Saturday, April 19, 2014

ምስ ሰባት ብኽመይ ሓቢርካ ምንባር ይከኣል?

ምስ ሰባት ብኽመይ ሓቢርካ ምንባር ይከኣል?
         እዚ መሪጸዮ ዘለኹ ኣርእስቲ፡ምስ ሰባት ሓቢርካ  ናይ ምንባር ጉዳይ ብላዕሊ ላዕሊ ክንርእዮ እንከለና ።ናይ ጽሉላት ሕቶ ኮይኑ ክስምዓና ይኽእል እዩ።ኮይኑ ግና ኣስፊሕና ምስ እንዕዘቦ ዋላ’ካ ሰባት እንተኾንና ኣብዚ ሎሚ እዋን ምስ ሰባት ተሰማሚዕካ ምንባር እናሸገረና ካብ ቤተሰብ ተበጊስና ክሳብ ዓለም ለኻዊ ጉዳያት ዓቢ ጸገም ክኸዉን ንዕዘብ ኣሎና።ሓደ ሓደ ምሁራት ወድሰብ ማሕበራዊ እንስሳ ከም ዝኾነ ይዛረቡ ።ናይ ግድን ንምንባር ኢሉ ምስ ዝመስሎ ሓቢሩ ይሰርሕ።ደቅሰባት ድማ ብባህርያትና  ዝተፈላለና ስለ ዝኾና ብሰላም ንምንባር ዘለዎ ፍልልይ ሒዙ ተኽኣኢሉ ሂወቱ ክመርሕ ይግብኦ። ኣብ መንጎና ግጭት ክፈጥሩ ዝኽእሉ ከይንሰማማዕ ዝገብሩ ብዙሓት ነገራት ይህልዉ።ነዞም ነገራት ብጥበብ ምሕላፍ ድማ እቲ ቅንዲ ምስ ሰብ ናይ ምንባር ጥበብ እዩ።ሎሚ ኣብ ሓደ ቤተሰብ ዘይምስምማዕ ነጊሱ ትረኽቦ።ካብቲ ቤተሰብ ወጺኻ ምስ ጎሮባብቲ እዚ ሽግር ትግንዘብ።ብምቕጻል ሃገራት ንሓድሕደን ግጭትን ዘይምርድዳእን ወሪስወን ክወናጀላን ክጻረፋን ካብ እንዕዘብ ነዊሕ እዋን ኮይኑ ኣሎ።ሓደ ሓደ እዋን ወድሰብ ብባህሪኡ  ነብሰ ፍትወት ዘጥቕዖ ፍጡር እዩ። ናይ ገዛእ ርእስና ሂወት ብዝጠዓመና መንገዲ ምምራሕ እንበር ብዛዕባ ካልኦት ፋዕራ የብልናን።እዚ ኩነታት እዩ እንበእር ሎሚ ምስቶም ዝመስሉና ሰባት ብሰላም ከይንነብር ዕንቅፋት ዝኾነና ።እስከ ንሎሚ ገለ ነጥብታት ክንርኢ ኢና።
          ሓደ ሓደ እዋን ዝደለናዮም ነገራት ማለት መኪና ፡ገዛን ግንዘብን ካልኦት ነገራትን ምስ እንረክብ  ንበይንና ካብ ሰብ ተነጺልና ብሓጎስ እንነብር ኮይኑ ይስምዓና ።እዚ ግና ፍጹም ካብ ክዉንነት ዝርሓቐ ትጽቢት እዩ ።ሊንዳ ፊልድ ፍልጥቲ ናይ ስነ-ልቦና ምህርቲ እያ ፡ንሳ ከም እትነግረና እንተኾይኑ ምስ ሰባት ሓቢርካ ምስራሕ ፡ምንባር ዓቢ ናይ ሓጎስን ዕግበተን ከም ዝኾነ ትዛረብ ።’’ንሰብ ሰብዩ መድሃኒቱ ‘’ክበሃል ሰሚዕና ኣይንፈልጥን?ብቕልል ዝበለ ምንገዲ ሓቢርካ ንምስራሕ ሓቢርካ ምንባር የድሊ ።እዚ ሓቢርካ ምስራሕ ድማ ዝያዳ ዕዉትን ዉጽኢታዉን ንኽኸዉን ኣብቲ ዉሽጡ ሰላም ክህልዎ ይግባእ።ዋላ’ካ ፍልልያት እንተሃለዉና ኣዚ ፍልልይና ብገዛእ ርእሱ ንሂወት ሕጉስቲ ካብ ዝገብርዋ ነገራት ሓደ ክኸዉን ይግባእ እንበር ንዘይምስምማዕና ምኽንያት ክኸዉን ኣይግባእን ።ካብዚ ብምቕጻል ኣብ ዝኾነ ቦታ ሓቢርና ኣብ ንሰርሓሉ ኮነ ምስ ኣዕርኽትና ምስ ቤተሰብን ሕብረተሰብን ሓቢርና ክንነብር ኮለና  ተሰማሚዕና ክንነብር ዘኽእሉና ነጥብታት ክንርኢ ኢና ።
