Sunday, January 15, 2023

ምንባር ምስትንፋስ እንተኾይኑ! ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል

 


‘’ ብዝኾነ ጥንቅቕ በሊ …’’ገና ዘረባይ ከይወዳእኩ መራሒ መኪና ክሳብ ቆጸራይ ዝዉድእ ስድርኡ ኣብ ኣስመራ ስለ ዝቕመጡ ንዕኦም ርእይ ኣቢለዮም ክምለስ ኢሉኒ ከይዱ ነበረሞ፡፡ከም ዝመጸ ምስ ሓበረኒ’የ ነዊሕ ግዜ ከም ዘዕለልና ዝተረድኣኒ፡፡ሰላም ነኣስመራ እንተመጺአ ክድዉለላ እንተዘይተራኺብና ግና ኣብቲ እዋን ግኑን ዝነበረ ያሆ-መይል ክንጸሓሓፍ ስልካን ኢመይላን ሃበትኒ ቻዉ ተበሃሂልና ክንፋኖ እንከለና፡፡

 ‘ተምርዒኻ’ዶ’ ሓተተትኒ፡፡

‘ኣይተመርዓኹን ክምርዖዉን መደብ የብለይን ክምርዖ እንተዝደሊ ነይረ ብረድዮ ወይ ጋዜጣ መናደኹኺ ነይረ’’በልክዋ፡፡

‘ክሳብ ሎሚ…..።’

    ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብ ሳዋ ብዛዕባ መርዓ ዕላል ተላዕለ’ሞ ብዙሕ ተባህለ ካብተን ኣብ ከባቢና ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ንሰላም ዝያዳ እፈትዋ ነበርኩ ብዛዕባ መርዓ ርእይቶይ ምስ ተሓተትኩ ‘መጻምድቲ ክትህልወኒ እንተዝደሊ ንሰላም ምመረጽኩ በልክዎም’፡ብድሕርዚ 

ሰለሙን ‘እንሆ ሜዳ እንሆ ፈረስ ሕጂ ዝምድና ንግበር በላ’ በለኒ እሞ ኩሎም ሰሓቑ፡፡

 ካልእ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ልምዲ ዝነበሮ ‘’እቲ ስሉብ ከኣ ,ንፊሊጶስ እንሆ ማይ ፡ከይጥመቕ’ከ እንታይ ይኽልክለኒ በሎ ሽዑ እቲ ስሉብ ብልቡ ኣሚኑ ነብረ እሞ ተጠምቀ’፡ሕጂ ድማ ንስኻ ‘እዛ ጎርዞ ኣብ ቅድሜኻ እንሀለት ተፈትዋ እንተኾንካ ከይትምርዖ ኣንታይ ይሕዘካ ’ ብምባል ምስ ቃንኡ ድምጹ ክብ ኣቢሉ ተዛረበ፡፡

‘ርኢኹም ንሰላም እፈተዋ’የ ግን ድማ ፖለቲካ ከም ሞያ ክሕዞ’የ ዝደሊ፡ ኣብ ሳልሳይ ዓለም ፖለቲከኛ ሙኻን ማለት ድማ እቲ ዝሓየለ ንድኹም ዘዳኽመሉ ጥራይ ዘይኮነ ምንባርዉን ዘየፍቅደሉ ብምኻኑ ንዝምርዓዋ ሰበይቲ መበለት ንዝወልዶም ቆልዑ ዘኻትም ክገብሮም ሕልናይ ኣይፈቅድን እዩ ’ በልክዎም ፡፡ ብድሕርዚ ዕላል ብዛዕባ መርዓ ተረሲዑ፡ ሓያል ክትዕ ተላዕለ፡ ብኡ ኣቢላ ድማ ተረስዐት ክሳብዛ መዓልቲ፡፡

