Saturday, January 18, 2014

እንታዩ ድሌተይ ?


              ኣብታ “Lost In Translation” እትብል ፊልም ፡ኣብ ግዜ ምርኢት  ቦብ ቻርሎተ ኣብ ዓራት ተጋዲሞም ክዘራረቡ እንከለዉ  ቦብ ቻርሎት ከምዚ ይብላ  ‘’ እንታይ ከም እትደሊን መን ምኻንካ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ብዝፈለጥካዮ  መጠን  ካብቶም ጸቕጢ ዘምጹኡልካ ነገራት ብዙሕ ትንኪ ’’ይብላ  ።ቻርሎተ ብምቕጻል ሰኣሊት ክኽዉን ፈቲነ ግና ኣይከኣልኩን እናበለት ክትኮኖም ዝደለየት እሞ ግና ዘይከኣለቶም ዘርዘረት ፡

          እዚ ልዒልና ዝጠቐስናዮ ሓሳብ ቀሊል ኣይኮነን ፡መን እየ ኣነ ?እንታዩ ድሌተይ ?ዝብሉ ሕቶታት  መልሲ ንኽርከበሎም ግዜ ይወስዱ እዮም።እዞም ሕቶታት እምልሶም እየ ትብል እንተኾንካ ድማ ወሳኒ ንኽትከዉን  ይሕግዙኻ ፡ኣብ ሂወትካ ጸቕጢ ትቕንስ  ፡ድሌትካ ብንጹር ምፍላጥ ብቐሊል ዝመጽእ ኣይኮነን ፡ሓደ መዓልቲ ግና ኣይንምልሶን ማለት ኣይኮነን።

            እዚ ናይ ቻርሎተ ጸገም ጥራይ ኣይኮነን  ናይ መብዝሕትና እንበር፡መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል’’ድሌትኩም ዘበለስ ብጽሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኩሉ ይፈለጥ እንበር ብሓደካ ኣይትጨነቑ’’እንበኣርከስ ድሌት የጨንቕ እዩ?ምድላይ ዘጨንቕ ካብ ኮነ ትደልዮ ነገር ዘይምፍላጥከ ማዕረ ክንደይ የጨንቕ።ኣምላኽ ድሌትና ክህበና ቃል እትዩልና ኣሎ ፡፡እንተኾነ ግና ድሌትና እንታይ እዩ? ክነነጽር ይግባእ።እንሓንሳብ ሓዊ ካብ ሰማይ ወሪዱ ነቶም ፍጡራት ክዉድኦም እንልምን ዉሑዳት ኣይኮናን ፡፡በዚ ድማ እትልምንዎ ዘይትፈልጡ  ዓያሹ ንበሃል። ድሌታት ደቅሰብ ገደብ የብሎምን ።ትማሊ ተምሃራይ ክኽዉን ብዙሕ ዝምነ ዘነበረ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ነጋዳይ ይብለካ ፡ካልእ እዋን ተመሊስካ ምስ እትሓቶ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዙ ሰባኻይ ክኽዉን ኣምላኽ ጸዊዕኒ ይብለካ፡በዚ ድማ ኩሉ ዊን ዝበሎ ድሌታቱ ይኸዉን እሞ ነቲ ሓደ ከይጨበጠ ግዜ ይሓልፍ ።ብኡ መንጽር ድማ ኣፍራይነት ኣይህሉን ፡ብሕጽረት ብቕዓት ትሳቐ፡ንገዛእ ርእስኻ ኣይትረብሕን ኣብ ሂወትካ ድማ ጸቕጢ ዝመልኦ ሂወት ክትመርሕ ትግደድ።

ሎሚ ኣብ ስደት ዘሎና መንእሰያት በዚ ሓሳባት እንሳቐ ዉሑዳት ኣይኮናን ።ገሌና ኣብ ሕሉፍ ሂወትና ገለ ሰረት ዝነበረና ኢና ገለ ድማ ምንም ተመክሮ ስራሕ ኮነ ትምህርቲ ዘይብልና ኣሎና ።ስለዚ ምስ ዘለናዮ ከባቢ ክንዉሃሃድ ኮነ ኣፍረይቲ ክንከዉን ኣይከኣልናን ።ብርግጽ ናሕና ኤርትራዉያን መንእሰያት ኣዚና ናይ ስራሕ ሰባት ከም ዝኾንና ማንም ዘይክሕዶ ሓቂ እዩ።ሰሪሕና ንቤተሰብና ኮነ መቕርብና ንሕግዝ።እዚ ድማ  ማንም ፍጡር ክገብሮ ቀሊል ዘይኮነሉ ተግባራት ሂወት ሓደ እዩ።ከምዚ ክብል ኣዝየ እደፍር ምስዚ ሓሳብ ዘይሰማማዕ እንተሎ ይመጉተኒ።እንበኣርከስ ንሕና መንእሰያት ድሌትና እንታይ እዩ?ብምባል ገዛእ ርእስና ክንሓትት ይግባእ ።ድሌታትና ብምንጻር፡ንድሌታትና ወትሩ ንጽዓር ንዕኡ ንገዛእ።ኣበርቲዕና ድማ ንስራሕ ።     

Saturday, January 11, 2014

ብኸመይ ፍርሃት ነወግድ?

