተፈጸመ ኣይተፈጸመን ድማ፡እዚ ዛንታ ኣብዚ ተዛዘመ ምባል ይሓይሽ፡፡

Wednesday, January 11, 2023

ምንባር ምስትንፋስ እንተኾይኑ! ካልኣይ ክፋል

 


    ‘ዋላ’ኳ ብቕንዱ ምንባር ምስትንፋስ እንተዘይኮነ ብዘይ ምስትንፋስ ግና ኣይንበርን’ዩ’ በልክዋ፡፡ ናይ ሓሳብ ጌጋ ከየምጽእ እናተጠንቀቕኩ፡፡

 ዕላልና ኣብተን ዝተፈላለናለን እዋናት እንፈልጦም ሰባትን ኩነታቶምን እናዘከርና ብሕሉፍ ሰሓቕናን ተከዝናን፡፡ብወገነይ ብዛዕባ ዝተኣሰሩ፡ስገረ ዶብ ዝኸዱ ኤዎሮጳን ኣመሪካን ዝኣተዉ ኣዕለልክዋ፡፡ ንሳዉን ብወገና እትፈልጦ ነገረትኒ ልዕሊ ኩሉ ግና እስማዒል ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝሞተ ምስነገረትኒ ኣዝየ ሰንበድኩ፡፡ብድሕርዚ ንሒደት ካልኢት ክልቴና ዝን በልና፡፡

‘ርኢኻ ተኽለ ካብዘን ካልእን ንኽትሃድም እንታይ ኣማራጺ ኣሎ ካብዚ ዓዉ ዝበለ ሙዚቃ ንላዕሊ’ በለትኒ ፍሽኽ ክትብል እናፈተነት፡፡

  ሕርሻ ኣፍ-ሂምቦል ክጅመር እንከሎ ዝነበርናን ቀዳማይ ፍርያት ዘፍረናን ዝሓፈስናን መንእሰያት ብዙሓት ክበሃል ብዝከኣል ምንገዲ ገሊኦም ካብ ሃገር ወጺኦም ገሌና ድማ ስጋና እንበር መንፈስና ካብ ሃገርና ሸፊቱ፡፡

 ንቑጠባ ብምንጽር ባኒ ከብርህ ደስ ዝብሎ ተስፋ ደቡብ ኣፍሪቃ ንትምህርቲ ምስከደ ኣይተመልሰን፡ ኣድናቒ ጽሑፋት ስዲኒ ሽልደን ኤርምያስ ኢትዮጵያ ከምዘሎ ሰሚዕና፡ እቲ ቅኑዕ ጴንጠ በረኸት ቤትማእሰርቲ፡ ፖለቲካ ምዝራብ ዝብርሆ ሃይለ ብምንግስቲ ንቻይና ክመሃር ከምዝኸደ እፈልጥ ነበርኩ፡፡

  ‘’እንታይ ትሓስብ ኣሎኻ’ በለትኒ ሃንደበት ሰላም፡

  ‘ዝሓስቦ ኣነዉን ኣይፈልጥን’የ’

‘እንተትፈልጦ ምገረመኒ ‘’

‘ማለትኪ ‘ሓተትክዋ

‘ኣብዛ ሃገር ከምሎሚ ሓበረጀዋይ ሓሳብ ዝበዝሓሉ እዋን እንተልዩ ርግጸኛ ኣይኮንኩን’ድሕሪ ምባላ፡ ዘረብኣ ኣቋሪጸ እታ ቀዳመይቲ ማይ ቤት ግጥሚ ሃይለ ቢዘን ኣንበብኩላ

 

     ኣሎ እዋን ኣሎ ግዜ

     ቢልካ ቢልካ ሓሸዉየ

     ወትሩ ቁዛም ወትሩ ወየ

     እዋን ኣሎ ወርሓት ኣሎ

     ዝወድቀካ ሓሳብ ኣሎ

     ኣልቦ መዓት ዘይተልዕሎ

     መሊእካ ፈቲግካ

     ኩሉ ይዝረገካ

     ሓሲብካ ዘቑቕካ

    ከቶ ነይሰልጠካ

    ንስኻ ትነድቕ

    ደድሕሬኻ ይወድቕ፡፡

  ‘በጃኻ’ባ ድገመለይ’ በለትኒ ሰላም ዓይኒ ዓይነይ እናረኣየት፡ ምድጋም ጥራይ ዘይኮነ ደገምኩላን ደጋገምኩላን እትምንታይሲ ነዛ ግጥሚ ብልቢ’የ ዝፈትዋ ደራሲ በየነ ሃብተማርያም ኣብ ዓለም በቃኝ ኮይኑ ዝደረሳ እኳ እንተኾነት ፡ ጥልቀት ትሕዝቶኣ ነቶም ኣብታ ነጻ ዓለም እንነብር እሱራት ክንስና ፍቱሓት እንመስል ደቅሰባት ሕርሕራይ ጌራ ዕለታዊ ህላዌና እትገልጽ ግጥሚ እያ፡፡ 

ሓቢርና ድማ

      ‘ ኣሎ እዋን ኣሎ ግዜ’

       ‘ቢልካ ቢልካ ሓሸዉየ’

      ‘ወትሩ ቁዛም ወትሩ ወየ’

 ድሕሪ ምባልና ሃንደበት ኣብ መንጎና ጸጥታ ሰፈነ፡

እእእ…’ሕራይ ብጸይቲ ሰላም ገለ ናብራ ኣይገብርክን’