  ካብ ሰላም ድሕሪ ምፍልላየይ ቅንዕና ሰላም ኣድነቕኩ ፡ክፍኣተይ ሕልናይ ወቐሰኒ ደሓን ካልኣይ ግዜ ክረኽባ’የ በልኩ፡ ተዘይረኸብክዋኸ እንድዒ፡፡ሞጎተ!ደሓር ጴንጠ ከም ዝኾንኩ ፖለቲካ ከም ዝገደፍክዎ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክምህር ከም ዝጀመርኩ ኣየዕለልክዋን፡፡ገና ሓሳበይ ከይወዳእኩ፡፡

‘ከመይ ኣምሲኻ ጽብቕቲ ቆልዓያ ‘ በለኒ መራሕ መኪና ቢንያም፡፡

‘ጽቡቕ ኣሎኻ ወረ እንተተዕልላ’ሲ ዝያዳ ምፈተኻያ ‘በልክዎ፡ ብዛዕባ ዉዕሎና እናዕለልና ጉዕዞና ናብ መንደፈራ ገጽና ኣቕናዕና፡፡

    2012

    ካብ ሃገረይ ካብ ዝወጽእ ድሮ ሸዉዓተ ዓመት ኮይኑ፡ስደት ብኹሉ መለክዒ ጥዑም ኣይኮነን እቲ እንኮ ኣማራጺ ግና ንዕኡ ተቕቢልካ ክትብድሆ ጥራይ’ዩ ዘሎካ፡ ሂወት ትቕጽል ናብራ ይቕጽል፡ ሓደ እዋን ኣብ ገጽ መጽሓፍ ኣዕሩኽ ንምኻን ሳሌም ብዝብል ስም ተሓተትኩ፡ጓለንስተይቲ እያ’ሞ ተቐበልክዋ፡ ኣብ ሰዓታት ዘይመልእ ግዜ ስልክኻ ጽሓፈለይ ዝብል ጽሑፉ ተሰደደልይ፡ ጓል ሂዋንያ’ሞ ጸሓፍኩላ፡ ኣብ ሰዓት ዘይመልእ ግዜ ተደወለለይ፡

‘ሃሎ መን ክብል? ‘ በልኩ ፡

‘መን ትደሊ ?’ ንሕቶይ ብሕቶ መለሰትለይ፡፡

‘ሓቂ ንምዝራብ ኣብዚ እዋን ዝደልዮ የብለይን ምናልባት ዝደልዩኒ እንተሃልዮም ኣይፈልጥን’ መለስኩ፡

‘ርግጸኛ ኢኻ’

‘ርግጸኛ’ኳ ኣይብልን ኣብ ሂወት ካብ ርግጸኛታት ዝኾንኩሎም  እቶም ዘይርግጸኛታት ዝኾኑኩሎም ነገራት ዝያዳ ሚዛን ስለ ዝደፍኡ’፡ ፍላስፋ ክኸዉን እናፈትንኩ፡

‘ብዝኾነ ገለ ሰላም ትበሃል መሓዛ ኣይትዝክርን’

  ልበይ ህርመታ ወሰኸት ዘረባይ ቁርጽ ቁርጽ በለኒ ‘ሰላም..ሰላም..ከመይ ኣሎኺ ኣበይ ኣሎኺ ?’፡፡

‘ኣምላኽ እመስገን ሰላም ኣለኹ ኣብ ሽወደን ይነብር ኣለኹ’ በለትኒ፡፡

‘ብጣዕሚ ጽቡቕ እንበር ሂወት ናብራ ስድራቤት ከመይ ኣለዉ’

‘ኩሎም ሰላም እዮም ብድሕረይ ኢትዮጵያ ከም ዝኸድካ ሰሚዓ ኣብዚ ዓዲ ሓደ ወዲ ዓድኻ ረኺበ ናይ ስድራኻ ቴሌፎን ኣምጺኡለይ ነዴኻ ረኺበየን ነይረ፡ ኣብ ሽመልባ እንከለኻ ክረኸብካ ፈቲነ ኣይሰለጠንን’ በለትኒ 

 