1.ኩሉ ግዜ ጽቡቕ ጎንኻ ደፊርካ ምርኣይ፦
     ሓደ ሓደ እዋን ዘሎና ጽቡቕ ጎኒታት  ክንገልጽን  ንሰባት ንምርኣይ ኣይንደፍርን። እዚ ናይ መብዝሕትና ሽግር እዩ።ዘለና ጽቡቕ ጎኒ ንምርኣይ ብገዛእ ርእስና ክንተኣማመን ይግብኣና ።እዚ ክንገብር እንከሎና ግና ስርዓት ብዘለዎ ምንገዲ ይኹን  እዚ ተግባርና ልዑል ዝኾነ ኣወንታዊ ምላሽ የጎናጽፈና ።ካልኦት ኣባና ዘለዎም ኣመለኻኽታ ዝተማልአ ግልጽን ኣወንታዉን ከም ዝኸዉን ይገብሮ ።ሓደ ሓደ እዋን እቲ ቅኑዕ ዝኾነ መንነትና ኣብ ዉሽጥና ቀቢርና ብምሓዝና ካልኦት ኣባና ዘለዎም ኣመለኻኽታ ዝተሰሓሓተ ንኪኸዉን ይገብሮም ።ስለዝኾነ ክኸዉን ዘለዎ ቅኑዕ መንገዲ እቲ ቅኑዕ መንነትና ንኻልኦት ምፍላጥ ኣድላዩ እዩ።
2.ግዳይ ዘይሙኻን [victim]፦እዚ ድማ ቀንድን ዓብን ሕማም እዩ ።ምንም ነገር ምስንገብር ሰባት ንዓና ጽቡቕ ዝኾነ ምላሽ ከም ዝህቡና ንሓስብ።ገዛእ ርእስና ኮነ እነቕርቦም ሓሳባት ጠቐምቲ ከም ዘይኮኑ ንሓስብ እንተኾንና እዚ ንባዕሉ ምስ ሰባት ጥዑይ ዝኾነ ዝምድና ከይህልወና ይገብር።ኩሉ ግዜ ንገዛእ ርእስና ዘሎና ኣመለኻኽታ ኣወንታዊ ይኹን ካብ ካልኦት ድማ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ንጸበ።
3.  ንገዛእ ርእስናን ንሓሳብናን ክብሪ ምሃብ፦ልዑል ዝኾነ ርእሰ ተኣማንነት እንተሎና ብቐሊሉ ክብርን ናይ ካልኦት ሓገዝን ክንስሕብ ንኽእል።እዚ ምስ እንገብር ልዒልና ዝጥቕስናዮም ናይ ተጎዳእነት [ግዳይ ሙኻን ]ነብሰ ምትሓት ካባናን ካብ ከባቢናን ይርሕቕ።
4.ዶብና ክሳብ ኣበይ እዩ፦ሊንዳ ፊልድ ‘’ሓደ ሰብ ምስ ካልእ ሰብ ሓቢሩ ክነብር እንከሎ ምስቲ ሰብ ክሳብ ኣበይ ሓቢሩ ከም ዝጉዓዝ ክዉስን ይግባእ።ካልኦት ሰባት ምሳኻ ክሳብ ኣበይ ደርጃ ሓቢሮም ከም ዝጉዓዙ ወስን ።እዚኦም ድማ መንፈሳዊ፡ኣእሙራዊ፡ኣካላዉን ዝኾኑ ነገራት የጠቓልሉ’’ትብል።እንበኣርከስ ዶብና ብዝህልወና ኣካል ፡ቓንቓ፡ቃላትን ኣመለኻኽታን ኣንጻር ክንዉስን ከም ዝከኣል  ፊልድ ትዛረብ።
4. ተጸዋርነት ምምዕባል [ነገራት ክኢልካ ምሕልፋ]ምስ ሰባት ሓቢርካ ምንባር ካብ ዘኽእሉና ባእታታት ሓደ እዩ።ካብ ሰባት ኩሉ ግዜ ጽቡቕ ነገር ክንረክብ ንኽእል ኢና ፡ኣሉታዊ ዝኾነ ነገር ክገጥመና እንከሎ ነዚ ነገር ተዓጊስካ ምሕላፍ ዓቢ ጥበብ እዩ።እቲ ሓደ ሓዊ ኮይኑ ክመጽእ እንከሎ ንሕና ድማ ማይ ኮይንና ኣብ ክንዲ ምጽናሕ ‘’ሳዕሪ’’ኮይንና ንጸንሕ።ንኽፋእ ብሰናይ ምስ እንስዕሮ ዜሩ ዜሩ ተጥቀምቱ ንሕና ኢና ።