ሕቶይ ሃንደበት ኩይንዋ መስለኒ ‘ናይ ምንታይ ናብራ’

‘በባህላ ደቂ ሳሕል ዝምድና ኣይገበርክን ማለተይ’የ’

 ‘ኣይገበርኩን ሕጂ ግና ይሓስብ ኣለኹ’ በለትኒ ቅጭ ዝመጻ’ያ ትመስል፡

‘እሞ ኣብ ጽቡቕ ግዜ ተራኺብና ዘይትብልኒ ክተብልዕና ኢኺ’

‘ምብላዕሲ ይተረፍካ መርዓይ ነዛ ሃገር ሕቖይ ሂብካ ምኻድ’ዩ’ በለትኒ ከባቢኣ እናጠመተት፡፡

 ከይመለስኩላ ቅድሚ ሳልስቲ ወላድየይ ዝበለኒ ተዘከረኒ፡ ዘይኣመለይ ብእዋኑ ገዛ ክኣቱን ብዙሕ ሰዓታት ኣብ ዓራት ግዜ ከሕልፍን ምስተዓዘበ ‘ኣታ ቖልዓ እንታይ ኢኻ ኮንካ ለንቅነ ከመርዕወካ’ዶ’ ብምባል ሓተተኒ፡፡ ወላድየይ ዝተቐየረ ጣባየይ ኣይሰሓቶን፡ ከምኡ ዝገብረኒ ዝነበረ ምኽንያት ግና ስገረ-ዶብ ክወጽእ እሓስብ ብምንባረይ ቁሩብ ጸቕጢ ጌሩለይ ብምንባሩ እዩ፡ እንሆ ድማ ሰላም ተመሳሳሊ ሓሳብ ተካፍለኒ፡፡

  ‘እንታይ ደኣ ትም ኢልካ ስግረ-ዶብ ክኸይድ’የ እኮ’የ ዝብለካ ዘለኹ’

‘ሰላሚኖ ትም ዘይበልኩ በቃ ኩሉ መንእሰይ ስግረ-ዶብ ይሓስብ ኣሎ መዓልብኡ ከይፈለጠ ደሓር ስደት ኣማራጺ ምግባር ንሃገርን ንባዕሉ ነቲ ተሰደዳያን ጽቡቕ ኣይኮነን ’ በልክዋ ኣነዉን ከም ሓሳባ ይሓስብ ከምዘለኹ ክነግራ’ዶ ብምባል ሰጋእ እናበልኩ፡፡

 ‘ስምዓኒ ዝሃድም ሰብ ምህዳም እንበር ብዛዕባ ጽባሕ ዝሓስበሉ ግዜ የብሉን’

‘ጽቡቕ ኣሎኺ ግና….’ 

‘ተረዲኤካ ኣለኹ ሓደ ቤተሰብይ ዝኾነኒ እሙን’ዩ ዝበሎ ኣስጋሪ ረኺቡለይ ኣሎ ኣብዚ ወርሒ ክወጽእ እኸዉን’የ’ በለትኒ ኣሕጽር ኣቢላ፡፡

Sunday, January 8, 2023

ምንባር ምስትንፋስ እንተኾይኑ!

                         ኣብ ሓቀኛ ፍጻመ ዝተመርኮሰ ዛንታ

                           ቀዳማይ ክፋል

   ድሕሪ ነዊሕ እዋን በጋጣሚ ኣብቲ ኣብ ህንጻ ንያላ ሆቴል ተዶኪኑ ዝርከብ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ጎፍ ንጎፍ ተራኸብና፡፡ ንመጀመርያ እዋን ዝተላለናሉን ዝተፈላለናሉን ወታደራዊ ክዳን ተኸዲንና ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለ ዝነበረ ምስ ረኣኽዋ ቅሩብ ተደናገርኩ፡ ዝለበሰቶ ሓጺር ቀምሽ ፍሉይ ቅዲ ኣመሻሽጣ ጸጉራን ካብቲ ቀደም ዝፈልጣ ስለ ዝቐየራ ፡ሰጋእ በልኩ እንተኾነ ሰላም ኣብ ከባቢ ኣፍንጭኣ ዝነበረት ብሮት ፍሉይ መለለዪኣ ስለ ዝነበረታ  ርግጸኛ ክኸዉን ከኣልኩ፡፡

  ሰላም ትኩርቲ ብምንባራ ቀልጢፋ ‘’ተኽሊኖ’’ በለትኒ፡፡ ጋንታና ተኽሊኖ ወይ ወዲ ቐሺ ብምባል ይጽዉዑኒ ነበሩ፡፡

 ‘’ሰላም’’ ኣድሃይኩ፡፡ 

ብድሕርዚ ምዉቕ ፍቕራዊ ሕዉነታዊ ሰላምታ ተለዋወጥና፡፡ድሕሪ ቁሩብ ዕላል  ክልቴና ብስራሕ ኣብቲ ቦታ ስለ ዝተራኸብና ግዜ እንተልዩኒ ሓቢርና ሻሂ ክንሰቲ ሓተተትኒ፡፡ 

