Tuesday, September 30, 2014

ሓጺር ዳህሳስ መጽሓፈ ምክብብ

ካብ ዝሓለፈ ዝቐጸለ                                                    -ጸሓፊ ዝበዝሐ ኣተኩርኡ ‘’ብዛዕባ ከንቱነት ሂወቱ ‘’ካብ ኮነ እግዝኣብሄር መን እዩ ?እግዝኣብሄር ብኸመይ ይግለጽ?ምስ ደቅሰባት ዘለዎ ዝምድና ወይ ፍቕሪ ብምንታይ መልክዑ ተገሊጹ ንረኽቦ ኣብዛ መጽሓፍ?
-ቅድሚ ኩሉ እግዝኣብሄር ንነፍሲ ወክፍ ነገራት በብግዚኡ ንኹሉ ጽቡቕ ኮነ ብምባል ዝፈጠረ ኣምላኽ እዩ።እግዝኣብሄር ንዘላእለማዉነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ ይብለና ወድሰብ ግና ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ዝገብሮ ንኸስተዉዕሎ ንወድሰብ ዝተወሃበ ፍልጠት ኣይኮነን [መክ 3.11]
-እግዝኣብሄር ዝገበሮ ኩሉ ንዘላእለም ዝነብር እዩ፡እዚ ድማ ኣምላኽ ደቅሰባት መታን ክፈርሕዎ ገበሮ[3.14]
-እግዚኣብሄር ነቲ ባህ ዝበሎ ሰብሲ ጥበብን ፍልጠትን ሓጎስን ይህቦ፡[መክ2.26]
-እግዝኣብሄር ጣዕምን መከራን ዝልእከሉ ግዜ ኣሎ፡ኣየናይ ቀዲሙ ከም ዝመጽእ ግና ደቅሰባት ኣይፈልጡን[መክ7.14]።
-እግዝኣብሄር ንሰባት ሃብትን ጥሪትን ይህብ፡ንሰባት ብዝሃቦም ሃብቲ ኽሕጎሱዉን ፈቕደሎም እዝዉን ዉህበት ኣምላኽ እዩ[መክ5.19]።
-እግዝኣብሄር ብዓያሱ ባህ ኣይብሎን፡[መክ5.4]።እግዝኣብሄር ንኹሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን ሰናይ ኮነ ወይስ እኩይ ናብ ፍርዲ ከምጽኦ እዩ[መክ12.14]።
      ብኣጠቓላሊ እግዝኣብሄር ዘላእለማዊ ዝኾነ ፡ኩሉ ነገር ዝመርሕን ዝእዝዝን ናይ ኩሉ ፍጥረት ወናኒ ዝኾነ ፡ናይ ኩሉ ፈራዲ እዩ፡ወትሩ ክፍራሕን ክኽበርን ዘለዎ ኣቦ እዩ[መክ12.13-14]እግዝኣብሄር ንሰባት ምድራዊ ሃብትን ብልጽግናን ብምልኣት ይህብ ፡ዘድልዮ ዘበለ ኩሉ ኣየጉድለሉን[መከ6፡2]።
    ጸሓፊ መጽሓፍ መክበብ ብዛዕባ ከንቱነት ሂወት ፡ኣብዛ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ሓዲሽ ነገር ከምዘየለ ደጋጊሙ ይዛረብ፡ብተወሳኺ ዕድመ ደቅሰባት ኣዝዩ ሓጺር ኣተሓሒዙ ይገልጽ።ስለዚ ሰብ ነዛ ሓጻር ዝኾነት ምድራዊ ሂወቱ እብ ዝነብረላ ግዜ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ካብ ዝህቦም ምኽርታት ገለ ንርአ።
-እግዝኣብሄር ኣምላኽ ንሰባት ቅኑዕ ጌሩ ፈጠሮም፡ንሶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ [መክ7.29]
-ሰብ እብዛ ምድሪ እንከሎ ፡ኣብተን እግዝኣብሄር ዝሃቦ ሓጻርቲ ዕደመ ዝደኸመሉ ኩሉ ብምብላዕን ብምስታይን ክሕጎስ ኣለዎ፡ሰብ ብዕድሚኡ ምንዋሕን ምሕጻርን ግና ክጥጭነቕ የብሉን[መክ 5፡18፡20]
-ረሲኣን ግና ንኣምላኽ ኣይፈርሁን እሞ ሰናይ ድማ ኣይኮነሎምን ፡መዓልትታቶም ድመ ኣይነዉሕን[መክ 8፡13]።