6.ጽቡቕ ዝኾነ ናይ ምርዳእ ክእለት፦ምናልባት ዝምድና ምስ እንብሎ ዝያዳ ከረዳድኣና ይኽእል።ናይ ምርድዳእ ክእለት ክንብል እንከሎና ዘለና ዝምድና ብምግዳብ ናይ ምእማን ክእለትና ምቕጻል ማለት ኣይኮነን ።ዝምድና ክልዓል እንከሎ ሓደ ነጥቢ ይዓል እዚ ድማ ናይ ምስማዕ ክእለት እዩ።ካልኦት ክዛረቡ እንከለዉ ብዝግባእ ምስማዕ ሰናይ ዝኾነ ምርድዳእ ክፈጥር ይኽእል።’’ብዝግባእ ስማዕ ሓድሽ ማዕጾ ክኽፈተልካ እዩ ሎሚ ስማዕ’’ትብለና ሊንዳ ፊልድ።
7. ክንብሎ ዝደለና  ሓሳብ ብቐጥታ ምባል፦ ቀጥታዊ ኩን ሰባት ምሳኻ ኣበይ ደው ክብሉ ከምዘለዎም እንተፈሊጦም ዓቢ ኣድናቖት የጎናጽፉኻ። ትብለና ሊንዳ ፊልድ። አንዛረቦ ዘረባ ብቐጥታ ኣብ ክንዲ ምዝራብ ኣብቲ እንደልዮ ነጥቢ ኣከባቢ ዕንክሊል ንብል እንተኾንና ትርፉ ግዜ ምብኻን ጥራይ ዘይኮነ ካልኦት ሰባት ኣባና ዘለዎም ኣመለኻኽታ ዝተዛብዓ ከምዝኽውን ይገብሮ። ብዛዕባና ክፈልጥዎ ዝግባእ ነገር ከይፈለጡ ወይ ከይረኽቡ ከምዝተርፉ ይገብር። ስለዚ ዝደለኻዮ ነገር ንምርካብን ብቐሊሉ ንምርዳእን እንተ ደሊኻ  ነገራትካ ብግልጽን ብቐጥታን ይኩን።
8. ቀዳማይን  ቀንድን መወዳእታን ነገር ሰብ ከምዝኾነ ሕሰብ፦ ኩሉ ጊዜ ንሰባት ምቕዳም ዓቢ ቦታ ኣለዎ፡ ዘለና ገንዘብ፡ ንግዲ፡ ካልእን ጠቐምቲ ከም ዝኾኑ ኣይሰሓትን። ካብዚኦም ኩሎም ግና ሰብ ይበልጽ። ሊንዳ ከም እትብሎ ምስ ሰባት ሓቢርካን ተሓባቢርካን ብሰላም ምስራሕ ቀንዲ ናይ ሕጉስ ሂወት መሰረት ኢዩ።
      እስኪ ኩላትና ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ፡ ታክሲ ፡ፌርማታ ወይ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝገጠሙና ኣሸገርቲ ኩነታት ንሕሰብ። ኣሸገርቲ ኩነታት ክሓልፉ ዝኽእሉ ሰባት ብገዛእ ርእሶም ዝተኣማመኑ (ርእሰ ተኣማንነት) ገዛአ ርእሶም ንምኻን ሙሉእ ናጽነት ዝስምዖም እዮም። እሸጋሪ ኩነታት ሰጊሮም ዝሓልፉ ሰባት ብሩህ ኣእምሮ ዘለዎምን ካብቲ ከቢቡዎም ዘሎ ጸልማት   እቲ ብማዕዶ ዝረኣዮም ብርሃን ዝርእዩ እዮም። ገለ ገለ ድማ ብዛዕባ ጸገማቶም ይሓስቡ። ሓደ ነገር ምስ ዝሰርሑ ሕማቕ ነገር ክኽሰት ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም ።  እዚ ድማ ካብ ብዙሕ ነገር ክምንጩ ይኽእል።

