ናብ ፍቑረይ
እታ ብዕለት 10/8/2012 ዝሰደድካለይ ደብዳቤ ኣብ ኢደይ ካብትበጽሕ ንነጀዉ ካብ መተርኣሰይ ኣይፈለኽዋን ፡፡እናሻዕ ጽምዋ ከጥቅዓኒ እንከሎ ኣብ ዓራተይ ተጎንብየ እነባ ትሕዝቶኣ ድማ ኩሉ ግዜ ይሕድሰኒ ምስልኻ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ይቕጀለኒ እሞ ኣዒንተይ ንብዓት ይዛሪ ።ኣበይ እሞ ሎሚ እቲ ጥዑም ግዜ እንተዝምለስ መን ምሃበ ፡፡ዘሕለፍናዮም ዉሑዳት ግን ድማ ምቁራት እዋናት ?ንኽልቴና ካብ ክልተ ምኻን ሓደ ብምግባር ሐቢርና ብዛዕባ መጻኢና ክንሓስብ ዝገበሩ እዋናት።እቲ እካ ዝርኣየና ዝነበረ ብሩህ ተስፋ,ዕዉት መጻኢ,ፍቕሪ ዝመልኦ ሂወት ..ወዘተ ይናፍቕም በቃ ኣለካሙሽ ናፍቖት ።
ፍቑረይ እንታይ እሞ ነዛ መዓስ ከም እንሓድጋ ዘይትፍለጥ ዓለም ፡ነዛ ንሎሚ እካ ምንባርና ርግጽቲ ዘይኮነት ሂወት ፡ከምቲ ዝበሃግናዮን ዝደለናዮን ክይንነብር ጣልቃ ዝኣትዉ ፡ብዝመረጽናልካ መንገዲ ሂወት ኢኻ እትጉዓዝ ፡ዘዋጻካ ንሕና ኢና እንፈልጦ ዝብሉ በዚሖም።ፍቑረይ ኣይተማርሪ ኣይትበለኒ እንበር ነዛ ምንባርና ዝዘርጉ ቀንኣት ስለምንታይ ኪነብሩ ተመሪጹ ?ወዮ ድኣ ፈጣሪ ኩሉ ኣለም ንኹልና ጸሓይ የብርቕ ዝናብ ድማ ይህብ ኮይኑ እንበር ኣነስ እንድዒ።
ፍቑረይ እቶም ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝሰድደካለይ ደብዳቤታት ኣብ ሳንጣይ ኣለዉ ፡ተዘከሮ፡ናፍቕት ፡ዓቕሊ ጽበት ፡እንታይ እሞ ኪብለካ ልበይ የኽብዱለይ ኣለዉ። መጀመርታ ንሓደ ወርሒ ተባሂሉ ወፍሪ ንልምዓት ምስቶም መዛኑኻን መትዓብይትኻን ኪትከይድ ዕልልታ ኣዴታት ኣሰንዩካ ግዲ ኔሩስ ጽባሕ ኪትምለሰኒ ምኻንካ ተስፋ እናገበርኩ ብሓጎስ እፋንየካ ፡ ከመይ ብሓጎስ ዘየፋንወካ ከምቲ ኩሉ ግዜ ትብለኒ ዝነበርካ ካብ ዓድና ድኽነት ጠፊኡ ክተርኢ ባህግኻ እንድዩ ዝነበረ።ቅድሚ ሰብካ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኽድካ ጅግና እንዲኻ።ፍቑረይ እቲ ርህሩህ ልብኻ ነቶም ግዳም ሕደር ዝድንግጽ፡ነቶም ሓረስቶት ዓድና ዘበራትዕ ብፍቕሪ ሃገር ዝነድድ ዝነበረ ልብኻ ሕጂ ኮይኑ ይርኣየኒ።