-ሰብ ናብ ቤት እግዝኣብሄር ክኸይድ እንከሎ ብጥንቃቐ ክኸዉን ይግባእ፡እግዝኣብሄር ካብ መስዋእቲ ዓያሱ ክትሰምዕ ምድላዉ ደስ የብሎ[መክ 5.1]።
-ሰብ ቅድሚ ምዝራቡ ኣቐዲሙ ክሓስብ ኣለዎ፡ንእግዝኣብሄር ክትመባጻዕ እንከለኻ ኣይትተሃወኽ፡ተመጻቢዕካ ካብ ዘይትገብሮስ ካብ ፈለማ ዘይምምብጻዕ ይሓይሽ[መክ 5።2-5]።
- ኣብዛ ዓለም ዝነብሩ ሰባት ኩሎም ጠቢባን ክኾኑ ይግብኦም፡ምኽንያቱ ጥበብ ምርካብ ማለት ወርሻ ከም ምዉራስ ይቑጸር፡ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ፡ኤረ ነቶም ጸሓይ ዝርእዩስ ኣዝያ ትጠቕሞም እያ[መክ 7.11-12]።
-ሰብ ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የሎን እዩ እሞ፡ ኢድካ ኽትገብሮ እተረኽቦ ዘበለ ኹሉ ብሓይልኻ ግበሮ[መክ 9.10]።
-ሰብ ጻዕሩ ዘበለ ንኣፉ እዩ፡ ምስናይዚ ግና ዊንታኡ ኣይጸግብን[መክ 6.7]
-ብፍላይ መንእሰይ  ብግዜ ንእስነቱ ደስ ክብሎ ይግባእ፡ኣታ ወዲ፡ ብንእስነትካ ባህ ይበልካ፡ በዘን መዓልትታት ንእስነትካ ልብኻ የሖጉስካ፡ በመገዲ ልብኻን ብምጥማት ኣዒንትኻን ተመላለስ። ግናኸ ኣምላኽ ብዛዕባዚ ኹሉ ኣብ ፍርዲ ኸም ዚቑመካ ፍለጥ[መክ 11፡9]ስለዚ  ሰብ ብግዜ ንእስነቱ ንፈጣሪኡ ክሓስብ ይግባእ[መክ 12.1]።
-ብሓፈሻ ነቶም ንእግዝኣብሄር ዝፈርሁ ሰናይ ይኾነሎም[መክ 8.12]ቀንዲ ተግባር ደቅሰባት ንእግዝኣብሄር ምፍራሕን ትእዛዙ ምሕላዉን እዩ፡[መክ 3.12]ስለዚ ሰብ ብሂወቱ እንከሎ ሰናይ ነገር ካብ ምግባርን ምሕጓስን ዝሕሾ ነገር የልቦን[መክ 3.12]።
።፡መጽሓፍ መክበብ ካብ ናይ ጥበብ መጻሕፍቲ ሓደ ከም ዝኾነ ይፍለጥ፡ንምኻኑ መጽሓፍ መክበብ ንጥበብን ጥበበኛታትን ብኸመይ ይገልጾም?
     ጸሓፊ ንጥበብ ኣዝዩ ይዉድስ፡ጥበብ ንደቅሰባት ኣዝዩ ጠቓሚ ከም ዝኾነን ወትሩ ብሰባት ክድለ ዘለዎ መፍትሕ ናይ ሂወት መምርሒ እዩ ይብል።ካብ መሳርያ ውግእሲ ጥበብ ትበልጽ[መክ 9.18]።ጥበብኛ ሰብ ሰናይ ነገር ይፍጽም፡ጥበበኛ ሰብ ብቓላት ኣፉ ክብሪ ይረክብ፡ሰነፍ ግና ብቓላት ኣፉ ይጠፍእ፡መጀመርታ ቓላት ኣፉ ዕሽነት፡ መወዳእታ ዘረባኡ ድማ ሕሱም ዕብዳን እዩ[መክ 10፡12-14]።ጥበበኛታት ሰባት መበገሲኦምን መዕለቢኦምን ይፈልጡ[መክ2፡14]ኣብዛ ዓለም ዝነብሩ ሰባት ንጥበብ ደልዮም ጥበበኛታት ክኾኑ ይግብኦም፡ምኽንያቱ ጥበብ ምርካብ ማለት ዉርሻ ምርካብ ማለት ስለ ዝኾነ፡ዉሕስነቱ ልክዕ ከምቲ ገንዘብ ዝህበካ ዉሕስነት ኣለዎ፡[መክ7.11] ቃላት ጠቢባን ከም ሸኻል እዩ፡ ንሱ ኸአ ንእኩባት መምህራን ኣጸቢቑ እተሸንከረ ሽንካራት እዩ፡[መክ12.11]።
   ጸሓፊ መክብብ ብዛዕባ ሂወት ክፉኣትን ቅኑዓትን ሰባት ብምግራም ይዛረብ፡ብዛዕባ ኩነታት ኣነባብርኦም እናተደነቐ ይገልጽ።ንምኻኑ ነዚ ጸሓፊ ብዛዕባ ክፉኣትን ቅኑዓትን ሰባት ሂወት ዘገረሞ ነገር እንታይ እዩ?