 እዞም ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮም ነጥብታት ምስ ኩሉ ሰብ ዘለና ዝምድና ጥዕና ክህልዎ ይሕግዙና ይኹን እንበር ሰባት ብዛዕባይ እንታይ ይብሉ? ኢልና ሓሳብና ካብ ምዝራብ ንቑጠብ እንተኾይንና ፡ ናይ ርእሰ ምትእምማንና ብቕዓትና እንተወሪዱ ፡ንገዛእ ርእስና ዘሎና ኣመለኻኽታ ትሑት እንተኮይኑ ካብ ሰባት ዝወሃበና ኣሉታዊ ዝኾነ ሓሳብ ዘይንቕበል ነቐፌታ ንፈርሕ እንተኾይንና ምስ ካልኦት ሰባት ብሰላም ክንነብር ይኸብደና። ስለዚ ኩሉ  ጊዜ ኣወንታዊ ዝኾኑ ነገራት ንሕሰብ ሽዕኡ ምስ ሰባት ዘሎና ዝምድና ጥዕና ዘለዎ ይኸውን።

Wednesday, April 2, 2014

''ክርስትያናዊ ሕብረት ምዕባይን ምኹስካስን '' ካልኣይን መወዳእታን ክፋል


2.  ክርስትያናዊ ሕብረት ንምኹስካስ ትሕትና ይሓትት/Humility/   ካልኣይን መወዳእታን ክፋል

     ገዛእ ርእስኻ ዓቢ ጌርካ ምቑጻር ንሕብረትና ዘዕንዉን ዘበላሽዉን እዩ ፡ናተይ ሓሳብ ጥራይ ይሰማዕ  ዝብሉ ደረቕ ኣበሃህላታት ትዕቢትን ኩርዓትን እዮም ።ኩርዓት ኣብ ሰባት መንደቕ[ሓጹር] ይሰርሕ  ትሕትና ግና ድልድል ብሙኻን የራኽበና ።ኣብ ሕብረት ከም ቅብኣት ጌሩ ዘለስልሰና ትሕትና እዩ።ኣብ 1ጴጥ 5.5’’ኣቱም መንእሰይ ከምኡ ነቶም ዝዓብዩኹም ተገዝእዎም ።ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓቶም ንትሑታት ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ ፡ኩላትኩም ንሓደሕድኩም መታን ክትገዛዝኡ ትሕትና ተዓጥቑ’’።ይብል።ስለዚ ንሕብረት እቲ ትኽክለኛ ልብሲ ትሕትና እዩ ።ትሑታት ንኸዉን ትዕቢት ኣብ ሂወትና ናይ እግዝኣብሔር ጸጋ ስለ ዝዓጹ እዩ።ንትሑታት ግና እግዝኣብሄር ጸጋ ይህብ ።ናይ እግዝኣብሄር ጸጋ ንምዕባይ፡ንምቕያር ፡ንምፍዋስ፡ንኻልኦት ክንረድእን ይሕግዘና ፡ናይ እግዝኣብሄር ጸጋ እንቕበሎ ብትሕትና ‘’የድልየና ‘’ኢልና ብምእማን ንእግዝኣብሄር ብምጽባይ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህረና ሰብ ኣብ ኩርዓት[ትዕቢት]ክኸዉን እንከሎ ምስ እግዝኣብሄር ብኣንጻር[ተቓራኒ]ኣሎ ማለት እዩ።እዚ ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ።
ትሕትና እብ ሂወትና እነእንግደሎም መንገድታት፦
ሀ,ድኹም ጎንኻ ፈሊጥካ ድኻምካ ምቕባል