ብጥልቀት እንተፍቂርኩም ፍርሃት ይጠፍእ ፡ፍርሃት ኣሉታዊ ነገር እዩ።እዚ ብዝግባእ ክትግንዘብዎ ይግባእ ፡እዚ ግንዛበ ተዘይጨቢጥኩም ባህሪ ፍርሃት ክትርድኡ ኣይትኽእሉን ፡ፍርሃት ልክዕ ከም ጸልማት እዩ።ጸልማት ዋላ ተዘየለ ከም ዘሎ ይመስል ፡ጸልማት ብርሃን ዘይምህላዉ እዩ፡ብርሃን ግና ኣሎ ፡ነቲ ብርሃን እንተኣሊኽሞ ጸልማት ደብኽ  ይብል።
   ጸልማት የልቦን ፡ጸልማት ክትገፍዎ ኣይትኽእሉን ፡ዝገበርኩም እንተገበርኩም ጸልማት ከተወግዱ ኣይትኽእሉን፡ከተምጽዎ ወይ ከተወግድዎ ኣይትኽእሉን፡ንጸለማት ከተወግድዎ እንተደሊኹም ብርሃን ክትጥቀሙ ኣለኩም።ምኽንያቱ ሓደ ነገር ንምግባር እትኽእሉ ህያዉ ብዝኾነ ነገር እዩ።እቲ መብራህቲ ከተጥፍእዎ እንከለኹም ጸልማት ይኸዉን፡እቲ መብራህቲ ምስ እተብርህዎ ብርሃን ደበኽ ይብል።ብብርሃን ሓደ ነገር ንምግባር ይከኣል ፡ኣብ ጸልማት ግና ምንም ነገር ክግበር ኣይከኣልን ።
  ፍርሃት ጸልማት እዩ፡ስእነት ፍቕሪ እዩ፡ገለ ነገር ክትገብሩ ኣይትኽእሉን፡ከተወግድዎ ብዙሕ ብዝጸዓርኩምሉ መጥን ብዝበለጸ ፈራሃት ትኾኑ ምኽንያቱ ብዝገደደ ዘይከኣል ይመስለኩም።እቲ ሽግር እንደገና ይተሓዋወስ።ንጸልማት  ተቓሊስኩሞ  እትስዕሩ ሴፍ ሒዝኩም
ንጸልማት ክትቓለስዎ እንተፈቲንኩም ትርፉ ድኻም ጥራይ እዩ ዝኸዉን።ኣብ መወዳእታ ኣእሙሮ ‘’ጸልማት ሓያል ስለ ዝኾነ ተሳዒርኩም’’ይብል።ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ምኽንያታዊ ኣተሓሳስባ ስሕተት ይኸዉን።ምስ ጸልማት ተቓሊስኩም ከተሸንፍዎ ወይ ከተጥፍእዎ እንተዘይ ክኢልኩም ‘’ጸልማት ብጣዕሚ ሓያል እዩ፡ኣነ ምስኡ ክነጻጸር እንከልኹ ድኹም’የ፡፡’’ኢልካ ምሕሳብ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ እዩ፡እቲ ሓቂ ግና ፍጹም ዝተፈለየ እዩ።ንስኻትኩም ዘይኮነስ እቲ ጸልማት  እዩ ድኹም ።ብርግጽ ጸልማት ኣብኡ ስለዘየለ  ኢኹም   ከተሸንፍዎ ዘይከኣልኩም።ዘየለ ነገር ብኸመይ ከተሸንፎ ትኽእል።ምስ ፍርሃት ኣይትቃለሱ ተዘይኮይኑ ብዝያዳ ፈራሃት ክትኮኑ ኢኹም ፡ሓድሽ ፍርሃት ኣብ ዉሽጥኹም ይኣቱ ንፍርሂ ምፍራህ እዩ እቲ ቀንዲ ሓደገኛ ነገር።ብመጀመርያ ፍርሃት ስእነት እዩ፡ካልኣይ ፍርሃት ፍርሂ ስእነት ምስኣን እዩ።ድሕርዚ ናብ ጽላለ ተምርሑ ፡ፍርሃት ገለ ነገር ዘይኮነ ስእነት ፍቕሪ እዩ።ፍርሃት ረሲዕኩም ብፍቕሪ ሓደ ነገር ግበሩ ፡ብዝግባእ እንተፍቂርኩም ፍርሃትኩም ይጠፍእ።ብዕሙቀት እንተፍቂርኩም ፍርሃት ገደል ይኣቱ፡ንንእሽቶ ሰምታ ንሓደ ሰብ ኣፍቂርኩም ፈሪሕኩሞ ትፈልጡ ?ክልተ ሰባት ተራኺቦም ኣብ ዓሚቕ ፍቕሪ እንተወዲቖም ንሓንቲ ካልኢት ትኸዉን ኣብ መንግኦም ፍርሃት የልቦን።መብራህቲ በሪሁ ጸልማት ከይሃለወ ሓደ ምስጢራዊ ቁልፊ ኣሎ፦ፍቕሪ፡
ኣብ ዉሽጢ ህያዉነትኩም ፍርሃት ከምዘሎ እንተተሰሚዕኩም ብዝበለጸ ኣፍቅሩ ፡ብፍቕሪ ድፈሩ ደፋራት ኩኑ ፡ናይ ፍቕሪ ዕቡዳት ኩኑ ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነት ብዝበለጸ ኣፍቅሩ ብዘፍቀርኩምሉ ቁጽሪ መጠን ፍርሃትኩም እናቐነሰ ይመጽእ።ፍቕሪ ክብል እንከለኹ ምስ ኩሉ እዩ ፡ንደቅኹም፡ንበዓልቲ ቤትኩም ፡ነፍቃሪትኩም ፡ንፈተዉትኹም ኣፍቅሩ ፡ንጎረባብትኹም ኣፍቅሩ፡ንተፈጥሮ ኣፍቅሩ ፡ንእንስሳታት ኣፍቅሩ ፡ ፍቕሪ ፍቕሪ ፍቕሪ----
ክልተ ዓይነት ፍርሃት
    ደፋራት ትብልዎም ሰባት ተዓዘብዎም ፡ኣብ ዉሽጦም ዓሚቕ ዝኾነ ፍርሃት ከምዘለዎም ክትግንዘቡ ትኽእሉ ።ደጋዊ ሽፋን ጌሮም እዮም ደፋራት መሲሎም ።ድፍረት ፍርሃት ኣልቦ ማለት ኣይኮነን፡ ድፍረት ጽቡቕ መከላኸሊ ከለላ፡ዋልታ ዘለዎ ፍርሃት እዩ።ፍርሃት ኽጠፍእ እንከሎ ፍርሃት ኣልቦ ትኾኑ ፡ፍርሃት ዘህብሉ ሰብ ኣብ ልዕሊ ማንም ፍርሃት ኣይለቅቕን ካልእ ፍጡር ፍርሃት ክሓድሮ ኣይፈቅድን ።
   ካልኣይ ደረጃ ፍቕሪ እዩ ።ንሰብ ብዘይ ገደብ ኣፍቅሩ፡ኣብ ዉሽጢ ኣእምሮኹም ሓደ ዝግድበኩም ነገር እንተልዩ ከተፍቕሩ ኣይትኽእሉን ፡እዞም ኩነታት ዕንቅፋት ኪኾንኹም እዮም ፡ፍቕሪ ዘድልየኩም ካብ ኮነ ስለምንታይ ብኹነታት ትጭነቑ?ብዘይ ገደብ  ብጥልቀት ምፍቃር ብጣዕሚ ኣድላዩ እዩ፡ኣምሳያ ናይ ፍቕርኹም ምንም ኣይትሕተቱ ፡ንሰባት ብምፍቓር ምኽንያት ጥራይ ፍርሃት ኣልቦ ምዕባይ ተኺኢልኩም ንሓጎስኩም ክትብሉ ጥራይ ኣፍቅሩ፡ተራ ሰባት ነገራቶም ከማልእሎም ከለዉ ጥራይ የፍቅሩ ።’’ከምዚ እንተኾንካ ጥራይ እየ ዘፍቅረካ ‘ይብሉ ።ኣደ ንዉሉዳ ጠባየኛ እንተኾንካ ጥራይ እየ ዘፍቅረካ ‘ትብሎ ።ሰበይቲ ንሰብኣያ ‘እዝን እዝን እንተማሊእካ አፍቅረካ ትብሎ ።ርኢኻ ኩሉ ሰብ ቅድመ ኩነት ከቐምጥ እንከሎ ፍቕሪ ይጥፍእ።
   ፍቕሪ ወሰን ዘይብሉ ሰማይ እዩ፡ፍቕሪ ብናጽነት ይመጽእ ።ክተጽብብዎ ክትዉስንዎ ኣይትኽእሉን  ፡ኣብ ዉሽጢ ገዛኹም ጽሩይ ኣየር ብምእታዉ መስኮትኩምን ኣፍደገኹምን ብምዕጻዉ ብዙሕ ከይጸናሕኩም  እቲ ጽሩይ ኣየር ኣብ ገዛኹም ዘእተኹሞ ሽዓ ንሽዓ ኩሉ ዝተዓፈነ ረሳሕ ይኸዉን ።እዚ ናይ ኩሉ ሰብ ሽግር ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ ፡ሰባት ብፍቕሪ ምስ ዝወድቁ ቅድመ - ኩነት ስለ ዘይድርድሩ ኩሉ ነገር ጽቡቕ ይኸዉን ፡ዝተፋቐሩ ሰባት ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነት ይቀራረቡ።ድሕሪ ምርግግኦም ፍቕሪ ምዉህሃብ ድሕሪ ምጅማሮም ፡ቅድመ ኩነት ይመጹ ፡ፍቕሪ ናይ ዕዳጋ ኣቕሓ  ይመስል ‘ከምዚ ተዘይ መሲልካ ፣ከምዚ ተዘይ ጌርኪ ጌርካ’’ ይበሃሃሉ ።
     ብምሉእ ልብኹም ተዘየፍቂርኩም ዋጋ ዕዳጋ እናገበርኩም ኣለኹም።ነቲ ካልእ ሰብ ዝኾነ ነገር እንተዘይ ጌርካለይ እናበልኩም ትግድድዎ ኣለኹም ።እዚ ቅድመ ኩነት ተዘይኣማሊእልኩም  ፍቕርኹም ትኽሕዱ።ሕጂ እናፍቀርኩም ዘይኮነስ ፍቕርኹም ከም መቕጽዕን መገደድን እናተጠቐምክምሉ ኢኹም።ተቐበልቲ ወይ ወሃብቲ ፍቕሪ ዋላተኾንኩም ብኽልቲኡ መንገዲ ፍቕሪ መጨረሽታ ኣይኮነን።ዝተመዓኹም እንተኾንኩም ነንስተኹም ህያብ ሒዝክሙለን ትኸዱ ፡ኣብዚ እዋን ደስ ኢልዋ ሓቒፋ ትስዕመኩም ፡ናብ ገዛኹም ዝኾነ ነገር ከይሓዝኩም እንተኸድኩም ግና ምርሕሓቕ ይፍጠር።ምስዓም ኣይኮነን ጥቓኹም ኣይትቐርብን፡ከምዚ ዓይነት ክትገብሩ እንከልኹም ፍቕሪ ንኻልኦት ጥራይ ዘይኮነ ዋላ ንገዛእ ርእስኹም ጠቓሚ ምኻኑ ረሲዕኩም ኣለኹም ፍቕሪ ዝጠቅም ነፍቐርቲ እዩ፡ንዝተፈቐሩዉን ይጠቅም እዩ።  
     ሓደ ሰብ ኣብ ዓሚቕ ፍቕሪ ምስ ዝወድቕ ክትሕዞ ኣይትኽእልን ስለዚ ማሕበረሰብ ምፍቃር ኣይፈቅድን ናብ ኩናት ከይልእኽኹም እንተደሊኹም ‘’ኣነ ኣብዚ ሕጉስ እየ ናበይ ክትሰዱኒ ምስ ቤተሰቦም ብሰላም ዝነብሩ ሰባት ስለምንታይ ይቐትል ፡ቅራኔ የብለይን ፡ናይ ድሌት ባእሲ የብለይን _ - -  ወዘተ’’በልዎም ።መንእሰይ ወለዶ ብዕሙቀት ናብ ፍቕሪ ክኣቱ እንተጀሚሩ ናብ ኩናት ዝኸይድ ሰብ ስለ ዘይህሉ ወግእ ይጠፍእ ፡እንተፍቂርኩም ጣዕሚ ሂወት ተስተማቕሩ ።ሞትን ዉግእን ትጸልኡ ፡ተዘይ ኣፍቂርኩም ጣዕሚ ሂወት ኣይትቐምሱን ሞት ትፈትዉ።ፍርሒ ይቐትል፡ፍርሓት ክቕትል ይደሊ ፡ፍርሒ መጥፍኢ እዩ።ፍቕሪ ሓይሊ ይፈጥር።ምስተፍቅሩ  ኽጥፈጥሩ ትደልዩ ፡ደርፊ ምድራፍ ፡ስእሊ ምስኣል፡ግጥሚ ክትገጥሙ ትደልዩ፡ካራ ዓጢቕኩም ፡ብረት ተስኪምኩም ምንም ኣይስምዓኩምን ሰብ ኪትቐትሉ ኣይትደልዩን ።
ዓለም ካብ ዉግእ ነጻ እትኸዉን ፍቕሪ ዳግም ናብ ዓለም ምስ እትምለስ  ጥራይ እዩ ።ፖለቲከኛታት ክተፍቕሩ ኣይደልዩኹምን ፡ማሕበረሰብ ንስኻትኩም ኣብ ፍቅሪ  ኽትወድቁ ኣይደለን። በንጻሩ ኩሎም ናይ ፍቕሪ ሓይልኹም ክትቅጻጸሩ ይደልይኹም ።ምኽንያቱ ዘለዎም እቲ እንኮ ሓይሊ ንሱ ስለ ዝኾነ በዚ ድማ እዩ እቲ ፍርሃት ዘሎ ።
      ብምልኣት ፍርሓትኩም ኣርሒቕኩም ፍቕርኹም ወስኹ።ከተፈቕሩ ከለኩም ብዘይ ገደብ ይኹን ከተፍቕሩ ከለኹም ንኻልእ ሰብ ገለ ዝገበርኩም ኣይሰማዕኩም።እትገብርዎ ንርእስኹም እዩ።ምስ እተፍቕሩ ንገዛእ ርእስኹም ኢኹም እትረብሑ።ስለዚ ኣይትማተኡ፡ሰባት እንተፈትዮምኒ ክፈትዎም እየ እይትበሉ ።እቲ ቀንዲ ነጥቢ እዚ ኣይኮነን።ገዛእ ርእስኹም እትፈትዉ ኩኑ ።ፍቕሪ ፈታዊ ገዛእ ርእሱ እዩ ።ሰባት ኣፍቕሩ እዚ እንተጌርኩም ሙሉኣት ትኾኑ ፡ዝተባረኽኩም ተኾኑ ፡ጥልቀት ዘለዎ ፍቕሪ ምስ ዝህሉ ፍቕሪ ይጠፍእ።ፍቕሪ ብርሃን እዩ፡ፍርሓት ድማ ጸልማት።