  ሰላም ኣብ ክልተሽሕን ሓደን ካብ ሳዋ ናብ በለዛ ተምዲባ ካባና ተፈልየት፡ ብድሕርዚ ደሃይ ኣይነበረንን ኣብዚ እዋን ድማ ምስ ስድርኣ እናነበረት ካብ ገዛ ወለዳ እናተመላለሰት ትሰርሕ ፡ስለዝኾነ ተዛማዲ ነጻነት ምንቅስቓስ ነይርዋ ክበሃል ይከኣል፡፡ኣነዉን ኣብ ክልተሽሕን ክልተን ካብ ሳዋ ንዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ተመዲበ፡ ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ድማ ጸብጻብ ክቕርብን ሕሳብ ክዓጹን ንኣስመራ ይመጽእ ሎሚ ድማ በዚ ምኽንያት ስለ ዝመጻኹ ክንራኽብ ክኢልና፡፡

   ‘’ኣበይ’ዩ ዝጥዕመካ ሻሂ ክንሰቲ’’በለትኒ ሰላም፡፡

‘’ንወዲ ገጠር ኣብዛ ዓባይ ከተማ ከምርጽ ከምዘሸግሮ ምቸም ዝጠፍኣኪ ኣይመስለንን’’በልክዋ ፍሽኽ እናበልኩ፡፡

 ‘’ክሳብ ሎሚ ወዲ ገጠር’የ ምባል ኣይገደፍካያን ‘’ በለትኒ፡ ኣብ ኣፍ ሂሞል እንከለና ዘጋጠመትኒ ኣጋጣሚ ከይረስዐት፡፡

  ዝነበረናያ ኣሃዱ መብዛሕትና ናይ ሞያ ተባሂልና ዝተኣከብና ነበርናሞ፡፡ መብዛሕትኦም ኣባላት ናይቲ ኣሃዱ ዝተፈላለየ ሞያ ዝነበሮም ካብ ኣስመራ ዝመጹ ነበሩ፡፡በዚ ምኽንያት ዝበዝሑ ጥቡቕ ዝምድና ዝንበረኒ ደቂ ኣስመራ  ስለዝኾነ ንዓይዉን ካብ ኣስመራ ከም ዝመጻኹ ብምግማት ንነብር ነበርና፡፡ሓደ መዓልቲ ግና እቶም ብሞያ መንደቕ ምሳና ሓቢሮም ዝነበሩ ንወላድየይ ኣብ ዓዲ ዝፈልጥዎ ብዛዕባ ዓደይ ክዛረቡ ኣብርሃም ዝበሃል ወዲ ኣሃዱና ሰምዖም፡፡ 

  ኣብርሃም ኣጋ ምሸት ምስኮነ ኩላትና ሓቢርና ክነዕልል እንከለና ኣብ መንጎ ‘’ተኸለ ወዲ ኣስመራ ትመስልኒ ነይራ’’ ብምባል ዕላል ጀምረ፡፡

እቲ ሓደ ትቕብል ኣቢሉ’’ ሕጅኸ ኣበይ ድዩ ‘’ 

‘’ኣብ ከባቢ መንደፈራ እትርከብ ዓዲ ባሪ ትበሃል ዓዱ’’ኣብርሃ’ዩ፡፡

‘’ኣብኡ ተወሊድካ ዓቢኻ ማለትድዩ’’ሓተት ሰላም፡

‘’እወ ካብ ዓድና ወጻኢ ንዝነዉሐ ዘውጻኹልን ግዜያት ንማእቶት እየን’’ኣረጋገፅክሎም፡፡

ብድሕርዚ ኩሎም እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ብጾት ነናቶም ተዛረቡ ገጠርነተይ ተቐቢሎም ምሳይ ክነብሩ ዝተሸገሩ ክመስሉ፡፡

 እንበኣርከስ ሰላም ነዚ ብምዝካር’ያ ከምኡ ዝበለትኒ፡፡

‘’ብዝኾነ ሕጂ ሪጋይ ኣኺሉ ስለ ዘሎ ክኸይድ መቸም ዳሜራ ትፈልጣ ትኸዉን’’ በለትኒ፡፡

‘’እፈልጣ’የ መስለኒ ተዘይኮይኑ ኣዉቲስታና ውዲ ኣስመራ ስለ ዝኾነ ዉሰደኒ ክብሎ’የ ‘’ በልክዋ፡፡

 ብርግጽዉን ባር ዳሜራ ክበሃል እሰምዕ እንበር ንጹር ኣበይ ትርከብ ንዝብለኒ ምላሽ ኣይነብረንን፡፡ ብዝኾነ ምስ ሰላም ናይ ምሸት ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ተቓጺርና ተፈላለና፡፡     

  ኣስመራ ኣብዝመጻኽሉ ሰዓት ንርሑቕ ዝጠመተ ኣተሃናንጽኣ እንክዕዘብ ጣልያናዊ ንዕቀት ኣብቲ ሕብረተሰብ እገርመኒ፡፡ሓደ መዓልቲ ደቀባት ክለዓልዎም ከምዝኽእሉ ዝሓስቡ ዝነበሩ ኣይመስሉን፡፡ብዝኾነ ነዚ እናሓሰብኩ ጥዑም ንፋስ’ታ ከተማ እናስተማቐርኩ ባር ዳሜራ በጻሕኩ፡፡

  ብተፈጥሮይ ህድእ ዝበለ ቦታ ደስ እብለኒ፡ ኣብዚ ቦታ ተወሊዑ ዝንበረ ሙዚቃ ሓያል ድምጺ ነበሮ፡፡ ቅድሚ ቆጸራይ ዓሰርተ ደቒቕ ቀዲመ ብምንባረይ ክሳብ ቆጸራይ ዝኣክል ኮፍ ክብል ፈተንኩ እንተኾነ ኣይከኣኩልኩን ኣብቲ ከባቢ ዘወር ክብል ክጸንሕ ብምዉሳን ንደገ ወጻኹ እንተኾነ ሰላምዉን ቀልጢፋ ብምምጽኣ ተተሓሒዝና ሓቢርና ንዉሽጢ ብምታዉ ኮፍ በልና፡፡

