ቀዳማይ ክፋል
ማንዴላ ኪንዚክር እንከለና ብኣፍሪቃዉነቱ ዘይሕብን መን እዩ?ነዚ
ኩሉ ሰብ ዘኽብሮ ዓቢ ሰብ ንምድርና ‘’ዓቢ ኪስተት እዮ:: ‘’ካብ ማንዴላ ብዙሕ ኪንመሃር ንኽእል ። ዓለም ንማንዴላ ኪትስእኖ
ዝተቓረበትሉ እዋን ግና ነይሩ ።እታ ቐዳመይቲ በዓልቲ ቤቱ ኤልቪን ካብ እትኽተሎ ሃይማኖት ዝተላዕለ።
ኤልቪን
ተኽታሊት ሃይማኖት ናይ የህዋ መስኻክር እያ ።እዚ ሃይማኖት ድማ
ንፖለቲካዊ ቃልሲ ቦታ የብሉን።ንሃገርካ ምግልጋል ኣንጻር ንእግዝኣብሄር ምግልጋል’ዩ ዝቑጸር።ምንዴላ ብዛዕባ ‘ቲ ዚኺተልዎ ፖለቲካዊ
ቃልሲ ከረድኡ እንከለዉ ብዓልቲ ቤቶም ድማ ጥቕሚ ሃይማኖት ኪተረድኦም
ትፍትን ።ማንዴላ ንሃገሩ የገልግል ከምዘሎ ክእምና ኪፍትን እንከሎ ንኣምላኽ ምግልጋል እንበር ንሃገር ምግልጋል ዋጋ ከምዘይብሉን
ከምዘየገድስን ትዛረቦ።ምንዴላ ንደቆም ብዛዕባ ፖለቲካዊ ቃልሲ ከረድኡ እንከለዉ ፡ንሳ ድማ በረርቲ ጽሑፋት ናይ መሰኻክር የሃዋ
ኪዝርግሑ ትደሊ ነበረት።ብዝነበረቶ እምነት ኣመልኻኽታ መሰረት ንማዕርነትን
ናጽነትን ፍትሕን ምቅላስ ንእግዝኣብሄር ምግልጋል ኣይኮነን ።ንእግዝኣብሄር ምግልጋል ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ጥራይ ዝተሓዝእ እዩ።በረኣእያ
ኤልቪን።
ፍልልያቶም እናሰፍሓ ኪኽይድ እንከሎ ማንዴላ በቲ ጨቃኒ ስርዓት ኣፓርታይድ
ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣተወ ።ድሕሪ 15 መዓልቲ ብ ዋሕስ ኪፍታሕ እንከሎ ፡ኤልቪን ደቃ ብምሓዝ ንገዝኣ ገዲፋ ወጸት መጋረጃ ናይ መስኮት ከይተረፋ
ተማልአቶ።
ሎሚ ኪርአ እንከሎ ፡ናይ በዓልቲ ቤቱ ወጋኒ ፖለቲካ ዝኾነ ሃይማኖት ኢድ
ከይሃቡ ፡ንናጽነት ጸለምትን ማዕርነት ድቂ ሰባትን ብዝገበርዎ ቃልሲ ንእግዝእብሄር ኪነመስግን በቒዕና ።
ማንዴላ ንፍትሕን ማዕርነትን ብዝገበርዎ ቃልሲ ን 27 ዓመታት ኣብ ቤት
ማእሰርቲ ከም ዚሳቐዩ ጌርዎም።ኣብ ሮቢን ደሴት ከለዉ ካብ ኤሜሪካ ዝመጹ ጋዜጠኛታት ኣዛሪቦሞም ነይሮም ፡ማንዴላ ዕጥቃዊ ቃልሲ
ደጋፊ ብምንባሮም ናይ ዋሽንግቶን ፖስት ጋዜጠኛታት ኮምኒስታዊ ግብረ ሽበራ እንበር ክርስትያን ከምዘይኮኑ ቆጸርዎም ።ማንዴላ ግና
‘’ክርስትያን ከም ዝነበሩን ኩሉ ግዜ ዉን ክርስትያን ኮይኖም ከም ዝነብሩ’’ ገሊጸሎም ይብሉ። ዕጥቃዊ ቃልሲ
ዝገብሩ ድማ እማራጺ ስለ ዝሰኣኑ ምኻኖም ኣረዳኡ።’’ክርስቶስ ከማን እማራጺ ስለ ዘይነበሮ ነቶም ሸየጥቲ ካብ ቤት መቕደስ ንምዉጻእ