-ክፉኣት ሰባት ሞይቶም ናብ መቓብር ይወርዱ፡ናብ ዕረፍቲ ድማ ይኣትዉ፡እቶም ገበርቲ ሰናይ ግና ካብታ ቅድስቲ ከተማ ረሓቑ፡ተረስዑ ድማ [መክ8፡9-10] ።
-ሰባት ኮነ ኢሎም እከይ ነገራት ይፍጽሙ፡ነቲ ዝፈጸምዎ እከይ ተግባር ቀልጢፎም ኣይፍደዩን፡ብተወሳኺ እቶም ገብርቲ እከይ ሓጢኣተኛታት ሚእቲ ግዜ በደል እናፈጸሙ ነዊሕ ዕድመ ብምንባሮም ይግረም፡ኣገባብ ከምዘይኮነዉን ይዛረብ[መክ 8. 11-12]።
- ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ኣብ ቦታ ፍርድስ ረሲእነት ፡ ኣብ ቦታ ጽድቂውን ረሲእነት ብምርኣዩ ይግረም [መክ 3.16]
-ኣብ ዓለም ሓደ ሓደ ግዜ ቅኑዓት ሰባት ነቶም ክፉኣት ሰባት ዝግባእ ፍርዲ ይቕበሉ፡ክፉኣት ሰባት ድማ ነቶም ቅኑዓት ሰባት ዝግባእ ሽልማት ይረኽቡ፡ከም ኣገላልጻ ጸሓፊ እዚ ኣገባብ ኣይኮነን ፡ናይ ሰብ ሞራል ይትንኪ።
-ከምቲ ኻብ ገዛኢ ዝወጸ ጌጋ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝርኤኽዎ እከይ ኣሎ፡ ዕሽነት ኣብ ልዑል መዓርግ ተቐሚጣ፡ ሃብታማትውን ኣብ እተዋረደ ስፍራ ኾፍ ኢሎም፡ ባሮት በፍራስ፡ መሳፍንቲ ኸአ ከም ባሮት ምድሪ ምድሪ ኪኸዱ ኸለው ብምርኣዩ ኣግራሞቱ ይገልጸልና።ከም ኣረኣእያ ጸሓፊ እዚ ዘይፍትሓዉነት ዝሰፈኖ ሂወት እዩ [መክ 10፡5-7]
-ጉያ ንፈጣናት፡ ውግእ ንጀጋኑ፡ እንጌራ ንጥበበኛታት፡ ሃብቲ ነእምሮኛታት፡ ሞጎስ ንብልህታት ከም ዘይኮነሎም ብምርኣዩ ይግረም [መክ 9፡11] ።
   ብሓፈሽኡ ጸሓፊ ብናብራ ደቅሰባት ናይዛ ዓለምን፡ብዘገጥሞም ናይ ናብራ ዕድላት ይገረም እንበር ሓደ ነገር ግና ይኣምን ።እዚ ድማ ክፉኣት ሰባት ዋላ ብዙሕ ክፍኣት ይፍሓሱ እንበር ንገዛእ ርእሶም እዮም ዝጎድኡ ።ነዚ ክገልጽ እንከሎ’’ ጉድጓድ ዚኹዕት አብኣ ይወድቕ፡ መካበብያ ዜፍርስ ተመን ይነኽሶ። ኣእማን ዚፈናቕል ብእኡ ይጉዳእ፡ ዕጨይቲ ዚፍልጽ ከአ፡ ኣብ ድንገት እዩ። ‘’ይብል [መክ 10.8-9] ካልእ ጻድቃንን ጥበበኛታትን ምስናይ ተግባሮም ኣብ ኢድ ኣምላኽ ከም ዝኾኑ[መክ 9.1]። ንኣምላኽ ዚፈርህሲ ኻብዚ ኹሉ የምልጥ እዩ እሞ፡ ነዚ እንተ ሐዝካ ካብዚውን ኢድካ እንተ ዘየርሓቕካ ሰናይ እዩ[መክ 7.18]።
    ከም ኣገላልጻ ጸሓፊ መጽሓፈ መክበብ ኩሉ ነገር ከንቱ ካብ ኮነ ናይ ወድሰብ መጨረሽታ ሂወት ብኸመይ’ዩ ዝድምደም?ዕጫ ናይ ወድሰብ’ከ እንታዩ?።