ለ, ድኻም ካልኦት ምዕጋስ
ሐ, ክትእርምን ክትእረምን ምድላዉ

    ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣብ ሮሜ 12.16’’ንሕድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ ፡ምስቶም ትሑታት ትሕት በሉ እንበር ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተዉድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይትሕሰቡ’ይብል።ኣብ ፊሊጲ 2፡3-4’’ሓንቲ እካ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንዉዳሴ ከንቱ ኣይትግበሩ ፡ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ’’።ይብለና ።ትሕትና ንገዛእ ርእስኻ  ኣትሒትካ ምርኣይ ኣይኮነን ።ትሕትና ብዛዕባ ነብስኻ ብዙሕ ዘይምሕሳብ ኢዩ።ትሕትና ንኻልኦት ብዙሕ ምሕሳብ ኢዩ።ትሑታት  ሰባት ኣተኩርኦም ንኻልኦት ምግልጋል ኢዩ።ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ኣይጭነቑን ኢዮም (ብዙሕ ኣይሓስቡን)።

 3.ክርስትያናዊ ሕብረት ንምኹስካስ ንኻልኦት ኣሕዋት ምኽባር ይሓትት /courtesy/
       ኣብ ሓደ ሕብረት ንዘሎ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ክነኽብሮ ይግብኣና። ናይ ካልኦት ስምዒት ክንሕሉ ግድን ኢዩ ።ንዕቤት ማሕበርና  ገለ ዘዕገርግሩና ሰባት ክንዕገሶም ይግብእና።’’ እምብኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንና፡ ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር፡ ንርእስናውን ባህ ከይነብል፡ ይግብኣና እዩ። ከምቲ ጽሑፍ፡ ጸርፊ እቶም ዝጸረፉኻ ኣባይ ወደቐ፡ ዚብል፡ ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብል ኣይደለየን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ንብጻዩ ምእንቲ ኽሃንጾ፡ ብሰናይ ነገር ባህ የብሎ።’’

 ሮሜ 15፡1-3 ‘’ ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ክዀኑ ኣዘክሮም’’ይብለና ። ቲቶስ 3:2 ለውሃት ማለት ዕሽነት ኣይኮነን።ኩሉ ከም ዝደለዮ ዝገለባብጦ ኣይኮነን።ለውሃት ብትዕግስቲ ብፍቕሪ ምዝራብ ፡ዝተሸገረ ምርዳእን ግርህነትን እዩ ዘመልክት።