ቀዲመያ ከም ዝወጻኹ ኣይፈለጠትን በልኩ ብልበይ፡

‘ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ  ከም ዝኣተኻ ሰሚዓ ደስ ኢሉኒ’

‘ኣነዉን ብሂወት ዳግማይ ምርኻብና ደስ ኢሉኒ በልክዋ’

‘ጲንጠ ኮንካ ዲኻ ሓደ ሓደ እትጽሕፎም ጽሑፋት ይርእዮም እየ ብጣዕሚዮም ደስ ዝብሉኒ ቀጽሎ’ በለትኒ፡፡

  እንታይለ ክምልሰላ እናሓሰብኩ ዝን በልኩ፡ 

‘ኣሎኻ’ዶ ‘ በለትኒ፡

‘ሰላም ኣለኹ’

‘በል ምስ ሓደ ሰብ ከላልየካ’ ብምባል ከይመለስኩላ፡፡

‘ፖስተር ናሆም ይበሃል በዓል ቤታ ንሰላም’የ በለኒ’፡፡ሓደ ገርናዉ ዝድምጹ

‘በዓል ቤታ’ ደገምኩሉ፡፡ 

‘እወ በዓል ቤታ’ ኣረጋገጸለይ፡

‘ብጣዕሚ ጽቡቕ ሰናይ ሌላ’ በልክዎ፡

‘ጎይታ ሰናይ እዩ ኣብዚ ምድረ ስደት ባሪኹና …።’እናበለ ዕዮ ፓስተርነቱ ከይተርፎ ይሰብኽ ፡ሓቂ ንምዝራብ ብዙሕ ንዕኡ ዝሰምዕ ዓቕሊ ኣይነበረንን ኣብታ እዋን፡ ሓያል ዝኾነ ናይ ተዘክሮ ንፋስ ዓመታት ንድሕሪት መሊሱ ናይ ንእስነት ፍቕሪ ፡ዕላል፡ ዋዛ፡ ኣብ ሓሳበይ ቅጅል በለኒ፡፡ ኩሉ ይሓልፍ ከምዘይነበረ ይኸዉን ተዘክሮ ግና ወትሩ ምሳና ስለዝኾነ፡፡ ብድሕርዚ ሰላም መዓስ ከምዝተቐበለቶ ኣይፈለጥኩን፡፡

‘’ሃሎ ኣሎኻ’ዶ’’ እወ ኣለኹ ሰላም፡፡

‘ተምርዒኻ’ዶ ሓተተትኒ፡

‘ክሳብ ሕጂ ኣይተመርዓኹን’ በልክዋ፡፡

‘ክትምርዖ’ኸ ትሓስብ’ዶ?’ 

‘ከም ፍቓድ ኣምላኽ’

ጴንጠ ካብ ዝኸዉን ንመህደሚ ዝጥቀመላ ቃል ጌረ ንሰላም ተፋነኽዋ፡፡ 

ብድሕርዚ ምስ ሰላም ብዙሕ ግዜ ብመራኸቢ ብዙሃን ተራኸብና ስደት ዘስዕቦ ክሳራ ብዙሕ ነዕልል፡፡ ንሰላም ክሳብ ዕለተ ሎሚ ትርጉም ምንባር ፍጹም መልሲ ኣይረኸበትላን፡፡ሓደ መዓልቲ ‘ብምምርዓወይ እንታይ ተሰሚዕካ’ ብምባል ሓተተትኒ፡፡ 

ምነገርኩኺ ግን እንታይ ይዓብስ በልክዋ ፡ ክሳብ ሎሚ መልሰይ እዩ፡፡ ኣብ ዕላልና ‘ክምርዖ ሓሲበ ኣለኹ ! በልክዋ’፡፡

‘ሃሌሉያ ሃሌሉያ እልልልል’ በለት ኣብ እዝነይ ዓዉ ብዝበለ ድምጺ፡፡

ብሓሳበይ ብሓቂ ጲንጠነት ለዊጥዋ በልኩ እንደገና ርእሰይ ምኻን ሰይቲ ፖስተር እንድያ በለኒ ፡፡’’

