
-ቅድሚ ኩሉ እግዝኣብሄር ንነፍሲ ወክፍ ነገራት በብግዚኡ ንኹሉ ጽቡቕ ኮነ ብምባል ዝፈጠረ ኣምላኽ እዩ።እግዝኣብሄር
ንዘላእለማዉነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ ይብለና ወድሰብ ግና ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ዝገብሮ ንኸስተዉዕሎ ንወድሰብ
ዝተወሃበ ፍልጠት ኣይኮነን [መክ 3.11]
-እግዝኣብሄር ዝገበሮ ኩሉ ንዘላእለም ዝነብር እዩ፡እዚ ድማ ኣምላኽ ደቅሰባት መታን ክፈርሕዎ ገበሮ[3.14]
-እግዚኣብሄር ነቲ ባህ ዝበሎ ሰብሲ ጥበብን ፍልጠትን ሓጎስን ይህቦ፡[መክ2.26]
-እግዝኣብሄር ጣዕምን መከራን ዝልእከሉ ግዜ ኣሎ፡ኣየናይ ቀዲሙ ከም ዝመጽእ ግና ደቅሰባት ኣይፈልጡን[መክ7.14]።
-እግዝኣብሄር ንሰባት ሃብትን ጥሪትን ይህብ፡ንሰባት ብዝሃቦም ሃብቲ ኽሕጎሱዉን ፈቕደሎም እዝዉን ዉህበት ኣምላኽ እዩ[መክ5.19]።
-እግዝኣብሄር ብዓያሱ ባህ ኣይብሎን፡[መክ5.4]።እግዝኣብሄር ንኹሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን ሰናይ ኮነ ወይስ
እኩይ ናብ ፍርዲ ከምጽኦ እዩ[መክ12.14]።
ብኣጠቓላሊ እግዝኣብሄር ዘላእለማዊ ዝኾነ ፡ኩሉ
ነገር ዝመርሕን ዝእዝዝን ናይ ኩሉ ፍጥረት ወናኒ ዝኾነ ፡ናይ ኩሉ ፈራዲ እዩ፡ወትሩ ክፍራሕን ክኽበርን ዘለዎ ኣቦ እዩ[መክ12.13-14]እግዝኣብሄር
ንሰባት ምድራዊ ሃብትን ብልጽግናን ብምልኣት ይህብ ፡ዘድልዮ ዘበለ ኩሉ ኣየጉድለሉን[መከ6፡2]።
ጸሓፊ መጽሓፍ መክበብ ብዛዕባ ከንቱነት ሂወት ፡ኣብዛ ምድሪ ኣብ ትሕቲ
ጸሓይ ሓዲሽ ነገር ከምዘየለ ደጋጊሙ ይዛረብ፡ብተወሳኺ ዕድመ ደቅሰባት ኣዝዩ ሓጺር ኣተሓሒዙ ይገልጽ።ስለዚ ሰብ ነዛ ሓጻር ዝኾነት
ምድራዊ ሂወቱ እብ ዝነብረላ ግዜ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ካብ ዝህቦም ምኽርታት ገለ ንርአ።
-እግዝኣብሄር ኣምላኽ ንሰባት ቅኑዕ ጌሩ ፈጠሮም፡ንሶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ [መክ7.29]
-ሰብ እብዛ ምድሪ እንከሎ ፡ኣብተን እግዝኣብሄር ዝሃቦ ሓጻርቲ ዕደመ ዝደኸመሉ ኩሉ ብምብላዕን ብምስታይን ክሕጎስ ኣለዎ፡ሰብ
ብዕድሚኡ ምንዋሕን ምሕጻርን ግና ክጥጭነቕ የብሉን[መክ 5፡18፡20]
-ረሲኣን ግና ንኣምላኽ ኣይፈርሁን እሞ ሰናይ ድማ ኣይኮነሎምን ፡መዓልትታቶም ድመ ኣይነዉሕን[መክ 8፡13]።
-ሰብ ናብ ቤት እግዝኣብሄር ክኸይድ እንከሎ ብጥንቃቐ ክኸዉን ይግባእ፡እግዝኣብሄር ካብ መስዋእቲ ዓያሱ ክትሰምዕ ምድላዉ
ደስ የብሎ[መክ 5.1]።