  ‘’ብኸመይ እዚ ቦታ መሪጽክዮ’’

 ‘’ተረዲኤካ ኣለኹ ኣብዚ ክመጽእ እንከለኹ ዋላ ንሒደት እዋናት ይኹን ካብ ክዉንነት እሃድም ዉሽጠይ ዘይርድኣኒ ፍስሃ እስመዓኒ’’በለትኒ ዕትብ ብምባል፡፡

 ዝፈልጣ ሰላም ቅሩብ ድንግር በለትኒ፡’’ግን’ኮ ሰላም ንገዛእ ርእስኺ ተታልሊ ኣሎኽኢ ማለት’ዩ’’

‘’ክኸዉን ይኽእል እዩ ግና ንሒደት ሰዓታት ጥራሕ’’ በለትኒ ናብታ ኣሳሳዩት ብኢዳ ምልክት እናገበረት፡፡

‘’ትዝክሮ’ዶ ኣብ ኣፍ-ሂምቦል ናይ ኣብራር ድምጺ ዓዉ ኣብልዋ ክንብሎም ዝበልካዮ’’ብምባል ሓተተትኒ፡ ከምዘይዝክሮ ብርእሰይ ብምንቕናቕ መለስኩላ፡፡

‘’ሙዚቃ ንሱ ክመጸካ የብሉን ንስኻ ክትከዶ ኣሎካ’’

  ሓቃ’ያ ዓዉ ኣቢልካ ዝስማዕ ሙዚቃ ናይ ምስትምቓር ዓቕምኻ የዳኽም’ዩ ዝብል እምነት ነይሩኒ፡፡ስለዝኾነ ንምስትምቓር ቀስ ኣቢልካ ምስማዕ ንምስዕሳዕ እንተኾይኑ ዝያዳ ክትከፍቶ ኣሎካ ክሳብ ሎሚ ዝኣምነሉ’ዩ፡፡

 ‘እሞ ከመይ ኣሎ ናብራ’’

‘ናብራ ነስተንፍስ ምንባር ምስትንፋስ እንተኾይኑ’’...ይቕጽል

ጸሓፊ ቀለማዊ


Thursday, September 22, 2022

ጉዳይና ፡ ዘይ-ፍትሓዉነት፡ደገፍን ተቓዉሞን ሕቶ ሞራልን !!

 

        ኣብ ስነ-ሞራል ደቂ-ሰባት ካብቶም ወሰንቲ ዝኾኑ ክልተ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦እቲ ቀዳማይ ንደቂ-ሰባት ኣዝዩ ጽቡቕ ዝኾነ ህይወት ከመይ ዝበለ እዩ? ክኸዉን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ነዚ ዓይነት ህይወት ከቑሙ ዝኽሉ ማሕበራዊ ትካላት ከመይ ዝበሉ ክኾኑ ኣለዎም ? ዝብል እዩ፡;[Graying,2002]፡፡ ደቂ-ሰባት ክልተ ተጻረርቲ ነገራት ይፍጽሙ፡፡ በቲ ሓደ ወገን ንገዛእ ርሶም ወይ ንኻልኦት ዝጠቅም ዕዮ ፡፡በቲ ካልእ መዳይ ድማ ንገዛእ ርእሶም ወይ ንኻልኦት ዝጎድእ ተግባር ይፍጽሙ፡፡ብርግጽ ሰናይን እከይን ተግባራት ኣብ ዉሽጢ ደቂ-ሰባት እንበር ኣብ ካልእ ዝርከቡ ኣይኮኑን፡፡ስለዚ ሰነ-ሞራል[ሞራል] ርኽበት ወይ ዉጽኢት ኣተሓሳስባ ደቂ-ሰባት እዮ፡፡ሰብ ብኣተሓሳስብኡን ብተግባሩን ዝፈጠሮ እንበር ተፈጥሮ ዝዓደለቶ ኣይኮነን፡፡ተልእኹኡ ድማ ደቂ-ሰባት ንሓድሕዶም ጉድኣት ከየብጽሑ እንተተጓዲኦም ድማ ተሓተትቲ ንክኾኑ ምቹእነት ዘለዎን ሰላማዊ ሂወት ንኽህልዎም ምግባር እዩ፡፡ ስለዚ ስነ-ሞራል እከይ እጥፊኡ ሰናይ ነገራት ንምጉልባት ዝተፈጠረ ትካል ሰባት እዩ፡፡ 

