Friday, December 5, 2014

ዝጽልያ ኣእዳዉ

ዝጽልያ ኣእዳዉ -ን- አልብሬሽት ዱረር
ሓቀኛ ታሪኽ
    ቅድሚ ነዊሕ ዘመናት ኣብ ጀርመን ኑረምበርግ ከተማ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ቁሸት ዓሰርተዉ ሸሞንተ ቆልዑት ዝነበርዋ ሓንቲ ቤተሰብ ነበረት።ዓሰርተዉ ሾመንተ! ነዚኦም ኩሎም መግቢ ንምቕራብ እቲ ቀጥቃጢ ሓጺን ዝነበረ ሰብኣይ[ኣቦ]ኣብ መዓልቲ ዓሰርተዉ ሸሞንተ ሰዓት ብሞይኡ ኮነ ካብኡ ወጻኢ ክሰርሕ ነበሮ። መነባብሮ እዛ ቤተሰብ ኣዝዩ ሕማቕ እንተነበረ’ኳ ካብቶም ደቁ እቶም ክልተ ዓበይቲ  ፍሉይ ሕልሚ ነበሮም ስነ-ጥበብ ክጽንዑን ህቡባት ሰኣልቲ ክኾኑን። ወላዲኦም ብዝኾነ መንገዲ ኑረምበርግ ናብ ዝርከብ ናይ ስነ-ጥበብ ቤት ትምህርቲ ልኢኹ ከምህሮም ዘኽእል ዓቕሚ ገንዘብ ከምዘይብሉ ክልቲኦም ይፈልጡ ነበሩ።  
 ሓደ ምሸት ኣብታ ተጸቓቒጦም ዝደቅሱላ ዓራት ኮይኖም ብዛዕባ ሕልሞም ንንዉሕ ዝበለ ሰዓታት ተዘራረቡ እሞ ናብ ሓደ መደምደምታ በጽሑ፡ዕጫ ከዉድቑ ድማ ወሰኑ፡ብዕጭኡ ዝተሰዓረ ናብቲ ኣብ ጥቕኦም ዝነበረ ናይ ዕደና ቦታ ከይዱ ክሰርሕ እሞ ብዝረኸቦ ኣታዊ ነቲ ናብቲ ዝለዕለ ትምህርቲ ከይዱ ዝመሃር ሓዉ እናሓገዘ ከምህር።እቲ ዕጫ ዝበጽሖ ሓዉ ድማ እብቲ እብ ኑረምበርግ ከተማ ዝርከብ ናይ ስነ-ጥበብ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ነርባዕተ ዓመት ትምህርቱ ክመሃር፡ትምህርቱ ምስ ወድአ ፡በቲ ዝምረቖ ናይ ስነ -ጥበብ ሞያ ብዝስእሎም ስእልታት ዝተረኸበ ገንዘብ ወይ ኣድላዩ እንተኾይኑ ንሱዉን ኣብ ናይ ዕደና ስራሕ ተቖጺሩ ብግዲኡ ነቲ ዘምሃሮ ሓዉ ከምህር ኣብ ዉሳነ በጽሑ።
ሓደ ሰንበት ንግሆ እቲ ዕጫ ወደቐ ፡ነቲ ዓቢ አልብሬሽት ዱረር  ዝተበሃለ ሓዉ ዕጫ በጽሖ፡በዚ ድማ ናብቲ ኣብ ኑረምበርግ ከተማ ዝርከብ ናይ ስእሊ ቤት ትምህርቲ ኣተወ። እቲ ዕጫ ዘይበጽሐቶ ሓዉ ናብቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ናይ ዕደና ቦታ ኣምርሐ።ንተኸታተልቲ ኣርባዕተ ዓመታት ንሓዉ ብገንዘብ እናሓገዘ ኣምሃረ፡ኣልብሬሽት  ኣይሓመቐን ብትምህርቱ ብሉጽ ክኸዉን ከኣለ።ብዝተፈላለዩ ስእልታት ዕዉት ኮነ ፡ዝስእሎም ስእልታት ልዕሊ መምሃራኑ እናበለጹን እናተፈትዉን መጹ።ብኮምሽን ንዝሰርሖም ስእልታት ብርክት ዝበለ ገንዘብ ክኽፈሎ ጀመረ።
 እዚ መንእሰይ ሰኣሊ  ትምህርቱ ወዲኡ ናብ ዓዱ ክምለስ እንከሎ ስድራቤቱ ብዓወት ዝተመለሰሉ ምኽንያት ብምግባር ሽሻይ ኣዳልዮም ጸንሕዎ። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ብሙዚቃን ስሓቕን ዝደመቐ ግብጃ  ፡እቲ ሰኣሊ አልብሬሽት ካብቲ ናይ ክብሩ ወንበሩ ተንሰአ’ሞ፡ንፍትዉ ሓዉ  ነቲ ንዓመታት ዝኸፈለሉ መስዋእትነት ፡ሕልሙ ክዉን ንክኸዉን ስለ ዝሓገዞ ጽዋእ ኣልዓለ። ኣብ መዕጸዊ ዘረብኡ’’ ዝተባረኽካ ሓወይ ኣልበርት ፡ሕጂ ተራ ናትካ እዩ ፡ናብ ኑረምበርግ ኬድካ ሕልምኻ  ክትፍጽሞ፡ኣነዉን ብግደይ ክንከባኸበካ እየ ‘’ በለ።
እቶም ኣብ መእዲ ዝነበሩ ኩሎም ዑዱማት ክሳዉዶም ካብቲ መኣዲ ብምልዓል ናብቲ ብሓደ ጸግዒ ዝነበረ ናይ ማዕድን ሰራሕተኛ አልበርት ኣዞሩ፡ካብቲ ጎርባጥ ገጹ ንብዓቱ እናተንከባለለ ብመዓጉርቱ ይፈስስ ፡ርእሱ ካብ የማን ንጸጋም እናንቀሰቐሰ ፡እናተሓናነቕ’’ኣይከዉን…………ኣይከዉንን ዝሓወይ ………..ኣይከዉንን’’በለ ።
 ኣብ መወዳእታ ትንስእ ኢሉ ንብዓቱ በእዳዉ ብምድራዝ ፡ኣሳጊሩ ነቶም ኣብቲ መኣዲ ዝተዓደሙ ዝፈትዎም ሰባት ብፍቕሪ እናረኣየ፡ክልቲኤን ኣእዳዉ ኣጣቢቑ ናብ የማናይ መንክቡ ብምጽጋዕ ልስልስ ብዝበለ ድምጺ ‘’ኣይከዉንን ፍቑር ሓወይ ፡ናብ ኑረምበርግ ክኸይድ ኣይክእልን ፡ንዓይ ኣዝዩ ደንጉይኒ ፡ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ ዕደና ስራሕ ኣእዳወይ እንታይ ከም ዝገበሮም ተዓዘብ ፡ኣብ ኣጻብዕተይ ዘለዉ ዓጻጽምቲ ኩሉ ግዜ እንተወሓደ ሓደ ግዜ ይህሰዩ ነበሩ ፡ካብ’ዚ ቀረባ ግዜ ንነጀዉ ድማ ብኸቢድ ናይ ቅርጥማት ሕማም እናተሰቐኹ እየ፡ብርሳስን ብሩሽን ኣብ ዓለባ ስእሊ ክቐብእ ኣይኮንኩን፡ኣየስተዉዓልካለይን እንበር ጽዋእና ነልዕል ክትብል እንከለኻ ነታ ጽዋእ ንምሓዝ የማናይ ኢደይ ኣይከኣለን ፡ስለዚ ንዓይ ግዜ ሓሊፉኒ እዩ ‘’በለ።
 እዚ ታሪኽ ካብ ዝፍጸም ልዕሊ 450 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ፡ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናይ ኣልብሬሽት ዱረር ዘደንቑ ስርሓት ፡ምስሊ ርእስታት፡ናይ ርሳስን ማይን ሕብሪ  ቅብኣታት ፡ናይ ቻርኮል ስርሓት፡ናይ ዕንጸይቲ ቅርጸ ቅርጺታት፡ካልኦትን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሙዝየማት ተሰቂሎም ይርከቡ ፡ይኹን እንበር ብዙሓት ሰባት ካብ ካልኦት ስርሓቱ ንላዕሊ ነታ ‘’ኣእዳዉ’’እትብል ስእሊ ቅዳሕ ኣበየ ገዝኦምን ቤት ጽሕፈቶምን ሰቒሎማ ይርከቡ።
 ሓደ መዓልቲ ነቲ ሓዉ ዝኸፈለሉ መስዋእቲ ክብሪ ብምሃብ ፡ኣልብሬሽት ዱረር ብልዑል ጥንቃቐ ናይ ሓዉ ዝተጎድኡ ኣእዳዉ ፡ክልቲአን ኣጻብዑ ንሓድሕደን ብምግጣም ፡እቶም ቀጠንቲ ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ተዘርጊሖም ዝርኣዩ ስእሊ ሰኣለ፡እዚ ዘደንቕን ሓያልን ስራሕ ‘’ኣእዳዉ’’ዝብል ስያሜ ሃቦ፡ብዙሕ ከይጸንሐ ኣብ ዙርያ ዓለም ስእሉ ዝርኣዩ ኩሎም ፡ነዚ ዘደንቕ ስራሕ ልቦም ከፈትሉ፡ነዚ ካብ ፍቕሪ ዝተላዕለ ዝተሳእለ ስእሊ ‘’ዝጽልዩ ኣእዳዉ’’ኢሎም ሰመይዎ።