 እዚ ጽሑፍ  02/03/2018 ተጻሕፈ፡፡

  ተፈጸመ ኣይተፈጸመን ድማ፡እዚ ዛንታ ኣብዚ ተዛዘመ ምባል ይሓይሽ፡፡

Wednesday, January 11, 2023

ምንባር ምስትንፋስ እንተኾይኑ! ካልኣይ ክፋል

 


    ‘ዋላ’ኳ ብቕንዱ ምንባር ምስትንፋስ እንተዘይኮነ ብዘይ ምስትንፋስ ግና ኣይንበርን’ዩ’ በልክዋ፡፡ ናይ ሓሳብ ጌጋ ከየምጽእ እናተጠንቀቕኩ፡፡

 ዕላልና ኣብተን ዝተፈላለናለን እዋናት እንፈልጦም ሰባትን ኩነታቶምን እናዘከርና ብሕሉፍ ሰሓቕናን ተከዝናን፡፡ብወገነይ ብዛዕባ ዝተኣሰሩ፡ስገረ ዶብ ዝኸዱ ኤዎሮጳን ኣመሪካን ዝኣተዉ ኣዕለልክዋ፡፡ ንሳዉን ብወገና እትፈልጦ ነገረትኒ ልዕሊ ኩሉ ግና እስማዒል ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝሞተ ምስነገረትኒ ኣዝየ ሰንበድኩ፡፡ብድሕርዚ ንሒደት ካልኢት ክልቴና ዝን በልና፡፡

‘ርኢኻ ተኽለ ካብዘን ካልእን ንኽትሃድም እንታይ ኣማራጺ ኣሎ ካብዚ ዓዉ ዝበለ ሙዚቃ ንላዕሊ’ በለትኒ ፍሽኽ ክትብል እናፈተነት፡፡

  ሕርሻ ኣፍ-ሂምቦል ክጅመር እንከሎ ዝነበርናን ቀዳማይ ፍርያት ዘፍረናን ዝሓፈስናን መንእሰያት ብዙሓት ክበሃል ብዝከኣል ምንገዲ ገሊኦም ካብ ሃገር ወጺኦም ገሌና ድማ ስጋና እንበር መንፈስና ካብ ሃገርና ሸፊቱ፡፡

 ንቑጠባ ብምንጽር ባኒ ከብርህ ደስ ዝብሎ ተስፋ ደቡብ ኣፍሪቃ ንትምህርቲ ምስከደ ኣይተመልሰን፡ ኣድናቒ ጽሑፋት ስዲኒ ሽልደን ኤርምያስ ኢትዮጵያ ከምዘሎ ሰሚዕና፡ እቲ ቅኑዕ ጴንጠ በረኸት ቤትማእሰርቲ፡ ፖለቲካ ምዝራብ ዝብርሆ ሃይለ ብምንግስቲ ንቻይና ክመሃር ከምዝኸደ እፈልጥ ነበርኩ፡፡

  ‘’እንታይ ትሓስብ ኣሎኻ’ በለትኒ ሃንደበት ሰላም፡

  ‘ዝሓስቦ ኣነዉን ኣይፈልጥን’የ’

‘እንተትፈልጦ ምገረመኒ ‘’

‘ማለትኪ ‘ሓተትክዋ

‘ኣብዛ ሃገር ከምሎሚ ሓበረጀዋይ ሓሳብ ዝበዝሓሉ እዋን እንተልዩ ርግጸኛ ኣይኮንኩን’ድሕሪ ምባላ፡ ዘረብኣ ኣቋሪጸ እታ ቀዳመይቲ ማይ ቤት ግጥሚ ሃይለ ቢዘን ኣንበብኩላ

 