   ሕጂ ብምነቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ዶ/ር ክፍሉ ገብረመስቀል ኣብታ ‘’ምህናጽ ሞራላዊ ሰረት ኤርትራ’’ እትብል መጽሓፉ ብዛዕባ ሞራል ክዛረብ እንከሎ ከምዚ ይብል ‘’ብዛዕባ ዳግመ ህንጻ ብኹናት ዝዓነወት ሃገርና ብዙሕ ተዛሪቡ ኣሎ፡ተዘሪቡ ጥራይ ዘይኮነ ብዙሕ ተገይሩ፡ ይግበር ከኣ ኣሎ ፡፡ዳርጋ ኩሉ እቲ ጻዕሪ ግን፡ናብ ዝፈረሰ ቢንቶታትን ጽርግያታትን ካልእ ህንጻዊ ስርሓት ዝዓለመ እዩ፡፡ኣብዚ ግና ክልዓል ዘለዎ ነጥቢ ኣሎ፡፡ንሱ ኸኣ እቲ ህዝቢ’ኸ እቲ ሰብ’ከ ? ምዕራይን ምሕዳስን’ከ ኣየድልዮን ድዩ? ነስተዉዕል ኣብዚ ምዕራይ ክንብል ከሎና፡ ‘ቲ ሞራላዊን መንፈሳዉን ህይወት ህዝብናን ሰብናን ማለትና እዩ፡፡መን’ከ እዩ ከዔርዮ ክሰርሖ ክሃንጾ ? ንሙዃኑ’ኸ ብስሩ ሞራላዊ ሰረት ነይሩና ድዩ? ሕጂ’ኸ ኣብዛ ሓዳስ ኤርትራ ተኣኻኺቡ ዘሎ ህዝብና ካብየናይ ድሕረ ባይታን እንታይ ዓይነት ሞራላዊ ህይወትን እዩ ሒዙ መጺኡን ዘሎን’’ይብል፡፡ ጸሓፊ ቅድሚ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ብዛዕባ ሞራል ክዛረብ ዝኸኣለ ነቶም ኣብቲ ሃገር ዘስፋሕፍሑ ዝነበሩ ዘይሞራላዉያን ተግባራት ብምግንዛብ በቲ ሓደ መዳይ ድማ እቶም ነቲ ቃልሲ መሪሖም ዝኣተዉ ደቂ ሃገር ጽልዋ ናይ ኮምኒዝም ብፍላይ ድማ ናይቲ ብሚሊዮናት ሰባት ከም ዝቐተለ ዝንገረሉ መራሒ ቻይና ማኦ ዝነበሮም ኮይኖም ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ መንነቱን ክብርታቱን ባህሉን ሕጊ እንዳባ ዝተመርኮሰ ሕግን ስርዓትን ከንግስሉ ይትረፍ ንኽብርታትን ባህልን ሕብረተሰብ ፋዕራ ዘይብሎም ብምንባሮም እዩ፡፡

  ንግዚኡ ነቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገርና ዝተገብረን ዝግበር ዘሎን ኣወንዚፍና፡ እዚ ካብ ሃገሩ ተሰዲዱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝቕመጥ ዘሎ ህዝብና ሞራላዊ ህይወቱ ከመይ ኣሎ ቢልና ክንድህስስ ምስ እንፍትን[ገዛእ ርእስና ኣእቲና]  ኣዝዩ ዘሰንብድ ነገር ክትረክብ ዘጸግም ኣይኮነን፡፡ስነ-ሞራላዊ ህይወቱ ዝተሓዋወሰን መስመር ኣልቦን እዩ፡፡እዚ ድማ ምስ ተሰደደ ዝጠበቖ ዘይኮነስ ገና ኣብ ሃገሩ እንከሎ ዝጭብጭብ ዝነበረ ዉድቀተ ሞራል እዩ፡፡ ንኣብነት ሓደ ንቤተሰቡ ጽቡቕ ዝኾነ ሂወት ተምንዩ ስድርኡ ጠርኒፉ ኣመሪካ ዝኣተወ ብዛዕባ እታ ሃዲሙላ ዝወጸ ኤርትራ ጽቡቕነታን ምዕባሌኣን ብዘይሕፍረት ክዛረብ እንከሎ፡እቲ ካልእ ድማ መንግስቲ እምነት ኣሕዲርሉ ንዝለዓለ ትምህርቲ ንምዕራብ ዓለም ዝተላእከሞ ዝሓከለ ተመሊሱ ብዛዕባ እቲ ዝጠለሞ መንግስቲ ቅንዕናን ግስጋሰን ክዛረብ እንተሰማዕክሞስ እንታይ ምበልኩሞ? ካብቲ ብዙሕ ገለ ክዉስኸኩም ንባዕሉ ኣብ ጎረቤት ሃገራትን ምዕራብን እናተቐመጠ መርበባት ስግረ ዶብ ዘርጊሑ ካብቲ ዝምከሓሉ መንግስቲ መንሰያት እናስገረ ዶላራት እናኣከበ ህግደፍ ወይ ሞት ክብል ዝዉዕል ኣዲኡ ትቑጸሮ፡፡ 

   ተመሳሳሊ ኣብ ደንበ ፍትሒ[ተቓዋሚ] ዘሎ ስነ-ሞራል ካብቶም ኣብ ደንበ ህግደፍ ዘለዉ ዝማቐልዎ ብዙሕ ኮይኑ፡፡ተወሳኺ ግና ኣብ ክንዲ ንሰናይ ህዝብታት ኤርትራ ብምሕሳብ ሓቓፊ፡ጠርናፊ፡ገስጋሲ፡ሓብሓቢ፡ሓሳቢ፡ተሓላቒ፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ኮማዊ ትካላት ብምህናጽ ነቲ ስነ-ምግባር ኣልቦን ኢ ሞራላዉን ዝኾነ ኣካይዳ ህግደፍ ክቃለሰ ቆራጽነትን ንሒን ጎዲልዎ ይርከብ፡፡እዚ ዘርእየካ ነገር እንተልዩ ድማ ብሓፈሻ ኩላትና ኣብ ተመሳሳሊ ሞራልዊ ኩነት ከም ዘለና እዩ፡፡ እስኪ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ከም ህዝቢ ዘጋጠመናን ዝሃብናዮ ግብረ መልስን ንቕሩብ ካልኢት ንነብስና ንሕተታ፦