ሓይሊ ተጠቂሙ ፡ነሱ ናይ ህዉከት ሰብ ኣይነበረን ፡ነቲ ክፉእ ንምቅዋም ግና ሓይሊ ካብ Mጥቃም ንላዕሊ ኣማራጺ ኣይነበሮን ‘’ይብሉ።በጀካ
ማንዴላ ፊደል ካስትሮ ‘ዉን እዚ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ /የሃ 2.13-22/ምስ ሓይሊ ምጥቃም ኣተሓሒዞም ይርእይዎ።ኮይኑ ግና ምስ
ሓይሊ ምጥቃም ኮነ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምክያድ ንክርስቶስ ምትሕሓዝ ቅኑዕ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣተረጋግማ ኣይኮነን።
ካልእ ክርስትያን
ተቓላሲ ማርቲን ሉተር ኪንግ እዩ ።ንሱዉን ብናይ ጸለምቲ ሃይማኖትነት ተሸጊሩ ነይሩ ።ጸለምቲ መዝሙርን ምስቲ መዝሙር ሓቢርካ ኣካላዊ
ምንቅሰቃስ ምግባርን ከምዘዘዉትሩ ይፍለጥ።ካብዚ ዝሓለፈ ተግባራዊ
ምንቅስቓስ ግና ኣይነበሮምን ንፍትሕን ማዕርነትን ምቅላስ ብዙሕ ኣይፈልጡን ።ስለዚ ማርቲን ሉተር ብዛዕባቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ናይ ናጽነትን ማዕርነትን ቃልሲ ኪገልጽ እንከሎ’’እንኮላይ ኣብ ናይ
ጸለምቲ ሃይማኖት ስምዒት እየ ዓሚጸ ፡እይተርድኣንን የሕፍረኒዩዉን ፡ብሓቂ ሃይማንት ማዕረቲ ኣብ እግርናን ቅልጽምናን ዘሎ ሓይሊ
ኣብ ልብናን ነፍስናን ዊሽጢ እንተዝህሉ ዓለም ምቐየረ’’ኢሉ።
ሙሉእ ወንጌል ንኹልንትና ደቂ ሰባት ግዲ ይብሎ።ስለዚ ሰብ ነፍሱ ተዲሒኑ
፡ንኻልኦት ጉድለታት ጉዳይካ ከምዘይኮነ ምሕሳብ ናይ ክርስቶስ ግዝኣት ስፍሓቱ ካብ ዘይምፍላጥ ወይ ምርዳእ ይምንጩ።ክርስቶስ ናይ
ሰባት መንፈሳዊ ናብራ ጥራይ ዘይኮነ ፡ፍትሕን ማሕበራዊ ማዕርነትን ይምልከቶ እዩ።’’ጎይትነት ክርስቶስ ኣብ መላእ ዓለም እንበር
ኣብ ቤትክርስትያን ዝተሓዝእ ስለ ዘይኮነ ‘’። ቤትክርስትያን ካብ ገዛእ ርእሳ ሓሊፋ ንድምጺ ዘይብሎም ተዛራቢት /ድምጺ/፡ንድኹማት
ደጋፊት ፡ኣፍ ንዘይብሎም ተማጋቲት ኪትከዉን ኣለዋ።ናይ ፖለቲካን ስነ ሃይማኖትን ምሁር ዝነበሩ ኣብርሃም ኩፐር ከምዝብልዎ ‘’there is not a single inch of which Christ
the lord does not claim as his own’’abrham kuper’’ ።ስለዚ ክርስትና ንፍትሕን ማዕርነትን ካብ ምቓም