Tuesday, September 30, 2014

ሓጺር ዳህሳስ መጽሓፈ ምክብብ

ካብ ዝሓለፈ ዝቐጸለ                                                    -ጸሓፊ ዝበዝሐ ኣተኩርኡ ‘’ብዛዕባ ከንቱነት ሂወቱ ‘’ካብ ኮነ እግዝኣብሄር መን እዩ ?እግዝኣብሄር ብኸመይ ይግለጽ?ምስ ደቅሰባት ዘለዎ ዝምድና ወይ ፍቕሪ ብምንታይ መልክዑ ተገሊጹ ንረኽቦ ኣብዛ መጽሓፍ?
-ቅድሚ ኩሉ እግዝኣብሄር ንነፍሲ ወክፍ ነገራት በብግዚኡ ንኹሉ ጽቡቕ ኮነ ብምባል ዝፈጠረ ኣምላኽ እዩ።እግዝኣብሄር ንዘላእለማዉነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ ይብለና ወድሰብ ግና ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ዝገብሮ ንኸስተዉዕሎ ንወድሰብ ዝተወሃበ ፍልጠት ኣይኮነን [መክ 3.11]
-እግዝኣብሄር ዝገበሮ ኩሉ ንዘላእለም ዝነብር እዩ፡እዚ ድማ ኣምላኽ ደቅሰባት መታን ክፈርሕዎ ገበሮ[3.14]
-እግዚኣብሄር ነቲ ባህ ዝበሎ ሰብሲ ጥበብን ፍልጠትን ሓጎስን ይህቦ፡[መክ2.26]
-እግዝኣብሄር ጣዕምን መከራን ዝልእከሉ ግዜ ኣሎ፡ኣየናይ ቀዲሙ ከም ዝመጽእ ግና ደቅሰባት ኣይፈልጡን[መክ7.14]።
-እግዝኣብሄር ንሰባት ሃብትን ጥሪትን ይህብ፡ንሰባት ብዝሃቦም ሃብቲ ኽሕጎሱዉን ፈቕደሎም እዝዉን ዉህበት ኣምላኽ እዩ[መክ5.19]።
-እግዝኣብሄር ብዓያሱ ባህ ኣይብሎን፡[መክ5.4]።እግዝኣብሄር ንኹሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን ሰናይ ኮነ ወይስ እኩይ ናብ ፍርዲ ከምጽኦ እዩ[መክ12.14]።
      ብኣጠቓላሊ እግዝኣብሄር ዘላእለማዊ ዝኾነ ፡ኩሉ ነገር ዝመርሕን ዝእዝዝን ናይ ኩሉ ፍጥረት ወናኒ ዝኾነ ፡ናይ ኩሉ ፈራዲ እዩ፡ወትሩ ክፍራሕን ክኽበርን ዘለዎ ኣቦ እዩ[መክ12.13-14]እግዝኣብሄር ንሰባት ምድራዊ ሃብትን ብልጽግናን ብምልኣት ይህብ ፡ዘድልዮ ዘበለ ኩሉ ኣየጉድለሉን[መከ6፡2]።
    ጸሓፊ መጽሓፍ መክበብ ብዛዕባ ከንቱነት ሂወት ፡ኣብዛ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ሓዲሽ ነገር ከምዘየለ ደጋጊሙ ይዛረብ፡ብተወሳኺ ዕድመ ደቅሰባት ኣዝዩ ሓጺር ኣተሓሒዙ ይገልጽ።ስለዚ ሰብ ነዛ ሓጻር ዝኾነት ምድራዊ ሂወቱ እብ ዝነብረላ ግዜ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ካብ ዝህቦም ምኽርታት ገለ ንርአ።
-እግዝኣብሄር ኣምላኽ ንሰባት ቅኑዕ ጌሩ ፈጠሮም፡ንሶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ [መክ7.29]
-ሰብ እብዛ ምድሪ እንከሎ ፡ኣብተን እግዝኣብሄር ዝሃቦ ሓጻርቲ ዕደመ ዝደኸመሉ ኩሉ ብምብላዕን ብምስታይን ክሕጎስ ኣለዎ፡ሰብ ብዕድሚኡ ምንዋሕን ምሕጻርን ግና ክጥጭነቕ የብሉን[መክ 5፡18፡20]
-ረሲኣን ግና ንኣምላኽ ኣይፈርሁን እሞ ሰናይ ድማ ኣይኮነሎምን ፡መዓልትታቶም ድመ ኣይነዉሕን[መክ 8፡13]።
-ሰብ ናብ ቤት እግዝኣብሄር ክኸይድ እንከሎ ብጥንቃቐ ክኸዉን ይግባእ፡እግዝኣብሄር ካብ መስዋእቲ ዓያሱ ክትሰምዕ ምድላዉ ደስ የብሎ[መክ 5.1]።
-ሰብ ቅድሚ ምዝራቡ ኣቐዲሙ ክሓስብ ኣለዎ፡ንእግዝኣብሄር ክትመባጻዕ እንከለኻ ኣይትተሃወኽ፡ተመጻቢዕካ ካብ ዘይትገብሮስ ካብ ፈለማ ዘይምምብጻዕ ይሓይሽ[መክ 5።2-5]።
- ኣብዛ ዓለም ዝነብሩ ሰባት ኩሎም ጠቢባን ክኾኑ ይግብኦም፡ምኽንያቱ ጥበብ ምርካብ ማለት ወርሻ ከም ምዉራስ ይቑጸር፡ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ፡ኤረ ነቶም ጸሓይ ዝርእዩስ ኣዝያ ትጠቕሞም እያ[መክ 7.11-12]።
-ሰብ ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የሎን እዩ እሞ፡ ኢድካ ኽትገብሮ እተረኽቦ ዘበለ ኹሉ ብሓይልኻ ግበሮ[መክ 9.10]።
-ሰብ ጻዕሩ ዘበለ ንኣፉ እዩ፡ ምስናይዚ ግና ዊንታኡ ኣይጸግብን[መክ 6.7]
-ብፍላይ መንእሰይ  ብግዜ ንእስነቱ ደስ ክብሎ ይግባእ፡ኣታ ወዲ፡ ብንእስነትካ ባህ ይበልካ፡ በዘን መዓልትታት ንእስነትካ ልብኻ የሖጉስካ፡ በመገዲ ልብኻን ብምጥማት ኣዒንትኻን ተመላለስ። ግናኸ ኣምላኽ ብዛዕባዚ ኹሉ ኣብ ፍርዲ ኸም ዚቑመካ ፍለጥ[መክ 11፡9]ስለዚ  ሰብ ብግዜ ንእስነቱ ንፈጣሪኡ ክሓስብ ይግባእ[መክ 12.1]።
-ብሓፈሻ ነቶም ንእግዝኣብሄር ዝፈርሁ ሰናይ ይኾነሎም[መክ 8.12]ቀንዲ ተግባር ደቅሰባት ንእግዝኣብሄር ምፍራሕን ትእዛዙ ምሕላዉን እዩ፡[መክ 3.12]ስለዚ ሰብ ብሂወቱ እንከሎ ሰናይ ነገር ካብ ምግባርን ምሕጓስን ዝሕሾ ነገር የልቦን[መክ 3.12]።
።፡መጽሓፍ መክበብ ካብ ናይ ጥበብ መጻሕፍቲ ሓደ ከም ዝኾነ ይፍለጥ፡ንምኻኑ መጽሓፍ መክበብ ንጥበብን ጥበበኛታትን ብኸመይ ይገልጾም?
     ጸሓፊ ንጥበብ ኣዝዩ ይዉድስ፡ጥበብ ንደቅሰባት ኣዝዩ ጠቓሚ ከም ዝኾነን ወትሩ ብሰባት ክድለ ዘለዎ መፍትሕ ናይ ሂወት መምርሒ እዩ ይብል።ካብ መሳርያ ውግእሲ ጥበብ ትበልጽ[መክ 9.18]።ጥበብኛ ሰብ ሰናይ ነገር ይፍጽም፡ጥበበኛ ሰብ ብቓላት ኣፉ ክብሪ ይረክብ፡ሰነፍ ግና ብቓላት ኣፉ ይጠፍእ፡መጀመርታ ቓላት ኣፉ ዕሽነት፡ መወዳእታ ዘረባኡ ድማ ሕሱም ዕብዳን እዩ[መክ 10፡12-14]።ጥበበኛታት ሰባት መበገሲኦምን መዕለቢኦምን ይፈልጡ[መክ2፡14]ኣብዛ ዓለም ዝነብሩ ሰባት ንጥበብ ደልዮም ጥበበኛታት ክኾኑ ይግብኦም፡ምኽንያቱ ጥበብ ምርካብ ማለት ዉርሻ ምርካብ ማለት ስለ ዝኾነ፡ዉሕስነቱ ልክዕ ከምቲ ገንዘብ ዝህበካ ዉሕስነት ኣለዎ፡[መክ7.11] ቃላት ጠቢባን ከም ሸኻል እዩ፡ ንሱ ኸአ ንእኩባት መምህራን ኣጸቢቑ እተሸንከረ ሽንካራት እዩ፡[መክ12.11]።
   ጸሓፊ መክብብ ብዛዕባ ሂወት ክፉኣትን ቅኑዓትን ሰባት ብምግራም ይዛረብ፡ብዛዕባ ኩነታት ኣነባብርኦም እናተደነቐ ይገልጽ።ንምኻኑ ነዚ ጸሓፊ ብዛዕባ ክፉኣትን ቅኑዓትን ሰባት ሂወት ዘገረሞ ነገር እንታይ እዩ?
-ክፉኣት ሰባት ሞይቶም ናብ መቓብር ይወርዱ፡ናብ ዕረፍቲ ድማ ይኣትዉ፡እቶም ገበርቲ ሰናይ ግና ካብታ ቅድስቲ ከተማ ረሓቑ፡ተረስዑ ድማ [መክ8፡9-10] ።
-ሰባት ኮነ ኢሎም እከይ ነገራት ይፍጽሙ፡ነቲ ዝፈጸምዎ እከይ ተግባር ቀልጢፎም ኣይፍደዩን፡ብተወሳኺ እቶም ገብርቲ እከይ ሓጢኣተኛታት ሚእቲ ግዜ በደል እናፈጸሙ ነዊሕ ዕድመ ብምንባሮም ይግረም፡ኣገባብ ከምዘይኮነዉን ይዛረብ[መክ 8. 11-12]።
- ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ኣብ ቦታ ፍርድስ ረሲእነት ፡ ኣብ ቦታ ጽድቂውን ረሲእነት ብምርኣዩ ይግረም [መክ 3.16]
-ኣብ ዓለም ሓደ ሓደ ግዜ ቅኑዓት ሰባት ነቶም ክፉኣት ሰባት ዝግባእ ፍርዲ ይቕበሉ፡ክፉኣት ሰባት ድማ ነቶም ቅኑዓት ሰባት ዝግባእ ሽልማት ይረኽቡ፡ከም ኣገላልጻ ጸሓፊ እዚ ኣገባብ ኣይኮነን ፡ናይ ሰብ ሞራል ይትንኪ።
-ከምቲ ኻብ ገዛኢ ዝወጸ ጌጋ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝርኤኽዎ እከይ ኣሎ፡ ዕሽነት ኣብ ልዑል መዓርግ ተቐሚጣ፡ ሃብታማትውን ኣብ እተዋረደ ስፍራ ኾፍ ኢሎም፡ ባሮት በፍራስ፡ መሳፍንቲ ኸአ ከም ባሮት ምድሪ ምድሪ ኪኸዱ ኸለው ብምርኣዩ ኣግራሞቱ ይገልጸልና።ከም ኣረኣእያ ጸሓፊ እዚ ዘይፍትሓዉነት ዝሰፈኖ ሂወት እዩ [መክ 10፡5-7]
-ጉያ ንፈጣናት፡ ውግእ ንጀጋኑ፡ እንጌራ ንጥበበኛታት፡ ሃብቲ ነእምሮኛታት፡ ሞጎስ ንብልህታት ከም ዘይኮነሎም ብምርኣዩ ይግረም [መክ 9፡11] ።
   ብሓፈሽኡ ጸሓፊ ብናብራ ደቅሰባት ናይዛ ዓለምን፡ብዘገጥሞም ናይ ናብራ ዕድላት ይገረም እንበር ሓደ ነገር ግና ይኣምን ።እዚ ድማ ክፉኣት ሰባት ዋላ ብዙሕ ክፍኣት ይፍሓሱ እንበር ንገዛእ ርእሶም እዮም ዝጎድኡ ።ነዚ ክገልጽ እንከሎ’’ ጉድጓድ ዚኹዕት አብኣ ይወድቕ፡ መካበብያ ዜፍርስ ተመን ይነኽሶ። ኣእማን ዚፈናቕል ብእኡ ይጉዳእ፡ ዕጨይቲ ዚፍልጽ ከአ፡ ኣብ ድንገት እዩ። ‘’ይብል [መክ 10.8-9] ካልእ ጻድቃንን ጥበበኛታትን ምስናይ ተግባሮም ኣብ ኢድ ኣምላኽ ከም ዝኾኑ[መክ 9.1]። ንኣምላኽ ዚፈርህሲ ኻብዚ ኹሉ የምልጥ እዩ እሞ፡ ነዚ እንተ ሐዝካ ካብዚውን ኢድካ እንተ ዘየርሓቕካ ሰናይ እዩ[መክ 7.18]።
    ከም ኣገላልጻ ጸሓፊ መጽሓፈ መክበብ ኩሉ ነገር ከንቱ ካብ ኮነ ናይ ወድሰብ መጨረሽታ ሂወት ብኸመይ’ዩ ዝድምደም?ዕጫ ናይ ወድሰብ’ከ እንታዩ?።
   ከም ኣገላልጻ ጸሓፊ ሰብ መዋቲ ፍጥረት እዩ።ሰብ ዋላ’ኳ ብዙሕ ዓመት እንተነበረ ኣብተን ዝወሃብኦ ዘመን ዕድሚኡ ደስ ክብሎ ይኽእል፡ኮይኑ ግና ናይዛ ዓለም ነገር ኩሉ ከንቱ ምኻኑን ንመጻኢ ዝጽበዮ ዘሎ ናይ ጸልማት ዘመን ዘልኣለማዊ እዩ[መክ 11፡8]ኣብ መጀመርያ ክፋል ጽሑፉ ሰብ ኮነ እንስሳ ዝተፈጠሩ ካብ ሓመድ ስለ ዝኾነ ክልቲኦም ናብ ሓደ ቦታ ከም ዝኸዱ ይገልጽ።’’ብጽሒት ደቂ ሰብሲ ኸምቲ ናይ እንስሳ እዩ እሞ፡ ሐደ እዩ ብጽሒቶም ከምቲ እዚኣቶም ዝሞቱ እቲኣቶም ከአ ይሞቱ፡ ንኹሎም ሓንቲ እስትንፋስ ኣላቶም። ኩሉ ኸንቱነት እዩ እሞ፡ ሰብሲ ኻብ እንስሳ ብልጫ የብሉን።  ኹሎም ናብ ሓንቲ ቦታ ይኸዱ፡ ኩሎም ካብ መሬት ኮኑ፡ ኩሎምውን ናብ መሬት ይምለሱ። እስትንፋስ ደቂ ሰብ ንላዕሊ ኸም እትድይብ፡፡ እስትንፋስ እንስሳ ኸኣአ ናብ ትሕቲ ምድሪ ኸም እትወርድከ መን ይፈልጥ’’[መክ 3፡19-20]ጥበበኛታት ንኹን ሰነፋት ኩላትና ምት ከምዝጽበየናን ድሕሪ ሞትዉን ተረሲዕና ከም እንተርፍ ተዛሪቡ ነይሩ[መክ2፡16] ሰብ ጥራዩ ኸም ዝመጽእ፡ ከምኡ መሊሱ ይኸይድ፡ ካብቲ ዝጸዐረሉ ኸአ ኣብ ኢዱ ሓንቲ እኳ ኣይማላእን[መክ5፡15]ኣብ መጨረሽታ ጽሑፉ ግና ከምዚ ይብለና’’…ሰብ ናብ ናይ ዘለአለም ማሕደሩ ይኸይድ እሞ፡ መልቀስቲ ኣብ ኣደባባያት ይዞሩ’’[መክ12፡5] ሰብ ሓመድ ስለ ዝኾነ ናብ ሓመድ ይምለስ ፡ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ይምለስ ብምባል ነፍሲ ሰብ ኣብ መጨረሽታ ናብቲ ዘላእለማዊ ዝኾነ እግዝኣብሄር ከም ዝኾነ ይገልጽ[መክ 12፡7]።
-ካልእ ንጸሓፊ መክብብ ካብ ዘገረምዎ ነገራት ድማ ኣብ ዕለታዊ ናብራ [ሂወት]ናይ ሰነፍ ሰብ እዩ። ንምዃኑ ጸሓፊ’’ሰነፍ ሰብ’’ዝብሎ ከምይ ዝበለ እዩ።
   ሰባት ኣብ ዘመን ሂወቶም ብጥበብ ተመሪሖም ብትግሃት እናሰርሑ ክነብሩ ከም ዘለዎም ጸሓፊ ይገልጽ።ሓደ ሰብ ብትግሃት እንተሰሪሑ ካብ ድኽነት ተላዒሉ ንጉስ ክኸዉን ይኽእል፡ወይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ኣብ ዝፋን ክቕመጥ ይኽእል፡ይኹን እንበር ኣብ ግዜ ሽምግልንኡ ምኽሪ ዘይቅበል ኮይኑ እንተተረኸበ ካብቲ ካልእ ዝሓሸ ኮይኑ ኣይርከብን። [መክ4፡14] ብኣጠቓላሊ ንሰነፍ ሰብ ብኸምዚ ይገልጾ?
-ዓሻ ድማ ብመገዲ እኳ እንተ ተመላለሰ፡ ኣእምሮስ የብሉን፡ ንኹሉውን ዓሻ ምዃኑ ይነግር[መክ 10፡3]።
-ቃላት ኣፍ እቲ ጥበበኛ ሞጎስ አለዎ፡ ዓሻ ግና ከናፍሩ ይውሕጦ [መክ10፡12] ።
-ምውት ጽንጽያ ነቲ ቕብኢ ናይ ብዓል ቅዱይ ሽቱ የጭንዎን የመሽምሾን፡ ንእሽቶ ዕሽነት ከአ ንጥበበን ክብርን ተበላሽዎ[መክ10፡1]
-ዓሻ ናብ ከተማ ምኻድ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ጻዕሩ የድክሞ [መክ10፡15]
- መጀመርታ ቓላት ኣፉ ዕሽነት፡ መወዳእታ ዘረባኡ ድማ ሕሱም ዕብዳን እዩ። ዓሻስ ቃላት የብዝሕ ሰብ ግና ነቲ ዚኸውን ኣይፈልጦን፡ ነቲ ብድሕሪኡ ዚኸውን ደአ መን ይነግሮ [መክ10፡13-14] ።
-ሰሓቕ ዓሻስ ከምቲ ኣብ ትሕቲ ቑራዕ ጣዕጣዕ ዚብል እሾኽ እዩ እሞ፡ እዚውን ከንቱነት እዩ [መክ 7፡6]
-ዓሻ ኣእዳው የመሳቕል እሞ፡ ገዛእ ስጋኡ ይበልዕ [መክ4፡5] ።
-ካብ ደርፊ ዓያሱ ምስማዕስ መግናሕቲ ጥበበኛታት ምስማዕ ይሓይሽ [መክ7፡5]።
-ኩራ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ እዩ መሕደሪኡ እሞ፡ ብመንፈስካ ንኹራ ኣይትተሀወኽ [መክ7፡9።
-ልቢ ጠበብኛታት ኣብ ቤት ሐዘን፡ ልቢ ዓያሱ ግና ኣብ ቤት ሓጎስ እዩ [መክ7፡4] ።