ፍቑረይ ሎሚ ሎሚ ግና ከርድኣኒ ዘይክኣለ ነገር እንተልዩ ፍቕሪ ሃገር እንታዩ ?ንህዝቢ ዲና ነፍቅር ዋላስ ንመሬት ?ንጎላጉል ጋሽ ባርካ ዲና ነፍቅር ዋላስ ነቲ ሰፊሕ መሬት ጋሽ ባርካ ገዲፉ ኣብ ጎላጉል ሱዳን ስደተኛ ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ?ነዞም ተኣሲርሎም ዘለዉ ሰባት ዲና ነፍቅር ዋላስ ነቶም ተኣሲሮምሎም ዘለዉ ቦታታት?ንቕይሕ ባሕሪ ዲና ነፍቕር ዋላስ ነቶም ኣብ ማኣከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ዘለዉ ሰባት ።ዓድና ድሓን የለዉን ፍትሒ ጠፊኡ ዓመጽ በዚሑ ሰባት መዳሕንቶም ዝተቕብረሉ ዓዲ ግዲፎም ሃጽ ኢሎም እናጠፋኡ ፡ድሃዩ ዘጥፍኣ መንእሰይ እናበዝሐ ፡መርድእ ልሙድ እናኾነ ፡ዝእሰሩ እናበዝሑ ክንሶም ፡መን ከም ኤርትራዊ ሃገሩ ዘፍቅር እናተባህለ ይዝመር ኣሎ ጋይላታት ይዕምር ፈስቲቫላት ድማ ይዕንብብ ኣሎ ።
ፍቑረይ መቸም ፖለቲከኛ ክምዘይ ኮንኩ ልዕሊ ማንም ንስኻ ትፈልጠኒ ይግዳስ ኣብ ዉሽጠይ ኮይኑ ዝህዉኽኒ ተዛረቢ ተዛረቢ ዘብለኒ ሓደ ሓይሊ ድዩ ካልእ ካብዘጥሪ ኣይወሓደን ናይ ዉሽጠይ ዘዕልሎ ድማ ንስኻ ኢኻ ንስኻ ካብ ጎነይ ካብትፍለ ድማ ድሮ ዓመታት ኣቕጺሩ ።እሞ ኣብ ዉሽጠይ ደሎ ኣብዛ ቕንጣብ ወረቐት ጽሒፈ ንፍቑረይ ናይ ልበይ እንተዕለልክዎ እንታይ እዩ በደለይ።ግን ደሓን ኣብ ሰታሪት ዝዕሸግ እንበር ኣብ ምድያ ዝዝርጋሕ ኣይኮነን ኤእ ግና ፈጣሪ ባዕሉ ይባልሃኒ፡፡
ብዝኾነ ናብቲ ነገረ ደብዳቤ ኪመልሰካ ንዓለም ጸባብ ዝገበራ መን እዩ ተዝብሃል ፍቑረይ እዩ ምበልኩ ።ከመይ ዶ? ኢልካ ፍቑረይ።ዘይኣምን እንተሎ ገዛና ይምጻእ መርትዖ ኣሎኒ ።ሓዘኒ መጀመርታ ዝሰደድካልይ ካብ ባድመ ትብል 1998,ድሕሪ እታ ፈላሚት ፍቕርና ዝኾነት ናይ ፍቕሪ ዕድመ ዝሓዘት ሰታሪት ካልኣይቲ ምኻናዩ።እታ ዝሰዓበት ካብታ ጽሓይ ክይበረቐት ክይትተርፍ ትራባረበሉ ዝነበርካ ግንባር እቶም ኣንጻርካ ድማ ‘’ውፍሪ ጽሓይ ብራቕ’’ዝበልዎ ቦታ ኣቤት ዘመን ዘመነ ሓራምዝ ።ድሒርካ ካብ ዓሰብ ,ጸኒሕካ ካብ ተሰንይ,ሳዋ።ካብዚ ሓሊፍካ ኢትዮጵያ,ሱዳን ,ሊብያ,ጣልያን,ደቡብ እፍሪቃ,ብራዚል,ሜክሲኮ,እዛ ሎሚ ኣብ ኢደይ ዘላ ድማ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ።እዚ እቶም ረረጊጽካዮም ትከይድ ዝነበርካሞ ብ ኢንተርነት ዝተራኽብናዮም ግዲፍካ ማለት እዩ።እሞ ኣንታ ፍቑረይ መን እዩ ከማኻ ዓዱ ዘይሩስ ንዓለም ዝዞረ ጅግና።ንዓለም ናብ ቑሸት ዝቐየረ።ፍቑረይ እተን ኩለን ዝሰደድካለይ ደብዳቤ እብ ሳንጣይ ኣለዋ ዘመን እንተጽቢቑ ሓቢርና ዳግማይ ነስተማቕረን ንኽዉን።እታ እንኮ ዉላድና ፊድል ምቑጻር ጀሚራስ ክትነቦ ትዉዕል ኣላ ሕጅካ ክንድየናይ ምስ ዓበየት ግና ዘመን ተጸቢቑ መጽናዕታዊ ወረቕት ኪተቕርበሉ ተስፋ ኣሎኒ ።