Monday, January 6, 2014

ሽመልባ ብስእሊ


 ምስ ህጻናት ኤቨን ኤዘር ቤተክርስትያን
 ደርሆ ኣብ ሽመልባ
 ክለብ መንእሰያት IRC
ወትሩ እንርእያ መሓዛና ወርሒ ካብ ሕንብርቲ ሽመልባ
 መሓዙት ኣብ  ጸሎት ንመግቢ
 ምምላስ ንቤት ካብ ማሕበር ኤቨን ኤዘር
 ሄኖክ ኣብ ግዜ ጾር
 ኤፍረም ካብ ባህላዊት ፍርጅ ማይ እናሰተየ
 ሄኖክ ምስ ዘፍቅረን ደማሙ
 ሄኖክን ጆንን ምስ ኣኻልቦም
 ኣብ ግዜ ክረምቲ ዝሕንበሰሉ ሩባ
ዘይሓልፍ ዝመስል ክሓልፍ ግድን እዩ።

ሽመልባ መዕቆቢ ሰደተኛታት ኤርትራዉያን ኣብ ኢትዮጵያ ብስእሊ

ሽመልባ ኣብ ግዜ ክረምቲ
 ቤተ ኣምልኾ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን
 እንስሳታት ኣብ ምዝንጋዕ[ኣጣል]
 ኣብ ከባቢ ኩናማ ዝቕመጥሉ ቦታ
ሪኽ

