ክርስትያናዊ ሕብረት ምዕባይን ምኹስካስን
ቀዳማይ
ክፋል
ኣብዚ ዘመንና ዘለዉ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያናት ዓቢ ብድሆ ኮይንዎም
ዘሎ ፡ሕብረት ከም ቃል እግዝኣብሄር ምዕባይ እዩ።ኣብ ፖለቲካ ዓለም ብፍላይ ናይ ጥሩፋነት ምንቅስቓስ ምስ እንርኢ ፡ሕብረቱ ንምዕባይ
ዝገብሮ ምንቅስቓስ ፡ብሴል[ንኣሽቱ ጉጅለታት]እናገበረ ዕላማታቱ ይምህር ፡እምነቱ የስፋሕፍሕ ካብ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ንዝደልዮም
ሰባት ዕቤት ይህብን ናብ ዝለዓለ ጽፍሒ የብጽሖምን ።ተሓቢኡ ንጥፈታቱ ዘካይድ ጉጅለ ስለ ዝኾነ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኣይፈልጦን ።
ሕብረት ኣምላኽ
ዝዓብየሉ መንገዲ ተመሳሳሊ’ካ እንተኾነ ፡ብዕላምኡን ኣሰራርሕኡን ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ።ሕብረት እግዝኣብሄር ብብቕዓትን ብዝሕን
ክዓቢ ዝኽእል ኣብቲ ብትኽክል ዝተመስረቶ ብናእሽቱ ሕብረታት [ሴላት]ክምደብ እንከሎ እዩ።ናይ እግዝኣብሄር ህዝቢ ሴል ወይ ጉጅለ
ዝፈጥር መንፈስ ቅዱስ እዩ።መንፈስ ቅዱስ ግና ሕብረት ዝፈጥር ናትና ምርጫን ትግሃትን ተጠቒሙ እዩ።ዘይተወሃበካን ትግሃት ዘይብሉን
ሰብ መንፈስ ቅዱስ ብኢዱ ስሒቡ ኣብ ሕብረት ኣየእትዎን ።ምንፈስ ቅዱስ ናትና ምርጫን ምሃብን ይሓትት።ኣቶም ናይ መጀመርያ ክርስትያናት
ብትምህርቲ ብጸሎትን ብምቑራስ እንጌራን ሓቢሮም ይነብሩ ከም ዝነበሩ ግብሪ ሃዋርያት 2.42 ነንብብ።ኣብ ሕብረት ትግሃት የድሊ
።ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣብ ኤፌሶን 4.3’’ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልዉዎ ተጋደሉ ‘’ይብል። ብኻኣልነት መንፈስ
ቅዱስ ንሓድሕድና ብሰላም እንተተሓሒዝና እዚ ምትሕሓዝ እቲ ጥዕና ሕብረት ንምሕላዉ ምትጋህ ከም ዘለና ቃል እግዝኣብሄር ይምህረና።ሃዋርያ ያቆብ 3.18’’ነቶም ሰላም ዝገብሩዉን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም
እዩ ይብል’’።ስለዚ ንዕቤት ማሕበር ሰላም ኣድላዩ ከም ዝኾነ ኢና እንርኢ።ሰላም እንታይ እዩ ?ቃሉ ዝተለምደ ይመስል ።ስድራቤት
እንዳእከለ ሰላም የልቦን፣ኣብዚ ቤተክርስትያን ሰላም የልቦን ፣ኣብዛ ከተማ ሰላም የልቦን ፣ንብል።ሰላም የልቦን ክንብል እንከለና
እንታይ ማለትና እዩ?ሰላም ማለት ተጸዋዊርካን ተኽባቢርካን ተቐባቢልካን ምንባር ማለት እዩ።ሰላም ዝጠፍእ ምጽዉዋርን ምክብባርን
ምቅብባልን ምስዘይህሉ እዩ።ብሰላም ንሓድሕድና ክንትሕሓዝ ዝገበረ መንፈስ ቅዱስ እዩ።ንምሕላዉ ግና ናትና ትግሃት ይሓትት።ስለዚ
ሰላም ፍቕሪን ዘለዎ ክርስትያናዊ ሕብረት ንምምስራት ናይ እግዝኣብሄር ሓይልን ናትና ትግሃትን የድሊ ማለት እዩ።
ኣብዛ ዓለም