  እንበኣርከስ ብኣጠቓላሊ ሰነፋት ንጥበብ ክደልይዋ ይግብኣኦም፡ትርጉም ነገራት ዝፈልጥ ጥበብኛ ዝኾነ ሰብ ጥራይ እዩ’’ ከም ጥበበኛ መን እዩ፡ ምትርጓም ነገር ዚፈልጥከ መን እዩ፡ ጥበብ ሰብ ንገጹ ተብርሆ ድርቅና ገጹ ኸአ ትልውጦ[መክ8፡1]።ስንፍና ወይ ድንቁርና ዕብዳንን ጽላለን እዩ[መክ 7፡25]።

Saturday, September 27, 2014

ሓጺር ዳህሳስ መጽሓፈ ምክብብ


              መጽሓፈ መክብብ ብመንን መዓስን ተጻሒፉ? ብዛዕባ እንታይከ የስተምህር?
      መክብብ ማለት ‘’ሰባኺ’’ወይ’’መሃሪ’’ማለት እዩ።ኣብዚ መጽሓፍ ዝምህር ወይ ዝሰብኸ ንጉስ ሰሎሙን ክኸዉን ከም ዝኽእል ይእመን።ብርግጽ እቲ ሰባኺ’’ኣብ ዮርሳሌም ዝነገሰ ወዲ ዳዊት ‘’ከምዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ[1፡1፥12]።ጥበቡ’ዉን ብብዝሒ ተጠቒሱ ንረኽቦ[መክ 1፡16፥2፡9]ምሳሌታት ምእካቡ ይፍለጥ[መክ12፡9 1ነገ4፡32]።ገለ ሊቃዉንቲ  ጸሓፊ ዝተጠቐመሉ  ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ናይ እብራይስጢ ብምርኣይ እዚ መጽሓፍ ድሒሩ ዝተጻሕፈ እንበር ብዘመን ሰሎሙን ዝተጸሓፈ ኣይኮነን ስለዚ ጸሓፊኡ ካልእ እዩ ይብሉ።እንተኾነ ግና እቲ ትምህርቲ ብዘይ ጥርጥር ናይ ሰሎሙን ከምዝኾነ እዞም ሊቃዉንቲ ይዛረቡ። መጽሓፍ መክብብ’’እግዝኣብሄር ዘይብሉ ሂወት ከንቱ እዩ፡ኣየጽግብን ወይ ኣየዕግብን’’ይብል ።እዚ ማለት ንጉስ ስለ ዝኾነ ኩሉ ክገብር ይኽእል፡ሃብታም ብምዃኑ ዊን ዝበሎ ክገዝእ ይኽእል፡ጥበበኛ ብምኻኑ ኩሉ ክምርምር ይኽእል፡ካብኡ ዝበልጽ ማንም የልቦን።ይኹን እንበር ዝኾነ ይኹን እግዝኣብሄር ዘይተሓወሶ ህይወት ትርጉም የብሉን ።ብኣጠቓላሊ’’ሂወት ሰብ ኮንቱ እዩ’’ሂወት ሰብ ሓጺር ካብ ምኻኑ ንላዕሊ ዉረድ ደይብን ነዉጽን ፡ሕልኽላኽን ዘይፍትሓዉነትን ዝመልኦ እዩ ኢሉ ዝደምደመ እዩ።
          መጀመርያ ምዕራፍ መጽሓፍ መክብብ ሰብ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ማለት ኣብ ዓለም ሓድሽ ነገር ከም ዘየልቦ እቲ ዝነበረ ከም ዝመጽእ ፡ናይ ነገራት ፍጻሜ ከም ዘየልቦ ይገልጽ[መክ 1]ናይዛ ዓለም ሓጎስ ዝተበሃለ ኩሉ ፡ሰሓቕ፡መስተ፡ጸወታ፡ሃብቲ ፡ፍልጠት፡ስልጣን፡ንብረት፡ፍቕሪ ደቅንስትዮ፡ክብሪ፡ካልእ ኩሉ ነገር ፈቲኑ፡ፈቲኑዉን ኩሉ ኮንቱ ደድሕሪ ንፋስ ከም ምጉያይን ዘየዕግብን ምኻኑ ተዓዚቡ[መክ 2]ካብ ምዕራፍ 3-11 ዘሎ ክልተ ሓሳባት ጎኒ ንጎኒ ተተሓሒዞም ይኸዱ።መጀመርያ እግዝኣብሄር ኣብቲ ነገር እንተዘየልቦ ኩሉ ኮንቱ እዩ ይብለና።ንኣብነት ሞት ኮንቱ እዩ ፡ሰብ ከም ዝሞቱ እንስሳ እዩ[ምክ 3፡18-21]።ቀጺሉ ዓለም ጽብቕቲ እያ ፡ፍጥረት እግዝኣብሄር እያ ፡ስለዚ ሰብ ኣብ ዓለም ክሳብ ዘሎ ይተሓጎሰላ ፡ተስፋኡ ግና ኣብዛ ዓለም ኣይግበር፡[3፡11-13] ኣብ መወዳእታ ዘዕግብ ሓጎስ ፡ዝተትረፈረፈ ሂወት ብዓለማዊ ነገር ብዝኾነ መንገዲ ከምዘይርከብ ይገልጽ። እዚ መጽሓፍ ‘’እግዝኣብሄር ፍራሕ፡ትእዛዙ ሓሉ፡ምኽንያቱ እዚ  ተግባር  ናይ ደቅሰባት እዩ ፡እግዝኣብሄር ዝተሰወረ ነገር ከይተርፈ ተግባር ሰባት ሰናዩን እከዩን ናብ ፍርዲ የምጽእ’’ብምባል ይድምድም።   
     ጸሓፊ ‘’ኩሉ ከንቱነት ናይ ኮንቱነታት እዩ’’ይብል።ጸሓፊ ኩሉ ነገር ከንቱ ምኻኑን ኣብዛ ዓለም ሓዲሽ ነገር ከምዘየሎ ንምብራህ ዝተጠቐመሉ ምሳልያዊ ኣገላልጻ ወይ ናይ መራጋገጺ ሓቅነት ኢሉ ዘቕረቦም መርትዖታት ኣየኖት እዮም።ጸሓፊ ነዚ ብዝተፈላለየ መልክዑ እናብረህ ዝተፈላለዩ ኣብነታት ብምጥቃም ይገልጽ።ገለ ካብዚኦም ኣብዛ ምድሪ ሓዲሽ ነገር ከምዘየሎ ንምርኣይ ዝተጠቐመሎም ኣገላልጻታት እዞም ዝስዕቡ ክንገልጽ ንኽእል።ወለዶ ይኸይድ፡ ወለዶ ኸኣ ይመጽእ፡ምድሪ ግና ንዘላእለም ትቐዉም።[መክ1፡4]ሕጂ ዘሎ ወለዶ ቀደም ዝነበረ እዩ ፡ንመጻኢዉን ካልእ ወለዶ ልክዕ ከምዚ ሕጂ ዘሎ ዓይነት ሰብ ክነብር እዩ። ስለዚ ሰባት ነይሮም ፡ኣለዉ፡ንመጻኢዉን ክህልዉ እዮም።እንበኣርከስ ኣብዛ ምድሪ ምንም ሓድሽ ነገር የልቦን።ጸሓይ ድማ ትበርቕ ፡ጸሓይ ከኣ ትዓርብ ፡ናብቲ ዝበረቐትሉ ቦታ ንኽትምለስዉን ትቕልጥፍ[መክ1፡5]ጸሓይ ቅድም ነይራ ፡ሕጅዉን ኣላ፡ንመጻኢዉን ክትህሉ እያ።ወጋሕታ ክትወጽእ እንከላ ብምብራቕ እያ ፡ብቕልጡፍ ድማ ንምዕራብ ትዕዘር ፡ኩሉ ግዜ ተመሳሳሊ እዩ።ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ተመሳሰልቲ ነገራት ይደጋገሙ ፡ስለዚ ኣብዛ ምድሪ ሓድሽ ነገር የልቦን። ንፋስ ናብ ደቡብ ይኸይድ ፡ናብ ሰሜን ከኣ ይዘዉር ፡እቲ ንፋስ ኣዘዉቲሩ እናኸደ ይዘዉር ፡ናብ ዙረቱዉን ከም ብሓድሽ ይምለስ።[መክ 1.6]።ንፋስ ኩሉ ግዜ ዝነፍሰሉ ኣንፈት ተመሳሳሊ እዩ ፡ይነፍስ ደዉ ድማ ይብል ፡ብሕጂዉን ክነፍስን ደዉ ክብልን እዩ ።ኩሉ ግዜ ተመሳሳሊ ተግባር እዩ ።ሓዲሽ ነገር የልቦን።ዉሒዝ ዘበለ ኩሉ ናብ ባሕሪ ይኸይድ ፡ባሕሪ ግና ከቶ ኣይመልእን ፡ወሓይዝ ናብቲ ዝኸደሉ ቦታ መመሊሱ ይኸይድ [መክ1.7]ባሕሪ ኩሉ ግዜ ይቕበል ይኣኽለኒ ኣይብልን ወይ መሊኡ ኣይፈስስን ፡ኩሉ ግዜ ዝደጋገም ተግባር እዩ ፡ኩሉ ነገር ይጽዕር ፡ሰብ ክዛረብ እኳ ኣይክእልን ፡ዓይኒ ብምርኣይ ኣይጸግብን ፡እዝኒ ኸኣ ብምስማዕ ኣይትመልእን[መክ1.8]ብኣጠቓላሊ ከም ኣገላልጻ ጸሓፊ ኣቐዲሙ ዝኾነ ነገር  እንደገና ይኸዉን ፡ሕጂ ዝኸዉን ዘሎዉን ኣቐዲሙ ዝተፈጸመ እዩ።ስለዚ ኣብ መላእ ገጽ ምድሪ ሓድሽ  ነገር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ነገር የልቦን። እተን ቀደም ዝነበራ ነገራትሲ መዘከርታ የብለንን ፡እተን ብደሓር ዝኾና ኸኣ ኣብቶም ብድሕሪኤን ዝመጹ መዘከርታ የብለንንመክ1፡9-11]ስለዚ ምንም ሓድሽ ነገር የልቦን ኩሉ ናይ ኮንቱነታት ከንቱ እዩ።
ጸሓፊ መክብብ ‘’ከንቱነታት ናይ ከንቱነታት፡ኩሉ ከንቱነት እዩ’’ዝብል ሓሳብ ንምርግጋጽ ባዕሉ ኣብ ሂወት ዘመኑ ዘሕለፎ ሂወት ብዝርዝር ይዛረብ።እዞም ከም መረጋገጺ ወይ መርትዖ ዝተጠቐመሎም ናይ ገዛእ ርእሱ ተመክሮ ሂወት እንታይ እዮም?እንታይ ዓይነት ሂወት ምስ ነበረ እዩ ‘’ኩሉ ናይ ክንቱነታት ከንቱ እዩ’’  ናብ ዝብል መደምደምታ ዝበጽሐ።
ነዚ ንምርግጋጽ ጸሓፊ ሕሉፍ ሂወቱ ኩሉ ምዝርዛር ኩሉ ነገር ከንቱ ምኻኑ ንምርግጋጽ ይጽዕር፡ካብኣቶም ሒደት ክንጠቅስ።
።ሰሓቕ፦ብዝተፈላለየ ምኽንያት እናሰሓቐ ሂወቱ ንምሕጋስ ፈተነ፡እንተኾነ ግና ፡ንሰሓቕ ዕሽነት ኢኻ ንታሕጓስ ከኣ ፡እንታይ ትጠቅም በልክዎም።ብምባል ዝኾነ ዓይነት ነባሪ ሓጎስ ከምዘይህብ ተረድአ[መክ2.2]
።ወይኒ፦ነፍሱ ብወይኒ እናዘናግዓ ሂወቱ ደስ ክብላ ፈተነ ፡እንተኾነ ግና እዚዉን ከንቱ ምኻኑ ተረድአ[መክ 2.3]
።መንበሪ ቦታ፦ዓበይቲ ኣባይቲ ብምስራሕ ፡በብዓይነቶም ፍረታት ዘፍርዩ ኣታኽልቲ ብምትካል ፡ቀጽሪ ገዝኡ ገነት ብምምሳል ፡ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ሓጽብታት ብምስራሕ ፡ነነፍሱ ንምሕጓስ ጸዓረ ፡ኮይኑ ግና እዚዉን ከንቱ ምኻኑ ተረድኣ[መክ2.5]።
።ወርቅን ብሩሩን፦ካብተን ኣብ ትሕቲኡ ዝነበራ ሃገራትን ነገስታትን ወርቅን ብሩሩን ኣከበ።ደራፎን ዝደርፉን ነብርዎ፡እቲ ተድላ ደቂ ሰብ ዝበሃል ከኣ ብዙሓት ኣንስቲ ነበርኦ፡ኮይኑ ግና እዚዉን ናይ ከንቱነት ኮንቱ እዩ[2.8]።
።ዕቤት [ክብሪ]፦ሓለፋ ኩሎም እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት የሩሳሌም እናዓበየ ብምኻድ ሂወቱ መርሐ፡ጥበቡ’ዉን ምስኡ ጸንዓት፡ንኣዒንቱ ዝደለይኦ ኩሉ ኣይከልከለን፡ብዘረኸቦ ኩሉ ድማ ክሕጎስ ደለየ ፡እዝዉን ግዚያዉን ጠፋእን ምኻኑ ተረድአ[መክ2፡9-10]።

      ብኣጠቓላሊ ንጥበበኛን ደንቆሮን፡ንንፉዕ ይኹን ሕማቕ ሞት ብማዕረ ትመጾም፡ህይወት ትርጉም የብላን ፡ኣብዛ ዓለም እንደኽመሉ ኮነ እንለፍዓሉ ኩሉ ናይ ከንቱነት ከንቱ እዩ ይብለና።
 ይቕጽል---------

Wednesday, August 6, 2014

ጉዳይ ኣሎካዶ?

