Friday, December 5, 2014

ዝጽልያ ኣእዳዉ

ዝጽልያ ኣእዳዉ -ን- አልብሬሽት ዱረር
ሓቀኛ ታሪኽ
    ቅድሚ ነዊሕ ዘመናት ኣብ ጀርመን ኑረምበርግ ከተማ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ቁሸት ዓሰርተዉ ሸሞንተ ቆልዑት ዝነበርዋ ሓንቲ ቤተሰብ ነበረት።ዓሰርተዉ ሾመንተ! ነዚኦም ኩሎም መግቢ ንምቕራብ እቲ ቀጥቃጢ ሓጺን ዝነበረ ሰብኣይ[ኣቦ]ኣብ መዓልቲ ዓሰርተዉ ሸሞንተ ሰዓት ብሞይኡ ኮነ ካብኡ ወጻኢ ክሰርሕ ነበሮ። መነባብሮ እዛ ቤተሰብ ኣዝዩ ሕማቕ እንተነበረ’ኳ ካብቶም ደቁ እቶም ክልተ ዓበይቲ  ፍሉይ ሕልሚ ነበሮም ስነ-ጥበብ ክጽንዑን ህቡባት ሰኣልቲ ክኾኑን። ወላዲኦም ብዝኾነ መንገዲ ኑረምበርግ ናብ ዝርከብ ናይ ስነ-ጥበብ ቤት ትምህርቲ ልኢኹ ከምህሮም ዘኽእል ዓቕሚ ገንዘብ ከምዘይብሉ ክልቲኦም ይፈልጡ ነበሩ።  
 ሓደ ምሸት ኣብታ ተጸቓቒጦም ዝደቅሱላ ዓራት ኮይኖም ብዛዕባ ሕልሞም ንንዉሕ ዝበለ ሰዓታት ተዘራረቡ እሞ ናብ ሓደ መደምደምታ በጽሑ፡ዕጫ ከዉድቑ ድማ ወሰኑ፡ብዕጭኡ ዝተሰዓረ ናብቲ ኣብ ጥቕኦም ዝነበረ ናይ ዕደና ቦታ ከይዱ ክሰርሕ እሞ ብዝረኸቦ ኣታዊ ነቲ ናብቲ ዝለዕለ ትምህርቲ ከይዱ ዝመሃር ሓዉ እናሓገዘ ከምህር።እቲ ዕጫ ዝበጽሖ ሓዉ ድማ እብቲ እብ ኑረምበርግ ከተማ ዝርከብ ናይ ስነ-ጥበብ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ነርባዕተ ዓመት ትምህርቱ ክመሃር፡ትምህርቱ ምስ ወድአ ፡በቲ ዝምረቖ ናይ ስነ -ጥበብ ሞያ ብዝስእሎም ስእልታት ዝተረኸበ ገንዘብ ወይ ኣድላዩ እንተኾይኑ ንሱዉን ኣብ ናይ ዕደና ስራሕ ተቖጺሩ ብግዲኡ ነቲ ዘምሃሮ ሓዉ ከምህር ኣብ ዉሳነ በጽሑ።
ሓደ ሰንበት ንግሆ እቲ ዕጫ ወደቐ ፡ነቲ ዓቢ አልብሬሽት ዱረር  ዝተበሃለ ሓዉ ዕጫ በጽሖ፡በዚ ድማ ናብቲ ኣብ ኑረምበርግ ከተማ ዝርከብ ናይ ስእሊ ቤት ትምህርቲ ኣተወ። እቲ ዕጫ ዘይበጽሐቶ ሓዉ ናብቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ናይ ዕደና ቦታ ኣምርሐ።ንተኸታተልቲ ኣርባዕተ ዓመታት ንሓዉ ብገንዘብ እናሓገዘ ኣምሃረ፡ኣልብሬሽት  ኣይሓመቐን ብትምህርቱ ብሉጽ ክኸዉን ከኣለ።ብዝተፈላለዩ ስእልታት ዕዉት ኮነ ፡ዝስእሎም ስእልታት ልዕሊ መምሃራኑ እናበለጹን እናተፈትዉን መጹ።ብኮምሽን ንዝሰርሖም ስእልታት ብርክት ዝበለ ገንዘብ ክኽፈሎ ጀመረ።
 እዚ መንእሰይ ሰኣሊ  ትምህርቱ ወዲኡ ናብ ዓዱ ክምለስ እንከሎ ስድራቤቱ ብዓወት ዝተመለሰሉ ምኽንያት ብምግባር ሽሻይ ኣዳልዮም ጸንሕዎ። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ብሙዚቃን ስሓቕን ዝደመቐ ግብጃ  ፡እቲ ሰኣሊ አልብሬሽት ካብቲ ናይ ክብሩ ወንበሩ ተንሰአ’ሞ፡ንፍትዉ ሓዉ  ነቲ ንዓመታት ዝኸፈለሉ መስዋእትነት ፡ሕልሙ ክዉን ንክኸዉን ስለ ዝሓገዞ ጽዋእ ኣልዓለ። ኣብ መዕጸዊ ዘረብኡ’’ ዝተባረኽካ ሓወይ ኣልበርት ፡ሕጂ ተራ ናትካ እዩ ፡ናብ ኑረምበርግ ኬድካ ሕልምኻ  ክትፍጽሞ፡ኣነዉን ብግደይ ክንከባኸበካ እየ ‘’ በለ።
