ኣብታ “Lost In Translation” እትብል
ፊልም ፡ኣብ ግዜ ምርኢት ቦብ ንቻርሎተ ኣብ ዓራት ተጋዲሞም ክዘራረቡ
እንከለዉ ቦብ ንቻርሎት ከምዚ ይብላ ‘’ እንታይ ከም እትደሊን
መን ምኻንካ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ብዝፈለጥካዮ መጠን ካብቶም ጸቕጢ ዘምጹኡልካ ነገራት ብዙሕ ትንኪ ’’ይብላ ።ቻርሎተ ብምቕጻል ሰኣሊት ክኽዉን ፈቲነ ግና ኣይከኣልኩን እናበለት ክትኮኖም
ዝደለየት እሞ ግና ዘይከኣለቶም ዘርዘረት ፡
እዚ ልዒልና ዝጠቐስናዮ ሓሳብ ቀሊል ኣይኮነን ፡መን እየ ኣነ ?እንታዩ ድሌተይ
?ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ንኽርከበሎም ግዜ ይወስዱ እዮም።እዞም ሕቶታት
እምልሶም እየ ትብል እንተኾንካ ድማ ወሳኒ ንኽትከዉን ይሕግዙኻ ፡ኣብ
ሂወትካ ጸቕጢ ትቕንስ ፡ድሌትካ ብንጹር ምፍላጥ ብቐሊል ዝመጽእ ኣይኮነን
፡ሓደ መዓልቲ ግና ኣይንምልሶን ማለት ኣይኮነን።
እዚ ናይ ቻርሎተ ጸገም ጥራይ ኣይኮነን ናይ መብዝሕትና እንበር፡መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል’’ድሌትኩም ዘበለስ ብጽሎትን
ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኩሉ ይፈለጥ እንበር ብሓደካ ኣይትጨነቑ’’እንበኣርከስ ድሌት የጨንቕ እዩ?ምድላይ ዘጨንቕ ካብ ኮነ
ትደልዮ ነገር ዘይምፍላጥከ ማዕረ ክንደይ የጨንቕ።ኣምላኽ ድሌትና ክህበና ቃል እትዩልና ኣሎ ፡፡እንተኾነ ግና ድሌትና እንታይ እዩ?
ክነነጽር ይግባእ።እንሓንሳብ ሓዊ ካብ ሰማይ ወሪዱ ነቶም ፍጡራት ክዉድኦም እንልምን ዉሑዳት ኣይኮናን ፡፡በዚ ድማ እትልምንዎ ዘይትፈልጡ
ዓያሹ ንበሃል። ድሌታት ደቅሰብ ገደብ የብሎምን ።ትማሊ ተምሃራይ
ክኽዉን ብዙሕ ዝምነ ዘነበረ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ነጋዳይ ይብለካ ፡ካልእ እዋን ተመሊስካ ምስ እትሓቶ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዙ ሰባኻይ
ክኽዉን ኣምላኽ ጸዊዕኒ ይብለካ፡በዚ ድማ ኩሉ ዊን ዝበሎ ድሌታቱ ይኸዉን እሞ ነቲ ሓደ ከይጨበጠ ግዜ ይሓልፍ ።ብኡ መንጽር ድማ
ኣፍራይነት ኣይህሉን ፡ብሕጽረት ብቕዓት ትሳቐ፡ንገዛእ ርእስኻ ኣይትረብሕን ኣብ ሂወትካ ድማ ጸቕጢ ዝመልኦ ሂወት ክትመርሕ ትግደድ።
ሎሚ ኣብ ስደት ዘሎና መንእሰያት በዚ ሓሳባት
እንሳቐ ዉሑዳት ኣይኮናን ።ገሌና ኣብ ሕሉፍ ሂወትና ገለ ሰረት ዝነበረና ኢና ገለ ድማ ምንም ተመክሮ ስራሕ ኮነ ትምህርቲ ዘይብልና
ኣሎና ።ስለዚ ምስ ዘለናዮ ከባቢ ክንዉሃሃድ ኮነ ኣፍረይቲ ክንከዉን ኣይከኣልናን ።ብርግጽ ናሕና ኤርትራዉያን መንእሰያት ኣዚና
ናይ ስራሕ ሰባት ከም ዝኾንና ማንም ዘይክሕዶ ሓቂ እዩ።ሰሪሕና ንቤተሰብና ኮነ መቕርብና ንሕግዝ።እዚ ድማ ማንም ፍጡር ክገብሮ ቀሊል ዘይኮነሉ ተግባራት ሂወት ሓደ እዩ።ከምዚ ክብል
ኣዝየ እደፍር ምስዚ ሓሳብ ዘይሰማማዕ እንተሎ ይመጉተኒ።እንበኣርከስ ንሕና መንእሰያት ድሌትና እንታይ እዩ?ብምባል ገዛእ ርእስና
ክንሓትት ይግባእ ።ድሌታትና ብምንጻር፡ንድሌታትና ወትሩ ንጽዓር ንዕኡ ንገዛእ።ኣበርቲዕና ድማ ንስራሕ ።
No comments:
Post a Comment