              
    ጉዳይ  መሪሕነት ምምራሕ ኣይኮነን ፡ብፍጹም፡መራሕቲ ቀንዲ ጉዳዮም ምምራሕ እንተኾይኑ ሃገር/ማሕበር ጠፈአት እዩ ዘብል።መን ይነብር መሪሕነት።ሓቀኛ መራሕቲ ብቕዳምነት ዝሓስቡ ብዛዕባ መሪሕነት ኣይኮነን ።ስለ ህዝቢ፡ስለ ሂወት፡ብዛዕባ ሎሚ ብዛዕባ ጽባሕ፡ስለ ብዙሓት ጽባሕቲ እዮም ዝሓስቡ።ንባዕሉ ብዛዕባ መሪሕነት ሓሲቦም ኣይፈልጡን።ናብ ዕላምኦም ክምርሹ እንከለዉ ንእግረ መንገዶም ከምዝረኸብዎ ብምቑጻር ከም ኣስተዉዓሊ ጎረቤት ብብልሓት ይሕዝዎ፡ይጥቀምሉ፡የዕብይዎ፡ይሰርሕሉ ሓደ ሓደ እዋን ምስኦም ከምዘሎ ልቢ ከይበሉ ናብ ዕላምኦም ክምርሹ እንከለዉ መራሕቲ ኮይኖም እዮም እሞ ይገጥምዎ እንበር ኢድ ኣይህቡን፡ኣየቀባጥሩሉን፡ኣይሰጉድሉን።ብዘይ መሪሕነት ጉዳዮም ኣብ ዕላማ ዝበጽሕ እንተኾይኑ ንባዕሉ እዚ መሪሕነት ዝበሃል ‘’ደፋር ጎይታ’’ከምይ ዊዒልካ ከይበሉ ገዲፈሞ ክኸዱ ይኽእሉ።
ጉዳይ መሪሕነት ሰብ እዩ፡ናይ ሰባት ተሓባቢርካ ምዕባይ፡ልምዓት ሰባት፡ኩልንትናዊ ምብጻሕ ደቅሰባት ።እግዝኣብሄር ኣምላኽ መራሕቲ ዘድለይዎ ንሰባት ክብል እዩ።ሰባት ንዕኡ ክፈልጥዎ፡ብፍልጠት ሂወቶም ክትልምልም፡ዘላእለማዊ ዕጭኦም ክጽብቕ፡ቅድመ ዘላእለም ዘሎ ሂወቶም ክሰምር።
‘’ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብቶም ጓሶት እስራኤል ተነበ፣ ነቶም ጓሶት ተነበየሎም፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካውን ንገሮም፣ ነቶም ንርእሶም ጥራይ ዚጓስዩ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም። እቶም ጓሶትሲ ነተን ኣባጊዕዶ ኣይኰኑን ዚጓስዩ ነቲ ስቡሕ ትበልዑ፣ ጸምሪ ትኽደኑ፣ ነቲ ዝሰብሔ ትሐርዱ፣ ነቲ መጓሰ ግና ኣይትኣልዩን።          
ንዝሐመቓ ኣየበርታዕኩምን፣
 ንዝሐመመት ኣይፈወስኩምን፣
 ንተሰብረት ኣይዘነንኩምን፣
 ንተባረረት ኣይመለስኩምን፣
 ንዝጠፍኤት ኣይደሌኹምን፣
 ብሓይልን ብትርን ደኣ ገዛእኩምወን።ጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ፣ ንዅሎም ኣራዊት መሮር ከኣ ብልዒ ዀና፣ ፋሕውን በላ’’።
[ብመገዲ ነብዩ ህዝቅኤል 34.2-5
እንበኣርከስ ብዘየዋላዉል ቋንቋ ናይ ጓሶት ጉዳይ  ምስ ኣባጊዕ ከምዝኾነ ተፈሊጡን ተገሊጹን።ኣባጊዕ እንታይ ከይኮኑ እንተተባህለ እቲ መልሲ ፍሉጥ እዩ።ኣብቲ ሳዕሪ ዘለዎ ቦታ ክወፍራ፡ክበልዓ ፡ክብርትዓ፡ክስበራ ከለዋ ክጽገና፡ክይጠፍኣ ክምለሳ፡ምስጠፍኣ ክናደያ።
በዚ ናይ ጉስነት ጥበብ ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ጓሳ/መራሒ ዝኾነሉ ዕላማ መራሒ ክኽዉን ከምዘይኮነ ገሊጹ፡ግናኸ እቲ ቀንዲ ዕላምኡ ምሕዳስ /ምልዋጥ ሂወት ደቅሰባት ከም ዝኾነ ኣበሲሩ።
'_ _ _ _ _ _ _ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ’’።
[ወ_ዮሃንስ 10.10-11]

መራሕቲ ክትኮኑ ትደልዩ ወይ መራሕቲ እትብሃሉ ወይ’ዉን ስለ መሪሕነት  እትሓስቡ  ጉዳይኩም እንታይ እዩ? 

Tuesday, June 3, 2014

ስለምንታይ ነንብብ?