       ኣብ ዝኾነ ሕብረት ወይ ቤተክርስትያን ኩሉ ግዜ ውሑዳት ኣሸገርቲ ሰባት ክነብሩ ይኽእሉ ኢዮም።ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ዝኾነ ሽግር ክህልዎም ይኽእል እዩ።ዘፍርሖም ነገር ክህልዎም ይክእል እዩ። ቀልጢፍካ ናይ ምሕራቕ [ምብስጫዉ] ባህሪ ኣለዎም።ምስ ሰብ ሓቢሮም ናይ ምንባር ክእለት ይጎድሎም ይኸውን።ምስ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ንክትረዳዳእ  ጸጋ የድሊ  ።እግዚኣብሄር ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ኣብ መንጎና ዝገብሮም ንኣናን ንዕኦምን ጥቕሚ ኢዩ።ንምዕባይ (ንዕኦም ኮነ  ንዓና ) ጽቡቕ እዩ።ንሕብረት ድማ መፈተኒ እዮም።ስለዚ ከምዚኦም ዓይነት ኣሕዋትን ኣሓትን  ብፍቕርን ብኽብርን ክንሕዞም ይግብኣና  ።ኣብ ሓደ ስድራ ቤት ምቅብባል ዝህሉ ጎበዝ ወይ መልክዓኛ ጓል ስለ ዝኾኑ ኣይኮነን።ከምኡውን ፍሉይ ክእለት ስለዘለዎም ጥራይ ኣይኮነን።ናይቲ ስድራ ቤት ኣካል ብምኳኖም ጥራይ ይፋተዉ ይተሓቛቐፉ ንክፉእ ድማ ሓቢሮም ይከላኸሉ።ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ ይብል ። ሮሜ 12:10 ካብቲ ዘሕዝን ግና ከምዚ ኣብ ብዙሕ ሕብረታት ስለ ዘይርከብ እዩ።ብንጻሩ ፍልይ ዝበለ ብህሪ ንዘለዎም ሰባት ምግላል ይርአ። ኣብ ሕብረት ግድን ኩሉ ተመሳሳሊ ይኹን ኣይበሃልን እዩ ።ሕብረትና ምስ እግዚኣብሄር ብዘለና ርክብ ስለ ዝኾነ ሓደ ቤተ ሰብ ኢና።

    ንምክብባር ሓደ መንገዲ ሰባት ካበይ ከም ዝመጹ ክንፈልጥ ይግባኣና።ምስክርነት ሂወት ብዝግባእ ክንፈልጥ ኣለና ።ዝሓለፎ ሂወት ምስ እንፈልጥ ርህሩሃት ክንከዉን የኽእለና ።ጾሩ ክንስከምውን ንኽእል።ካልእ ንምክብባር ቁልፊ ዝኾነ ድማ ጥንካረ ሰባትን ፍርሆምን ዘይምርኣይ።ንስኻ ስለ ዘይፈራሕካ ናይ ካልኦት ስሚዒት ሓሶት ክኸውን ኣይክእልን እዩ።ትኽክለኛ ሕብረት ዝህሉ እቶም ኣባላት ጥርጣረኦምን ፍርሖምን ሰብ ከይብለኒ ከይበሉ ክገልጹ እንከለው ኢዩ።

4.ክርስትያናዊ ሕብረት ንምኹስካስ ናይ ካልኦት ምስጢር ምዕቃብ ይሓትት (confidentiality ) 

    ሰባት ውሽጦም ገሊጾም ጉድኣቶም፡ ድሌቶም ፡ጌግኦም ፡ንሕብረት ከካፍሉ ዝኽእሉ ሽግረይ ከካፍሎም እንከለኹ ፡ይቕበሉኒ፡ ይርድኡለይ፡ ምስጢረይ ይዕቅቡለይ እዮም ኢሎም እምነት ክህልዎም እንከሎ ጥራይ እዩ።ምስጢር ምዕቃብ ማለት ሓንቲ ካብ ሓብቲ ወይ ሓው ሓጥያት ክሰርሑ እንከለው ስቕ ኢልካ ምርኣይ ኣይኮነን።ኣብ ሕብረት ዝተነግረ ምስጢር ካብቲ ሕብረት ከይወጽእ ምጥንቃቕ የድሊ።እቲ ሕብረት ነቲ ሽግር ክፈትሖ ኣለዎ እንበር ንወረን ንሕሜትን ክኸውን የብሉን።እግዚኣብሄር ሕሜት ይጸልእ እዩ።ብፍላይ ብጸሎት ኣምሲልካ ዝቐርብ ሕሜት እግዚኣብሄር ይጽየፎ እዩ።’’እስኪ ብዛዕባ ኩስቶ ንጸሊ ድኻም ኣለዎ ‘’ ተባሂሉ ዝውረ ሕሜት እግዚኣብሄር ይጽየፎ እዩ።ጠዋይ ሰብ ቔየቛ ይዝርግሕ ሓማዪ ኸኣ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም ይብል።ምሳሌ 16:28 ሕሜት ይጎድእ እዩ ምፍልላይ የምጽእ።ሕብረት የበላሹ።ቃል እግዚኣብሄር ንሕብረት ብሕሜት ዝፈላልዩ ፊት ንፊት ክዛረቦም እንከሎ ነቲ ሻረኛ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ጥፉእ ምዃኑ ባዕሉ ንርእሱ ዀኒኑውን ሓጢኣት ምግባሩ ፈሊጥካ፡ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ምስ መዓድካዮ፡ ኣርሕቆ ይብል ። ቲቶስ 3:10-11 ሓደ ሓደ ሰባት ተንኮሎም ክትነግሮም እንከለኻ ካብቲ ሕብረት ክኸዱ ይክእሉ እዮም።ግናኸ ናይ ሕብረት ጥዕና ካብቲ ግለ ሰብ ስለ ዝበልጽ ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ብፍቕሪ ምምዓድ የድሊ።