 -ጋዜጠኛታት ብሕቲ ክእሰሩ እንከለዉ፡፡

 -ብ ጂ 15 ዝፍለጡ ሓለፍቲ መንግስቲ ክእሰሩ እንከልዉ፡፡ 

 -መራሕቲ ቤተ-እምነታት ብእምነቶም ክእሰሩ እንከለዉ፡፡

 -ደቂ ሱሳ ሰብዓ ዓመት ወለዲ ደቅኹም ኣምጽኡ ተባሂሎም ክእሰሩ ሓሙሳ ሽሕ ክፈሉ ክበሃሉ እንከለዉ፡፡

 -መንእስያት ዶብ ክሰግሩ ክቕተሉ እንከለዉ፡፡

 -ኣብ ላምፖዱሳ ኣማኢት ኣሕዋትና ክጥሕሉ እንከልዉ፡፡

 -መንሰያትና ብኻራ ክሳዶም ክቑረጹ እንከለዉ፡፡

     እቲ ዝርዝር ጽሒፍካ ዝዉዳእ ኣይኮነን የግዳስ ቅሩብ ከዘክረኩም ስለ ዝደለኹ እየ፡፡ነዞም ልዒለ ዝጠቕስክዎም እንህቦም ምላሽ ናትና ሞራልዊ ሕቶ ዝምልሱን ሰብኣዉነትና ዝፍትሹን ክኾኑ ይግባእ፡፡ሞራል ኮነ ሰብኣዉነት መንግስቲ ዝዕድለካ ወይ ሃይማኖታዊ ስለ ዝኾንካ ወይድማ ኣባል ሓደ ፖለቲካዊ ዉድብ ስለ ዝኾንካ ዝቕይደካ ኣይኮነን፡፡ተፈጥሮኣዊ ርኽበትካን ዉጽኢት ኣተሓሳስባኻን እዩ፡

    ማንም ሰብ ከም ሰብኣዊ ፍጡሩነቱ እከይ ንገራት ክበጽሕዎ ኣይደልን፡፡እንተኾነ በጺሕዎን ይበጽሖዉን ኣሎን፡፡በዚ ምኽንያት ድማ ክኾኖ ዝግብኦ ኣይኮነን፡፡ክመዉት ዘይግብኦ ክመዉት ጸኒሑ ኣሎ፡፡ክሽገር ዘይግባኦ ይሽገር ኣሎ፡፡መብዝሕትኡ ዝፈቐዶ ዘይኮነ ዘይፈቕዶ ክኸዉንን ክነብርን ተገዲዱ፡፡እዚ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ምርጭኡ ኣይነበረን፡፡ምርጭኡ ክኸዉን ከኣ ኣይክእልን፡፡ክነብሮ ዝግብኦ ህይወት ክነብር እንተኾይኑ፡እቲ ዘይፈቐዶ ዝነብሮ ዘሎ ከብቅዕ ኣለዎ፡፡እቲ መፍትሒ ድማ ኣብ ኢዱን ኣእምርኡን እዩ ዘሎ፡፡ 

  ሰናይ ቅነ  


Sunday, September 6, 2020

ስቶክ ማርኬት

                                              

ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ብዛዕባ ስቶክ ቅድሚ ክነዉፍር ምሕሳብና ክንፈልጦም ዝግባኡና ሽዱሽተ ነጥብታት ገሊጽና ነይርና::

ብኸመይ ክተዉፍር ከም ዘለካ ወስን እዚ ማለት ናይ ነዊሕ ወይስ ሓጺር ግዜ፡፡

ዝኾነ ወፍሪ ናቱ ዝኾነ ናይ ግዜ ገደብ ኣለዎ ማለት ገንዘብካ ኣብ ክንደይ እዋን ዝተወሰነ መኽሰብ የምጻልካ፡ወይ ገንዘብካ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኢኻ  ክተዉፍሮ እትደሊ ወርሒ፡ ሽዱሽተ ወርሒ፡ዓመት ሓሙሽተ ዓመት፡፡እንበኣርከስ ቅድሚ ገንዘብና ምዉፋርና ንዉሓት እነዉፍረሉ ግዜ ክንዉስን ይግባኣና፡ከም ኣማራጺ ንንዉሕ ዝበለ እዋን ክንዉስን ይግብኣና፡፡

2.ክተዉፍረሉ እትኽእል ናይ ሕሳብ ኣካዉንት ምረጽ፡፡

 ቅድሚ ሒደት ዓመታት ገንዘብካ ኣብ ስቶክ ክተዉፍር እንተኾንካ ናይ ደላሎ[Brokers]ክትከፍል ትግደድ ነይሩ፡፡ሎሚ ግና ብዘይ ክፍሊት ደላሎ ገንዘብካ ክተዉፍር ይከኣል፡፡እንተኾነ ኩሎም ብሮከርስ [ደላሎ]ነጻ እዮም ማለት ኣይኮነን ፡፡ንጀመርቲ ኣዉፈርቲ ግና እዞም ስዒበ ኣብ ጥብቆ ዝገብረልኩም ካብ ክፍሊት ነጻ ዝኾኑ እዮም ዳዉንሎድ ብምግባር ክንጥቀመሎም ይከኣል፡፡

https://join.robinhood.com/mussiet1

3 ፍልልይ ብዛዕባ እቶም ክተፍሮም ዝደለኻ ማለት[stocks and stock mutual funds]ፍለጥ፡፡

እዞም ዓሰርተታት ኣሽሓት ትካላት ኣብ ስቶክ ተመዝጊቦም ዘለዉ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ  ናይ ንገዲ ፕላትፎርም ንረኸቦም ንሶም ድማ 