ስለምንታይ ነንብብ?
           መብዝሕትና ኣብ ብዙሕ ናይ ምንባብ ልምዲ ዘይብሉ ሕብረተሰብ  ስለ ዝዓበና መጻሕፍቲ ናይ ምንባብ ልምዲ ዳርጋ የብልናን ክበሃል ይከኣል ።ገለዉን መጻሕፍቲ ናይ ምንባብ ልምዲ ዘለዎም ኮይኖም ብኸመይ ከምዘንብቡ ኣይፈልጡን እሞ ብዙሕ ክርብሑ ኣይትርእን።በዚ ኮነ በቲ እዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ትርጉም ኮይና ገለ ሓገዝ እንተኾነትና ብምባል ከካፍለኩም  መሪጸ። ስለምንታይ ኢና ክነንብብ ዘሎና ?ሓደ ክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ድዩ ከንብብ ዘለዎ ?ምንባብ ኣብ ሂወትና እንታይ ተራ ይጻወት ?መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምንባብ እንታይ ይብል?ኣብ መንጎ ዘንብብን ዘየንብብን ሰብ ዘሎ ፍልልይ እንታይ ይመስል?  ።ሂወት እቶም ንጎይታ ብኹልንትንኦም ኣገልጊሎም ዝሓለፉ ኣቦታት ናይ ምንባብ ሂወቶም እንታይ ይመስል ?እዞም ሎሚ ብስብከቶምን ብትምህርቶምን ነድንቖም ኣገልገልቲ  ብዛዕባ ምንባብ እንታይ ይብሉ?ዝብሉ ሓሳባትን ካልእ ንሂወትና ዝጠቕሙና  ጠቕምቲ ፍልጥታዊ መብርሂ  ክንርኢ ኢና።ፍቑራት  ኣሕዋት እዛ ጽሕፍቲ ካብ ዝተፈላለዩ  መጻሕፍቲ ዝተተርጎመት ኮይና ገለ ሓሳባት ድማ ናይ ጸሓፊ እዮም
               ‘’ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሀርካ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቊልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ከለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳን ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተምሀርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ።  እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ  ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ  ዝኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ። ብምባል ንጢሜቴዎስ ዝመኸሮ ምኽሪ ፡ዝሕብረና ነቲ ኣብ ጉባኤ ዝንበብ ዝነበረ ናይ ብሉይ ኪዳን መጻሕፍቲ ከም ዝኾነ ርዱእ እዩ።ኮይኑ ግና ምኽሩ ኣብ ብሉይ ኪዳን ጥራሕ ዝዉሰን ዘይኮነስ ካልኦት መጻሕፍቲዉን ምንባብ ኣድላዩ ከም ዝኾነ ንዕዘብ።ጳዉሎስ ንጢሜቴዎስ ከምጽኣሉ ዝሓተቶ መጻሕፍቲ ስለ ህዝቢ ኣይሁድ ታሪኽ ፡ብዛዕባ ሙሴን ነብያትን ዝተጻሕፉ መብርሂ ወይ ኣብቲ ዘመን ብዝነበሩ ጸሓፍቲ ዝተጸሓፉ ክኾኑ ይኽእሉ።ኣብ ዘረብኡ ኮነ መልእኽቱ ጳዉሎስ ካብናይዞም ደረስቲ ጽሑፍ ከምዝጠቅስ ይፍለጥ።ንሙማት ዝተረፎ ግዜያት ሒደት ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ሙኻነን እናፈለጠ ግዚኡ ብምንባብ እንበር ትም ኢሉ ከሕልፎ ኣይፈተውን።ኩሉ ግዜ ናይ ምምሃር ዝንባለ ስለ ዝነበሮ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ተመሃራይ ኮይኑ ኣሕለፎ።
        ዊልያም ቴንድል ዝበሃል ሰብ ምስዚ ናይ ጳዉሎስ ዝመሳሰል ታሪኽ ኣለዎ።ብ 1536 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ብሰማእትነት ምሕላፉ ቁሩብ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብቲ ዘመን ንዝነበረ በዓል ስልጣን ሓደ ሓደ ነገራት ናብቲ ዝተኣስረሉ ቦታ ከእትወሉ ዝጸሓፎ ደብዳቤ ከምዚ ይብል።‘’ሙቐት ዝህብ ቆብዕ፡መብራህቲ  ዚኾነኒ ሽሞዓ ፡ዝንባለይ ዝጽሕፈሉ ቁራጽ ጨርቂልዕሊ ኩሉ ድማ ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስ ፡ናይ እብራይስጢ መጽንዒ ሰዋስዉ ፡ናይ እብራይስጢ መዝገበ ቃላት ንኽልኣኽለይ ብትሕትና ይሓትት ።ቅድሚ ሙማተይ ሒደት ግዜያት ብመጽናዕቲ ከሕልፈን እደሊ።’’
ጳዉሎስ ኮነ ቴንድል ቅድሚ ብሰማእትነት ምሕላፎም ዝተረፋኦም ቅሩብ እዋናት ብምንባብን ብምጽናዕን ናይ ምሕላፍ ድሌት ነበሮም።
  ብትግሃት ምንባብን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ቃል እግዝኣብሄር ምጽናዕን ንሓደ መንፈሳዊ መራሒ ብጣዕሚ ኣድላዩ ምኻኑ ክንርኢ ኢና ።ይኹን እንበር ቀንዲ ኣተኩሮና ዝኽዉን ንቓል እግዝኣብሄር ንምጽናዕ ዝሕግዙና ካልኦት መጻሕፍቲ ምንባብ ኣድላዩ ምኻኑ ንምብራህ እዩ።
    ብስነ-ኣእሙራዊ  ኮነ መንፈሳዊ ሂወቱ ክዓቢ ዝደሊ ሰብ ግዚኡ ምስ መጻሕፍቲ ክሕልፍ ይግባእ።ፍሉጥ ጠበቓ ወይ ናይ ሕጊ ሰብ ሞያኡ ንምዕባይ ንጉዳያት ብቐረባ ይመራመር።ኣብ ሕጊ ገለ ገለ ምምሕያሻት ከይህሉ ዝወጹ ጽሑፋት ይከታተል።ከምኡዉን መንፈሳዊ መራሒ ቃል እግዝኣብሄርን ኣተረጋግሙኡን ነቶም ምኽሪ ደልዮም ዝመጽዎ መእመን ኮነ ካልኦት ሰባት ንምርዳእ ወትሩ ከንብብ ይግብኦ። ብዝበለጸ ብሉጽ ኮይኑ መታን ክርከብ ምስ ሰባት ንዝህልዎ ርክብ ብተወሳኺ ዘንብቦም መጻሕፍቲ ብጥንቃቐ ክመርጽ ይግባእ።ኣብዚ ዘመን ርዝን ዝበሉ መጻሕፍቲ በቶም ናይ ቅድም ሰባት ዝተጻሕፉ ጠቐምቲ ጽሑፋት ምንባብ ግዚኡ ዝሓለፈ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ ።ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሰባት ዝበዝሐ ግዚኦም ኣብ ምዝንጋዕ የሕልፍዎ።ብዙሓት ሰባት መጻሕፍቲ ከንብቡ ግዜ ከምዘይብሎም ክዛረቡ ትሰምዕ።ንመንፈሳዊ መራሒ ግና ከምዚ ዓይነት ምኽንያት ፈጺሙ ኣየድልዮን።
        ጆን ዊስሊ ልዑል ፍቅሪ ምንባብ ነበሮ።ዝበዝሐ እዋን ኣብ ዝባን ፈረሱ ኮይኑ የንብብ ከም ዝነበረ ይዝረበሉ።ሓደ  ሓደ እዋን ተስዓ ዝበዝሐ እዋን ግና ሓምሳ ማይልስ ይጉዓዝ ነበረ። ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብዑምቀት  ኣንቢቡ።ብዛዕባ ሳይንስ ታሪኽ ወይ  ሕክምና ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ  ኣብ ፈረሱ ጽዒኑ ብምጉዓዝ የንብብ ነበረ። ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ ተምሃራይ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፎም ዓመታት ብቓንቃ ግሪክ  ዝተጻሓፈ ሓዲሽ ኪዳን፡ ቀጺሉ ክርስቶስ ምምሳል፡  ዝተቐደሰ ኣነባብራን ፡ሞሎኮታዊ ጻውዒትን ዝብሉ መጻሕፍቲ ኣብ ኣእምሮ ዊስሊ  ሰፊሕ ቦታ ተዋሂብዎም ነይሩ። እዞም መጻሕፍቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ቀጺሎም መንፈሳዊ መምርሒ ኮይኖሞ ክብሃል ይከኣል። ‘’ኣንበብቲ ኩኑ ተዘይኮይኑ ኣገልግሎትኩም  ኣቃርጹ ‘’ ብምባል ኩሉ ግዜ ንተኸተልቱ  ይዛረብ  ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ኣብ መዓልቲ ንፍርቂ ሰዓት ጠቐምቲ መጻሕፍቲ ምንባብ ንናይ ሓደ ሰብ ኣእምሮ ይምገብ ።መንፈሳዊ ሂወቱ ይሕደስ ።ብኣገልግሎት ሙሉእ ኮይኑ ንኽርከብ የኽእል።
     ዶክተር ደብልዩ ቶዘር ዝተብሃሉ ፍሉጥ መንፈሳዊ ሰብ ‘’መጻሕፍቲ ናይ ምንባብ ጥቕምን ዝተሰሓሓተ ኣናብባን ‘’ኣብ ዝተሰምየ ኣርእስቲ ኣብ ሓደ መጽሄት ዘቕረብዎ ጽሑፍ ከምዝስዕብ ኢሎም።
