Thursday, May 29, 2014

ቃል ትርጉም እንኪስእን?


          ቃል ትርጉም እንኪስእን
-ንሱ ዓቢ ኣፍቃሪ እዩ።
-እፍቅረካ እየ።
-ኩዕሶ ምጽዋት ኣዝየ እየ ዘፍውሮ።
     ዋዉ ሓድሽ ክዳነይ ብጣዕሚ እየ ዘፍቅሮ።ቃላት ትርጉም ክስእን እንከሎ እንታይ ትገብር?ማዕረ ክንደይ የሕዝን ዝኸበረ ፡ንብሉጽ ጽባቐ ዘለዎ ዝገልጽ ቃል ንተራ ነገራት ክገልጽ ክትርእዮ እንከልኻ።
     ብዝተፈላለየ መልክዑን ኩነታትን ብዛዕባ ፍቕሪ እንክዝረብ ንሰምዕ።
 -ወንጌላውያን ይሰብኩዎ
 -ደረስቲ ይጽሕፍሉ
-ዘመርቲ ይዝምርሉ
 -ቃነይቲ ይቓንይሉ
 ፍቕራት ይውድስሉ።እዚ ቃል ኣብ ዕለታዊ ሂወትና ካብ ምስማዕና ዝተላዕለ  ብዙሕ ተለሚዱ።ብዙሕ ካብ ምልማድና ዝተለዓለ ግና ትክክለኛ ትርጉሙ ዝሰሓተ ይመስል።ቃል ትኽክለኛ ትርጉሙ እንተስሒቱ ድማ ግቡእ መልእኽቱ ምርዳእ ይኸብድ።
     ንዝፈትውና ንፈቱ፡ ንዝቐርቡና ንቐርብ ፡ጽቡቕ ንዝገብሩልና ጽቡቕ ንገብር ።ክርስቶስ ግና ፍቕርና ካብዚ ሰፊሕ ብዝበለ መልክዑ ብዝተፈላለየ ገጹን ትሕዝትኡን ክገልጽ ከምዘለዎ እዩ ዝመሃረ።ነቶም ዝፈትውኹም እንተፈተኹም እንታይ ዓስቢ ኣለኩም ።ተገውትስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኮኑን ነሕዋትኩም ጥራይ ጽቡቕ እንተተቐበልኩምከ እንታይ ሓለፋ ገበርኩም።ኣህዛብሲ ከምኡ ደይ ገብሩ ኣይኮኑን ግናኸ ጸላእትኹም ኣፍቕሩ ‘’በለ።

    ስለዚ ኣብ ክርስትና ሂወትና ቃል ትክክለኛ ትርጉሙ ዘይሰሓተሉ ወይ ድማ ብኸፊላዊ ገጹ ጥራይ ግንዛበ ዝረኸበሉ ኩነታት እንተልዩ ኣብዚልዕል ኢልና ዝጥቐስናዮ  እዩ።
ትርጉም

No comments:

Post a Comment

ምንባር ምስትንፋስ እንተኾይኑ! ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል

  ‘’ ብዝኾነ ጥንቅቕ በሊ …’’ገና ዘረባይ ከይወዳእኩ መራሒ መኪና ክሳብ ቆጸራይ ዝዉድእ ስድርኡ ኣብ ኣስመራ ስለ ዝቕመጡ ንዕኦም ርእይ ኣቢለዮም ክምለስ ኢሉኒ ከይዱ ነበረሞ፡፡ከም ዝመጸ ምስ ሓበረኒ’የ ነዊሕ ግዜ ከም...