ፍትወይ ምስ ተራኽብና እንታይ ከም ዘዕልለካ እንድዒ ሕጂ ኣብ ዉሽጠይ ዘሎ ግና ኣብ ክባብየይ ዝርእ ገዲፈ ሃተዉተዉ ተዘይበልኩ ይሕይሽ እቶም ሂወታዉያን ዝብልዎን ዝገጥሞምን ዘሎ ,እቲ ዝስማዕ ሕሹኽሹኽ ,እቲ ብድሕሪ መጋረጃ ዝዕለል ዕላል እጠቓልል ኣቢለ ክዕልልካ ዓድና ናበይ እዩ ኣንፈታ ?ጽቡቕ ወረ ናበይ ኣበለ?ዝወቀበ ምርኣይ ተሳኢኑ?ኮታ ዕዲ ተስፋ እናተሳእና ይመጽእ ኣሎ፡፡ክይረሳዕክዎ ብቕዳማይ ጋሎበይ በርሀ እታ ምሳኹም ኣብ ኣመሪካ ዘላ ትመጸልካ ዘስርሓቶ ቪላ ኽተመርቖ መጺኣ ዋላ ኣይስለጣ እንበር ክጽብቕ ጉድ እዩ?ኽራይ መኪና ሒዛ ነቶም ኣሕዋታ ናብ ገርግሶም ወሲዳ ኣዛዊራቶም ።ብድሕርዚ ሪታ ጋልና በዛ ቅንኢ ማማ ማማ መዓስ እዩ ባባ መጺኡ ዘዛዉረና እናበለት ድቃስ ከሊኣትኒ እብለካ ። ሓቂ ይሓይሽ እነዉን ተመንየ ግን ንስኻ ክትመጽእ ዘይኮነስ ኣነ ናባኻ ኪመጽእሞ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ንዓድና ተመሊሰ ነቲ ማዳ ዝኾነ ገጸይ ዝልከ ልኻኽየ ክምለስ እሞ ፡ዓድና ጥዑም እዩ ,MY God, oh I love it, ዝብሉን ካልእን ኣብ መንጎ ዘረባይ እናሓወስኩ ዕድና ክምለስ ።ነቲ ተለቪዥን ኤርትራ እተቕርቦ መደብ እናተዓዘብኩ ዓድና ጽቡቕ ኣላ ትምዕብል ኣላ እናበልኩ ኪነብር ።ፍቑረይ የምሕረለይዶ የመስለካ? ጡፍ ጡፍ ኣንታ እንታይ ሰይጣኑ እዩ ሎሚ ሃተፍ ተፍ ዘብለኒ ዘሎ እዚስ ኣይዉዕሎን ንዘረባይ ኣምላኽ ምሕረት ይግበረለይ።እንታ ፍትወይ እዞም ኣብ ዓዲ ወጻኢ ዘለዉ ሃገርና ጽቡቕ ኣላ እናበሉ ዝዛረቡ ኣሕዋትናስ ስለምንታይ እዮም ስለ ሰብ ኪዛረቡ ዘይትሰምዖም? ዘረብኦም ኩሉ ብዛዕባ ጽርግያ፡ዲጋ፡ህንጻ፡ምክልኻል ሃገር ጥራይ መቸም ዓዲ ወጻኢ ነቲ ለዋህ ስለ ሰብ ዚሓስብ ልብኻ ኣይቅይሮን ይኽዉን ፍትወይ ጸሊ ።ዘመኑ ክፉእ እዩ ጸሎት ሃዲእካ ኪትሓስብ ዘኺእል ሓይሊ እለዎ ።ሰብዩ ኩሉ ነገር ።ዋርሳይ ሰብዩ፡ይክኣሎ ፡ሰብዩ,ህዝቢ ኤርትራ ሰብዩ ፡ከም ሰብ ኪነብር ፡ከም ሰብ ኪሓስብ ፡ከም ሰብ ናጽነቱ ዝደሊ ፡ክም ሰብ ሂወቱ ኪመርሕ ዚደሊ ፍጡር ።ፍትወይ ሓደራኻ ነቶም ምሳኻ ዘለዉ ንገሮም እቶም ኣብ ዳህላክ ፡ ዒራ ዒሮ ፡ዓዲ ኣቤቶ፡ማይ ዕዳጋ፡ካርሸሊታት፡ኣደርሰር፡ማይ ሰርዋ፡ሳዋ፡ዓላ፡ክንደይ እሞ ክብል …..በቃ እቶም ምንም ኣበሳ ዘይብሎምን ኣቢሶም ዘተባህሉን ሰባት እዮም። ፍትሒ ይደልዩ።ሕጊ ባዕሉ ክዳንዮም እሞ በደሎም ኪፈልጡ ይድልዩ እትምንታይሲ ሰባት እዮም እሞ ንሕጊ ኪእዘዙ ግድን ስለ ዚኾነ።