   ከም ኣገላልጻ ጸሓፊ ሰብ መዋቲ ፍጥረት እዩ።ሰብ ዋላ’ኳ ብዙሕ ዓመት እንተነበረ ኣብተን ዝወሃብኦ ዘመን ዕድሚኡ ደስ ክብሎ ይኽእል፡ኮይኑ ግና ናይዛ ዓለም ነገር ኩሉ ከንቱ ምኻኑን ንመጻኢ ዝጽበዮ ዘሎ ናይ ጸልማት ዘመን ዘልኣለማዊ እዩ[መክ 11፡8]ኣብ መጀመርያ ክፋል ጽሑፉ ሰብ ኮነ እንስሳ ዝተፈጠሩ ካብ ሓመድ ስለ ዝኾነ ክልቲኦም ናብ ሓደ ቦታ ከም ዝኸዱ ይገልጽ።’’ብጽሒት ደቂ ሰብሲ ኸምቲ ናይ እንስሳ እዩ እሞ፡ ሐደ እዩ ብጽሒቶም ከምቲ እዚኣቶም ዝሞቱ እቲኣቶም ከአ ይሞቱ፡ ንኹሎም ሓንቲ እስትንፋስ ኣላቶም። ኩሉ ኸንቱነት እዩ እሞ፡ ሰብሲ ኻብ እንስሳ ብልጫ የብሉን።  ኹሎም ናብ ሓንቲ ቦታ ይኸዱ፡ ኩሎም ካብ መሬት ኮኑ፡ ኩሎምውን ናብ መሬት ይምለሱ። እስትንፋስ ደቂ ሰብ ንላዕሊ ኸም እትድይብ፡፡ እስትንፋስ እንስሳ ኸኣአ ናብ ትሕቲ ምድሪ ኸም እትወርድከ መን ይፈልጥ’’[መክ 3፡19-20]ጥበበኛታት ንኹን ሰነፋት ኩላትና ምት ከምዝጽበየናን ድሕሪ ሞትዉን ተረሲዕና ከም እንተርፍ ተዛሪቡ ነይሩ[መክ2፡16] ሰብ ጥራዩ ኸም ዝመጽእ፡ ከምኡ መሊሱ ይኸይድ፡ ካብቲ ዝጸዐረሉ ኸአ ኣብ ኢዱ ሓንቲ እኳ ኣይማላእን[መክ5፡15]ኣብ መጨረሽታ ጽሑፉ ግና ከምዚ ይብለና’’…ሰብ ናብ ናይ ዘለአለም ማሕደሩ ይኸይድ እሞ፡ መልቀስቲ ኣብ ኣደባባያት ይዞሩ’’[መክ12፡5] ሰብ ሓመድ ስለ ዝኾነ ናብ ሓመድ ይምለስ ፡ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ይምለስ ብምባል ነፍሲ ሰብ ኣብ መጨረሽታ ናብቲ ዘላእለማዊ ዝኾነ እግዝኣብሄር ከም ዝኾነ ይገልጽ[መክ 12፡7]።
-ካልእ ንጸሓፊ መክብብ ካብ ዘገረምዎ ነገራት ድማ ኣብ ዕለታዊ ናብራ [ሂወት]ናይ ሰነፍ ሰብ እዩ። ንምዃኑ ጸሓፊ’’ሰነፍ ሰብ’’ዝብሎ ከምይ ዝበለ እዩ።
   ሰባት ኣብ ዘመን ሂወቶም ብጥበብ ተመሪሖም ብትግሃት እናሰርሑ ክነብሩ ከም ዘለዎም ጸሓፊ ይገልጽ።ሓደ ሰብ ብትግሃት እንተሰሪሑ ካብ ድኽነት ተላዒሉ ንጉስ ክኸዉን ይኽእል፡ወይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ኣብ ዝፋን ክቕመጥ ይኽእል፡ይኹን እንበር ኣብ ግዜ ሽምግልንኡ ምኽሪ ዘይቅበል ኮይኑ እንተተረኸበ ካብቲ ካልእ ዝሓሸ ኮይኑ ኣይርከብን። [መክ4፡14] ብኣጠቓላሊ ንሰነፍ ሰብ ብኸምዚ ይገልጾ?