     ኣሎ እዋን ኣሎ ግዜ

     ቢልካ ቢልካ ሓሸዉየ

     ወትሩ ቁዛም ወትሩ ወየ

     እዋን ኣሎ ወርሓት ኣሎ

     ዝወድቀካ ሓሳብ ኣሎ

     ኣልቦ መዓት ዘይተልዕሎ

     መሊእካ ፈቲግካ

     ኩሉ ይዝረገካ

     ሓሲብካ ዘቑቕካ

    ከቶ ነይሰልጠካ

    ንስኻ ትነድቕ

    ደድሕሬኻ ይወድቕ፡፡

  ‘በጃኻ’ባ ድገመለይ’ በለትኒ ሰላም ዓይኒ ዓይነይ እናረኣየት፡ ምድጋም ጥራይ ዘይኮነ ደገምኩላን ደጋገምኩላን እትምንታይሲ ነዛ ግጥሚ ብልቢ’የ ዝፈትዋ ደራሲ በየነ ሃብተማርያም ኣብ ዓለም በቃኝ ኮይኑ ዝደረሳ እኳ እንተኾነት ፡ ጥልቀት ትሕዝቶኣ ነቶም ኣብታ ነጻ ዓለም እንነብር እሱራት ክንስና ፍቱሓት እንመስል ደቅሰባት ሕርሕራይ ጌራ ዕለታዊ ህላዌና እትገልጽ ግጥሚ እያ፡፡ 

ሓቢርና ድማ

      ‘ ኣሎ እዋን ኣሎ ግዜ’

       ‘ቢልካ ቢልካ ሓሸዉየ’

      ‘ወትሩ ቁዛም ወትሩ ወየ’

 ድሕሪ ምባልና ሃንደበት ኣብ መንጎና ጸጥታ ሰፈነ፡

እእእ…’ሕራይ ብጸይቲ ሰላም ገለ ናብራ ኣይገብርክን’

ሕቶይ ሃንደበት ኩይንዋ መስለኒ ‘ናይ ምንታይ ናብራ’

‘በባህላ ደቂ ሳሕል ዝምድና ኣይገበርክን ማለተይ’የ’

 ‘ኣይገበርኩን ሕጂ ግና ይሓስብ ኣለኹ’ በለትኒ ቅጭ ዝመጻ’ያ ትመስል፡

‘እሞ ኣብ ጽቡቕ ግዜ ተራኺብና ዘይትብልኒ ክተብልዕና ኢኺ’

‘ምብላዕሲ ይተረፍካ መርዓይ ነዛ ሃገር ሕቖይ ሂብካ ምኻድ’ዩ’ በለትኒ ከባቢኣ እናጠመተት፡፡

 ከይመለስኩላ ቅድሚ ሳልስቲ ወላድየይ ዝበለኒ ተዘከረኒ፡ ዘይኣመለይ ብእዋኑ ገዛ ክኣቱን ብዙሕ ሰዓታት ኣብ ዓራት ግዜ ከሕልፍን ምስተዓዘበ ‘ኣታ ቖልዓ እንታይ ኢኻ ኮንካ ለንቅነ ከመርዕወካ’ዶ’ ብምባል ሓተተኒ፡፡ ወላድየይ ዝተቐየረ ጣባየይ ኣይሰሓቶን፡ ከምኡ ዝገብረኒ ዝነበረ ምኽንያት ግና ስገረ-ዶብ ክወጽእ እሓስብ ብምንባረይ ቁሩብ ጸቕጢ ጌሩለይ ብምንባሩ እዩ፡ እንሆ ድማ ሰላም ተመሳሳሊ ሓሳብ ተካፍለኒ፡፡

  ‘እንታይ ደኣ ትም ኢልካ ስግረ-ዶብ ክኸይድ’የ እኮ’የ ዝብለካ ዘለኹ’

‘ሰላሚኖ ትም ዘይበልኩ በቃ ኩሉ መንእሰይ ስግረ-ዶብ ይሓስብ ኣሎ መዓልብኡ ከይፈለጠ ደሓር ስደት ኣማራጺ ምግባር ንሃገርን ንባዕሉ ነቲ ተሰደዳያን ጽቡቕ ኣይኮነን ’ በልክዋ ኣነዉን ከም ሓሳባ ይሓስብ ከምዘለኹ ክነግራ’ዶ ብምባል ሰጋእ እናበልኩ፡፡

 ‘ስምዓኒ ዝሃድም ሰብ ምህዳም እንበር ብዛዕባ ጽባሕ ዝሓስበሉ ግዜ የብሉን’

‘ጽቡቕ ኣሎኺ ግና….’ 

