ምስ ሰባት ብኽመይ ሓቢርካ ምንባር ይከኣል?
እዚ መሪጸዮ ዘለኹ ኣርእስቲ፡ምስ ሰባት ሓቢርካ ናይ ምንባር ጉዳይ ብላዕሊ ላዕሊ ክንርእዮ እንከለና ።ናይ ጽሉላት ሕቶ ኮይኑ
ክስምዓና ይኽእል እዩ።ኮይኑ ግና ኣስፊሕና ምስ እንዕዘቦ ዋላ’ካ ሰባት እንተኾንና ኣብዚ ሎሚ እዋን ምስ ሰባት ተሰማሚዕካ ምንባር
እናሸገረና ካብ ቤተሰብ ተበጊስና ክሳብ ዓለም ለኻዊ ጉዳያት ዓቢ ጸገም ክኸዉን ንዕዘብ ኣሎና።ሓደ ሓደ ምሁራት ወድሰብ ማሕበራዊ
እንስሳ ከም ዝኾነ ይዛረቡ ።ናይ ግድን ንምንባር ኢሉ ምስ ዝመስሎ ሓቢሩ ይሰርሕ።ደቅሰባት ድማ ብባህርያትና ዝተፈላለና ስለ ዝኾና ብሰላም ንምንባር ዘለዎ ፍልልይ ሒዙ ተኽኣኢሉ ሂወቱ
ክመርሕ ይግብኦ። ኣብ መንጎና ግጭት ክፈጥሩ ዝኽእሉ ከይንሰማማዕ ዝገብሩ ብዙሓት ነገራት ይህልዉ።ነዞም ነገራት ብጥበብ ምሕላፍ
ድማ እቲ ቅንዲ ምስ ሰብ ናይ ምንባር ጥበብ እዩ።ሎሚ ኣብ ሓደ ቤተሰብ ዘይምስምማዕ ነጊሱ ትረኽቦ።ካብቲ ቤተሰብ ወጺኻ ምስ ጎሮባብቲ
እዚ ሽግር ትግንዘብ።ብምቕጻል ሃገራት ንሓድሕደን ግጭትን ዘይምርድዳእን ወሪስወን ክወናጀላን ክጻረፋን ካብ እንዕዘብ ነዊሕ እዋን
ኮይኑ ኣሎ።ሓደ ሓደ እዋን ወድሰብ ብባህሪኡ ነብሰ ፍትወት ዘጥቕዖ
ፍጡር እዩ። ናይ ገዛእ ርእስና ሂወት ብዝጠዓመና መንገዲ ምምራሕ እንበር ብዛዕባ ካልኦት ፋዕራ የብልናን።እዚ ኩነታት እዩ እንበእር
ሎሚ ምስቶም ዝመስሉና ሰባት ብሰላም ከይንነብር ዕንቅፋት ዝኾነና ።እስከ ንሎሚ ገለ ነጥብታት ክንርኢ ኢና።
ሓደ ሓደ እዋን ዝደለናዮም ነገራት ማለት መኪና ፡ገዛን ግንዘብን
ካልኦት ነገራትን ምስ እንረክብ ንበይንና ካብ ሰብ ተነጺልና ብሓጎስ
እንነብር ኮይኑ ይስምዓና ።እዚ ግና ፍጹም ካብ ክዉንነት ዝርሓቐ ትጽቢት እዩ ።ሊንዳ ፊልድ ፍልጥቲ ናይ ስነ-ልቦና ምህርቲ እያ
፡ንሳ ከም እትነግረና እንተኾይኑ ምስ ሰባት ሓቢርካ ምስራሕ ፡ምንባር ዓቢ ናይ ሓጎስን ዕግበተን ከም ዝኾነ ትዛረብ ።’’ንሰብ
ሰብዩ መድሃኒቱ ‘’ክበሃል ሰሚዕና ኣይንፈልጥን?ብቕልል ዝበለ ምንገዲ ሓቢርካ ንምስራሕ ሓቢርካ ምንባር የድሊ ።እዚ ሓቢርካ ምስራሕ
ድማ ዝያዳ ዕዉትን ዉጽኢታዉን ንኽኸዉን ኣብቲ ዉሽጡ ሰላም ክህልዎ ይግባእ።ዋላ’ካ ፍልልያት እንተሃለዉና ኣዚ ፍልልይና ብገዛእ
ርእሱ ንሂወት ሕጉስቲ ካብ ዝገብርዋ ነገራት ሓደ ክኸዉን ይግባእ እንበር ንዘይምስምማዕና ምኽንያት ክኸዉን ኣይግባእን ።ካብዚ ብምቕጻል
ኣብ ዝኾነ ቦታ ሓቢርና ኣብ ንሰርሓሉ ኮነ ምስ ኣዕርኽትና ምስ ቤተሰብን ሕብረተሰብን ሓቢርና ክንነብር ኮለና ተሰማሚዕና ክንነብር ዘኽእሉና ነጥብታት ክንርኢ ኢና ።
1.ኩሉ ግዜ ጽቡቕ ጎንኻ ደፊርካ ምርኣይ፦
ሓደ ሓደ
እዋን ዘሎና ጽቡቕ ጎኒታት ክንገልጽን ንሰባት ንምርኣይ ኣይንደፍርን።