-ዓሻ ድማ ብመገዲ እኳ እንተ ተመላለሰ፡ ኣእምሮስ የብሉን፡ ንኹሉውን ዓሻ ምዃኑ ይነግር[መክ 10፡3]።
-ቃላት ኣፍ እቲ ጥበበኛ ሞጎስ አለዎ፡ ዓሻ ግና ከናፍሩ ይውሕጦ [መክ10፡12] ።
-ምውት ጽንጽያ ነቲ ቕብኢ ናይ ብዓል ቅዱይ ሽቱ የጭንዎን የመሽምሾን፡ ንእሽቶ ዕሽነት ከአ ንጥበበን ክብርን ተበላሽዎ[መክ10፡1]
-ዓሻ ናብ ከተማ ምኻድ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ጻዕሩ የድክሞ [መክ10፡15]
- መጀመርታ ቓላት ኣፉ ዕሽነት፡ መወዳእታ ዘረባኡ ድማ ሕሱም ዕብዳን እዩ። ዓሻስ ቃላት የብዝሕ ሰብ ግና ነቲ ዚኸውን ኣይፈልጦን፡ ነቲ ብድሕሪኡ ዚኸውን ደአ መን ይነግሮ [መክ10፡13-14] ።
-ሰሓቕ ዓሻስ ከምቲ ኣብ ትሕቲ ቑራዕ ጣዕጣዕ ዚብል እሾኽ እዩ እሞ፡ እዚውን ከንቱነት እዩ [መክ 7፡6]
-ዓሻ ኣእዳው የመሳቕል እሞ፡ ገዛእ ስጋኡ ይበልዕ [መክ4፡5] ።
-ካብ ደርፊ ዓያሱ ምስማዕስ መግናሕቲ ጥበበኛታት ምስማዕ ይሓይሽ [መክ7፡5]።
-ኩራ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ እዩ መሕደሪኡ እሞ፡ ብመንፈስካ ንኹራ ኣይትተሀወኽ [መክ7፡9።
-ልቢ ጠበብኛታት ኣብ ቤት ሐዘን፡ ልቢ ዓያሱ ግና ኣብ ቤት ሓጎስ እዩ [መክ7፡4] ።

  እንበኣርከስ ብኣጠቓላሊ ሰነፋት ንጥበብ ክደልይዋ ይግብኣኦም፡ትርጉም ነገራት ዝፈልጥ ጥበብኛ ዝኾነ ሰብ ጥራይ እዩ’’ ከም ጥበበኛ መን እዩ፡ ምትርጓም ነገር ዚፈልጥከ መን እዩ፡ ጥበብ ሰብ ንገጹ ተብርሆ ድርቅና ገጹ ኸአ ትልውጦ[መክ8፡1]።ስንፍና ወይ ድንቁርና ዕብዳንን ጽላለን እዩ[መክ 7፡25]።

Saturday, September 27, 2014

ሓጺር ዳህሳስ መጽሓፈ ምክብብ


              መጽሓፈ መክብብ ብመንን መዓስን ተጻሒፉ? ብዛዕባ እንታይከ የስተምህር?