‘ተረዲኤካ ኣለኹ ሓደ ቤተሰብይ ዝኾነኒ እሙን’ዩ ዝበሎ ኣስጋሪ ረኺቡለይ ኣሎ ኣብዚ ወርሒ ክወጽእ እኸዉን’የ’ በለትኒ ኣሕጽር ኣቢላ፡፡

Sunday, January 8, 2023

ምንባር ምስትንፋስ እንተኾይኑ!

                         ኣብ ሓቀኛ ፍጻመ ዝተመርኮሰ ዛንታ

                           ቀዳማይ ክፋል

   ድሕሪ ነዊሕ እዋን በጋጣሚ ኣብቲ ኣብ ህንጻ ንያላ ሆቴል ተዶኪኑ ዝርከብ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ጎፍ ንጎፍ ተራኸብና፡፡ ንመጀመርያ እዋን ዝተላለናሉን ዝተፈላለናሉን ወታደራዊ ክዳን ተኸዲንና ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለ ዝነበረ ምስ ረኣኽዋ ቅሩብ ተደናገርኩ፡ ዝለበሰቶ ሓጺር ቀምሽ ፍሉይ ቅዲ ኣመሻሽጣ ጸጉራን ካብቲ ቀደም ዝፈልጣ ስለ ዝቐየራ ፡ሰጋእ በልኩ እንተኾነ ሰላም ኣብ ከባቢ ኣፍንጭኣ ዝነበረት ብሮት ፍሉይ መለለዪኣ ስለ ዝነበረታ  ርግጸኛ ክኸዉን ከኣልኩ፡፡

  ሰላም ትኩርቲ ብምንባራ ቀልጢፋ ‘’ተኽሊኖ’’ በለትኒ፡፡ ጋንታና ተኽሊኖ ወይ ወዲ ቐሺ ብምባል ይጽዉዑኒ ነበሩ፡፡

 ‘’ሰላም’’ ኣድሃይኩ፡፡ 

ብድሕርዚ ምዉቕ ፍቕራዊ ሕዉነታዊ ሰላምታ ተለዋወጥና፡፡ድሕሪ ቁሩብ ዕላል  ክልቴና ብስራሕ ኣብቲ ቦታ ስለ ዝተራኸብና ግዜ እንተልዩኒ ሓቢርና ሻሂ ክንሰቲ ሓተተትኒ፡፡ 

  ሰላም ኣብ ክልተሽሕን ሓደን ካብ ሳዋ ናብ በለዛ ተምዲባ ካባና ተፈልየት፡ ብድሕርዚ ደሃይ ኣይነበረንን ኣብዚ እዋን ድማ ምስ ስድርኣ እናነበረት ካብ ገዛ ወለዳ እናተመላለሰት ትሰርሕ ፡ስለዝኾነ ተዛማዲ ነጻነት ምንቅስቓስ ነይርዋ ክበሃል ይከኣል፡፡ኣነዉን ኣብ ክልተሽሕን ክልተን ካብ ሳዋ ንዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ተመዲበ፡ ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ድማ ጸብጻብ ክቕርብን ሕሳብ ክዓጹን ንኣስመራ ይመጽእ ሎሚ ድማ በዚ ምኽንያት ስለ ዝመጻኹ ክንራኽብ ክኢልና፡፡