ፍቑረይ በል ብዛዕባ እታ ተጠኒሳ እንከላ ዝገደፍካያ ሪታ ጋልና ከዕልለካ ብቐዳማይ ኣብ ቴለቪዥን ኤርትራ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ ግዳም ሓደር ትርእየልካ ብድሕርዚ ማማ ስለምንታይ እዞም ኣብ ገዛዉትና ዘልዉ እብ ቲቪ ዘይንርእዮም ብምባል ሕቶ ኣቕሪባትለይ እነ ፍቕርትኻ እንታይ ኢለ ክምልሰላ ነቲ ዘረባ እጠፋፊአ ናብ ካልእ ኣርእስቲ ።ጋልና ዓለም ለኻዊ ዝኾነ ኣፍልጦኣ ሓያል ኮይና ብዛዓባ ኣብ እስያ ዝተገብረ ኪናት ፡ኣብ ኤዉርጳ ዝተገብረ ሰለማዊ ሰልፊ ፡ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘተግብረ ግብረሽበራ።ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎ ጥሜት ትፈልጦ ።ብፍላይ ብዛዕባ ኣመሪካ ግደፎ እብ ጎደና ዘለዉ ሰባት፡ምንቁልቃል ቁጠባ ኣመሪካ ፡ወራር ኣመሪካ ንዒራቕ፡ኩሉ ክፉእ ዘበለ ናይዛ ዓለምና ትፈልጦ።ሎሚ ሎሚ በዛ ዕንባባ ጋለይ ዉሽጠይ ፍርሃት ፍርሃት ይብለኒ ዘረባኣ ኩሉ ብዛዕባ ጎረባብትና ኾይኑ ፡፡ካብቶም መማህርታ ሓደ ቑሩብ ትጸልኦ እንተረኺባ ወያነ ትብሎ።ንወዲ ሓወቦኻ ብቐዳማይ እዚ ሽጣራ ወያነ ዘይትገድፎ ኢላቶ።እዛ ጋልና ንገዛእ ርእሳ ረሲዓ ክይትነብር እፈርሃላ።ብቐዳምይ ገለ ክፋል ቲቪ ኢረ ክትርኢ ከምዘይብላ ይምዕዳሞ ማማ እዚ እገዳኺ የበርትዓኒ እንበር ኣየመርኪኸንን እዩ በለትኒ።ኩሉ ዘረብኣ ሓደገኛ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ ሃየ ሕዲኡ ግበር ቐልጢፍካ ዝኺፈል ከፊልካ ከምታ ዝወጻኻያ ኣዉጻና ።ግን ድማ ተጨዊና ከይንኽደካ ንፈርህ እብዚ ዓዲ ዝስማዕ ዘሎ ወረ ጥዑም ኣይኮነን ኤርትራዉያን ክፍሊ ኣካላቶም ይሽየጥ ኣሎ ንሰምዕ ኣሎና ገለ ገለ ወረታት ድማ ስድራቤታት ንደቆም ንምዉጻእ ዘለዎም ዘበለ ኩሉ ከም ዝሸጡ ይዝረብ ኣሎ ፡፡ሕሉፍ ሓሊፎም እቶም ነቲ ገንዘብ ዝቕበሉ ሰባት ኣብዛ ምጭዉቲ ኣስመራና ኮይኖም እዮም ይበሃል።ዘይተፈስወ ዘይጭኖ ።
ፍቑረይ እንሓንሳብ ደራሲት ኩኒ ይመጸኒ እብዚ ዓድና ዘለዉ ደረስቲ ኩሉ ጽሑፎም ብዛዕባ ገድሊ ጥራይ ኮይኑ ንዝገበርዎ ቃልሲ ከም ዚኽሓድናሎም ብዛዕባኡ ጥራይ ይጽሕፉ ኣመስጊንና ነመስገንቲ ሂብናዮም ፡ሳዕሲዕና ዘሊልና ።እንካዕ ደሓን መጻኹም ኢልናዮም ክበሩ ክብረት ይሃብኩም ኢሎም ወለዲ መሪቕም።ግና ሃገር ካልእይ መድረኽ የድልያ ኣሎ ናብኡ ተሓጋጊዝና ንሳገር ንብል ኣሎና ።