እዚ ናይ መብዝሕትና ሽግር እዩ።ዘለና ጽቡቕ ጎኒ ንምርኣይ ብገዛእ ርእስና ክንተኣማመን ይግብኣና ።እዚ ክንገብር እንከሎና ግና
ስርዓት ብዘለዎ ምንገዲ ይኹን እዚ ተግባርና ልዑል ዝኾነ ኣወንታዊ
ምላሽ የጎናጽፈና ።ካልኦት ኣባና ዘለዎም ኣመለኻኽታ ዝተማልአ ግልጽን ኣወንታዉን ከም ዝኸዉን ይገብሮ ።ሓደ ሓደ እዋን እቲ ቅኑዕ
ዝኾነ መንነትና ኣብ ዉሽጥና ቀቢርና ብምሓዝና ካልኦት ኣባና ዘለዎም ኣመለኻኽታ ዝተሰሓሓተ ንኪኸዉን ይገብሮም ።ስለዝኾነ ክኸዉን
ዘለዎ ቅኑዕ መንገዲ እቲ ቅኑዕ መንነትና ንኻልኦት ምፍላጥ ኣድላዩ እዩ።
2.ግዳይ ዘይሙኻን [victim]፦እዚ ድማ ቀንድን
ዓብን ሕማም እዩ ።ምንም ነገር ምስንገብር ሰባት ንዓና ጽቡቕ ዝኾነ ምላሽ ከም ዝህቡና ንሓስብ።ገዛእ ርእስና ኮነ እነቕርቦም ሓሳባት
ጠቐምቲ ከም ዘይኮኑ ንሓስብ እንተኾንና እዚ ንባዕሉ ምስ ሰባት ጥዑይ ዝኾነ ዝምድና ከይህልወና ይገብር።ኩሉ ግዜ ንገዛእ ርእስና
ዘሎና ኣመለኻኽታ ኣወንታዊ ይኹን ካብ ካልኦት ድማ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ንጸበ።
3. ንገዛእ ርእስናን ንሓሳብናን ክብሪ ምሃብ፦ልዑል ዝኾነ ርእሰ ተኣማንነት እንተሎና
ብቐሊሉ ክብርን ናይ ካልኦት ሓገዝን ክንስሕብ ንኽእል።እዚ ምስ እንገብር ልዒልና ዝጥቕስናዮም ናይ ተጎዳእነት [ግዳይ ሙኻን ]ነብሰ
ምትሓት ካባናን ካብ ከባቢናን ይርሕቕ።
4.ዶብና ክሳብ ኣበይ እዩ፦ሊንዳ ፊልድ ‘’ሓደ
ሰብ ምስ ካልእ ሰብ ሓቢሩ ክነብር እንከሎ ምስቲ ሰብ ክሳብ ኣበይ ሓቢሩ ከም ዝጉዓዝ ክዉስን ይግባእ።ካልኦት ሰባት ምሳኻ ክሳብ
ኣበይ ደርጃ ሓቢሮም ከም ዝጉዓዙ ወስን ።እዚኦም ድማ መንፈሳዊ፡ኣእሙራዊ፡ኣካላዉን ዝኾኑ ነገራት የጠቓልሉ’’ትብል።እንበኣርከስ
ዶብና ብዝህልወና ኣካል ፡ቓንቓ፡ቃላትን ኣመለኻኽታን ኣንጻር ክንዉስን ከም ዝከኣል ፊልድ ትዛረብ።
4. ተጸዋርነት ምምዕባል [ነገራት ክኢልካ ምሕልፋ]ምስ
ሰባት ሓቢርካ ምንባር ካብ ዘኽእሉና ባእታታት ሓደ እዩ።ካብ ሰባት ኩሉ ግዜ ጽቡቕ ነገር ክንረክብ ንኽእል ኢና ፡ኣሉታዊ ዝኾነ
ነገር ክገጥመና እንከሎ ነዚ ነገር ተዓጊስካ ምሕላፍ ዓቢ ጥበብ እዩ።እቲ ሓደ ሓዊ ኮይኑ ክመጽእ እንከሎ ንሕና ድማ ማይ ኮይንና
ኣብ ክንዲ ምጽናሕ ‘’ሳዕሪ’’ኮይንና ንጸንሕ።ንኽፋእ ብሰናይ ምስ እንስዕሮ ዜሩ ዜሩ ተጥቀምቱ ንሕና ኢና ።
6.ጽቡቕ ዝኾነ ናይ ምርዳእ ክእለት፦ምናልባት
ዝምድና ምስ እንብሎ ዝያዳ ከረዳድኣና ይኽእል።ናይ ምርድዳእ ክእለት ክንብል እንከሎና ዘለና ዝምድና ብምግዳብ ናይ ምእማን ክእለትና
ምቕጻል ማለት ኣይኮነን ።ዝምድና ክልዓል እንከሎ ሓደ ነጥቢ ይዓል እዚ ድማ ናይ ምስማዕ ክእለት እዩ።ካልኦት ክዛረቡ እንከለዉ