እቶም ኣብ መእዲ ዝነበሩ ኩሎም ዑዱማት ክሳዉዶም ካብቲ መኣዲ ብምልዓል ናብቲ ብሓደ ጸግዒ ዝነበረ ናይ ማዕድን ሰራሕተኛ አልበርት ኣዞሩ፡ካብቲ ጎርባጥ ገጹ ንብዓቱ እናተንከባለለ ብመዓጉርቱ ይፈስስ ፡ርእሱ ካብ የማን ንጸጋም እናንቀሰቐሰ ፡እናተሓናነቕ’’ኣይከዉን…………ኣይከዉንን ዝሓወይ ………..ኣይከዉንን’’በለ ።
 ኣብ መወዳእታ ትንስእ ኢሉ ንብዓቱ በእዳዉ ብምድራዝ ፡ኣሳጊሩ ነቶም ኣብቲ መኣዲ ዝተዓደሙ ዝፈትዎም ሰባት ብፍቕሪ እናረኣየ፡ክልቲኤን ኣእዳዉ ኣጣቢቑ ናብ የማናይ መንክቡ ብምጽጋዕ ልስልስ ብዝበለ ድምጺ ‘’ኣይከዉንን ፍቑር ሓወይ ፡ናብ ኑረምበርግ ክኸይድ ኣይክእልን ፡ንዓይ ኣዝዩ ደንጉይኒ ፡ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ ዕደና ስራሕ ኣእዳወይ እንታይ ከም ዝገበሮም ተዓዘብ ፡ኣብ ኣጻብዕተይ ዘለዉ ዓጻጽምቲ ኩሉ ግዜ እንተወሓደ ሓደ ግዜ ይህሰዩ ነበሩ ፡ካብ’ዚ ቀረባ ግዜ ንነጀዉ ድማ ብኸቢድ ናይ ቅርጥማት ሕማም እናተሰቐኹ እየ፡ብርሳስን ብሩሽን ኣብ ዓለባ ስእሊ ክቐብእ ኣይኮንኩን፡ኣየስተዉዓልካለይን እንበር ጽዋእና ነልዕል ክትብል እንከለኻ ነታ ጽዋእ ንምሓዝ የማናይ ኢደይ ኣይከኣለን ፡ስለዚ ንዓይ ግዜ ሓሊፉኒ እዩ ‘’በለ።
 እዚ ታሪኽ ካብ ዝፍጸም ልዕሊ 450 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ፡ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናይ ኣልብሬሽት ዱረር ዘደንቑ ስርሓት ፡ምስሊ ርእስታት፡ናይ ርሳስን ማይን ሕብሪ  ቅብኣታት ፡ናይ ቻርኮል ስርሓት፡ናይ ዕንጸይቲ ቅርጸ ቅርጺታት፡ካልኦትን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሙዝየማት ተሰቂሎም ይርከቡ ፡ይኹን እንበር ብዙሓት ሰባት ካብ ካልኦት ስርሓቱ ንላዕሊ ነታ ‘’ኣእዳዉ’’እትብል ስእሊ ቅዳሕ ኣበየ ገዝኦምን ቤት ጽሕፈቶምን ሰቒሎማ ይርከቡ።
 ሓደ መዓልቲ ነቲ ሓዉ ዝኸፈለሉ መስዋእቲ ክብሪ ብምሃብ ፡ኣልብሬሽት ዱረር ብልዑል ጥንቃቐ ናይ ሓዉ ዝተጎድኡ ኣእዳዉ ፡ክልቲአን ኣጻብዑ ንሓድሕደን ብምግጣም ፡እቶም ቀጠንቲ ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ተዘርጊሖም ዝርኣዩ ስእሊ ሰኣለ፡እዚ ዘደንቕን ሓያልን ስራሕ ‘’ኣእዳዉ’’ዝብል ስያሜ ሃቦ፡ብዙሕ ከይጸንሐ ኣብ ዙርያ ዓለም ስእሉ ዝርኣዩ ኩሎም ፡ነዚ ዘደንቕ ስራሕ ልቦም ከፈትሉ፡ነዚ ካብ ፍቕሪ ዝተላዕለ ዝተሳእለ ስእሊ ‘’ዝጽልዩ ኣእዳዉ’’ኢሎም ሰመይዎ።



No comments:

Post a Comment

ምንባር ምስትንፋስ እንተኾይኑ! ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል

  ‘’ ብዝኾነ ጥንቅቕ በሊ …’’ገና ዘረባይ ከይወዳእኩ መራሒ መኪና ክሳብ ቆጸራይ ዝዉድእ ስድርኡ ኣብ ኣስመራ ስለ ዝቕመጡ ንዕኦም ርእይ ኣቢለዮም ክምለስ ኢሉኒ ከይዱ ነበረሞ፡፡ከም ዝመጸ ምስ ሓበረኒ’የ ነዊሕ ግዜ ከም...