      መክብብ ማለት ‘’ሰባኺ’’ወይ’’መሃሪ’’ማለት እዩ።ኣብዚ መጽሓፍ ዝምህር ወይ ዝሰብኸ ንጉስ ሰሎሙን ክኸዉን ከም ዝኽእል ይእመን።ብርግጽ እቲ ሰባኺ’’ኣብ ዮርሳሌም ዝነገሰ ወዲ ዳዊት ‘’ከምዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ[1፡1፥12]።ጥበቡ’ዉን ብብዝሒ ተጠቒሱ ንረኽቦ[መክ 1፡16፥2፡9]ምሳሌታት ምእካቡ ይፍለጥ[መክ12፡9 1ነገ4፡32]።ገለ ሊቃዉንቲ  ጸሓፊ ዝተጠቐመሉ  ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ናይ እብራይስጢ ብምርኣይ እዚ መጽሓፍ ድሒሩ ዝተጻሕፈ እንበር ብዘመን ሰሎሙን ዝተጸሓፈ ኣይኮነን ስለዚ ጸሓፊኡ ካልእ እዩ ይብሉ።እንተኾነ ግና እቲ ትምህርቲ ብዘይ ጥርጥር ናይ ሰሎሙን ከምዝኾነ እዞም ሊቃዉንቲ ይዛረቡ። መጽሓፍ መክብብ’’እግዝኣብሄር ዘይብሉ ሂወት ከንቱ እዩ፡ኣየጽግብን ወይ ኣየዕግብን’’ይብል ።እዚ ማለት ንጉስ ስለ ዝኾነ ኩሉ ክገብር ይኽእል፡ሃብታም ብምዃኑ ዊን ዝበሎ ክገዝእ ይኽእል፡ጥበበኛ ብምኻኑ ኩሉ ክምርምር ይኽእል፡ካብኡ ዝበልጽ ማንም የልቦን።ይኹን እንበር ዝኾነ ይኹን እግዝኣብሄር ዘይተሓወሶ ህይወት ትርጉም የብሉን ።ብኣጠቓላሊ’’ሂወት ሰብ ኮንቱ እዩ’’ሂወት ሰብ ሓጺር ካብ ምኻኑ ንላዕሊ ዉረድ ደይብን ነዉጽን ፡ሕልኽላኽን ዘይፍትሓዉነትን ዝመልኦ እዩ ኢሉ ዝደምደመ እዩ።
          መጀመርያ ምዕራፍ መጽሓፍ መክብብ ሰብ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ማለት ኣብ ዓለም ሓድሽ ነገር ከም ዘየልቦ እቲ ዝነበረ ከም ዝመጽእ ፡ናይ ነገራት ፍጻሜ ከም ዘየልቦ ይገልጽ[መክ 1]ናይዛ ዓለም ሓጎስ ዝተበሃለ ኩሉ ፡ሰሓቕ፡መስተ፡ጸወታ፡ሃብቲ ፡ፍልጠት፡ስልጣን፡ንብረት፡ፍቕሪ ደቅንስትዮ፡ክብሪ፡ካልእ ኩሉ ነገር ፈቲኑ፡ፈቲኑዉን ኩሉ ኮንቱ ደድሕሪ ንፋስ ከም ምጉያይን ዘየዕግብን ምኻኑ ተዓዚቡ[መክ 2]ካብ ምዕራፍ 3-11 ዘሎ ክልተ ሓሳባት ጎኒ ንጎኒ ተተሓሒዞም ይኸዱ።መጀመርያ እግዝኣብሄር ኣብቲ ነገር እንተዘየልቦ ኩሉ ኮንቱ እዩ ይብለና።ንኣብነት ሞት ኮንቱ እዩ ፡ሰብ ከም ዝሞቱ እንስሳ እዩ[ምክ 3፡18-21]።ቀጺሉ ዓለም ጽብቕቲ እያ ፡ፍጥረት እግዝኣብሄር እያ ፡ስለዚ ሰብ ኣብ ዓለም ክሳብ ዘሎ ይተሓጎሰላ ፡ተስፋኡ ግና ኣብዛ ዓለም ኣይግበር፡[3፡11-13] ኣብ መወዳእታ ዘዕግብ ሓጎስ ፡ዝተትረፈረፈ ሂወት ብዓለማዊ ነገር ብዝኾነ መንገዲ ከምዘይርከብ ይገልጽ። እዚ መጽሓፍ ‘’እግዝኣብሄር ፍራሕ፡ትእዛዙ ሓሉ፡ምኽንያቱ እዚ  ተግባር  ናይ ደቅሰባት እዩ ፡እግዝኣብሄር ዝተሰወረ ነገር ከይተርፈ ተግባር ሰባት ሰናዩን እከዩን ናብ ፍርዲ የምጽእ’’ብምባል ይድምድም።   