NASDAQ

 DOW JONES   

 S&P500

እዚኦም ስቶክ ዝንገድሎም ትካላት ክኾኑ እንከለዉ ሓደ ኣብነት ንዉሰድ ንኣብነት እዚ መብዛሕትና እንጥቀመሉ ፈይስቡክ፡፡ ኣብ ስቶክ ዝነገደሉ ኣሕጹረተ ቃል Stock priceFB (NASDAQ) $282.73 -8.39 (-2.88%) እዚ ብናይ ዓርቢ ዝነበረ ዕዳጋ ማለት'ዩ፡፡

 እንበኣርከስ ኣበየናይ ካምፖኒ ተዉፍር ፡ ኣብ ንጽል ስቶክ ወይስ ኣብ እኩባት ስቶካት ወይ ተቖጺርካ ትሰርሕ እንተኾንካ ኣብናትካ 401k ወዘተ፡፡እዚ ኣርስቲ ሰፊሕ ስለ ዝኾነ ኣብ ቀጻሊ ክንዛረበሉ ኢና፡፡

4.ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ክተዉፍር ከም ዘለካ መድብ፡፡  

 እንገብሮም ወፍርታት ኩሎም ክሳራ ከምዘለዎም ርዱእ እመስለኒ ንኣብነት ድኳን ክተዉጽእ እንከለኻ ክትከስርዉን ከም እትኽል ትርዳእ ኢኻ ፡፡እንተኾነ ከመይ ጌርካ ክሳራኻ ተጉድል እቲ ቀንዲ ሓሳብካ ይኸዉን፡፡ብተመሳሳሊ ኣብ ስቶክ፡፡

ስለዝኾነ ክተዉፍር እንከለኻ ክትከስርዉን ከም እትኽእል ተረዲካ ካብቶም መሰረታዉያን ወጻኢታትካ ክኸዉን የብሉን ትርፊ መሰረታዉያን ወጻኢታትካ ክተዉፍር ኣሎካ፡፡ ገለ ሓገዝቲ ሓሳባት፦

ዕዳ እንተሎካ መጀመርያ ዕዳኻ ምኽፋል ብፍላይ ልዑል ወለድ ዘለዎም ናይ ክረዲት ካርድ ልቓሓት ክኽፈሉ ይግብኦም፡፡

5.ንነዊሕ ዝዓለመ ወፍሪ ሕሰብ፡፡

 ኣብ ስቶክ ወፍሪ ክንገብር እንከሎና ንነዉሕ ዝዓለመ እንተኾነ ይምረጽ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ስቶክ ወሪድሉ ኣብ ዘሎ ንነዊሕ ዝዓለመ ወፍሪ ተመራጺ ይኸዉን፡፡ኣብዚ ሕጂ እዋን ገለ ገለ ስቶክ ካብ 3%-16% ጎድሉ ይርከብ እዚ ማለት ኣብዚ እዋን ምግዛእ ማለት ንዝመጽኡ ሒደት ዓመታት ተመሳሳሊ መኽሰብ ይርከብ ማለት'ዩ፡፡እዚ ግምት እዩ ልዕሊኡ ወይ ትሕቲኡ ክኸዉን ይኽል፡፡ንነዊሕ ዝዓለመ ወፍሪ ኣብ ስቶክ ነቲ ስቶክ ክነጽንዖን ክሳራታትና ክንቅንስን የኽእለና፡፡

6.ዘዉፈርካዮ ገንዘብ ብግቡእ ኣመሓድሮ፡፡

 ንዘዉፈርናዮ ገንዘብ ብግቡእ ክንቆጻጸሮን ክንመሓድሮን ይግባእ እዚ መለት ግቡእ ክትትል ክንገብር ኣሎና ማለት እዩ፡፡

ኣብ ስቶክ ክተዉፍሩ ድሌት እንተለኩም ኣብ ፈይስ ቡክ መሰጅ ግበሩለይ ብነጻ ኽትገዝዎም እትኽእሉ ስቶካትን ምንገዲ ብሮከራትን ክሕብረኩም ወይ email.tekiese2018@gmail.com



Facebook
NASDAQ


Facebook
NASDAQ



Saturday, September 5, 2020

ስቶክ ማርኬት

     ኣብዚ ድሕረገጽ ነቶም ተዛረብቲ ትግርኛ ዝኾኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓፈሻዊ ብዛዕባ ገንዘብ ፡ ወፍሪ፡ ቁጠባ ፡ ክረዲት ካርድ...ወዘተ፡፡ብሓፈሻ ብዛዕባ ፋይናንስ ክንዛራረብ ኢና ዕላምኡ ድማ ብዛዕባ ገንዘብ ዘሎና ኣፍልጦ ክብ ንምባል'ዩ፡፡ ጸሓፊ ናይዚ ሓሳብ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመት ደይ ትሬድ ዝገበረን ዝገብር ዘሎን እዩ፡፡ 

                            ስቶክ ማርከት[stock market]

