Thursday, February 6, 2014

መልሲ ዘድልዮም ሕቶታት?



      ወርሑ ታሕሳስ 14,2012 ።ዕስራ ዓመት ዝዕድሚኡ ኣዳም ላንዛ  መሳርያኡ ብምልዓል ንወላዲቱ ናንሲ ድሕሪ ምቕታል ፡ጉዕዝኡ ናብ ኣብ ኒዉታወን ዝተባህለት ከተማ እትርከብ  ሳንድይ ሁክ  ቤት ትምህርቲ መባእታ ደረጃ ኣምርሐ ፡ከምቲ መደቡ ድማ ዕስራ ንዝኾኑ ህጻናትን ሽዱሽተ ንዝኾኑ ዓበይቲ ኣባላት ናይቲ ቤት ትምህርቲ ህይወቶም ኣሕለፎም ።ሓንቲ ካብዞም ሂወቶም ዝስኣኑ ጋል 27 ዓመት ቪክቶርያ ላይ ሶቶ  መምህር ነቶም እትምህሮም ተመሃሮ ክተድሕን ሂወታ ሰኣንት።እቶም ነቲ ፍጻመ ዝመርመሩ ሶቶ ሂወታ በጃ እቶም ህጻናት እንተዘይትሕልፍ  ግዳያት ኣዝዩ ምወስኸ ብምባል ይገልጹ።

    ከተማ ኒዉታወን እቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ኣዝዩ ኣሰንበዶም ፡ኣሕዘኖም ፡እጉሃዮም፡ብፍላይ ነቶም ግዳያት ዝኾኑ ስድራ  ማዕረ ክንደይ ከም ዝኽብዶም ርዱእ እመስለኒ ።ምስዚ ብምትእስሳር ሕቶታት ተላዕሉ ፡ስለምንታይ እዞም ምንም ዘይፈልጡ ህጻናት ግዳያት ኮይኖም? እዚ ከጋጥም እንከሎ ኣምላኽ ኣበይ ነይሩ? ኣምላኽ ስለምንታይ እዚ ኪፍጸም እንከሎ ትም ኢሉ? ብዙሓት ስለምንታይ ?ንምንታይ ጋለይ ? ንምንታይ ወደይ? ስለምንታይ ከተማና? ኣብዚ ህሞት ናይ ሓንቲ ቤተክርስትያን ፖስተር ነቶም ግዳያት  ዝኾኑ ኣባላት ቤተክርስትያኑ እንታይ ብምባል የጸናንዓዮም? ግና ሓሰበ’ሞ።ንመእመኑ ከጸናንዓሉ ዝኽእል ኣገልጋሊ ክጽዉዕ ወሰነ ።እትምንታይሲ ኣይክእልን እየ ምባል ነዉሪ ስለ ዘይኮነ።

    ንኸምዚ እዋን ኣምላኽ ዘዳለዎም ሰባት ስለ ዘይስኣኑ  ቅድሚ ሕጂ  ‘’ Where Is God When It Hurts’’እትብልን ካልኦትን  መጽሓፍ ዝጽሓፈ ፊሊፕ ያንሲ ዝተበሃለ ጸሓፊ  ካብ ግዝኣት ኮሎራዶ ብምዕዳም ነቶም ህዝቡ ከጸናንዕ ከኣለ ።እዚ ጸሓፊ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መልሲ  ሂቡ ።ካብኡ ብምብጋስ ድማ ‘’The Question That Never Goes Away’’እትብል መጽሓፍ ጸሓፈ።እዛ መጽሓፍ ብዙሓት ከምዝነበብዋን ንምጽንናዕ ከም ዝኾነትን  ጽሓፊ ይገልጽ።

  ጥቅምቲ 3/2013 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ካብ ልብያ ናብ ጥልያን እናተጓዕዘት እንከላ  ኣብ ላምፓዱሳ ዝተባህለት ደሴት ከም ዝጠሓለት ማዕከናት ዜና ዓለምና ኣጋዉሓ ።እዞም ስደተኛታት  ሶማላዉያን፡ጋናዉያን ኮይኖም ዝበዝሑ ኤርትራዉያን ተባህለ።ቁጽሪ ናይቶም ተጓዓዝቲ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ክኸዉን እንከሎ ካብዚኦም ብሂወት ዝደሓኑ 155 ጥራሕ  እዮም ።ሳልስቲ ከይጸናሕና ስእሊ ናይቶም ግዳያት ኣብ ገጻት ፈይስቡክ ክወጽእ ጀመረ ።ዝተፈላለያ  ኤርትራዉያን መርበባትን ረድዮታትን ከክም ዝመስለን ዝኣምናሉን መግለጺ ክህባ ቀነያ ።ኣብቲ እዋን ብዙሓት ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ?እንተልዩ ስለምንታይ እዚ ክፍጸም ፈቒዱ ?ስለምንታይ ንዓና ኤርትራዉያን ከምዚ የጋጥመና ? ዝብሉን ካልእን ምስ ኣምላኽ ዝተተሓሓዙ ሕቶታት ተላዒሎም ።መልሲ ናይዞም ሕቶታት ካብተን ብስም እግዝኣብሄር ዝተመስረታ ማሕበራትን  ስነ -መለኮት ዝተመሃሩ ሊቃዉንትን ኣገልገቲ ናይቲ ቅዱስ ቃልን ክርከብ ይግባእ ።