   ‘’ኣበይ’ዩ ዝጥዕመካ ሻሂ ክንሰቲ’’በለትኒ ሰላም፡፡

‘’ንወዲ ገጠር ኣብዛ ዓባይ ከተማ ከምርጽ ከምዘሸግሮ ምቸም ዝጠፍኣኪ ኣይመስለንን’’በልክዋ ፍሽኽ እናበልኩ፡፡

 ‘’ክሳብ ሎሚ ወዲ ገጠር’የ ምባል ኣይገደፍካያን ‘’ በለትኒ፡ ኣብ ኣፍ ሂሞል እንከለና ዘጋጠመትኒ ኣጋጣሚ ከይረስዐት፡፡

  ዝነበረናያ ኣሃዱ መብዛሕትና ናይ ሞያ ተባሂልና ዝተኣከብና ነበርናሞ፡፡ መብዛሕትኦም ኣባላት ናይቲ ኣሃዱ ዝተፈላለየ ሞያ ዝነበሮም ካብ ኣስመራ ዝመጹ ነበሩ፡፡በዚ ምኽንያት ዝበዝሑ ጥቡቕ ዝምድና ዝንበረኒ ደቂ ኣስመራ  ስለዝኾነ ንዓይዉን ካብ ኣስመራ ከም ዝመጻኹ ብምግማት ንነብር ነበርና፡፡ሓደ መዓልቲ ግና እቶም ብሞያ መንደቕ ምሳና ሓቢሮም ዝነበሩ ንወላድየይ ኣብ ዓዲ ዝፈልጥዎ ብዛዕባ ዓደይ ክዛረቡ ኣብርሃም ዝበሃል ወዲ ኣሃዱና ሰምዖም፡፡ 

  ኣብርሃም ኣጋ ምሸት ምስኮነ ኩላትና ሓቢርና ክነዕልል እንከለና ኣብ መንጎ ‘’ተኸለ ወዲ ኣስመራ ትመስልኒ ነይራ’’ ብምባል ዕላል ጀምረ፡፡

እቲ ሓደ ትቕብል ኣቢሉ’’ ሕጅኸ ኣበይ ድዩ ‘’ 

‘’ኣብ ከባቢ መንደፈራ እትርከብ ዓዲ ባሪ ትበሃል ዓዱ’’ኣብርሃ’ዩ፡፡

‘’ኣብኡ ተወሊድካ ዓቢኻ ማለትድዩ’’ሓተት ሰላም፡

‘’እወ ካብ ዓድና ወጻኢ ንዝነዉሐ ዘውጻኹልን ግዜያት ንማእቶት እየን’’ኣረጋገፅክሎም፡፡

ብድሕርዚ ኩሎም እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ብጾት ነናቶም ተዛረቡ ገጠርነተይ ተቐቢሎም ምሳይ ክነብሩ ዝተሸገሩ ክመስሉ፡፡

 እንበኣርከስ ሰላም ነዚ ብምዝካር’ያ ከምኡ ዝበለትኒ፡፡

‘’ብዝኾነ ሕጂ ሪጋይ ኣኺሉ ስለ ዘሎ ክኸይድ መቸም ዳሜራ ትፈልጣ ትኸዉን’’ በለትኒ፡፡

‘’እፈልጣ’የ መስለኒ ተዘይኮይኑ ኣዉቲስታና ውዲ ኣስመራ ስለ ዝኾነ ዉሰደኒ ክብሎ’የ ‘’ በልክዋ፡፡

 ብርግጽዉን ባር ዳሜራ ክበሃል እሰምዕ እንበር ንጹር ኣበይ ትርከብ ንዝብለኒ ምላሽ ኣይነብረንን፡፡ ብዝኾነ ምስ ሰላም ናይ ምሸት ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ተቓጺርና ተፈላለና፡፡     