ክንነብር እንኮለና ገና ካብ ህጻንነትና ጥዕና ዘይብሉ ማለት ፣ፍቕሪ
ዝጎደሎ፣ጸርፊ ፣በትሪ፣ጽልኢ፣ቅንኢ ወዘተ ኣብ ዘለዎ ቤተስብን ሕብረተሰብን ንዓቢ እሞ።ብድሕርዚ ተኻኣኢልካን ተደጋጊፍካን ተፋቒርካን
ንምንባር ዓቕሚ ይሓጽረና ።ነፍሲ ወከፍና ኣብ ሕብረት እግዝኣብሄር ተደጋጊፍናን ተኸኣኢልናን ተፋቒርናን ጥዑይ ዝኾነ ሕብረት ንኽህልወና
ምምሃር የድልየና ።ሓደ ሓደ ሕብረት ዝብተንን ዝፈርስን ሰኣን ኣፍልጦና ክኸዉን ይኽእል።መጽሓፍ ቅዱስና ብፍላይ ሓድሽ ኪዳን ፡ብሕብረት
ተፋቒርካ ሂወት ሕድሕድካ እናተኻፈልካ ምንባር ዝምህረና ብዙሕ ትምህርቲ ኣሎ።
1ጢሜ 3.14-15 ‘’ናባኻ ቀልጢፈ ከም ዝመጽእ
ተስፋ እናገበርኩ እዚ እጽሕፈልካ ኣለኹ እንተ ደንገኹ ግና ኣብታ ቤት ኣምላኽ ማለት ፡ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝኾነት ማሕበር
ህያዉ ኣምላኽ ከመይ ክትገብር ከም ዝግብኣካ ክትፈልጥ እፈቱ ኣለኹ’’።ናይ እግዝኣብሄር ቤተክርስትያን ናይ ሓቂ ዓንዲ እያ ፡ናይ
ሓቂ መሰረት እያ።ክርስትያናዊ ሕብረት ኣብ ሓቂ ዝተመስረተ ክኸዉን ኣለዎ ።ናይ ሓሶት ሕብረት ዝጸልእ [ዝመሮሮ]ሰብ ናይ እግዝኣብሄር
ዝኾነ ሕብረት ንምዕባይ ፡ናይ ፍቕሪ ሕብረት ንምምስራት ቆራጽ ስጉምቲ ክወስድ ይግብኦ።ሓደ ሓደ ዉሳነታት ሓደጋ ክህልዉዎም ይኽእሉ
እዮም ።ነዚ ንምብዳህ ግና ጸኒዕካ ምቓም ፡ትግሃትን ጻዕርን ይሓትት።ፍቕሪ ክንዘርእ እንከለና ጸላኢ ስቕ ኢሉ ኣይርእን እዩ።መጥቃዕቲ
ይገብር እዩ።ሰላምና ክህዉኽ ይፍትን ።ነቒሕናን ጸኒዕናን ክንቃወሞ እንከለና ግና እግዝኣብሄር ድማ ሓይሊ የዕጥቐና እዩ።
እንበኣርከስ ክርስትያናዊ ሕብረት ንምኹስካስ ኣድለይቲ እዮም ዝብሃሉ ሓሙሽተ
ነጥብታት ክንርኢ ኢና ።
1.ክርስትያናዊ ሕብረት ንምኹስካስ ተኣማንነት
[ቅኑዕ ምኻን ሓቀኛነት ]የድሊ።/courtesy/
መዓልታዊ ምስ ዝሕሱ ሰብ ፡ሓቢርካ ሕብረት ክትፈጥር ኣይኮነን ምስኡ ሓቢርካ
ክትርአ ከማን የሕፍር።ነቲ ጸገም ስቕ ኢልካ ካብ ምሕላፉ ተጠንቂቕካ ብፍቕሪ እቲ ሓቂ ምንጋር ንሕብረትካ ጥዕና ዘለዎ ይገብሮ ።ሰባት
ሓጢኣት ልምዲ ኮይንዎም ደጋጊሞም ክገብርዎ ክትርኢ እንከለኻ ስቕ ምባል ቀሊል እዩ።ሰባት ገዛእ ርእሶም እንጎድኡ ስቕ ኢልና ንርኢ
እንተኾንና ፍቕሪ የብልናን ማለት እዩ።ኣይንፈትዎምን ማለት እዩ።ንብዙሓት ሰባት ጉድለቶም ዝነገሮም የልቦን ዋላ ኣብ ጎድኖም እናተቐመጡ
።ስለዚ ንገዛእ ርእሶም ምጉዳእ ይቕጽሉ ።ሰራቒ ብስርቁ ሓሳዊ ብሓሶቱ ይቕጽል ዝዛረብ የልቦን ።ብዙሕ ግዜ እንታይ ክንብል ከም
ዝግብኣና ንፈልጥ ኢና ።ግና’’ እንታይ ክብለኒ ይቕየመኒ’ዶ ይኸዉን ‘’ ብምባል ትም ንመርጽ።ብዙሓት ሕብረታት ብፍርሒ ዝኣክል
ተባላሽዮም እዮም።ናይ ሓደ ሓዉ ወይ ሓብቲ ሂወት እናተባላሸወ ደፊሩ ዝዛረብ የልቦን።መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኤፌሶን 4.15’’ብፍቕሪ ንሓቂ ሰዓብዋ ‘’ይብል ።ኣብ ሕብረት