   ገንዘብካ ኣብ ስቶክ ምዉፋር እቲ ተመራጺ ሃብቲ [ገንዘብካ] እተዕብየሉ መንገዲ እዩ፡ ብፍላይ ንናይ ነዊሕ ግዜ ኣዉፋሪ፡፡ብፍላይ ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ዘሎ ሕማም ስቶክ ብብዝሒ ኣብ ምሻጥ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን፡፡

   እንተኾነ እቲ ቀንዲ ሕቶ ግና ብኸመይ ትጅምሮ ዝብል እዩ፡፡ብፍላይ ከምዚ ናትና ሕብረተሰብ ንባዕሉ እቲ ስቶክ ዝብል ቃል ንባዕሉ ዘይክፍለጥ ይከኣል እዩ፡፡ ካብ ኣሕህዛብ ሕቡራት መንግስታት ኣመርካ እቶም 53%ገንዘቦም ኣብ ስቶክ ዘዉፈሩ እዮም፡፡'ቲ 38% ስቶክ ድማ በቶም 1% ይዉነን ፡፡ከምቲ ኩላትና እንፈልጦ ኣብ ባንክ እነቐምጦ ገንዘብና ወለድ ዳርጋ የብሉን እንተበልና ኣይተጋገናን፡፡ስለዚ ገንዘብና ኣብ ስቶክ ክነዉፍር ተመራጺ እዩ፡፡ኣብ ስቶክ ዉልቀ ስቶክ ወይ ሙችዋል ስቶክ ክነዉፍር ይከኣል፡፡ነዞም ቃላት ኣብ ቀጻሊ ክነብርሆም ኢና፡፡ቅድሚ ኣብ ስቶክ ምዉፋርና ክንፈልጦም ዝግባኣና ነጥብታት ኣለዉ፡፡

1.ብኸመይ ክተዉፍር ከም ዘለካ ወስን እዚ ማለት ናይ ነዊሕ ወይስ ሓጺር ግዜ፡፡

2.ክተዉፍረሉ እትኽእል ናይ ሕሳብ ኣካዉንት ምረጽ፡፡

3.ፍልልይ ብዛዕባ እቶም ክተፍሮም ዝደለኻ ማለት[stocks and stock mutual funds]ፍለጥ፡፡

4.ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ክተዉፍር ከም ዘለካ መድብ፡፡

5.ንነዊሕ ዝዓለመ ወፍሪ ሕሰብ፡፡

6.ዘዉፈርካዮ ገንዘብ ብግቡእ ኣመሓድሮ፡፡

  

Friday, August 21, 2020

ነገረ ለዉጢ

      ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ቻይናዊ ጀነራል ንዓለም ልምልዋጥ ጥሙሕነት ሓደሮ፡፡ እንተኾነ ቅድሚ ንዓለም ምልዋጡ ንሃገሩ ክልዉጥ ከም ዘለዎ ተረድአ፡፡ ብርግጽ ንሃገሩ እንተለዊጡ ለዉጢ ሃገሩ ኣብ ዓለም ጽልዋ ከምጽእ ከም ዝኽእል ኣይተጠራጠረን፡፡እንደገና ሓደ ነገር ተሰወጦ ቅድሚ ንሃገሩ ምልዋጡ ንዞብኡ ክልዉጥሞ እዚ ለዉጢ ዞባኡ ድማ ንሃገሩን ንዓለምን ጽልዋ ከም ዘምጽእ ተረድአ፡፡እንተኾነ ሓደ ነገር ሓሰበ ዞብኡ ክልዉጥ እንተኾይኑ ብዓዱ ክጅምር ከም ዘለዎ ፡፡እንተድኣ ንዓዱ ለዊጡ እዚ ለዉጢ ኣብ ዞብኡ ተራ ከም ዝህልዎ ፈለጠ፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ ንሃገሩ ለዉጢ ከም ዝኾነ ኣብ ንዓለም ምልዋጥ ድማ ተዘዋዋሪ ተራ ከም ዘለዎ ተረድአ፡ እንደገና ጸኒሑ ቤተሰቡ ክልዉጥሞ ቤተሰቡ እንተለዊጡ ዓዱዉን ከምትልወጥ ኣስተዉዓለ፡፡ ኣብ መዛዘሚ ለዉጢ ገዛእ ርእሱ ብምልዋጥ ቤተሰቡ ካብኡ ዓዱ ብድሕሪኡ ዘብኡ፡ሃገሩ በዚ ድማ ኣብ ንዓለም ምቐያር ተራ ከም ዝጻወት ኣመነ፡፡ሞራል ናይዚ ታሪኽ ቅድሚ ኣብ ዙሩያኻ ዘሎ ክትቅይር ምሕሳብካ ንገዛእ ርስኻ ጠምት ብድሕርዚ ገዛእ ርስኻ ለዉጥ ወይ ኣማሓይሽ፡፡[ቻይናዊ ዕላላት]


ምንባር ምስትንፋስ እንተኾይኑ! ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል

  ‘’ ብዝኾነ ጥንቅቕ በሊ …’’ገና ዘረባይ ከይወዳእኩ መራሒ መኪና ክሳብ ቆጸራይ ዝዉድእ ስድርኡ ኣብ ኣስመራ ስለ ዝቕመጡ ንዕኦም ርእይ ኣቢለዮም ክምለስ ኢሉኒ ከይዱ ነበረሞ፡፡ከም ዝመጸ ምስ ሓበረኒ’የ ነዊሕ ግዜ ከም...