  ኣስመራ ኣብዝመጻኽሉ ሰዓት ንርሑቕ ዝጠመተ ኣተሃናንጽኣ እንክዕዘብ ጣልያናዊ ንዕቀት ኣብቲ ሕብረተሰብ እገርመኒ፡፡ሓደ መዓልቲ ደቀባት ክለዓልዎም ከምዝኽእሉ ዝሓስቡ ዝነበሩ ኣይመስሉን፡፡ብዝኾነ ነዚ እናሓሰብኩ ጥዑም ንፋስ’ታ ከተማ እናስተማቐርኩ ባር ዳሜራ በጻሕኩ፡፡

  ብተፈጥሮይ ህድእ ዝበለ ቦታ ደስ እብለኒ፡ ኣብዚ ቦታ ተወሊዑ ዝንበረ ሙዚቃ ሓያል ድምጺ ነበሮ፡፡ ቅድሚ ቆጸራይ ዓሰርተ ደቒቕ ቀዲመ ብምንባረይ ክሳብ ቆጸራይ ዝኣክል ኮፍ ክብል ፈተንኩ እንተኾነ ኣይከኣኩልኩን ኣብቲ ከባቢ ዘወር ክብል ክጸንሕ ብምዉሳን ንደገ ወጻኹ እንተኾነ ሰላምዉን ቀልጢፋ ብምምጽኣ ተተሓሒዝና ሓቢርና ንዉሽጢ ብምታዉ ኮፍ በልና፡፡

  ‘’ብኸመይ እዚ ቦታ መሪጽክዮ’’

 ‘’ተረዲኤካ ኣለኹ ኣብዚ ክመጽእ እንከለኹ ዋላ ንሒደት እዋናት ይኹን ካብ ክዉንነት እሃድም ዉሽጠይ ዘይርድኣኒ ፍስሃ እስመዓኒ’’በለትኒ ዕትብ ብምባል፡፡

 ዝፈልጣ ሰላም ቅሩብ ድንግር በለትኒ፡’’ግን’ኮ ሰላም ንገዛእ ርእስኺ ተታልሊ ኣሎኽኢ ማለት’ዩ’’

‘’ክኸዉን ይኽእል እዩ ግና ንሒደት ሰዓታት ጥራሕ’’ በለትኒ ናብታ ኣሳሳዩት ብኢዳ ምልክት እናገበረት፡፡

‘’ትዝክሮ’ዶ ኣብ ኣፍ-ሂምቦል ናይ ኣብራር ድምጺ ዓዉ ኣብልዋ ክንብሎም ዝበልካዮ’’ብምባል ሓተተትኒ፡ ከምዘይዝክሮ ብርእሰይ ብምንቕናቕ መለስኩላ፡፡

‘’ሙዚቃ ንሱ ክመጸካ የብሉን ንስኻ ክትከዶ ኣሎካ’’

  ሓቃ’ያ ዓዉ ኣቢልካ ዝስማዕ ሙዚቃ ናይ ምስትምቓር ዓቕምኻ የዳኽም’ዩ ዝብል እምነት ነይሩኒ፡፡ስለዝኾነ ንምስትምቓር ቀስ ኣቢልካ ምስማዕ ንምስዕሳዕ እንተኾይኑ ዝያዳ ክትከፍቶ ኣሎካ ክሳብ ሎሚ ዝኣምነሉ’ዩ፡፡

 ‘እሞ ከመይ ኣሎ ናብራ’’

‘ናብራ ነስተንፍስ ምንባር ምስትንፋስ እንተኾይኑ’’...ይቕጽል

ጸሓፊ ቀለማዊ


ምንባር ምስትንፋስ እንተኾይኑ! ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል

  ‘’ ብዝኾነ ጥንቅቕ በሊ …’’ገና ዘረባይ ከይወዳእኩ መራሒ መኪና ክሳብ ቆጸራይ ዝዉድእ ስድርኡ ኣብ ኣስመራ ስለ ዝቕመጡ ንዕኦም ርእይ ኣቢለዮም ክምለስ ኢሉኒ ከይዱ ነበረሞ፡፡ከም ዝመጸ ምስ ሓበረኒ’የ ነዊሕ ግዜ ከም...