-ሰብ ቅድሚ ምዝራቡ ኣቐዲሙ ክሓስብ ኣለዎ፡ንእግዝኣብሄር ክትመባጻዕ እንከለኻ ኣይትተሃወኽ፡ተመጻቢዕካ ካብ ዘይትገብሮስ
ካብ ፈለማ ዘይምምብጻዕ ይሓይሽ[መክ 5።2-5]።
- ኣብዛ ዓለም ዝነብሩ ሰባት ኩሎም ጠቢባን ክኾኑ ይግብኦም፡ምኽንያቱ ጥበብ ምርካብ ማለት ወርሻ ከም ምዉራስ ይቑጸር፡ጽላል
ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ፡ኤረ ነቶም ጸሓይ ዝርእዩስ ኣዝያ ትጠቕሞም እያ[መክ 7.11-12]።
-ሰብ ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የሎን እዩ እሞ፡ ኢድካ ኽትገብሮ እተረኽቦ ዘበለ ኹሉ ብሓይልኻ
ግበሮ[መክ 9.10]።
-ሰብ ጻዕሩ ዘበለ ንኣፉ እዩ፡ ምስናይዚ ግና ዊንታኡ ኣይጸግብን[መክ 6.7]
-ብፍላይ መንእሰይ ብግዜ ንእስነቱ ደስ ክብሎ ይግባእ፡ኣታ
ወዲ፡ ብንእስነትካ ባህ ይበልካ፡ በዘን መዓልትታት ንእስነትካ ልብኻ የሖጉስካ፡ በመገዲ ልብኻን ብምጥማት ኣዒንትኻን ተመላለስ።
ግናኸ ኣምላኽ ብዛዕባዚ ኹሉ ኣብ ፍርዲ ኸም ዚቑመካ ፍለጥ[መክ 11፡9]ስለዚ ሰብ ብግዜ ንእስነቱ ንፈጣሪኡ ክሓስብ ይግባእ[መክ 12.1]።
-ብሓፈሻ ነቶም ንእግዝኣብሄር ዝፈርሁ ሰናይ ይኾነሎም[መክ 8.12]ቀንዲ ተግባር ደቅሰባት ንእግዝኣብሄር ምፍራሕን ትእዛዙ
ምሕላዉን እዩ፡[መክ 3.12]ስለዚ ሰብ ብሂወቱ እንከሎ ሰናይ ነገር ካብ ምግባርን ምሕጓስን ዝሕሾ ነገር የልቦን[መክ 3.12]።
።፡መጽሓፍ መክበብ ካብ ናይ ጥበብ መጻሕፍቲ ሓደ ከም ዝኾነ ይፍለጥ፡ንምኻኑ መጽሓፍ መክበብ ንጥበብን ጥበበኛታትን ብኸመይ
ይገልጾም?
ጸሓፊ ንጥበብ ኣዝዩ ይዉድስ፡ጥበብ ንደቅሰባት ኣዝዩ
ጠቓሚ ከም ዝኾነን ወትሩ ብሰባት ክድለ ዘለዎ መፍትሕ ናይ ሂወት መምርሒ እዩ ይብል።ካብ መሳርያ ውግእሲ ጥበብ ትበልጽ[መክ
9.18]።ጥበብኛ ሰብ ሰናይ ነገር ይፍጽም፡ጥበበኛ ሰብ ብቓላት ኣፉ ክብሪ ይረክብ፡ሰነፍ ግና ብቓላት ኣፉ ይጠፍእ፡መጀመርታ ቓላት
ኣፉ ዕሽነት፡ መወዳእታ ዘረባኡ ድማ ሕሱም ዕብዳን እዩ[መክ 10፡12-14]።ጥበበኛታት ሰባት መበገሲኦምን መዕለቢኦምን ይፈልጡ[መክ2፡14]ኣብዛ
ዓለም ዝነብሩ ሰባት ንጥበብ ደልዮም ጥበበኛታት ክኾኑ ይግብኦም፡ምኽንያቱ ጥበብ ምርካብ ማለት ዉርሻ ምርካብ ማለት ስለ ዝኾነ፡ዉሕስነቱ
ልክዕ ከምቲ ገንዘብ ዝህበካ ዉሕስነት ኣለዎ፡[መክ7.11] ቃላት ጠቢባን ከም ሸኻል እዩ፡ ንሱ ኸአ ንእኩባት መምህራን ኣጸቢቑ እተሸንከረ ሽንካራት
እዩ፡[መክ12.11]።
ጸሓፊ መክብብ ብዛዕባ ሂወት ክፉኣትን ቅኑዓትን ሰባት
ብምግራም ይዛረብ፡ብዛዕባ ኩነታት ኣነባብርኦም እናተደነቐ ይገልጽ።ንምኻኑ ነዚ ጸሓፊ ብዛዕባ ክፉኣትን ቅኑዓትን ሰባት ሂወት ዘገረሞ
ነገር እንታይ እዩ?