 5. ክርስትያናዊ ሕብረት ንምኹስካስ በብግዚኡ ከየቓረጽካ ሕብረት ምግባር የድሊ (frequency)

 

      ሕብረት ንምጥንካር ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ከየቛረጽካ ድጋጊምካ ምእካብ የድሊ ።ናይ ሕብረት ኣኼባ ግዜ ይወስድ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ   እብራውያን 10:25 እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ፡ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዓድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ ይብለና። ናይ ምእካብ ልምዲ ክህልወና ኣለዎ ።ልምዲ ማለት ቀጻሊ ዝግበር እንበር ሓደ ሓደ ግዜ ጥራይ ዝግበር ኣይኮነን።ምስ ሰባት ግዜ ክንወስድ ኣለና ።ሕብረት ንምህናጽ ብዙሕ ግዜ ክነጥፍእ ኣለና።ኣብ ብዙሕ ቤተክርስትያን ሕብረት ውሱንን ፍረ ዘይብሉን ዝኸውን ብዙሕ ግዜ ነቲ ሕብረት ስለዘይነጥፍእ እዩ።ኣብ እንእከበሉ እዋን ሓደ ሰብ ክዛረብ እንከሎ ምስማዕ እንበር ምዕላልን ካልእ ክንገብር የብልናን።እንተጢዒሙኒ ክመጽእ እየ ኢልካ ሕብረት ኣይህነጽን እዩ።ሕብረት ግዜ ምውሳድ ይሓትት ። ንመንፈሳዊ ጥዕናና ንጥንቀቕ እንተ ኾይና ንሕብረት ግዜ ክንህብን ክንጥንቅቕን ኣለና።ሕብረትና ንምኹስካስ ውሽጥና ክእከብ ኣብ ዘይደልየሉ ግዜ ከይተረፈ ጠቓሚ ስለ ዝኾነ በብግዚኡ ክንእከብ ኣለና።እቶም ናይ መጀመርታ ክርስትያናት በብግዚኡ ይእከቡ ነይሮም። ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ፡ ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱ፡ ብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳእ ኰይኖም ይበልዑ ነበሩ ይብለና ። ግብ 2 ፥46 

   እንበኣርከስ ሕብረት ንምኹስካስ እዞም ልዒልና ዝጠቀስናዮም ኣለዉና  ናይዞም ሓሳባት ሓቅነት ንምፍላጥ ግና ሎሚ ክንፍትኖም ኣሎና።   

ምንባር ምስትንፋስ እንተኾይኑ! ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል

  ‘’ ብዝኾነ ጥንቅቕ በሊ …’’ገና ዘረባይ ከይወዳእኩ መራሒ መኪና ክሳብ ቆጸራይ ዝዉድእ ስድርኡ ኣብ ኣስመራ ስለ ዝቕመጡ ንዕኦም ርእይ ኣቢለዮም ክምለስ ኢሉኒ ከይዱ ነበረሞ፡፡ከም ዝመጸ ምስ ሓበረኒ’የ ነዊሕ ግዜ ከም...