Saturday, January 4, 2014

ካብ ብርዒ ጸሓፍቲ

1.ተስፋ ምቑራጽ ነገራት ናይ ገዛእ ርእሶም መስርሕ ከም ዘለዎም ካብ ዘይምርዳእ ዝብገስ ናይ ባህሪ ድኽመት እዩ።
2.ሃብቲ ሃገር ኣልማዝን ወርቅን ዘይኮነስ ሰባት ኣዮም።
3. ለዉጢ ዘይደልዩ ሰባት ለዉጢ ንዝብህጉ ሰባት ጸላእቶም እዮም።
4. ኣብ ከባቢኻ ለዉጢ ክተምጽእ ቅድሚ ምፍታንካ ገዛእ ርእስኻ ለዉጥ።

5. ኣብ ዓለም እቲ ዝኽበደ ትምህርቲ መንነትካ ምፍላጥ እዩ።

Thursday, January 2, 2014

መትከል ኣልቦ መትከል


ቀዳማይ ክፋል
          ማንዴላ ኪንዚክር እንከለና ብኣፍሪቃዉነቱ ዘይሕብን መን እዩ?ነዚ ኩሉ ሰብ ዘኽብሮ ዓቢ ሰብ ንምድርና ‘’ዓቢ ኪስተት እዮ:: ‘’ካብ ማንዴላ ብዙሕ ኪንመሃር ንኽእል ። ዓለም ንማንዴላ ኪትስእኖ ዝተቓረበትሉ እዋን ግና ነይሩ ።እታ ቐዳመይቲ በዓልቲ ቤቱ ኤልቪን ካብ እትኽተሎ ሃይማኖት ዝተላዕለ።
        ኤልቪን ተኽታሊት ሃይማኖት ናይ የህዋ መስኻክር  እያ ።እዚ ሃይማኖት ድማ ንፖለቲካዊ ቃልሲ ቦታ የብሉን።ንሃገርካ ምግልጋል ኣንጻር ንእግዝኣብሄር ምግልጋል’ዩ ዝቑጸር።ምንዴላ ብዛዕባ ‘ቲ ዚኺተልዎ ፖለቲካዊ ቃልሲ ከረድኡ እንከለዉ  ብዓልቲ ቤቶም ድማ ጥቕሚ ሃይማኖት ኪተረድኦም ትፍትን ።ማንዴላ ንሃገሩ የገልግል ከምዘሎ ክእምና ኪፍትን እንከሎ ንኣምላኽ ምግልጋል እንበር ንሃገር ምግልጋል ዋጋ ከምዘይብሉን ከምዘየገድስን ትዛረቦ።ምንዴላ ንደቆም ብዛዕባ ፖለቲካዊ ቃልሲ ከረድኡ እንከለዉ ፡ንሳ ድማ በረርቲ ጽሑፋት ናይ መሰኻክር የሃዋ ኪዝርግሑ ትደሊ ነበረት።ብዝነበረቶ እምነት  ኣመልኻኽታ መሰረት ንማዕርነትን ናጽነትን ፍትሕን ምቅላስ ንእግዝኣብሄር ምግልጋል ኣይኮነን ።ንእግዝኣብሄር ምግልጋል ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ጥራይ ዝተሓዝእ እዩ።በረኣእያ ኤልቪን።
     ፍልልያቶም እናሰፍሓ ኪኽይድ እንከሎ ማንዴላ በቲ ጨቃኒ ስርዓት ኣፓርታይድ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣተወ ።ድሕሪ 15 መዓልቲ          ብ ዋሕስ ኪፍታሕ እንከሎ  ፡ኤልቪን ደቃ ብምሓዝ ንገዝኣ ገዲፋ ወጸት መጋረጃ ናይ መስኮት ከይተረፋ ተማልአቶ።
   ሎሚ ኪርአ እንከሎ ፡ናይ በዓልቲ ቤቱ ወጋኒ ፖለቲካ ዝኾነ ሃይማኖት ኢድ ከይሃቡ ፡ንናጽነት ጸለምትን ማዕርነት ድቂ ሰባትን ብዝገበርዎ ቃልሲ ንእግዝእብሄር ኪነመስግን በቒዕና ።
    ማንዴላ ንፍትሕን ማዕርነትን ብዝገበርዎ ቃልሲ ን 27 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዚሳቐዩ ጌርዎም።ኣብ ሮቢን ደሴት ከለዉ ካብ ኤሜሪካ ዝመጹ ጋዜጠኛታት ኣዛሪቦሞም ነይሮም ፡ማንዴላ ዕጥቃዊ ቃልሲ ደጋፊ ብምንባሮም ናይ ዋሽንግቶን ፖስት ጋዜጠኛታት ኮምኒስታዊ ግብረ ሽበራ እንበር ክርስትያን ከምዘይኮኑ ቆጸርዎም ።ማንዴላ ግና ‘’ክርስትያን ከም ዝነበሩን ኩሉ ግዜ ዉን ክርስትያን ኮይኖም ከም ዝነብሩ’’ ገሊጸሎም ይብሉ።  ዕጥቃዊ  ቃልሲ ዝገብሩ ድማ እማራጺ ስለ ዝሰኣኑ ምኻኖም ኣረዳኡ።’’ክርስቶስ ከማን እማራጺ ስለ ዘይነበሮ ነቶም ሸየጥቲ ካብ ቤት መቕደስ ንምዉጻእ ሓይሊ ተጠቂሙ ፡ነሱ ናይ ህዉከት ሰብ ኣይነበረን ፡ነቲ ክፉእ ንምቅዋም ግና ሓይሊ ካብ Mጥቃም ንላዕሊ ኣማራጺ ኣይነበሮን ‘’ይብሉ።በጀካ ማንዴላ ፊደል ካስትሮ ‘ዉን እዚ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ /የሃ 2.13-22/ምስ ሓይሊ ምጥቃም ኣተሓሒዞም ይርእይዎ።ኮይኑ ግና ምስ ሓይሊ ምጥቃም ኮነ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምክያድ ንክርስቶስ ምትሕሓዝ ቅኑዕ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣተረጋግማ ኣይኮነን።
    ካልእ ክርስትያን ተቓላሲ ማርቲን ሉተር ኪንግ እዩ ።ንሱዉን ብናይ ጸለምቲ ሃይማኖትነት ተሸጊሩ ነይሩ ።ጸለምቲ መዝሙርን ምስቲ መዝሙር ሓቢርካ ኣካላዊ ምንቅሰቃስ ምግባርን ከምዘዘዉትሩ  ይፍለጥ።ካብዚ ዝሓለፈ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ግና ኣይነበሮምን ንፍትሕን ማዕርነትን ምቅላስ ብዙሕ ኣይፈልጡን ።ስለዚ ማርቲን ሉተር ብዛዕባቲ ኣብቲ እዋን  ዝነበረ ናይ ናጽነትን ማዕርነትን ቃልሲ ኪገልጽ እንከሎ’’እንኮላይ ኣብ ናይ ጸለምቲ ሃይማኖት ስምዒት እየ ዓሚጸ ፡እይተርድኣንን የሕፍረኒዩዉን ፡ብሓቂ ሃይማንት ማዕረቲ ኣብ እግርናን ቅልጽምናን ዘሎ ሓይሊ ኣብ ልብናን ነፍስናን ዊሽጢ እንተዝህሉ ዓለም ምቐየረ’’ኢሉ።
     ሙሉእ ወንጌል ንኹልንትና ደቂ ሰባት ግዲ ይብሎ።ስለዚ ሰብ ነፍሱ ተዲሒኑ ፡ንኻልኦት ጉድለታት ጉዳይካ ከምዘይኮነ ምሕሳብ ናይ ክርስቶስ ግዝኣት ስፍሓቱ ካብ ዘይምፍላጥ ወይ ምርዳእ ይምንጩ።ክርስቶስ ናይ ሰባት መንፈሳዊ ናብራ ጥራይ ዘይኮነ ፡ፍትሕን ማሕበራዊ ማዕርነትን ይምልከቶ እዩ።’’ጎይትነት ክርስቶስ ኣብ መላእ ዓለም እንበር ኣብ ቤትክርስትያን ዝተሓዝእ ስለ ዘይኮነ ‘’። ቤትክርስትያን ካብ ገዛእ ርእሳ ሓሊፋ ንድምጺ ዘይብሎም ተዛራቢት /ድምጺ/፡ንድኹማት ደጋፊት ፡ኣፍ ንዘይብሎም ተማጋቲት ኪትከዉን ኣለዋ።ናይ ፖለቲካን ስነ ሃይማኖትን ምሁር ዝነበሩ ኣብርሃም ኩፐር ከምዝብልዎ  ‘’there is not a single inch of which Christ the lord does not claim as his own’’abrham kuper’’ ።ስለዚ ክርስትና ንፍትሕን ማዕርነትን ካብ ምቓም ኪፋታሕ ኣይኪእልን ።ወንጊል እዚ ኩሉ ዘጠቓልል ሰፊሕ ግዝኣት ዘለዎ ናይ ኩሎም ደቅሰባት መድሕን እዩ።
    ነዚ ብልቢ ምእማን ጥራይ እኻሊ ኣይኮነን ፡ካብ ኣፍ ካብ ምዝራብ ሓሊፉ ተግባር ይሓትት ።ስለዚ ቤትክርስትያን ካብ ግለ ሰብ ምድሓን ሓሊፋ   ንዘላቶ ሰፊሕ ማሕበረሰብ ሸኽም ኪህልዋ ይግባእ።ከምዚ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና እብ ዉሽጢ ሕብረተሰብ ፍትሕን  ማዕርነትን  ምስኣኑ ዘየተሓሳስቦ ትኩረቱ እብ ግላዊ ዓወት ጥራይ ዘተኮረ ክርስትና ጥዕና ዘለዎ እይኮነን ‘’ኣብ ዉልቃዉነት ዘተኮረ ክርስትና ኣብቂዕሉ እዩ።
      ዶክተር ማርቲን ሉተር ኪንግ ተስፋ ቆሪጾም ኣብ ዚነበርሉ ግዜ ድምጺ ጎይታ ከም ዚሰምዑ ይዛረቡ ።’’ማርቲን ሉተር ንጽድቂ ደዉ በል ፡ንፍትሒ ደዉ በል፡ንሓቂ ደዉ በል ፡ኣነዉን ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኻ እየ።’’ዝብል ድምጺ።ስልዚ እዞም ሰባኺ ነዚ ዕላማ ጸኒዖም ብምቅላስ ለዉጢ ኣምጺኦም ።ኣብቲ ዚጀመርዎ ቃልሲዉን ኣብያተ ክርስትያናት ዓቢ ግደ ነይርወን።
    ሎሚ ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናት ምስ እንዕዘብ ብፍላይ ናይ ሃገርና ናይ ኣመንቲ ሂወት ብምስትኽኻል ጥዑያት ዜጋታት ንክኾኑ ካብዝገብርኦ  ጻዕሪ ዝሓለፈ ወጻኢ ቤትክርስትያን ኣብ ናይ ሃገርና ፖለቲካን ማሕበራዊ ተሳትፎን ጎሊሑ ዝርእ ኣበርክቶ የብለንን።