-ክፉኣት ሰባት ሞይቶም ናብ መቓብር ይወርዱ፡ናብ ዕረፍቲ ድማ ይኣትዉ፡እቶም ገበርቲ ሰናይ ግና ካብታ ቅድስቲ ከተማ
ረሓቑ፡ተረስዑ ድማ [መክ8፡9-10] ።
-ሰባት ኮነ ኢሎም እከይ ነገራት ይፍጽሙ፡ነቲ ዝፈጸምዎ እከይ ተግባር ቀልጢፎም ኣይፍደዩን፡ብተወሳኺ እቶም ገብርቲ እከይ
ሓጢኣተኛታት ሚእቲ ግዜ በደል እናፈጸሙ ነዊሕ ዕድመ ብምንባሮም ይግረም፡ኣገባብ ከምዘይኮነዉን ይዛረብ[መክ 8. 11-12]።
- ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ኣብ ቦታ ፍርድስ ረሲእነት ፡ ኣብ ቦታ ጽድቂውን ረሲእነት ብምርኣዩ ይግረም [መክ 3.16]
-ኣብ ዓለም ሓደ ሓደ ግዜ ቅኑዓት ሰባት ነቶም ክፉኣት ሰባት ዝግባእ ፍርዲ ይቕበሉ፡ክፉኣት ሰባት ድማ ነቶም ቅኑዓት
ሰባት ዝግባእ ሽልማት ይረኽቡ፡ከም ኣገላልጻ ጸሓፊ እዚ ኣገባብ ኣይኮነን ፡ናይ ሰብ ሞራል ይትንኪ።
-ከምቲ ኻብ ገዛኢ ዝወጸ ጌጋ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝርኤኽዎ እከይ ኣሎ፡ ዕሽነት ኣብ ልዑል መዓርግ ተቐሚጣ፡ ሃብታማትውን
ኣብ እተዋረደ ስፍራ ኾፍ ኢሎም፡ ባሮት በፍራስ፡ መሳፍንቲ ኸአ ከም ባሮት ምድሪ ምድሪ ኪኸዱ ኸለው ብምርኣዩ ኣግራሞቱ ይገልጸልና።ከም
ኣረኣእያ ጸሓፊ እዚ ዘይፍትሓዉነት ዝሰፈኖ ሂወት እዩ [መክ 10፡5-7]
-ጉያ ንፈጣናት፡ ውግእ ንጀጋኑ፡ እንጌራ ንጥበበኛታት፡ ሃብቲ ነእምሮኛታት፡ ሞጎስ ንብልህታት ከም ዘይኮነሎም ብምርኣዩ
ይግረም [መክ 9፡11] ።
ብሓፈሽኡ ጸሓፊ ብናብራ ደቅሰባት ናይዛ ዓለምን፡ብዘገጥሞም ናይ ናብራ ዕድላት ይገረም እንበር ሓደ ነገር ግና ይኣምን
።እዚ ድማ ክፉኣት ሰባት ዋላ ብዙሕ ክፍኣት ይፍሓሱ እንበር ንገዛእ ርእሶም እዮም ዝጎድኡ ።ነዚ ክገልጽ እንከሎ’’ ጉድጓድ ዚኹዕት አብኣ ይወድቕ፡
መካበብያ ዜፍርስ ተመን ይነኽሶ። ኣእማን ዚፈናቕል ብእኡ ይጉዳእ፡ ዕጨይቲ ዚፍልጽ ከአ፡ ኣብ ድንገት እዩ። ‘’ይብል [መክ
10.8-9] ካልእ ጻድቃንን ጥበበኛታትን ምስናይ ተግባሮም
ኣብ ኢድ ኣምላኽ ከም ዝኾኑ[መክ 9.1]። ንኣምላኽ
