ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ብዛዕባ ስቶክ ቅድሚ ክነዉፍር ምሕሳብና ክንፈልጦም ዝግባኡና ሽዱሽተ ነጥብታት ገሊጽና ነይርና::
1 ብኸመይ ክተዉፍር ከም ዘለካ ወስን እዚ ማለት ናይ ነዊሕ ወይስ ሓጺር ግዜ፡፡
ዝኾነ ወፍሪ ናቱ ዝኾነ ናይ ግዜ ገደብ ኣለዎ ማለት ገንዘብካ ኣብ ክንደይ እዋን ዝተወሰነ መኽሰብ የምጻልካ፡ወይ ገንዘብካ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኢኻ ክተዉፍሮ እትደሊ ወርሒ፡ ሽዱሽተ ወርሒ፡ዓመት ሓሙሽተ ዓመት፡፡እንበኣርከስ ቅድሚ ገንዘብና ምዉፋርና ንዉሓት እነዉፍረሉ ግዜ ክንዉስን ይግባኣና፡ከም ኣማራጺ ንንዉሕ ዝበለ እዋን ክንዉስን ይግብኣና፡፡
2.ክተዉፍረሉ እትኽእል ናይ ሕሳብ ኣካዉንት ምረጽ፡፡
ቅድሚ ሒደት ዓመታት ገንዘብካ ኣብ ስቶክ ክተዉፍር እንተኾንካ ናይ ደላሎ[Brokers]ክትከፍል ትግደድ ነይሩ፡፡ሎሚ ግና ብዘይ ክፍሊት ደላሎ ገንዘብካ ክተዉፍር ይከኣል፡፡እንተኾነ ኩሎም ብሮከርስ [ደላሎ]ነጻ እዮም ማለት ኣይኮነን ፡፡ንጀመርቲ ኣዉፈርቲ ግና እዞም ስዒበ ኣብ ጥብቆ ዝገብረልኩም ካብ ክፍሊት ነጻ ዝኾኑ እዮም ዳዉንሎድ ብምግባር ክንጥቀመሎም ይከኣል፡፡
https://join.robinhood.com/mussiet1
3 ፍልልይ ብዛዕባ እቶም ክተፍሮም ዝደለኻ ማለት[stocks and stock mutual funds]ፍለጥ፡፡
እዞም ዓሰርተታት ኣሽሓት ትካላት ኣብ ስቶክ ተመዝጊቦም ዘለዉ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ናይ ንገዲ ፕላትፎርም ንረኸቦም ንሶም ድማ
NASDAQ
DOW JONES
S&P500
እዚኦም ስቶክ ዝንገድሎም ትካላት ክኾኑ እንከለዉ ሓደ ኣብነት ንዉሰድ ንኣብነት እዚ መብዛሕትና እንጥቀመሉ ፈይስቡክ፡፡ ኣብ ስቶክ ዝነገደሉ ኣሕጹረተ ቃል Stock price: FB (NASDAQ) $282.73 -8.39 (-2.88%) እዚ ብናይ ዓርቢ ዝነበረ ዕዳጋ ማለት'ዩ፡፡
እንበኣርከስ ኣበየናይ ካምፖኒ ተዉፍር ፡ ኣብ ንጽል ስቶክ ወይስ ኣብ እኩባት ስቶካት ወይ ተቖጺርካ ትሰርሕ እንተኾንካ ኣብናትካ 401k ወዘተ፡፡እዚ ኣርስቲ ሰፊሕ ስለ ዝኾነ ኣብ ቀጻሊ ክንዛረበሉ ኢና፡፡
4.ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ክተዉፍር ከም ዘለካ መድብ፡፡
እንገብሮም ወፍርታት ኩሎም ክሳራ ከምዘለዎም ርዱእ እመስለኒ ንኣብነት ድኳን ክተዉጽእ እንከለኻ ክትከስርዉን ከም እትኽል ትርዳእ ኢኻ ፡፡እንተኾነ ከመይ ጌርካ ክሳራኻ ተጉድል እቲ ቀንዲ ሓሳብካ ይኸዉን፡፡ብተመሳሳሊ ኣብ ስቶክ፡፡
ስለዝኾነ ክተዉፍር እንከለኻ ክትከስርዉን ከም እትኽእል ተረዲካ ካብቶም መሰረታዉያን ወጻኢታትካ ክኸዉን የብሉን ትርፊ መሰረታዉያን ወጻኢታትካ ክተዉፍር ኣሎካ፡፡ ገለ ሓገዝቲ ሓሳባት፦
ዕዳ እንተሎካ መጀመርያ ዕዳኻ ምኽፋል ብፍላይ ልዑል ወለድ ዘለዎም ናይ ክረዲት ካርድ ልቓሓት ክኽፈሉ ይግብኦም፡፡
5.ንነዊሕ ዝዓለመ ወፍሪ ሕሰብ፡፡
ኣብ ስቶክ ወፍሪ ክንገብር እንከሎና ንነዉሕ ዝዓለመ እንተኾነ ይምረጽ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ስቶክ ወሪድሉ ኣብ ዘሎ ንነዊሕ ዝዓለመ ወፍሪ ተመራጺ ይኸዉን፡፡ኣብዚ ሕጂ እዋን ገለ ገለ ስቶክ ካብ 3%-16% ጎድሉ ይርከብ እዚ ማለት ኣብዚ እዋን ምግዛእ ማለት ንዝመጽኡ ሒደት ዓመታት ተመሳሳሊ መኽሰብ ይርከብ ማለት'ዩ፡፡እዚ ግምት እዩ ልዕሊኡ ወይ ትሕቲኡ ክኸዉን ይኽል፡፡ንነዊሕ ዝዓለመ ወፍሪ ኣብ ስቶክ ነቲ ስቶክ ክነጽንዖን ክሳራታትና ክንቅንስን የኽእለና፡፡
6.ዘዉፈርካዮ ገንዘብ ብግቡእ ኣመሓድሮ፡፡
ንዘዉፈርናዮ ገንዘብ ብግቡእ ክንቆጻጸሮን ክንመሓድሮን ይግባእ እዚ መለት ግቡእ ክትትል ክንገብር ኣሎና ማለት እዩ፡፡
ኣብ ስቶክ ክተዉፍሩ ድሌት እንተለኩም ኣብ ፈይስ ቡክ መሰጅ ግበሩለይ ብነጻ ኽትገዝዎም እትኽእሉ ስቶካትን ምንገዲ ብሮከራትን ክሕብረኩም ወይ email.tekiese2018@gmail.com