    ካብ ገዛእ ርእስና ወጻኢ ዘሎ ዘይፍትሓዉነትን  ስእነት ናጽነትን ዝስመዓና እይመስልን ?ዘይፍትሓዉነት ኣብ ዝነገሰሉ ፡ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ጥዑም ወረ ኣብዘይንስምዓሉ እዋን ከይተሸገርና ‘’ነምልኽ ‘’ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ተተላዒሉ ‘’ንጸልየሉ’’ዝበሃል መልሲ ይህልወና ጸሎት ካብ ተግባር ንሃድመሉ ሰበብ ተገይሩ ይዉሰድ ።ብርግጽ ሓደ ሓደ ስለ ፍትሕን ማዕርነትን ብኣዝዮም ዉቅባት ቃላት እንተጸለና ‘ካ ተግባራዉያን ግና ኣይኮናን ።ዋጋ ክንከፍል ድልዋት ኣይኮናን ።ንምኻኑ ምንጪ ናጽነትን ፍትሕን ምዕርነትን ክምኡዉን ኣብ ኩሉ ጎይታ ዝኾነ እግዝኣብሄር ጎይትነቱ ብመንገዲ ቤተክርስትያን ንኹሉን  ኣብ ኩሉን ከይግለጽ ሓጹር ዝገበርናሉ ብምንታይ ምኽንያት እዩ?ናይ ሃገርና ቤትክርስትያን ካብ ሃይማኖት ሓሊፋ ከይትዘልል እንታይ እዩ ሓኒቕዋ ?ኣብ ጉዳይ ሃገርና ብማዕዶ ናይ ምምልካት ሕማም ዝሓዘና ስለምንታይ እዩ?ፍትሒ ክሰኣን እንከሎ ዘየሕመና እንታይ ስለ ዝኾና ኢና ?  ይቕጽል