ኪፋታሕ ኣይኪእልን ።ወንጊል እዚ ኩሉ ዘጠቓልል ሰፊሕ ግዝኣት ዘለዎ ናይ ኩሎም ደቅሰባት መድሕን እዩ።
ነዚ ብልቢ
ምእማን ጥራይ እኻሊ ኣይኮነን ፡ካብ ኣፍ ካብ ምዝራብ ሓሊፉ ተግባር ይሓትት ።ስለዚ ቤትክርስትያን ካብ ግለ ሰብ ምድሓን ሓሊፋ
ንዘላቶ ሰፊሕ ማሕበረሰብ ሸኽም ኪህልዋ ይግባእ።ከምዚ ሎሚ እንርእዮ
ዘሎና እብ ዉሽጢ ሕብረተሰብ ፍትሕን ማዕርነትን ምስኣኑ ዘየተሓሳስቦ ትኩረቱ እብ ግላዊ ዓወት ጥራይ ዘተኮረ ክርስትና ጥዕና
ዘለዎ እይኮነን ‘’ኣብ ዉልቃዉነት ዘተኮረ ክርስትና ኣብቂዕሉ እዩ።
ዶክተር ማርቲን ሉተር ኪንግ ተስፋ ቆሪጾም ኣብ ዚነበርሉ ግዜ ድምጺ
ጎይታ ከም ዚሰምዑ ይዛረቡ ።’’ማርቲን ሉተር ንጽድቂ ደዉ በል ፡ንፍትሒ ደዉ በል፡ንሓቂ ደዉ በል ፡ኣነዉን ክሳብ መወዳእታ ዓለም
ምሳኻ እየ።’’ዝብል ድምጺ።ስልዚ እዞም ሰባኺ ነዚ ዕላማ ጸኒዖም ብምቅላስ ለዉጢ ኣምጺኦም ።ኣብቲ ዚጀመርዎ ቃልሲዉን ኣብያተ ክርስትያናት
ዓቢ ግደ ነይርወን።
ሎሚ ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናት ምስ እንዕዘብ ብፍላይ ናይ ሃገርና ናይ
ኣመንቲ ሂወት ብምስትኽኻል ጥዑያት ዜጋታት ንክኾኑ ካብዝገብርኦ ጻዕሪ
ዝሓለፈ ወጻኢ ቤትክርስትያን ኣብ ናይ ሃገርና ፖለቲካን ማሕበራዊ ተሳትፎን ጎሊሑ ዝርእ ኣበርክቶ የብለንን።
ካብ ገዛእ ርእስና ወጻኢ ዘሎ ዘይፍትሓዉነትን ስእነት ናጽነትን ዝስመዓና እይመስልን ?ዘይፍትሓዉነት ኣብ ዝነገሰሉ ፡ብዛዕባ
ህዝብን ሃገርን ጥዑም ወረ ኣብዘይንስምዓሉ እዋን ከይተሸገርና ‘’ነምልኽ ‘’ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ተተላዒሉ ‘’ንጸልየሉ’’ዝበሃል
መልሲ ይህልወና ጸሎት ካብ ተግባር ንሃድመሉ ሰበብ ተገይሩ ይዉሰድ ።ብርግጽ ሓደ ሓደ ስለ ፍትሕን ማዕርነትን ብኣዝዮም ዉቅባት
ቃላት እንተጸለና ‘ካ ተግባራዉያን ግና ኣይኮናን ።ዋጋ ክንከፍል ድልዋት ኣይኮናን ።ንምኻኑ ምንጪ ናጽነትን ፍትሕን ምዕርነትን
ክምኡዉን ኣብ ኩሉ ጎይታ ዝኾነ እግዝኣብሄር ጎይትነቱ ብመንገዲ ቤተክርስትያን ንኹሉን ኣብ ኩሉን ከይግለጽ ሓጹር ዝገበርናሉ ብምንታይ ምኽንያት እዩ?ናይ ሃገርና
ቤትክርስትያን ካብ ሃይማኖት ሓሊፋ ከይትዘልል እንታይ እዩ ሓኒቕዋ ?ኣብ ጉዳይ ሃገርና ብማዕዶ ናይ ምምልካት ሕማም ዝሓዘና ስለምንታይ
እዩ?ፍትሒ ክሰኣን እንከሎ ዘየሕመና እንታይ ስለ ዝኾና ኢና ? ይቕጽል
No comments:
Post a Comment