ደረስትና ከረድእዎም ኣይከኣሉን ብርዖም ገና ስለ ሕሉፍ ገድሊ የዘንትዋ ኣለዋ ።እቶም ብርዖም ስለ ሓቂ ከንብዕወን ዝጀመሩ ቤቶም ኣብ ማሕቡስ ኮይኑ ።እቶም ገና ካብ ዛንታ ገድሊ ዘይነቕሑ ዘለዉ ግና ይደርሱ፡ይጽሕፉ፡ይዝይሙ፡ፊልም የሰርሑ ኣለዉ።ዓድና ፍቕሪ ብፍቕሪ ኮይና ኣብቲ መዋዕዉዒ ዝልጠፈሉ ቦታ ምስ እትኸይድ ስለ ፍቕሪ ዝተሰርሐ ፊልም መን ይቑጸሮ ብ ዙ ሕ….።ብዝኾነ ኣብ ዓድና ደራሲ እንተኾንካ ኣብ ክልተ ኣርእስቲ ኢኻ ትደርስ ስለ ገድሊ ወይ ፍቕሪ ፡ነዞም ክልቲኦም ኪትገብርዉን ሓዳስ ኤርትራ ኪተንብብ ወይ ረድዮ ን ቲቪን ኪትከታተል ኣሎካ ምኽንያቱ ዕለታዊ መምርሒ ሂወት ናይ ዕድና ካብኣን ስለ ዝርክብ ።ከመይሲ ‘’serving the truth’’ሳልሰይቲ ረሲዐልካ ስለ ወዲ ኣፎም ኣሃሃሃሃሃ እንታይ ዘኪረ መስለካ ‘’ወዲ መድህን በራድ’’ዝብል ስም ሂበሞ ኣብ ፈይስ ቡክ ነዚ ሓለንጋይ መራሒና ።
ፍቑረይ መቸም ጽሑፈይ ትነቦ ትኸዉን ተዘይ ደኺምካ ቅሩብ ኪዉስኽካ ።ተነበብካዮ ጽቡቕ ተዘይኮይኑ ድማ ከይትቐዳ እቶም ደቂ ገዛኻ የንብብዋ ይኾኑ?ኤእ ረሲዐዮ ቕደዳ ድኣ እቶም ምሳኻ እዚ ኩሉ መከራ ሓሊፎም ዓዲ ሰብ ዝበጽሑ ቀንዲ ደገፍቲ መንግስቲ እዮም እንዶ እይተባህለን በል ሐደራ ብሰላም ኪነብር እየ ዝደሊ ንዓይ ሓስዮም ኣትሒዞም መእተዊ ዓዲ ክይግብሩኒ ።
ፍቑረይ እቶም ኣብ ግዜ ናጽነት እተወልዱ እንበዓል ሓበን፡ደንደን፡ናጽነት፡ሰላም፡ዓወት፡ናብ ስደት ከይዶም ።ነቲ ሸዊት ዕድሚኦም ኣብ ክንዲ ኣብ ጎደና ሓርነት ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት የሕልፍዎ ኣለዉ።
ፍቑረይ ሕጅስ ይኣኽለኒ ምፍልላይ ከቢድ እዩ ።ትጽቢት ነዊሕ ኮይኑ ግና ካብ ሞት ኣይመርርን እዩ ሞት ካልኣይ የብላን ሓደ መዓልቲ ፍቓድ ፈጣሪ ኮይኑ ኪንራኽብ ኢና ።ዕጫ ኤርትራዊት ኣደ ከቢድ እዩ። ኣዴታትና ኩለን ተጽብየን ነቶም ጥልያን ብሓይሊ ዘዓስከሮም ኣቦሓጎታትና፡ነቶም ንስለ ናጽነት ንበረኻ ዘወጹ ኣቦታትና፡ነቶም ተወሪርኩም ተባሂሎም ዝኸተቱ መንእሰያት ሕጂድማ ኣነ ፍትዉትኻን ከምዚ ኸማይ ዝዕጭኣን ኣዴታትን ኣንስትን ነቶም ብስድት ዝተፈልኹምና ንጽበ ነዊሕ ትጽቢት ።እወ ሓደ መዓልቲ እዚ ኩሉ ኪሓልፍ እዩ ሰበይቲ ምስ ሰብኣያ ፡ኣደ ምስ ዉሉዳ ፡ሓዉ ምስ ሓዉ፡ሓዉ ምስ ሓብቱ ፡ዝራኽበሉ ዘመን ቀረባ እዩ።ፍትወይ ባህገይ ኤርትራ ነቶም ነበርታ እተብህግ ዓዲ ሰላምን ፍትሕን ክትከዉን እዩ። kelemawi tekie

1
1
No comments:
Post a Comment