    ኣብዚ ዘመን ዘለው ክርስቲያናት ናይ ጥንቲን ዓበይቲ መጻሕፍትን ምንባብ ዝኸበዶም ስለምንታይ እዩ? ከም ሓቂ በኣእምሮና ካብ ኣቦታትና ዝነኣስና ኣይኮንናን ባህግናን ድሌትናን እንተኾይኑን እንተጽዒርናን ንሳቶም ዝተረድኦም ንኽርድኣና ኣየጸግመናን ።ንዓናውን ከምናታቶም ኣእምሮ ኣሎና ።ኣብዚ ዘመን ዘለና ሰባት ብሉጻት መጻሕፍቲ እናስተማቐርና  ከነንብብ ካብ ሽግርና ካብ ምርዳእ ወይ ዘይምርዳእ ዘይኮነስ መንፈሳዊ ስለዝኾነ እዩ።ከምዚ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ሃይማኖታዊ መጻሕፍቲ ንምንባብ ገዛእ ርእስኻ ንእግዚኣብሄር ምፍላይን ካብ ዓለማዊ ነገራት ምግላልን ይሓትት።እዚ ዝገብሩ ናይ ዘመንና ክርስቲያናት ግና ሒደት እዮም። ልዑል  መንፈሳዊ ልምምድ ናይ ዝነበሮም ኣቦታት መጻሕፍቲ ኣንቢብካ ምርዳእ ከቢድ ኣይኮነን።ይኹን እንበር  ንሳቶም ናብ ዝነበርዎ ልዑል ደረጃ ብዝወጻና ቁጽሪ ኣየር እናሓጸረና ይመጽእ ናብዚ ደረጃ ዝበጽሑ እግዚኣብሄር ባዕሉ እስትንፋስ ዝኾነሎም እዮም።ጥንታዊ ክርስትያናዊ መጻሓፍቲ ኣንቢቦም ንኸይርድኡ ሰባት ዝሽገሩ ሓደ ምክንያት ንኽፍልጡ እንበር ክእዘዙ ስለዘይደልዩ እዩ።
    ምንባብ ኣድላዪ ዝኾነ ስለምንታይ እዩ?
     ‘’ ወትሩ ንቑሓት ኮንኩም ንክትርከቡን ራእይን ምልዕዓል ክህልወኩም ትደልዩ እንተኾንኩም መጻሕፍቲ ኣንብቡ ‘’ይብሉ ሓደ ፍሉጥ ሰብ ።እዚ ሰብ ኣብ ቀረባ እዋን ምስታ ሓዳስ መርዕቱ  ንዕረፍቲ ክኸዱ እንከለው ብዙሕ መጽሓፍቲ  ሒዞም ከምዝኸዱ ይዝረበሎም።
     ቤክን ዝበሃል ሊቅ ንምንባብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፦
     ‘’ ሓሳብ ንምርካብ ኢልካ ኣይተንብብ ንምዝንጋዕን ንምምርማርን ይኹን ።ሓደ ሓደ መጻሕፍቲ ክምርመሩ ይግብኦም። ንምቅዋም ወይ ንምድጋፍ ኢልካ ኣይተንብብ ንምእማን ወይ ዘንበብካዮ ኩሉ ኣሜን ኢልካ ንምቕባል ወይ ንዘረባኻ መመቀሪ ዝኾነካ  ኢልካ ኣይተንብብ ።ገለ ኣብኡ ከሎኻ ይወሓጡ። ገለ ገለ ግና ክሕየኹ ክስተማቀሩን ክበላልዑን ኣለዎም ‘’ኢሉ።
    ሓደ ካልእ ሰብ ድማ ብዛዕባ ምኽሩ ከካፍለና እንከሎ
         ‘’እነንብቦ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮና ፍልጠት ንምክዕባት እንተኾይኑ ወይ ካብ ካልኦት በሊጽና ክንርከብ ወይ                                                                                                     ሊቃውንቲ ንምባል እንተኾይኑ ብፍጹም ኣይጠቕመናን ።ኣረ ጎዳኢ እዩ ይብል።
      መንፈሳዊ መራሒ ከንብብ ዘለዎ መንፈሳዊ ምንቅቓሕን ግንዛበ ንምርካብን ክኸውን ኣለዎ።እዚ ንዘምብቦም  መጻሕፍቲ ብጥንቃቕ ከምዝምረጽ የኽእሎ። ሓደ ሓደ መጻሕፍቲ ልብን ኣእምሮን ይምርምሩ ።ናብ ልዑል ደረጃ ድማ የብጽሑ ።ከምዚኦም ዓይነት  መጻሕፍቲ ናይ ምንባብ ባህሊ ክበራታዕ ይግብኦ።
        መንፈሳዊ መራሒ ዘንብብ መንፈሳዊ ሂወቱ ንምሕዳስ ኣእምሮኡ ንምምጋብ ንኽነቓቓሕን ሓደስቲ ሓሳባት ንምርካብን ክኸውን ኣለዎ። ናይ ስብከትን ምስትምሃርን ምጽሓፍን ክእለቱ ንምዕባይ በቀራረብኡ ምሉእነት ክርከቦን ትጉህ ኣንባቢ ክኸውን ይግብኦ። እዚ ንምግባር ድማ ብዓበይቲ ሰባት ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ካብ ምንባብ ዝሓሸ ኣማራጺ የልቦን።እዞም መጻሕፍቲ ናይ ቃላት ክእለትና የማዕብሉ።ምሕሳብ ይምህሩ ናይ ኣዘራርባ ክእለትና ንምብልጻግ ይረድኡ።
            ቤክን እንኪዛረብ
      ‘’ታሪኽ ምንባብ ኣስተውዓሊ ይገብር ፡ቅኔታት ምንባብ ዘረባኻ ንምምቃር ይጠቅም ሕሳብ ኣመዛዛኒ ይገብር ፡ተፈጥሮኣዊ ፍልስፍና ጥልቀት፡  ስነ ምግባር ቁም ነገረኛ፡  ሎጂክ ድማ ነገራት ምምዝዛን  ክንክእል ተኸራኺርና ክንረትዕ ከምንክእል የረድኡ ይብለና’’
        መጻሕፍቲ ምንባብ ኣድላይ ዝኾነሉ ካልእ ምኽንያት ድማ ግዝያዊ ሓበሬታታት ንምርካብ ስለዝረድኡና እዩ ።ከምዚ ዘመን ሓበሬታ ንምርካብ ቀሊል ዝኾነሉ ዘመን ብፍጹም ኣይነበረን ።እቲ ቀንዲ መንገዲ ሓበሬታ ዝርከበሉ ድማ ብምንባብ እዩ። ስለ ዝኾነ ስለዘለኻዮ ግዜን ኩነታትን ንምፍላጥ ንኣገልግሎት  ንዝምልከት ብኹሉ ኣንፈት ድሉው ኮንካ ንምርካብ መንፈሳዊ መራሒ ከንብብ ይግብኦ። ምስቶም ወነንቲ ዓበይቲ ኣእምሮ ሓባራዊ ኣመለኻኽታ ክህልዎ ከንብብ ኣለዎ። ብመገዲ ጽሑፋቶም ቅድሚ ዘመናት ምስ ዝነበሩ ዓበይቲ መንፈሳውያን ሰባት ሕብረት ምግባር ይከኣል።
      ካልእ ይትረፍ ሓንቲ መጽሓፍ ብምንባብ ዝርከብ ጥቕሚ ካብቲ እንግምቶ ንላዕሊ እዩ።ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት እግዚኣብሄር ብኣደናቒ  መንገዲ ዝተጠቕመሎም  ዓበይቲ ኣገልገልቲ ሂወት ታሪኽ ዘንበበ ሰብ ከምዝተረድኦ እንተኾይኑ እዞም ሓሳባት ኣብ ኣገልግሎቶም ዝተነቓቕሑን ናብዚ ዓይነት ልምምድ ዝበጽሑ ቻርለስ ፊኒ ዝተባህለ ሰብ ብዛዕባ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ ዝጸሓፎ ኣንቢቦም ነይሮም
        ብተመሳሳሊ መልክዑ ድማ ናይ ሂትለር ሓንቲ መጽሓፍ ብምንባቦም ጥራሕ ብዙሓት ንዓመታት ተሓባበርቱ ንምኻን ከምዝተለዓዓሉ ይፍለጥ ።ካብቲ ሓቂ መንገዲ ናይ ዝዘንበሉ ሰባት ዝጸሓፍዎ መጽሓፍቲ ምንባብ ናይ ብዙሓት ሂወት ከምዝተበላሸወ ይፍለጥ።
                           እንታይ ዓይነት መጻሓፍቲ ምንባብ የድሊ ?
           ዓርኪ በዓል መን ከምዝኾነ ንምፍላጥ ናይ ሓደ ሰብ መንነት ምፍላጥ ከምዝከኣል ዘንብቦም መጻሕፍቲ ሓቀኛ ባህሪኡ የርእዩ።  ምኽንያቱ ዘዘውትሮም መጻሕፍቲ ናይ ውሽጣዊ ጥሜቱን ድሌቱን መንጸባረቒ ብምኻኖም ።ኣብዚ ዘመን ብዝሒ ዘለዎም መንፈሳውን ዓለማውን መጻሕፍቲ ብምህላዎም መሪጽና ክነንብብ ጥጡሕ ባይታ ተፈጢሩልና ይርከብ።ተልእኾና ክንፍጽም እንክእል ብጣዕሚ ዝጠቕሙና መጻሕፍቲ መሪጽና ምሰ እነንብብ እንበር ዝረኸብናዮ ምስ እንግፍጥ ኣይኮነን ።ብካልእ ኣዘራርባ ናይ ምንባብ ልምድና ብመንጽር እንሰርሖ ስራሕ ከምኡውን ክንገብሮን ክንኮኖን ብእንደልዮም ነገራት ዘተኮረ ክኸውን ኣለዎ ማለት እዩ።
        ማቲው ኦርዎርልድ ዝበሃል ፍሉጥ ምሁር ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ መጻሕፍቲ ብጣዕሚ ጥቕሚ ዘለዎ ሓደ ክርከብ ይከኣል ዝብል ኣመለኻኽታ ነበሮ ።ዌብስተር ድማ ዝረኸቦ ኩሉ ካብ ምንባብ ሒደት ኣስተማቒሩ ምንባብ ይኣምን ነበረ ።ብዙሕ መጻሕፍቲ ላዕሊ ላዕሊ ካብ ምንባብ ሒደት መጻሕፍቲ ህድእ ኢልካ ምንባብን ምርዳእን ይሓይሽ።እዚ ሰብ ኣብ ሓደ እዋን ክዛረብ እንከሎ ‘’ብዙሕ መጻሕፍቲ እንተንቢብካ እትዝክሮም ሒደት እዮም’’ኢሉ።ሳሙኤል በርግሰን ዝተብሃለ ጸሓፊ እንታይ ዓይነት ቅኔታት ምንባብ ከምዝፈቱ /ከምዝመርጽ/ ክገልጽ እንከሎ።
‘’ልዑል ስነ ምግባራዊ ገጸ ባህሪያት ዘለዎም ቅኔታት ምንባብ ይፈቱ ናይ ሓደ ሓደ ጽሑፍ ብርሃን ኣለዎ ሙቐት ግና የብሉን።ኣነ ግና ሙቐትን ብርሃንን እደሊ። ሓደ ሓደ ዝወጸሎም ቓነይቲ እካ እንተኾይኑ ንኣይ ግና ኣየነቓቕሑንን ።ጽቡቓትካ እንተኾኑ ብቓላት ይጻወቱ እንበር ዝቕጽል ቁምነገር የብሉን።
      ኣብ ምንጎ ቕዱስ ጽባቐን ተራ ጽባቐን ልዑል ፍልልይ ኣሎ ።እቲ ቀዳማይ ልዑልን ክቡርን ናብ ዝኾነ ናብ  እግዚኣብሄር ባህሪይ ልዕል ክብል እንከሎ እቲ ካልኣይ ግና ስምዒትካ የለዓዕል ብዙሕ እዋን ናብ ዘይጠቅም ታህዋኽን ፈንጠዚያን ይወስድ ኢሎም።