     ሎሚ ምልስ ኢልና ነቶም ኣብቲ እዋን ምስቲ ፍጻመ ብምትሕሓዝ ዝተሰብኩ ፡ዝተመሃሩ፡ዝተዘርቡ ምስ እንዕዘብ ብርግጽ ነዞም ዝተገልጹ ሕቶታት ዝምልስ ኔሩ’ዶ?ብሓቂ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓሳብ ዲና ተዛሪብናስ ወይስ ብስምዒት ተደሪኽና ?ብሓቂ’ኽ ነዞም ሕቶታት ክምልሱ ዓቕሚ ዘለዎም ኣገልገልቲ ኣለዉና’ዶ?እንተለዉና ናበይ ኣበሉ ?መልሲ ናይዚኦምን ካልኦት ሕቶታትን  ናብኹም እሓድጎም ፡፡ሎሚ ነታ ኣብ ባሕሪ ዉሉዳ ዝሰኣነት ኣደን ነቲ ኣብ ምድረ በዳ ዉላዱ ዝሰኣነ ኣቦን መን እዩ ዘጸናንዖም? ነቶም ካብ ባሕሪ ዉጽእ  መዓት ኮይኖም ዝደሓኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንታይ ኢልና ልቦም ክንዝንኖን ከነበርትዖን ንኽእል?ንማልባት እንተተጋግየ ክእረም ድልዉ እየ ።ብዛዕባ እዚ ፍጻመ ኣብተን መንፈሳዉያን ወይ ሃይማኖታዉያን ዝበሃላ ድሕረ ገጻት ብዙሕ ዝተጸሓፈ የልቦን እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን እቲ ተጻሒፉ ዝበሃል ድማ ፖለቲካ ዝዓብለሎ ኮይኑ ረኺበዮ ። ታሪኽ ይመዝግባ ማለተይ ኣይኮነን ዝብል ዘለኹ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዝኾነ መልሲ እንታይ ኮይኖም ዘይሃቡ ማለተይ እየ ።ነቶም ሕቶታት ክምልስ ዝፈተነ ኣሎ’ዶ በሃላይ እየ ፡ነቶም ሕቶታት ኣይሰማዕኩን ዝብል እንተሎ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዘይሰምዐ ክኸዉን ኣለዎ ።
       እንበኣርከስ ንህዝብና ክንበጽሕን ክነጸናንዕን ይግባእ መጽሓፍ ቅዱስ  ንዕለታዊ ናብራና ዝኸዉን  መልሲ ኣለዎ ፡ሰባት ካብ ቤተክርስትያን መልሲ ይጽበዩ እዮም ።ዘመንና ፍልጠት ዝበዝሓሉ ዘመን እዩ ። ብቐሊል ንሰብ ክተረድኣሉ ኣይከኣልን ።ድሕረ ዘመናዉነት ኩሉ ኣንጻር እዩ ዝበሃለሉ ዘመን ኢና ዘሎና ።ሎሚ ፍልጠት ዝዓጠቐ ኣገልጋሊ ይድለ ፡መራሕቲ ሃይማኖት ንህዝቦም ሕትኡ ክምልስሉ ይግባእ ። ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ ይብል እቲ ቅዱስ ቃል ።ኣብ ናይ ከም ላምፖዱሳ ዝኣመሰሉ ትራጀዲ ቅልጡፍ ምላሽ ዝህቡ መራሕቲ ሃይማኖት የድለዩ።ካብ ንሰብ ንኣምላኽ ዝፈርሑ ፡ነቲ ዝተቐበልዎ ሕድሪ ክሳብ ሞት እሙናት ዝኾኑ የድልዩና ።ሎሚ ሃገርና ካብ ተራ ፈኸራ ዝወጸ መንፈሳዊ ኣገልግሎት የድልያ ኣሎ ። እግዝኣብሄር ንሃገርና ኤርትራ ክባርኻ ናይ ሓደ ዘመን ምሉእ ዉግእን ወረ ዉግእን ከምኡዉን ጥሜትን ስደትን ከብቅዕ ከብቅዕ ፡ድሌት እንተድኣ ሃልዩና ኩላትና ንእንገብሮ ዘበለ ብፍልጠት ክንገብሮን ንኹሉ እንገብሮ ዘበለ ድማ ሓላፍነት ክንወስድን ይግባእ ።እግዝኣብሄር ሃገርና ይባርኽ ።እግዝኣብሄር ንህዝቢ ኤርትራ ይባርኽ ኣሜን።      

 

 

No comments:

Post a Comment

ምንባር ምስትንፋስ እንተኾይኑ! ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል

  ‘’ ብዝኾነ ጥንቅቕ በሊ …’’ገና ዘረባይ ከይወዳእኩ መራሒ መኪና ክሳብ ቆጸራይ ዝዉድእ ስድርኡ ኣብ ኣስመራ ስለ ዝቕመጡ ንዕኦም ርእይ ኣቢለዮም ክምለስ ኢሉኒ ከይዱ ነበረሞ፡፡ከም ዝመጸ ምስ ሓበረኒ’የ ነዊሕ ግዜ ከም...