     ጸሓፊ ‘’ኩሉ ከንቱነት ናይ ኮንቱነታት እዩ’’ይብል።ጸሓፊ ኩሉ ነገር ከንቱ ምኻኑን ኣብዛ ዓለም ሓዲሽ ነገር ከምዘየሎ ንምብራህ ዝተጠቐመሉ ምሳልያዊ ኣገላልጻ ወይ ናይ መራጋገጺ ሓቅነት ኢሉ ዘቕረቦም መርትዖታት ኣየኖት እዮም።ጸሓፊ ነዚ ብዝተፈላለየ መልክዑ እናብረህ ዝተፈላለዩ ኣብነታት ብምጥቃም ይገልጽ።ገለ ካብዚኦም ኣብዛ ምድሪ ሓዲሽ ነገር ከምዘየሎ ንምርኣይ ዝተጠቐመሎም ኣገላልጻታት እዞም ዝስዕቡ ክንገልጽ ንኽእል።ወለዶ ይኸይድ፡ ወለዶ ኸኣ ይመጽእ፡ምድሪ ግና ንዘላእለም ትቐዉም።[መክ1፡4]ሕጂ ዘሎ ወለዶ ቀደም ዝነበረ እዩ ፡ንመጻኢዉን ካልእ ወለዶ ልክዕ ከምዚ ሕጂ ዘሎ ዓይነት ሰብ ክነብር እዩ። ስለዚ ሰባት ነይሮም ፡ኣለዉ፡ንመጻኢዉን ክህልዉ እዮም።እንበኣርከስ ኣብዛ ምድሪ ምንም ሓድሽ ነገር የልቦን።ጸሓይ ድማ ትበርቕ ፡ጸሓይ ከኣ ትዓርብ ፡ናብቲ ዝበረቐትሉ ቦታ ንኽትምለስዉን ትቕልጥፍ[መክ1፡5]ጸሓይ ቅድም ነይራ ፡ሕጅዉን ኣላ፡ንመጻኢዉን ክትህሉ እያ።ወጋሕታ ክትወጽእ እንከላ ብምብራቕ እያ ፡ብቕልጡፍ ድማ ንምዕራብ ትዕዘር ፡ኩሉ ግዜ ተመሳሳሊ እዩ።ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ተመሳሰልቲ ነገራት ይደጋገሙ ፡ስለዚ ኣብዛ ምድሪ ሓድሽ ነገር የልቦን። ንፋስ ናብ ደቡብ ይኸይድ ፡ናብ ሰሜን ከኣ ይዘዉር ፡እቲ ንፋስ ኣዘዉቲሩ እናኸደ ይዘዉር ፡ናብ ዙረቱዉን ከም ብሓድሽ ይምለስ።[መክ 1.6]።ንፋስ ኩሉ ግዜ ዝነፍሰሉ ኣንፈት ተመሳሳሊ እዩ ፡ይነፍስ ደዉ ድማ ይብል ፡ብሕጂዉን ክነፍስን ደዉ ክብልን እዩ ።ኩሉ ግዜ ተመሳሳሊ ተግባር እዩ ።ሓዲሽ ነገር የልቦን።ዉሒዝ ዘበለ ኩሉ ናብ ባሕሪ ይኸይድ ፡ባሕሪ ግና ከቶ ኣይመልእን ፡ወሓይዝ ናብቲ ዝኸደሉ ቦታ መመሊሱ ይኸይድ [መክ1.7]ባሕሪ ኩሉ ግዜ ይቕበል ይኣኽለኒ ኣይብልን ወይ መሊኡ ኣይፈስስን ፡ኩሉ ግዜ ዝደጋገም ተግባር እዩ ፡ኩሉ ነገር ይጽዕር ፡ሰብ ክዛረብ እኳ ኣይክእልን ፡ዓይኒ ብምርኣይ ኣይጸግብን ፡እዝኒ ኸኣ ብምስማዕ ኣይትመልእን[መክ1.8]ብኣጠቓላሊ ከም ኣገላልጻ ጸሓፊ ኣቐዲሙ ዝኾነ ነገር  እንደገና ይኸዉን ፡ሕጂ ዝኸዉን ዘሎዉን ኣቐዲሙ ዝተፈጸመ እዩ።ስለዚ ኣብ መላእ ገጽ ምድሪ ሓድሽ  ነገር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ነገር የልቦን። እተን ቀደም ዝነበራ ነገራትሲ መዘከርታ የብለንን ፡እተን ብደሓር ዝኾና ኸኣ ኣብቶም ብድሕሪኤን ዝመጹ መዘከርታ የብለንንመክ1፡9-11]ስለዚ ምንም ሓድሽ ነገር የልቦን ኩሉ ናይ ኮንቱነታት ከንቱ እዩ።