    ሰር ደብልዩ ሮበርት ሰን ዝተብሃሉ ምሁር ድማ ዝረኸብዎ ኩሉ ካብ ምንባብ ናይ ዓበይቲ ሰባት ታሪክ ምንባብ የዘውትሩ ነበሩ።ንሶም ከም ዝብልዎ ከምዚ ዝበሉ መጻሕፍቲ ዝመረጽሉ ምኽንያት ስብእና ዝተላበሱ ብምኻኖም እዮም። ናይ ዓበይትን ንዕላምኦም ርእሶም ዝሃቡ ሰባት ታሪኽ ዘንብብ ሰብ ንሱውን ከምኣቶም ንምኻን ልዑል ድሌት የሕድር።ንምኻኑ ወንጌል ኣብ ብዘላ ዓለም ንምብጻሕ ልዑል ተጋድሎ ናይ ዝገበሩ ሰባት ሂወት ታሪኽ ክንብብ እንከሎ ልቡ ንኣገልግሎት ዘይለዓዓል መን እዩ?
     ብምባል ኣሰባብኽኡን ኣመሃህርኡን ፍሉጥ ዝነበረ ሰብ ድማ ኩል ግዜ ናይ ዓበይቲ ሰባት ሂወት ታሪኽ ካብ ጎኑ ከምዘይሰኣን ይዝረበሉ።ካልእ ሰብ  ድማ ‘’ናይ ዓበይቲ መንፈሳውያን ሰባት ሂወት ታሪኽ ምንባብ ናይ ክርስቲያናዊ ትምህርቲ ሓደ ኣካል እዩ።ንኣገልግሎትና ዝጠቕሙ ሓየሎ ምሳሌታት ንረኽበሎም።ጠቓሚ ባህርይ መርሚርና ንምርዳእ የክእሉና።ንገዛእ ሂወትና ዕላማ ክህልወና ይሕግዙና።ነቲ ዕላማ ብኸመይ ክነትግብሮ ከምንኽእል መንገዲ የርእዩና፡ ንዘየድልዩ ትምኒታት ንምውጋድን  ኣድላይነት ንዕላማኻ ብጽንዓት ንምቓምን  ይምህሩና ‘’ይብል።
       መንፈሳዉያን መራሕቲ  ዘንብብዎም መጻሕፍቲ ዘገልግሎም ሰባት ብጣዕሚ ዝተለመዱ ወይ ንሳቶም ዝፈልጥዎም ጥራይ ክኾኑ የብሎምን ወይ ድማ ቅልል ብዝብሉን ምስ ስርሖም ዝተተሓሓዙ መጻሕፍቲ ጥራይ ክዓግቡን ክውሰኑን የብሎምን ።ብናይ ምንባብ ስፍሓትን ልምድን  ምርዳእን ካብቶም ሓቢሮም ዘለውን ዘገልግሎምን  ክሓልፉ ኣለዎም።
      ኣብ ዝኾነ ግዜ ካባና ዝኾነ ነገር ንምሓዝ ክንጋዬ ኣሎና ።እንሰማማዓሉ ጥራይ ዘይኮነ ዘይንሰማማዓሉ ወይ  ካብቲ ዝሓዝናዮ ኣመለኻክታ ዝተፈላለየ ሓሳባት ክነንብብ ኣሎና።ምሳና ስለዘይተሰማምዑ ጥራይ ክንፈርድ ኣይንተሃወኽ።ብዝተኻእለ መጠን ምስ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብምንጽጻር ናይ ኣመለኻኽተኦም ልክዕነት ወይ ስሕተት ክንምርምር ይግባእ። ንሕና ባዕልና ከየንበብና ካብ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ወገን ብዝሰማዕናዮ  ጥራይ ጸሓፍቲ ኣይንወግዝ።ሓደስቲ ሓሳባት ምፍራሕ ወይ ብሓደስቲ ሓሳባት ካብ ኣቓምና ክንናወጽ የብልናን።
     ስለዚ ሓደ መራሒ  ብኣገልግሎቱ በሊጹ ንምርካብ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ፍረ ዘለዎ ንክኸውን መጻሕፍቲ ከንብብ ኣለዎ።
                    ብኸመይ ክነንብብ ከምዝግብኣና፦
      ብሓደ መዳይ ክንሪኦ እንከለና ምንባብ ማለት ብጽሑፍ ዝሰፍሩ ሓሳባት ምምሃር ማለት እዩ። ከምዚ ክበሃል እንከሎ ግና ላዕሊ ላዕሊ ዘይኮነስ ዘቕርቦ ሓሳባት እንናስተማቐርካን እናገናዘብካን ምንባብ ይሓትት ምንባብ ቀሊል እዩ።ዘንበብናዮ ብኣእምሮ ምሓዝን ኣብ ተግባር ምውዓልን ግና ከቢድ እዩ።እሞ እዚ ምግባር እንተዘይከኣልና ጥቕሚ ምንባብ እንታይ እዩ?
     ሓደ ገጣሚ ንሓንቲ መንፈሳዊት ሰበይቲ ‘’ምሉእ መዓልቲ ከንብብ ይውዕል’’ምስ በለ ምሉእ መዓልቲ ክተንብብ እንተዊዒልካ ንምስልሳል ክንደይ ግዜ ይህልወካ’’ብምባል ሓተተቶ።ሓሳብካ ከይኣከብካ ምንባብ ይከኣልዩ።ይኹን እንበር ዘንበብናዮ ተዘይሓሰብናሉ ምንም ጥቕሚ የብሉን።ፓርሰሊስ ስፐርጀን ዝተብሃለ ፍሉጥ ሰባኺ ከምዚ ብምባል ተምሃርኡ ይመክር ነበረ።
   እተንብቦም መጻሕፍቲ ካብ መጀመሪያ ክሳብ መጨረሻ ብጽሓዮም።ናብ ውሽጦም የዕሚቕካ እቶ ጠቓሚ መጻሕፍቲ እንተረኸብኩም ደጋጊምኩም ኣንብብዎ መዘከርታ ጥራዝ ሓዙ።ዘንበብኩም ኣብ ሓንጎልኩም ኣመዛዝኑ።ብኸምኡ ላዕሊ ላዕሉ ዕስራ መጻሕፍቲ ካብ ምንባብ ብምስትውዓል ዝንበብ ሓደ መጽሓፍ ጥራይ  ንናይ ሰብ የእሙሮ ናይ ምምዝዛን ተክእሎኡ የዕቢ።ብታህዋክ ዘንብብ ሒደት ይፈልጥ ኮይኑ ግና ብዙሕ ይዕበ ።ሓደ ሓደ  ሰባት ብዙሕ የንብቡ ዘንበቡዎ ግና ኣይሓስብሉን ስለዝኾነ ኣእሙርኦም ስንኩል ይኸውን ።ከተንብቡ ከለኹም መምሪሒኹም ኣብ ክንዲ ኣብ ብዝሒ መጻሕፍቲ ኣብ ቁምነገር ይኹን።
      ካብ ዘንብቦም መጻሕፍቲ ቀጻሊ ጥቕሚ ንምርካብ ንዝደሊ ኩሉ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ብዙሕ ኪሕግዝዋ ከምዝኺእሉ ይሓስብ።
    1, እተንብብዎ ብመጠን ይኹን። ሓደ ሓደ እዋን ብዙሕ ምንባብ ዝንጉዕ ይገብር ስለዚ ክትሕዝዎ እትኽእሉ ኣንብቡ ከምቲ ኣዕሩኽትኹም እትመርጹ መጻሕፍቲ ምረጹ።
    2, ፒሮን ወረቐትን ሒዝኩም ኣንብቡ። ኣእሙሮኹም ፍሉይ ናይ ምዝካር ተኽእሎ እንተዘይብሉ ብዙሕ ብዘንበብኩም መጠን ዘንበብኩሞ ምዝካር  ኣይከኣለኩምን ።መዘከርታ ወረቐት ናይ ምሓዝ ልምዲ እንተለኩም ግና እንተረሳዕኩም እካ ተመልሰኩም ትዝክርዎ ኢኹም።መዘከርታ ወርቐት  ናይ ምሓዝ ልምዲ ኣማዕብሉ።እዚ ልምዲ ከመይ ዝበለ ናይ ምዝካር ተኽእሎኹም ከም ዘምዕብሎ ተመሊሱ ንገዛእርእስኹም ከገርመኩም እዩ።
3 ንልብኩም ዝተንከዮ ንቐጻሊ ክትዝክርዎ እትደልዩ ሓሳብ እተስፍርሉ ናብ ዝኾነ ሒዝኩም እትኸዱ ወረቐት ይሃልውኩም ።ኣብዚ ወረቐት ናይ ባዕልኹም ሓሳብ ክተስፍሩ ትኽእሉ።በዚ መልክዕ ኣብ ዝኾነ እዋን ካብ ጎንኹም ዘይፍለን ኣብ ዝደለኩሞ ግዜ እትጥቀምሉ ቅርሲ ትሕዙ።
4 ,እተንብብዎም ምስ ካልኦት መጻሕፍቲ ብምምስኻር ትኽክልነቶም ኣረጋግጹ መልእኽቱ ዘይተረዳእኩም ወይ ዘይጨበጥኩሞ ሓንቲ ሓረግ ኣይትሕለፉኩም።
5 ኣእምሮ ብቐሊሉ ክስሕት ይኸእል ስለዚ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ኣንብቡ ፍልይ ዝበለ ነገር ንኣካል ከምዚዕርፍ ኩሉ ንኣእሙሮውን የዛንዮ።
6 እተንብቦም መጻሕፍቲ ዝተፈላለየ እንተኾነካ ብዝከኣል መጠን ንሓድሕዶም ዝደጋገፉን ናይ ኣተሓሳስባ ኣድማስኩም ዘስፍሑ ይኹኑ ንኣብነት ናይ ሓደ ኣብ ጥንቲ ዝነበረ ሓደ ፍሉጥ ሰብ ታሪኽ ሂወት ኣብተንብብሉ ኣብቲ ዘመን ዝነበረ ኩነታት ከመይ መልክዕ ከምዝነበሮ ንምፍላጥ መታን ክሕግዘኩም ናይቲ እዋን ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ምንባብ ይጠቅም።
       ኣብ ተግባር ምስነውዕሎ  ካኖንያት  ዝተብሃለ ሰብ ንምንባብ ብዝምልከት ብጣዕሚ ጠቓሚ ምኽሪ ይህብ ።ንሱ ከም ዝብሎ ዝኾነ መጽሓፍ ብሰለስተ መንገዲ ምንባብ ይከኣል።ቀዳማይ ቅልጡፍን ቀጻልነት ዘለዎ ንባብ እዩ።ድሕሪዚ ኣብቲ ኣእምሮ ዘንብቦ ከምዝሓስብን ብዛዕባቲ ጉዳይ ኣቐዲሙ ንዝፈለጠ ንምግንዛብ ግዜ ንህቦ ።ካብዚ ብምቅጻል ነቲ ኣቐዲመ ዝፈልጦ ነገር እንታይ ተወሳኺ ፍልጠት ከምዝሃበና ንሕሰብ እቲ ካልኣይ ህድእ ኢልና ብጥንቃቐ ብዝርዝርን ምስትውዓልን ድሒርና መታን ክንዝክሮ መዘከርታ ጥራዝ ሒዝና እነንብቦ እዩ።እዚ እንተጌርና ናብቲ ሳልሳይ ናይ ምንባብ ሜላ ንሳጋገር።ሳልሳይ ናይ ምንባብ ሜላ ቅልጡፍን ቀጻልነት ዘለዎን እካ እንተኾነ ኣብቲ መጽሓፍ ዘለው ሓሳባት ምስ ሓሳባት እናራኸብና ገጽ እንኮላይ ንጽሕፍ።ንቐጻሊ ስለቲ ጉዳይ ስፍሕ ዝበለ ኣፍልጦ ንምርካብ እንተደለና በቶም ቁጽሪ ናይ ገጻት ብምውጻእ ምሉእ ሓሳባት ምርካብ ይከኣል።
      ኣብ ስኮትላንድ ዝነበረ ሓደ ኣገልጋሊ ካብ ዓሰርተው ሸውዓተ ሽሕ ዘይውሕዱ መጻሕፍቲ ከምዝነበርዎን ደስ እናበሎ ግዚኡ ምስዞም መጻሕፍቲ የሕልፎ ከምዝነበረን ይንገር። ወዱ ክእንከሎ ‘’ምንም እካ ስብከታት ንምድላው ስፊሕ ግዜን ድኻምን እንተሓተቶ ኣብ መንጎ መጻሕፍቱን ስብከቱን ምንም ርክብ ኣይነበሮን’’ ኢሉ።
      ሓደ መራሒ ኣብዚ ልዕል ጥንቃቕ ክገብር ይግብኦ። ብመሰረቱ መጻሕፍቲ ኣተሓሳስባታት ካብ ሓደ ኣእምሮ ናብ ካልእ ዘመሓላልፎም  መንገድታት እዮም።ኣብ ላዕሊ ዝተመለከትናዮም ኣገልጋሊ ካብ ዘንበቦም መጻሕፍቲ ሂወቱ ይጥቀም  እምበር ካብ ንባብ ዝረኸቦ ፍልጠት ግና ንኻልኦት ከካፍል ኣይከኣልን።