ዚፈርህሲ ኻብዚ ኹሉ የምልጥ እዩ እሞ፡ ነዚ እንተ ሐዝካ ካብዚውን ኢድካ እንተ ዘየርሓቕካ ሰናይ እዩ[መክ 7.18]።
ከም ኣገላልጻ ጸሓፊ መጽሓፈ መክበብ ኩሉ ነገር ከንቱ ካብ ኮነ ናይ ወድሰብ
መጨረሽታ ሂወት ብኸመይ’ዩ ዝድምደም?ዕጫ ናይ ወድሰብ’ከ እንታዩ?።
ከም ኣገላልጻ ጸሓፊ ሰብ መዋቲ ፍጥረት እዩ።ሰብ ዋላ’ኳ
ብዙሕ ዓመት እንተነበረ ኣብተን ዝወሃብኦ ዘመን ዕድሚኡ ደስ ክብሎ ይኽእል፡ኮይኑ ግና ናይዛ ዓለም ነገር ኩሉ ከንቱ ምኻኑን ንመጻኢ
ዝጽበዮ ዘሎ ናይ ጸልማት ዘመን ዘልኣለማዊ እዩ[መክ 11፡8]ኣብ መጀመርያ ክፋል ጽሑፉ ሰብ ኮነ እንስሳ ዝተፈጠሩ ካብ ሓመድ ስለ
ዝኾነ ክልቲኦም ናብ ሓደ ቦታ ከም ዝኸዱ ይገልጽ።’’ብጽሒት ደቂ ሰብሲ ኸምቲ ናይ እንስሳ እዩ እሞ፡ ሐደ እዩ ብጽሒቶም ከምቲ
እዚኣቶም ዝሞቱ እቲኣቶም ከአ ይሞቱ፡ ንኹሎም ሓንቲ እስትንፋስ ኣላቶም። ኩሉ ኸንቱነት እዩ እሞ፡ ሰብሲ ኻብ እንስሳ ብልጫ የብሉን።
ኹሎም ናብ ሓንቲ ቦታ ይኸዱ፡ ኩሎም ካብ መሬት ኮኑ፡ ኩሎምውን ናብ
መሬት ይምለሱ። እስትንፋስ ደቂ ሰብ ንላዕሊ ኸም እትድይብ፡፡ እስትንፋስ እንስሳ ኸኣአ ናብ ትሕቲ ምድሪ ኸም እትወርድከ መን ይፈልጥ’’[መክ
3፡19-20]ጥበበኛታት ንኹን ሰነፋት ኩላትና ምት ከምዝጽበየናን ድሕሪ ሞትዉን ተረሲዕና ከም እንተርፍ ተዛሪቡ ነይሩ[መክ2፡16] ሰብ ጥራዩ ኸም ዝመጽእ፡ ከምኡ መሊሱ
ይኸይድ፡ ካብቲ ዝጸዐረሉ ኸአ ኣብ ኢዱ ሓንቲ እኳ ኣይማላእን[መክ5፡15]ኣብ መጨረሽታ ጽሑፉ ግና ከምዚ ይብለና’’…ሰብ ናብ ናይ
ዘለአለም ማሕደሩ ይኸይድ እሞ፡ መልቀስቲ ኣብ ኣደባባያት ይዞሩ’’[መክ12፡5] ሰብ ሓመድ ስለ ዝኾነ ናብ ሓመድ ይምለስ ፡ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ
ይምለስ ብምባል ነፍሲ ሰብ ኣብ መጨረሽታ ናብቲ ዘላእለማዊ ዝኾነ እግዝኣብሄር ከም ዝኾነ ይገልጽ[መክ 12፡7]።
-ካልእ ንጸሓፊ
መክብብ ካብ ዘገረምዎ ነገራት ድማ ኣብ ዕለታዊ ናብራ [ሂወት]ናይ ሰነፍ ሰብ እዩ። ንምዃኑ ጸሓፊ’’ሰነፍ ሰብ’’ዝብሎ ከምይ ዝበለ
እዩ።
ሰባት ኣብ ዘመን ሂወቶም ብጥበብ ተመሪሖም ብትግሃት