ደብዳቤ ኣፍቃሪት

ናብ ፍቑረይ
         እታ ብዕለት 10/8/2012 ዝሰደድካለይ ደብዳቤ ኣብ ኢደይ ካብትበጽሕ ንነጀዉ ካብ መተርኣሰይ ኣይፈለኽዋን ፡፡እናሻዕ ጽምዋ ከጥቅዓኒ እንከሎ ኣብ ዓራተይ ተጎንብየ እነባ ትሕዝቶኣ ድማ ኩሉ ግዜ ይሕድሰኒ ምስልኻ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ይቕጀለኒ እሞ ኣዒንተይ ንብዓት ይዛሪ ።ኣበይ እሞ ሎሚ እቲ ጥዑም ግዜ እንተዝምለስ መን ምሃበ ፡፡ዘሕለፍናዮም ዉሑዳት ግን ድማ ምቁራት እዋናት ?ንኽልቴና ካብ ክልተ ምኻን ሓደ ብምግባር ሐቢርና ብዛዕባ መጻኢና ክንሓስብ ዝገበሩ እዋናት።እቲ እካ ዝርኣየና ዝነበረ ብሩህ ተስፋ,ዕዉት መጻኢ,ፍቕሪ ዝመልኦ ሂወት ..ወዘተ ይናፍቕም በቃ ኣለካሙሽ  ናፍቖት ።
       ፍቑረይ እንታይ እሞ ነዛ መዓስ ከም እንሓድጋ ዘይትፍለጥ ዓለም ፡ነዛ ንሎሚ እካ ምንባርና ርግጽቲ ዘይኮነት ሂወት ፡ከምቲ ዝበሃግናዮን ዝደለናዮን ክይንነብር ጣልቃ ዝኣትዉ ፡ብዝመረጽናልካ መንገዲ ሂወት ኢኻ እትጉዓዝ ፡ዘዋጻካ ንሕና ኢና እንፈልጦ ዝብሉ በዚሖም።ፍቑረይ ኣይተማርሪ ኣይትበለኒ እንበር ነዛ ምንባርና ዝዘርጉ ቀንኣት ስለምንታይ ኪነብሩ ተመሪጹ ?ወዮ ድኣ ፈጣሪ ኩሉ ኣለም ንኹልና ጸሓይ የብርቕ ዝናብ ድማ ይህብ ኮይኑ እንበር ኣነስ እንድዒ።
     ፍቑረይ እቶም ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝሰድደካለይ ደብዳቤታት ኣብ ሳንጣይ ኣለዉ ፡ተዘከሮ፡ናፍቕት ፡ዓቕሊ ጽበት ፡እንታይ እሞ ኪብለካ ልበይ የኽብዱለይ ኣለዉ።   መጀመርታ ንሓደ ወርሒ ተባሂሉ  ወፍሪ ንልምዓት  ምስቶም መዛኑኻን መትዓብይትኻን ኪትከይድ ዕልልታ ኣዴታት ኣሰንዩካ ግዲ ኔሩስ ጽባሕ ኪትምለሰኒ ምኻንካ   ተስፋ እናገበርኩ ብሓጎስ  እፋንየካ ፡ ከመይ ብሓጎስ  ዘየፋንወካ  ከምቲ ኩሉ ግዜ ትብለኒ ዝነበርካ ካብ ዓድና ድኽነት ጠፊኡ ክተርኢ ባህግኻ እንድዩ ዝነበረ።ቅድሚ ሰብካ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኽድካ ጅግና እንዲኻ።ፍቑረይ እቲ ርህሩህ ልብኻ ነቶም ግዳም ሕደር ዝድንግጽ፡ነቶም ሓረስቶት ዓድና ዘበራትዕ   ብፍቕሪ ሃገር ዝነድድ ዝነበረ ልብኻ ሕጂ ኮይኑ ይርኣየኒ።
    ፍቑረይ ሎሚ ሎሚ ግና ከርድኣኒ ዘይክኣለ ነገር እንተልዩ ፍቕሪ ሃገር እንታዩ ?ንህዝቢ ዲና ነፍቅር ዋላስ ንመሬት ?ንጎላጉል ጋሽ ባርካ ዲና ነፍቅር ዋላስ ነቲ ሰፊሕ መሬት ጋሽ ባርካ ገዲፉ ኣብ ጎላጉል ሱዳን ስደተኛ ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ?ነዞም ተኣሲርሎም ዘለዉ ሰባት ዲና ነፍቅር ዋላስ ነቶም ተኣሲሮምሎም ዘለዉ ቦታታት?ንቕይሕ ባሕሪ ዲና ነፍቕር ዋላስ ነቶም  ኣብ ማኣከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ዘለዉ ሰባት ።ዓድና  ድሓን የለዉን ፍትሒ ጠፊኡ ዓመጽ በዚሑ ሰባት መዳሕንቶም ዝተቕብረሉ ዓዲ ግዲፎም ሃጽ ኢሎም እናጠፋኡ ፡ድሃዩ ዘጥፍኣ መንእሰይ እናበዝሐ ፡መርድእ ልሙድ  እናኾነ ፡ዝእሰሩ እናበዝሑ ክንሶም ፡መን ከም ኤርትራዊ ሃገሩ ዘፍቅር እናተባህለ ይዝመር ኣሎ ጋይላታት ይዕምር ፈስቲቫላት ድማ ይዕንብብ ኣሎ ።
     ፍቑረይ መቸም ፖለቲከኛ ክምዘይ ኮንኩ ልዕሊ ማንም ንስኻ ትፈልጠኒ ይግዳስ ኣብ ዉሽጠይ ኮይኑ ዝህዉኽኒ ተዛረቢ ተዛረቢ ዘብለኒ ሓደ ሓይሊ ድዩ ካልእ ካብዘጥሪ ኣይወሓደን ናይ ዉሽጠይ ዘዕልሎ ድማ ንስኻ ኢኻ ንስኻ ካብ ጎነይ ካብትፍለ ድማ ድሮ ዓመታት ኣቕጺሩ ።እሞ ኣብ ዉሽጠይ ደሎ ኣብዛ ቕንጣብ ወረቐት ጽሒፈ ንፍቑረይ  ናይ ልበይ እንተዕለልክዎ እንታይ እዩ በደለይ።ግን ደሓን ኣብ ሰታሪት ዝዕሸግ እንበር ኣብ ምድያ ዝዝርጋሕ ኣይኮነን  ኤእ ግና ፈጣሪ ባዕሉ ይባልሃኒ፡፡