ጸሓፊ መክብብ ‘’ከንቱነታት ናይ ከንቱነታት፡ኩሉ ከንቱነት እዩ’’ዝብል ሓሳብ ንምርግጋጽ ባዕሉ ኣብ ሂወት ዘመኑ ዘሕለፎ ሂወት ብዝርዝር ይዛረብ።እዞም ከም መረጋገጺ ወይ መርትዖ ዝተጠቐመሎም ናይ ገዛእ ርእሱ ተመክሮ ሂወት እንታይ እዮም?እንታይ ዓይነት ሂወት ምስ ነበረ እዩ ‘’ኩሉ ናይ ክንቱነታት ከንቱ እዩ’’  ናብ ዝብል መደምደምታ ዝበጽሐ።
ነዚ ንምርግጋጽ ጸሓፊ ሕሉፍ ሂወቱ ኩሉ ምዝርዛር ኩሉ ነገር ከንቱ ምኻኑ ንምርግጋጽ ይጽዕር፡ካብኣቶም ሒደት ክንጠቅስ።
።ሰሓቕ፦ብዝተፈላለየ ምኽንያት እናሰሓቐ ሂወቱ ንምሕጋስ ፈተነ፡እንተኾነ ግና ፡ንሰሓቕ ዕሽነት ኢኻ ንታሕጓስ ከኣ ፡እንታይ ትጠቅም በልክዎም።ብምባል ዝኾነ ዓይነት ነባሪ ሓጎስ ከምዘይህብ ተረድአ[መክ2.2]
።ወይኒ፦ነፍሱ ብወይኒ እናዘናግዓ ሂወቱ ደስ ክብላ ፈተነ ፡እንተኾነ ግና እዚዉን ከንቱ ምኻኑ ተረድአ[መክ 2.3]
።መንበሪ ቦታ፦ዓበይቲ ኣባይቲ ብምስራሕ ፡በብዓይነቶም ፍረታት ዘፍርዩ ኣታኽልቲ ብምትካል ፡ቀጽሪ ገዝኡ ገነት ብምምሳል ፡ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ሓጽብታት ብምስራሕ ፡ነነፍሱ ንምሕጓስ ጸዓረ ፡ኮይኑ ግና እዚዉን ከንቱ ምኻኑ ተረድኣ[መክ2.5]።
።ወርቅን ብሩሩን፦ካብተን ኣብ ትሕቲኡ ዝነበራ ሃገራትን ነገስታትን ወርቅን ብሩሩን ኣከበ።ደራፎን ዝደርፉን ነብርዎ፡እቲ ተድላ ደቂ ሰብ ዝበሃል ከኣ ብዙሓት ኣንስቲ ነበርኦ፡ኮይኑ ግና እዚዉን ናይ ከንቱነት ኮንቱ እዩ[2.8]።
።ዕቤት [ክብሪ]፦ሓለፋ ኩሎም እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት የሩሳሌም እናዓበየ ብምኻድ ሂወቱ መርሐ፡ጥበቡ’ዉን ምስኡ ጸንዓት፡ንኣዒንቱ ዝደለይኦ ኩሉ ኣይከልከለን፡ብዘረኸቦ ኩሉ ድማ ክሕጎስ ደለየ ፡እዝዉን ግዚያዉን ጠፋእን ምኻኑ ተረድአ[መክ2፡9-10]።

      ብኣጠቓላሊ ንጥበበኛን ደንቆሮን፡ንንፉዕ ይኹን ሕማቕ ሞት ብማዕረ ትመጾም፡ህይወት ትርጉም የብላን ፡ኣብዛ ዓለም እንደኽመሉ ኮነ እንለፍዓሉ ኩሉ ናይ ከንቱነት ከንቱ እዩ ይብለና።
 ይቕጽል---------

ምንባር ምስትንፋስ እንተኾይኑ! ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል

  ‘’ ብዝኾነ ጥንቅቕ በሊ …’’ገና ዘረባይ ከይወዳእኩ መራሒ መኪና ክሳብ ቆጸራይ ዝዉድእ ስድርኡ ኣብ ኣስመራ ስለ ዝቕመጡ ንዕኦም ርእይ ኣቢለዮም ክምለስ ኢሉኒ ከይዱ ነበረሞ፡፡ከም ዝመጸ ምስ ሓበረኒ’የ ነዊሕ ግዜ ከም...