እናሰርሑ ክነብሩ ከም ዘለዎም ጸሓፊ ይገልጽ።ሓደ ሰብ ብትግሃት እንተሰሪሑ ካብ ድኽነት ተላዒሉ ንጉስ ክኸዉን ይኽእል፡ወይ ካብ
ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ኣብ ዝፋን ክቕመጥ ይኽእል፡ይኹን እንበር ኣብ ግዜ ሽምግልንኡ ምኽሪ ዘይቅበል ኮይኑ እንተተረኸበ ካብቲ ካልእ
ዝሓሸ ኮይኑ ኣይርከብን። [መክ4፡14] ብኣጠቓላሊ ንሰነፍ ሰብ ብኸምዚ ይገልጾ?
-ዓሻ ድማ ብመገዲ እኳ እንተ ተመላለሰ፡ ኣእምሮስ የብሉን፡ ንኹሉውን ዓሻ ምዃኑ ይነግር[መክ 10፡3]።
-ቃላት ኣፍ እቲ ጥበበኛ ሞጎስ አለዎ፡ ዓሻ ግና ከናፍሩ ይውሕጦ [መክ10፡12] ።
-ምውት ጽንጽያ ነቲ ቕብኢ ናይ ብዓል ቅዱይ ሽቱ የጭንዎን የመሽምሾን፡ ንእሽቶ ዕሽነት ከአ ንጥበበን ክብርን ተበላሽዎ[መክ10፡1]
-ዓሻ ናብ ከተማ ምኻድ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ጻዕሩ የድክሞ [መክ10፡15]
- መጀመርታ ቓላት ኣፉ ዕሽነት፡ መወዳእታ ዘረባኡ ድማ ሕሱም ዕብዳን እዩ። ዓሻስ ቃላት የብዝሕ ሰብ ግና ነቲ ዚኸውን
ኣይፈልጦን፡ ነቲ ብድሕሪኡ ዚኸውን ደአ መን ይነግሮ [መክ10፡13-14] ።
-ሰሓቕ ዓሻስ ከምቲ ኣብ ትሕቲ ቑራዕ ጣዕጣዕ ዚብል እሾኽ እዩ እሞ፡ እዚውን ከንቱነት እዩ [መክ 7፡6]
-ዓሻ ኣእዳው የመሳቕል እሞ፡ ገዛእ ስጋኡ ይበልዕ [መክ4፡5] ።
-ካብ ደርፊ ዓያሱ ምስማዕስ መግናሕቲ ጥበበኛታት ምስማዕ ይሓይሽ [መክ7፡5]።
-ኩራ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ እዩ መሕደሪኡ እሞ፡ ብመንፈስካ ንኹራ ኣይትተሀወኽ [መክ7፡9።
-ልቢ ጠበብኛታት ኣብ ቤት ሐዘን፡ ልቢ ዓያሱ ግና ኣብ ቤት ሓጎስ እዩ [መክ7፡4] ።
እንበኣርከስ ብኣጠቓላሊ ሰነፋት ንጥበብ ክደልይዋ ይግብኣኦም፡ትርጉም
ነገራት ዝፈልጥ ጥበብኛ ዝኾነ ሰብ ጥራይ እዩ’’ ከም ጥበበኛ መን እዩ፡ ምትርጓም ነገር ዚፈልጥከ መን እዩ፡ ጥበብ ሰብ ንገጹ
ተብርሆ ድርቅና ገጹ ኸአ ትልውጦ[መክ8፡1]።ስንፍና ወይ ድንቁርና ዕብዳንን ጽላለን እዩ[መክ 7፡25]።
No comments:
Post a Comment