  ብዝኾነ ናብቲ ነገረ ደብዳቤ ኪመልሰካ ንዓለም ጸባብ ዝገበራ መን እዩ ተዝብሃል ፍቑረይ እዩ ምበልኩ ።ከመይ ዶ? ኢልካ ፍቑረይ።ዘይኣምን እንተሎ  ገዛና ይምጻእ መርትዖ ኣሎኒ ።ሓዘኒ መጀመርታ ዝሰደድካልይ ካብ ባድመ ትብል 1998,ድሕሪ እታ ፈላሚት ፍቕርና ዝኾነት ናይ ፍቕሪ ዕድመ ዝሓዘት ሰታሪት ካልኣይቲ ምኻናዩ።እታ ዝሰዓበት ካብታ ጽሓይ ክይበረቐት ክይትተርፍ ትራባረበሉ ዝነበርካ ግንባር እቶም ኣንጻርካ ድማ ‘’ውፍሪ ጽሓይ ብራቕ’’ዝበልዎ ቦታ ኣቤት ዘመን ዘመነ ሓራምዝ ።ድሒርካ ካብ ዓሰብ ,ጸኒሕካ ካብ ተሰንይ,ሳዋ።ካብዚ ሓሊፍካ ኢትዮጵያ,ሱዳን ,ሊብያ,ጣልያን,ደቡብ እፍሪቃ,ብራዚል,ሜክሲኮ,እዛ ሎሚ ኣብ ኢደይ ዘላ ድማ ካብ  ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ  ።እዚ እቶም ረረጊጽካዮም ትከይድ ዝነበርካሞ ብ ኢንተርነት ዝተራኽብናዮም ግዲፍካ ማለት እዩ።እሞ ኣንታ ፍቑረይ መን እዩ ከማኻ ዓዱ ዘይሩስ ንዓለም ዝዞረ ጅግና።ንዓለም ናብ ቑሸት ዝቐየረ።ፍቑረይ እተን ኩለን ዝሰደድካለይ ደብዳቤ እብ ሳንጣይ ኣለዋ ዘመን እንተጽቢቑ ሓቢርና ዳግማይ ነስተማቕረን ንኽዉን።እታ እንኮ ዉላድና ፊድል ምቑጻር ጀሚራስ ክትነቦ ትዉዕል ኣላ ሕጅካ ክንድየናይ ምስ ዓበየት ግና ዘመን ተጸቢቑ መጽናዕታዊ ወረቕት ኪተቕርበሉ ተስፋ ኣሎኒ ።
   ፍትወይ ምስ ተራኽብና እንታይ ከም ዘዕልለካ እንድዒ ሕጂ ኣብ ዉሽጠይ ዘሎ ግና ኣብ ክባብየይ ዝርእ ገዲፈ ሃተዉተዉ ተዘይበልኩ ይሕይሽ  እቶም ሂወታዉያን ዝብልዎን ዝገጥሞምን ዘሎ ,እቲ ዝስማዕ ሕሹኽሹኽ ,እቲ ብድሕሪ መጋረጃ ዝዕለል ዕላል እጠቓልል ኣቢለ ክዕልልካ ዓድና ናበይ እዩ ኣንፈታ ?ጽቡቕ ወረ ናበይ ኣበለ?ዝወቀበ ምርኣይ ተሳኢኑ?ኮታ ዕዲ ተስፋ እናተሳእና ይመጽእ ኣሎ፡፡ክይረሳዕክዎ ብቕዳማይ ጋሎበይ በርሀ እታ ምሳኹም ኣብ ኣመሪካ ዘላ ትመጸልካ ዘስርሓቶ ቪላ ኽተመርቖ መጺኣ ዋላ ኣይስለጣ እንበር ክጽብቕ ጉድ እዩ?ኽራይ መኪና ሒዛ ነቶም ኣሕዋታ ናብ ገርግሶም ወሲዳ ኣዛዊራቶም  ።ብድሕርዚ ሪታ ጋልና በዛ ቅንኢ ማማ ማማ መዓስ እዩ ባባ መጺኡ ዘዛዉረና እናበለት ድቃስ ከሊኣትኒ እብለካ ። ሓቂ ይሓይሽ እነዉን ተመንየ ግን ንስኻ ክትመጽእ ዘይኮነስ ኣነ ናባኻ ኪመጽእሞ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ንዓድና ተመሊሰ ነቲ ማዳ ዝኾነ ገጸይ ዝልከ ልኻኽየ ክምለስ እሞ ፡ዓድና ጥዑም እዩ ,MY  God, oh I love it, ዝብሉን ካልእን ኣብ መንጎ ዘረባይ እናሓወስኩ  ዕድና ክምለስ ።ነቲ ተለቪዥን ኤርትራ እተቕርቦ መደብ እናተዓዘብኩ ዓድና ጽቡቕ ኣላ ትምዕብል ኣላ እናበልኩ ኪነብር ።ፍቑረይ የምሕረለይዶ የመስለካ? ጡፍ ጡፍ  ኣንታ እንታይ ሰይጣኑ እዩ ሎሚ ሃተፍ ተፍ ዘብለኒ ዘሎ    እዚስ ኣይዉዕሎን ንዘረባይ ኣምላኽ ምሕረት ይግበረለይ።እንታ ፍትወይ እዞም ኣብ ዓዲ ወጻኢ ዘለዉ ሃገርና ጽቡቕ ኣላ እናበሉ ዝዛረቡ ኣሕዋትናስ    ስለምንታይ እዮም ስለ ሰብ ኪዛረቡ ዘይትሰምዖም? ዘረብኦም ኩሉ ብዛዕባ ጽርግያ፡ዲጋ፡ህንጻ፡ምክልኻል ሃገር ጥራይ   መቸም ዓዲ ወጻኢ ነቲ ለዋህ ስለ ሰብ ዚሓስብ ልብኻ ኣይቅይሮን ይኽዉን ፍትወይ ጸሊ ።ዘመኑ ክፉእ እዩ ጸሎት ሃዲእካ ኪትሓስብ ዘኺእል ሓይሊ እለዎ  ።ሰብዩ ኩሉ ነገር ።ዋርሳይ ሰብዩ፡ይክኣሎ ፡ሰብዩ,ህዝቢ ኤርትራ ሰብዩ ፡ከም ሰብ ኪነብር ፡ከም ሰብ ኪሓስብ ፡ከም ሰብ ናጽነቱ ዝደሊ ፡ክም ሰብ ሂወቱ ኪመርሕ ዚደሊ  ፍጡር ።ፍትወይ ሓደራኻ ነቶም ምሳኻ ዘለዉ ንገሮም እቶም ኣብ ዳህላክ  ፡ ዒራ ዒሮ  ፡ዓዲ ኣቤቶ፡ማይ ዕዳጋ፡ካርሸሊታት፡ኣደርሰር፡ማይ ሰርዋ፡ሳዋ፡ዓላ፡ክንደይ እሞ ክብል …..በቃ እቶም ምንም ኣበሳ ዘይብሎምን ኣቢሶም ዘተባህሉን ሰባት እዮም። ፍትሒ ይደልዩ።ሕጊ ባዕሉ ክዳንዮም እሞ በደሎም ኪፈልጡ ይድልዩ እትምንታይሲ ሰባት እዮም እሞ ንሕጊ ኪእዘዙ ግድን ስለ ዚኾነ።
   ፍቑረይ  በል ብዛዕባ እታ ተጠኒሳ እንከላ ዝገደፍካያ ሪታ ጋልና ከዕልለካ ብቐዳማይ ኣብ ቴለቪዥን ኤርትራ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ ግዳም ሓደር ትርእየልካ ብድሕርዚ ማማ ስለምንታይ እዞም ኣብ ገዛዉትና ዘልዉ እብ ቲቪ ዘይንርእዮም ብምባል ሕቶ ኣቕሪባትለይ እነ ፍቕርትኻ እንታይ ኢለ ክምልሰላ ነቲ ዘረባ እጠፋፊአ ናብ ካልእ ኣርእስቲ ።ጋልና ዓለም ለኻዊ ዝኾነ ኣፍልጦኣ ሓያል ኮይና ብዛዓባ ኣብ እስያ ዝተገብረ ኪናት ፡ኣብ ኤዉርጳ ዝተገብረ ሰለማዊ ሰልፊ ፡ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘተግብረ ግብረሽበራ።ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎ ጥሜት ትፈልጦ ።ብፍላይ ብዛዕባ ኣመሪካ ግደፎ እብ ጎደና ዘለዉ ሰባት፡ምንቁልቃል ቁጠባ ኣመሪካ ፡ወራር ኣመሪካ ንዒራቕ፡ኩሉ ክፉእ ዘበለ ናይዛ ዓለምና ትፈልጦ።