     ናይዚ መጽሓፍ ጸሓፊ መጻሕፍቲ ምንባብ ብጣዕሚ ዝፈቱ ኣብ ገጠራት ኣውስትራሊያ ዝነብር ኣገልጋሊ ይፈልጥ።ብቕዱሳት መጻሕፍቲ ብስነ መለኮታዊ ትምህርትን ዝተሃንጸ ማሕበረ ምእመን ንኽህልዎ ዝጀመሮ ጻዕሪ ኣገልግሎቱ ካብ ዝጀመረሉ ግዜ ነይሩ።ልክዕ ከምኡ ኩሎም መጻሕፍቲ ክፈትውን ዝተፈላለየ ርዝነትን ፍልጠትን ዘለዎም መጻሕፍቲ ከምዘንብቡ ብምግባር ቀስ ብቐስ ንመጻሕፍቲ ዘለዎም ፍቕሪ እናወሰኸ መጸ። ካብዚ ዝተላዕለ ኣብዛ ገጠር ዝነብሩ ሓረስቶት መጻሕፍቲ ብምእካብ ሓደ መጠነኛ ቤት መጻሕፍቲ ከምዝኸፍቱ ገበሩ።ተመሳሳሊ  ዕላማ ዘለዎም ኣገልገልቲ  ጥቕሚ መንፈሳዊ መጻሕፍቲ ምንባብ ብምርዳእ ናይ ቤተክርስቲያኖም ሰባት ፍቕሪ ምንባብ ከም ዝህልዎም ክገብሩ  ይኽእሉ።               

ምንባር ምስትንፋስ እንተኾይኑ! ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል

  ‘’ ብዝኾነ ጥንቅቕ በሊ …’’ገና ዘረባይ ከይወዳእኩ መራሒ መኪና ክሳብ ቆጸራይ ዝዉድእ ስድርኡ ኣብ ኣስመራ ስለ ዝቕመጡ ንዕኦም ርእይ ኣቢለዮም ክምለስ ኢሉኒ ከይዱ ነበረሞ፡፡ከም ዝመጸ ምስ ሓበረኒ’የ ነዊሕ ግዜ ከም...