ብዝግባእ ምስማዕ ሰናይ ዝኾነ ምርድዳእ ክፈጥር ይኽእል።’’ብዝግባእ ስማዕ ሓድሽ ማዕጾ ክኽፈተልካ እዩ ሎሚ ስማዕ’’ትብለና ሊንዳ
ፊልድ።
7. ክንብሎ ዝደለና ሓሳብ ብቐጥታ ምባል፦ ቀጥታዊ ኩን ሰባት ምሳኻ ኣበይ ደው ክብሉ ከምዘለዎም
እንተፈሊጦም ዓቢ ኣድናቖት የጎናጽፉኻ። ትብለና ሊንዳ ፊልድ። አንዛረቦ ዘረባ ብቐጥታ ኣብ ክንዲ ምዝራብ ኣብቲ እንደልዮ ነጥቢ
ኣከባቢ ዕንክሊል ንብል እንተኾንና ትርፉ ግዜ ምብኻን ጥራይ ዘይኮነ ካልኦት ሰባት ኣባና ዘለዎም ኣመለኻኽታ ዝተዛብዓ ከምዝኽውን
ይገብሮ። ብዛዕባና ክፈልጥዎ ዝግባእ ነገር ከይፈለጡ ወይ ከይረኽቡ ከምዝተርፉ ይገብር። ስለዚ ዝደለኻዮ ነገር ንምርካብን ብቐሊሉ
ንምርዳእን እንተ ደሊኻ ነገራትካ ብግልጽን ብቐጥታን ይኩን።
8. ቀዳማይን ቀንድን መወዳእታን ነገር ሰብ ከምዝኾነ ሕሰብ፦ ኩሉ ጊዜ ንሰባት ምቕዳም ዓቢ
ቦታ ኣለዎ፡ ዘለና ገንዘብ፡ ንግዲ፡ ካልእን ጠቐምቲ ከም ዝኾኑ ኣይሰሓትን። ካብዚኦም ኩሎም ግና ሰብ ይበልጽ። ሊንዳ ከም እትብሎ
ምስ ሰባት ሓቢርካን ተሓባቢርካን ብሰላም ምስራሕ ቀንዲ ናይ ሕጉስ ሂወት መሰረት ኢዩ።
እስኪ
ኩላትና ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ፡ ታክሲ ፡ፌርማታ ወይ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝገጠሙና ኣሸገርቲ ኩነታት ንሕሰብ። ኣሸገርቲ ኩነታት
ክሓልፉ ዝኽእሉ ሰባት ብገዛእ ርእሶም ዝተኣማመኑ (ርእሰ ተኣማንነት) ገዛአ ርእሶም ንምኻን ሙሉእ ናጽነት ዝስምዖም እዮም። እሸጋሪ
ኩነታት ሰጊሮም ዝሓልፉ ሰባት ብሩህ ኣእምሮ ዘለዎምን ካብቲ ከቢቡዎም ዘሎ ጸልማት እቲ ብማዕዶ ዝረኣዮም ብርሃን ዝርእዩ እዮም። ገለ ገለ ድማ ብዛዕባ ጸገማቶም
ይሓስቡ። ሓደ ነገር ምስ ዝሰርሑ ሕማቕ ነገር ክኽሰት ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም ። እዚ ድማ ካብ ብዙሕ ነገር ክምንጩ ይኽእል።
እዞም ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮም ነጥብታት ምስ ኩሉ ሰብ ዘለና ዝምድና ጥዕና
ክህልዎ ይሕግዙና ይኹን እንበር ሰባት ብዛዕባይ እንታይ ይብሉ? ኢልና ሓሳብና ካብ ምዝራብ ንቑጠብ እንተኾይንና ፡ ናይ ርእሰ ምትእምማንና
ብቕዓትና እንተወሪዱ ፡ንገዛእ ርእስና ዘሎና ኣመለኻኽታ ትሑት እንተኮይኑ ካብ ሰባት ዝወሃበና ኣሉታዊ ዝኾነ ሓሳብ ዘይንቕበል ነቐፌታ
ንፈርሕ እንተኾይንና ምስ ካልኦት ሰባት ብሰላም ክንነብር ይኸብደና። ስለዚ ኩሉ ጊዜ ኣወንታዊ ዝኾኑ ነገራት ንሕሰብ ሽዕኡ ምስ ሰባት ዘሎና ዝምድና ጥዕና
ዘለዎ ይኸውን።
No comments:
Post a Comment