ብፍቕሪ ንሓቂ ብግልጺ ምዝራብ እንተዘየልቦ እቲ ሕብረት ናይ ሓሶት ሕብረት
ማለት እዩ። እቲ ጥበበኛ ሰለሙን ኣብ ምሳሌ 24.26’’ቅኑዕ ምላሽ ዝህብ ከናፍር ይስዕም ‘’ይብለና ።እዚ ማለት እንበኣር
ኣሕዋትና ሓጢኣት ክገብሩ ወይ ሓጢኣት ክገብሩ ክሓስቡ ኣብ ፈተና ከም ዘለዉ ክንፈልጥ እንከለና ፡ብፍቕሪ ክንእርሞምን ክንመልሶምን
ብፍቕሪ ክንዛረቦምን ይግባእ ማለት እዩ።ሃዋርያ ጳዉሎስ ናብ ሰብ ገላትያ 6.1’’ኣሕዋተየ ሰብ ብሓደ በደል እንተተታሕዘ ነዚ ከምዚ
ዝበለ ንስኻትኩም መንፈሳዉያን ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ ፡ንስኻዉን ከይትፍተን ንርእስኻ ተጠንቀቕ ‘’ይብል።ብዙሓት ሕብረታት
ተሸፊኖምን ተጎልቢቦምን እዮም ዘለዉ።ስለምንታይ?እንተበልና ሓቂ እንተተዛሪብና ሽግር ክፍጠር እዩ ዝብል ፍርሒ ስለ ዘለዎም እዮም
።ሰባት ሓደ ሓደ ሕቶ ዝፈጥር ኣርእስቲ የልዕሉ እሞ ተቐላጢፍካ ናይ ሓሶት ሰላም ትፈጥር ‘’ጃልባ ኣይተናዉጽ ‘’ዝዓይነቱ ስብከት
ይወሃብ ።መዝሙር ይምረጽ ‘’ዓይነይ ካብ ሰብ ኣግሊለ ናባኻ እጥምት’’እዝየም።ናይ ሓሶት ምርግጋእ እፍጥር እሞ ነፍሲ ወክፍ ኣባል
ብዉሽጡ ይሓርር።’’ድጉል ሓዊ ‘’ይኸውን።እቲ ጸገም ገና ኣጠፍአን ግዚኡ ሓልዩ ይወጽእ።ኩሉ ሰብ ብዛዕባ ዘለዎ ሽግር ይፈልጥ እዩ።ብግልጺ
ዝዛረብ ግና የልቦን።እዚ ድማ ሕሙም ሕብረት ይፈጥር ።ንሕድሕዱ ብዉሽጡ ይትሓማመ ፡ሕሹኽሹኽ ይበዝሕ ግልጽነት የልቦን።ነዚ ከምዚ
ዝመሰል ኣካይዳ ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣብ ኤፌሶን 4.25 ከምዚ ይብሎ ‘’ስለዚ ከኣ ንሓሶት ንየዉ በልዎ ኣካል ሕድሕድ ኢና እሞ ነፍሲ
ወክፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ ‘’ይብለና።
ሓቀኛ ሕብረት ኣብ ሓዳር ይኹን ዕርክነት ከምኡዉን ቤተክርስትያን እቲ ሕብረት
ዝጸንዕ ግልጽነት ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ።ኣብ ሕብረት ዝፍጥር ሓደ ሓደ ሽግራት ንምቅርራብ ይጠቅም እዩ ።ኣብቲ ሕብረት ዝፍጥር ሽግራት
ተሰማሚዕና ንምፍታሕ ጻዕሪ ተዘይ ጌርና ምቅርራባት ኣይመጽእን እዩ።ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ዝግበር ዝርርብ ነንሕድሕድና ከምንፈላለጥን
ክንቀራረብን የኽእለና ።እቲ ሽግር ብትኽክል ምስ ተፈትሐ ምቅርራብ ይመጽእ ፍልልይካ ፊት ንፊት ትገጥም ።ብፍቕሪ ፍልልይካ ክፍታሕ
እንከሎ ምትሕቑቓፍ ይመጽእ።ምሳ 28.23’’ካብቲ ብልዙብ ልሳን ዘቀባጥር’ሲ እቲ ንሰብ ዝግስጾ ዝበለጸ ሞጎስ ይረክብ’’ይብለና።ካብ
ምሸት ምሽት ንሰባት ዝሓባብል ባህሪ ሓቂ ዝዛረብ ይድነቕ።ሓቂ ክትነግር እንከለኻ ንግዚኡ ትጽላእ ትኸዉን ፡ግና ኣብ መወዳእታ ሰባት
ከኽብሩኻ እዮም።
No comments:
Post a Comment