ሎሚ ሎሚ በዛ ዕንባባ ጋለይ ዉሽጠይ ፍርሃት ፍርሃት ይብለኒ ዘረባኣ ኩሉ ብዛዕባ ጎረባብትና ኾይኑ ፡፡ካብቶም መማህርታ ሓደ ቑሩብ ትጸልኦ እንተረኺባ ወያነ ትብሎ።ንወዲ ሓወቦኻ ብቐዳማይ እዚ ሽጣራ ወያነ ዘይትገድፎ ኢላቶ።እዛ ጋልና ንገዛእ ርእሳ ረሲዓ ክይትነብር እፈርሃላ።ብቐዳምይ ገለ ክፋል ቲቪ ኢረ ክትርኢ ከምዘይብላ ይምዕዳሞ ማማ እዚ እገዳኺ የበርትዓኒ እንበር ኣየመርኪኸንን እዩ በለትኒ።ኩሉ ዘረብኣ ሓደገኛ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ ሃየ ሕዲኡ ግበር ቐልጢፍካ ዝኺፈል ከፊልካ ከምታ ዝወጻኻያ ኣዉጻና ።ግን ድማ ተጨዊና ከይንኽደካ ንፈርህ እብዚ ዓዲ ዝስማዕ  ዘሎ ወረ ጥዑም ኣይኮነን ኤርትራዉያን ክፍሊ ኣካላቶም ይሽየጥ ኣሎ ንሰምዕ ኣሎና ገለ ገለ  ወረታት ድማ  ስድራቤታት ንደቆም ንምዉጻእ ዘለዎም ዘበለ ኩሉ ከም ዝሸጡ ይዝረብ ኣሎ ፡፡ሕሉፍ ሓሊፎም እቶም ነቲ ገንዘብ ዝቕበሉ ሰባት ኣብዛ ምጭዉቲ ኣስመራና ኮይኖም እዮም ይበሃል።ዘይተፈስወ ዘይጭኖ ።
     ፍቑረይ እንሓንሳብ ደራሲት ኩኒ ይመጸኒ እብዚ ዓድና ዘለዉ ደረስቲ ኩሉ ጽሑፎም ብዛዕባ ገድሊ ጥራይ ኮይኑ ንዝገበርዎ ቃልሲ ከም ዚኽሓድናሎም ብዛዕባኡ ጥራይ ይጽሕፉ ኣመስጊንና ነመስገንቲ ሂብናዮም ፡ሳዕሲዕና ዘሊልና ።እንካዕ ደሓን መጻኹም ኢልናዮም ክበሩ ክብረት ይሃብኩም ኢሎም ወለዲ መሪቕም።ግና ሃገር ካልእይ መድረኽ የድልያ ኣሎ ናብኡ ተሓጋጊዝና ንሳገር ንብል ኣሎና ።ደረስትና ከረድእዎም ኣይከኣሉን  ብርዖም ገና ስለ ሕሉፍ ገድሊ የዘንትዋ ኣለዋ ።እቶም ብርዖም ስለ ሓቂ ከንብዕወን ዝጀመሩ ቤቶም ኣብ ማሕቡስ ኮይኑ ።እቶም ገና ካብ ዛንታ ገድሊ ዘይነቕሑ ዘለዉ ግና ይደርሱ፡ይጽሕፉ፡ይዝይሙ፡ፊልም የሰርሑ ኣለዉ።ዓድና ፍቕሪ ብፍቕሪ ኮይና ኣብቲ መዋዕዉዒ ዝልጠፈሉ ቦታ ምስ እትኸይድ ስለ ፍቕሪ ዝተሰርሐ ፊልም መን ይቑጸሮ ብ ዙ ሕ….።ብዝኾነ ኣብ ዓድና ደራሲ እንተኾንካ ኣብ ክልተ ኣርእስቲ ኢኻ ትደርስ ስለ ገድሊ ወይ ፍቕሪ ፡ነዞም ክልቲኦም ኪትገብርዉን ሓዳስ ኤርትራ ኪተንብብ ወይ ረድዮ ን ቲቪን ኪትከታተል ኣሎካ ምኽንያቱ ዕለታዊ መምርሒ ሂወት ናይ ዕድና ካብኣን ስለ ዝርክብ ።ከመይሲ ‘’serving the truth’’ሳልሰይቲ ረሲዐልካ ስለ ወዲ ኣፎም ኣሃሃሃሃሃ  እንታይ ዘኪረ መስለካ ‘’ወዲ መድህን በራድ’’ዝብል ስም ሂበሞ ኣብ ፈይስ ቡክ ነዚ ሓለንጋይ መራሒና ።
     ፍቑረይ መቸም ጽሑፈይ ትነቦ ትኸዉን ተዘይ ደኺምካ ቅሩብ ኪዉስኽካ ።ተነበብካዮ ጽቡቕ ተዘይኮይኑ ድማ ከይትቐዳ እቶም ደቂ ገዛኻ የንብብዋ ይኾኑ?ኤእ ረሲዐዮ ቕደዳ ድኣ እቶም ምሳኻ እዚ ኩሉ መከራ ሓሊፎም ዓዲ ሰብ ዝበጽሑ ቀንዲ ደገፍቲ መንግስቲ እዮም እንዶ እይተባህለን በል ሐደራ ብሰላም ኪነብር እየ ዝደሊ ንዓይ ሓስዮም ኣትሒዞም መእተዊ ዓዲ ክይግብሩኒ ።
      ፍቑረይ እቶም ኣብ ግዜ ናጽነት እተወልዱ እንበዓል ሓበን፡ደንደን፡ናጽነት፡ሰላም፡ዓወት፡ናብ ስደት ከይዶም ።ነቲ ሸዊት ዕድሚኦም ኣብ ክንዲ ኣብ ጎደና ሓርነት ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት የሕልፍዎ ኣለዉ።
      ፍቑረይ ሕጅስ ይኣኽለኒ ምፍልላይ ከቢድ እዩ ።ትጽቢት ነዊሕ ኮይኑ ግና ካብ ሞት ኣይመርርን እዩ ሞት ካልኣይ የብላን ሓደ መዓልቲ ፍቓድ ፈጣሪ ኮይኑ ኪንራኽብ ኢና ።ዕጫ ኤርትራዊት ኣደ ከቢድ እዩ። ኣዴታትና ኩለን ተጽብየን ነቶም ጥልያን ብሓይሊ ዘዓስከሮም ኣቦሓጎታትና፡ነቶም ንስለ ናጽነት ንበረኻ ዘወጹ ኣቦታትና፡ነቶም ተወሪርኩም ተባሂሎም ዝኸተቱ መንእሰያት ሕጂድማ ኣነ ፍትዉትኻን ከምዚ ኸማይ ዝዕጭኣን ኣዴታትን ኣንስትን ነቶም ብስድት ዝተፈልኹምና ንጽበ ነዊሕ ትጽቢት ።እወ ሓደ መዓልቲ እዚ ኩሉ ኪሓልፍ እዩ ሰበይቲ ምስ ሰብኣያ ፡ኣደ ምስ ዉሉዳ ፡ሓዉ ምስ ሓዉ፡ሓዉ ምስ ሓብቱ ፡ዝራኽበሉ ዘመን ቀረባ እዩ።ፍትወይ ባህገይ ኤርትራ ነቶም ነበርታ እተብህግ ዓዲ ሰላምን ፍትሕን ክትከዉን እዩ።      kelemawi tekie
Show less
1
1

ምንባር ምስትንፋስ እንተኾይኑ! ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል

  ‘’ ብዝኾነ ጥንቅቕ በሊ …’’ገና ዘረባይ ከይወዳእኩ መራሒ መኪና ክሳብ ቆጸራይ ዝዉድእ ስድርኡ ኣብ ኣስመራ ስለ ዝቕመጡ ንዕኦም ርእይ ኣቢለዮም ክምለስ ኢሉኒ ከይዱ ነበረሞ፡፡ከም ዝመጸ ምስ ሓበረኒ’የ ነዊሕ ግዜ ከም...